ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/10 ገጽ 30-31
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ሕልሚ ሃብቲ’
  • ጸልማት ዝፈርሁ
  • መደብ ጕዕዞ ጠፈር ቻይና
  • ከይጸንቱ ኣስጊኦም ዘለዉ ኣናብስ
  • ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ
  • “ዘሰምብድ” ብዝሒ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት
  • ኣብ ሞት ዘብጽሕ ናይ ዓበይቲ ፍሮማይ
  • ኣብ 2050 ኣርባዕተ ቢልዮን ሰባት ብጥሜት ክሳቐዩ ኢዮም
  • ሰብኡት ቅድሚ ኣንስቲ ዝሞቱ ስለምንታይ ኢዮም፧
  • ሓደጋታት ማኪና ንህይወትካ ካብ ሓደጋ ትጥንቀቐላ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2002
g02 8/10 ገጽ 30-31

ካብ ከባቢ ዓለም

‘ሕልሚ ሃብቲ’

ብዙሓት ድኻታት ብሰንኪ እቲ ዝርእይዎ ሓያሎ ረክላማት ብምጥላዕ ዝሓልፈሎም ኰይኑ ዝስምዖም እኳ እንተዀነ: ብዙሕ ገንዘብ ንኽበጽሖም ዘለዎም ዕድል ግን ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ ታይምስ ኦቭ ዛምብያ ገሊጻ። ብመሰረት እዛ ጋዜጣ እዚኣ “ንሎተሪ ዝግበር ረክላማት ብዛዕባ ሃብቲ: ጣዕሚ ናብራ: ከምኡውን ብዛዕባ ጸገም ዘይብሉ ህይወት ኸም እትሓልም ዝገብር” እኳ እንተዀነ: “እቲ ሎተሪ ንኽበጽሓካ ዘለዎ ኣጋጣሚ ግን መብዛሕትኡ እዋን ኣይግለጽን ኢዩ።” እታ ጋዜጣ ኽት​ዛዝም ከላ “ዝዀነ ይኹን መከራኸሪ ሓሳባት እኳ እንተ ቐረበ: ምጥላዕ ዓይኒ ብዓይኒ ዝግበር ስርቂ ኢዩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ብስነ⁠-​ምግባር ቅኑዕ ዝዀነ ሕብረተሰብ ከኣ ብሕጊ ክኽልከል ይግባእ” በለት።

ጸልማት ዝፈርሁ

ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ ከም ዝገለጸቶ “ሕጂ ዘለዉ ቘልዑ ኻብቲ ወለዶም ብንኣሽቱኦም ዝነበርዎ ንላዕሊ ጸልማት ይፈርሁ ኢዮም: ምኽንያቱ ድማ ሰብ ንዝሰርሖ ብርሃን ዝያዳ ብምቅልዖም ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ምሉእ ብምሉእ ጸልማት ስለ ዘየጋጥሞም ኢዩ።” ተመራማሪ ስነ⁠-​ኣእምሮን ደራስን ኣሪክ ሲግማን: ዳርጋ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዘለዉ ቘልዑ ኣብ መደቀሲኦም ድኹም መብራህቲ ተወሊዑ ኽሓድር ከም ዝደልዩ ሓቢሩ። ኣብ ግዜ ድቃስ እውን ከይተረፈ ንጸልማት ብዘይምቅላዖም ኣብ ኣእምሮ ናይ ምስኣል ክእለቶም ኣጥፊኦም ከም ዘለዉ ገሊጹ ኢዩ። ኣብቲ ጸብጻቡ “ቈልዑ ኣብ ኣእምሮ ናይ ምስኣል ክእለት ዘማዕብሉሉ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ኣለዎም። . . . ኣብ ጸልማት ክጻወቱን ክዘናግዑን ከለዉ ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈጥርዎ ስእሊ ፍልይ ዝበለ ስለ ዝዀነ ኣብ ጸልማት ምጽዋት ክፈትዉዎ ይኽእሉ ኢዮም” በለ። ኣብዚ ግዜና ግን “ኣብ ተለቪዥን: ሲነማ: ከምኡውን ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታታት ዝርእይዎ ስእልታት ኣብ ኣእምሮኦም ይቕረጽ” እሞ የፍርሆም። ዶ/ር ሲግማን ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ብዙሕ ኣንብብ: ተለቪዥን ምርኣይ ድማ ቀንስ ዝብል ማዕዳ ግዜ ዝሓለፎ ኽመስል ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ሕጂውን እዚ ኣድላዪ ኢዩ።”

መደብ ጕዕዞ ጠፈር ቻይና

ብ1 ሚያዝያ 2002 ኣብ ቻይና እተሰርሐት ሸንጆ ሳልሰይቲ እትበሃል ሰብ ዘይብላ ናይ ጠፈር መንኰራዅር ንሓደ ሰሙን እተዋህባ ተልእኾ ብዓወት ዛዚማ ኣብ ውሽጣዊ ሞንጎልያ ኸም ዝዓረፈት ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። እዛ መንኰራዅር እዚኣ ኣብ መጻኢ ሰብ ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን ብህይወት ንምንባር ዘድሊ መጠን ኦክስጅንን ሙቐትን ዝልክዕ መሳሪሒ እተገጥመሉ ምስሊ ሰብ ዝሓዘት ኢያ ነይራ። ሰበ⁠-​ስልጣን ቻይና እንተ ወሓደ ክሳዕ 2005 ሰብ ናብ ጠፈር ክሰዱ ኸም ዝመደቡ ገሊጾም ኣለዉ። ብተወሳኺውን እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ “ምርምር ጠፈር ቻይና ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶኡ: ክሳዕ 2010 ሰባት ናብ ወርሒ ምስዳድ ኢዩ።”

ከይጸንቱ ኣስጊኦም ዘለዉ ኣናብስ

መጽሔት ኒው ሳይንቲስት “ኣናብስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብ መብዛሕትኡ ኽፍሊ ኣፍሪቃ ኽጸንቱ ይኽእሉ ኢዮም” በለት። 100 ጽምዲ ዝፋረዩ ኣናብስ ንኽህልዉ ኻብ 500 ክሳዕ 1,000 ዝዀኑ ኣናብስ የድልዩ: እዚ ዘድለየ ኸኣ ሓደ ስድራ​ቤት ኣናብስ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኸይዋሰቡ ኢዩ። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ዕቃበ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣናብስ ካብቲ ዝድለ ቍጽሪ ኣዝዮም ዝውሕዱ ኢዮም። ኣብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሊደን ዝሰርሕ ሃንስ ባወር “እዚ ኣቕሊልካ ዝርአ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣይጸንቱን ኢዮም ኢልና ኽንተኣማመነሎም እንኽእል ጕጅለ የለዉን” በለ። ቍጽሮም እናወሓደ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት: ሰባት ኣብቲ ኣናብስ ዝነብሩሉ ኣከባቢ የስፋሕፍሑ ብምህላዎም ኢዩ። ሓደ ተባዕታይ ኣንበሳ ክሳዕ 200 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን መህደኒ ቦታ ስለ ዘድልዮ: ኣናብስ ኣዝዩ ሰፊሕ ቦታ ኢዩ ዘድልዮም። ባወር “ኣንበሳ ኣገዳሲ ዘርኢ ኢዩ። ከይጠፍእ የስግእ ምህላዉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 20 ክሳዕ 30 ዓመታት ካልኦት እንስሳታት እውን ናብዚ ገጾም ከም ዘምርሑ ኢዩ ዝሕብር” በለ።

ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ

ኣብ ብሪጣንያ ኻብ 13 ሰባት 1 ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘለዎ ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ኢንዲፐንደንት ገሊጻ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኸኣ እቶም ውሉፋት ኣልኮላዊ መስተ “ዕጽፊ ናይቶም ውሉፋት ሓሽሽን ሓኪም ዝኣዘዞ መድሃኒትን” ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝሕብር። ካብ 1994 ክሳዕ 1999 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ዘስዕቦ ኸም ሕማም ልቢ: ሕማም ጸላም ከብዲ: ከምኡውን ብሰንኪ መስተ ዝመጽእ ምምራዝ ዝኣመሰለ ሳዕቤናት ዳርጋ ብ43 ሚእታዊት ወሲኹ ኢዩ። ሰታያት ዘስዕብዎ ሓደጋ ማኪና ካብቲ ብ1998 ዝነበሮ 10,100: ኣብ 2000 ናብ 11,780 ደይቡ: 1 ኻብ 7 ካብቶም ብሓደጋ ማኪና ዝሞቱ ብሰንክዚ ኢዮም ሞይቶም። ሱሳ ሚእታዊት ዝዀኑ ኣስራሕቲ ምስቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሰትዩ ሰራሕተኛታቶም ይጋጨዉ ኢዮም: 40 ሚእታዊት ካብቶም ዓመጽ ዝፍጽሙ ኸኣ መስተ ሰትዮም ኢዮም ዝፍጽምዎ። ኣብ ብሪጣንያ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዘምጽኦ ሳዕቤን ናይ ዝሕብር ትካል ዳይረክተር ዝዀነ ኤሪክ ኣፕልባይ ከምዚ በለ:- “እዚ ጸገማት እዚ ኣብ ጥዕና: ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ: ኣብ ቍጠባ: ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት . . . ዘለዎ ሰፊሕ ጽልዋ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸሎና: ኵላትና ብሓባር ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ይሕብረና።”

“ዘሰምብድ” ብዝሒ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት

ናይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዳይረክተር ዶ/ር ግሮ ሃርለም በረንትላን “ዓለምለኻዊ ብዝሒ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ዘሰምብድ ኢዩ” ብምባል ገለጸ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እዚ ውድብ እዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ናይ ኣእምሮ ሕማም “ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝበሃል ሕማማትን ናይ ጥዕና ምዝንባልን ኢዩ።” ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 450 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብናይ ኣእምሮ ሕማም ይሳቐዩ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ንመብዛሕትኡ እዚ ሕማማት እዚ ሕክምና እኳ እንተ ሃለዎ: ዳርጋ ክልተ ሲሶ ካብዚኣቶም ግን ብሰንኪ ኣድልዎ: ሕፍረት: ድኽነት: ወይ ከኣ ብቑዕ ሕክምና ኽረኽቡ ስለ ዘይክእሉ ናብ ሓካይም ኣይከዱን ኢዮም።

ኣብ ሞት ዘብጽሕ ናይ ዓበይቲ ፍሮማይ

ኣብ ለንደን እትሕተም ኢንደፐንደንት እትበሃል ጋዜጣ “እቲ ኣብ እዋን ቍልዕነት ልሙድ ዝዀነ ፍሮማይ ዝበሃል ረኽሲ: ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት እውን ይቐትል ኣሎ” በለት። ኣብ ብሪትሽ ሜዲካል ጆርናል እተሓትመ ኣሃዝ ከም ዝገለጾ ኣብ መጀመርታ 1970ታት ካብቶም ብፍሮማይ ዝሞቱ ሰባት 48 ሚእታዊት ዓበይቲ ኢዮም ነይሮም: ኣብ 2001 ግን እዚ ቝጽሪ እዚ 81 ሚእታዊት በጺሑ። ናይ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ለንደን ክንክን ጥዕናን ትሮፒካዊ መድሃኒትን ፕሮፌሰር ኖርማን ኖዋህ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “እዚ መጽናዕቲ እዚ ፍሮማይ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ከም ዝቐትል ኢዩ ዘረጋግጽ . . . [ኣብ እንግሊዝን ዌልስን] ኣብ ዓዓመት 25 ሰባት ጥራይ በዚ ብሙማቶም ኣቕሊልካ ኢዩ ዝርአ። . . . ዓበይቲ ፍሮማይ እንተ ሓሚሞም ካብቲ ብቝልዕነቶም ዝሓምዎ እተፈልየ ምዃኑ ኽፈልጡ ኣለዎም። ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ስለ ዘለዉ ቐልጢፎም ናብ ሓኪም ክኸዱ ይግባእ።” ብፍላይ ከኣ ካብ 15 ክሳዕ 44 ዝዕድሜኦም ደቂ ተባዕትዮ ኢዮም በዚ ሕማም እዚ ዝሞቱ።

ኣብ 2050 ኣርባዕተ ቢልዮን ሰባት ብጥሜት ክሳቐዩ ኢዮም

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ማዕከን ብዝሒ ህዝቢ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ: ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ይርአ ስለ ዘሎ ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 9.3 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ። ካብዚኣቶም ከኣ 4.2 ቢልዮን ኣብተን እኹል መግብን ማይን ዘይርከበን ሃገራት ኢዮም ክነብሩ። እዚ ቝጽሪ ዕጽፊ ናይቶም ሕጂ እኹል መግቢ ዘይረኽቡ ዘለዉ ሰባት ኢዩ። ናይቲ ማዕከን ፈጻሚት ዳይረክተር ቶራያ ኦባይድ “እዚ ጸብጻብ እዚ ድኽነትን ቅልጡፍ ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ብሓንሳእ ክመጽእ ከሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኢዩ ዘርኢ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላውን ከምዚ በለት:- “ድኻታት ብዝያዳ ኣብ ባህርያዊ ሃብቲ ንኣብነት ኣብ መሬት: ዕንጨይቲ: ከምኡውን ኣብ ማይ ኢዮም ብቕጥታ ዝምርኰሱ: ስለዚ: ኣከባቢ ኽዓኑ ኸሎ ብዝያዳ ዝሳቐዩ ንሳቶም ኢዮም። . . . ገሌና ብዙሕ ነገራት ከነባኽን ከሎና: ገሊኣቶም ግን ብህይወት ንኽነብሩ ዘኽእሎም እኳ ኣይረኽቡን ኢዮም።”

ሰብኡት ቅድሚ ኣንስቲ ዝሞቱ ስለምንታይ ኢዮም፧

“ህይወት ሰብኣይ መከራ ዝመልኦ ኢዩ: ሰብኡት ቅድሚ ኣንስቲ ኢዮም ዝሓሙን ዝሞቱን።” ነዚ ዘሕዝን ጸብጻብ ዘቕረቡ እቶም ነቲ ኣብ ቪየና: ኣውስትርያ: እተገብረ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ጥዕና ሰብኡት ዘዳለዉ ኢዮም። ዙወትዶይች ዛይቱንግ እትበሃል ኣብ ጀርመን እትሕተም ጋዜጣ ኸም ዝሓበረቶ: ሰብኡት ካብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሞታሉ ዕድመ ብገምጋም ሓሙሽተ ዓመት ኣቐዲሞም ከም ዝሞቱ እቶም ተኣከብቲ ምስ ፈለጡ ሰንቢዶም ኢዮም። ሰብኡት ኣቐዲሞም ዝሞቱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ ምኽንያት ሰብኡት ዝያዳ ሽጋራ ዘትክኹ ወይ መስተ ዘብዝሑ ብምዃኖም ኢዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕን ምውስዋስ ኣካላት ዘይምግባርን ከኣ ካልእ ዓበይቲ ምኽንያታት ኢዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ 70 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ሰብኡት ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽብደት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ብዙሓት ሰብኡት ስርሖምን ስድራ​ቤቶምን ብሚዛናዊ መገዲ ንኽሕዙ ይዋጠሩ ኢዮም። ብተወሳኺውን ምስ ዝሓሙ ወይ ካብ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእሎም ምኽሪ ምስ ዘድልዮም ናብ ሓኪም ምኻድ ኣይፈትዉን ኢዮም። ዘኽፍሪት መሪን ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ ናይቲ ኣኼባ: ነዚ ዅሉ ብሕጽር ዝበለ ቓላት ክገልጾ ኸሎ “ብዓይኒ ሕክምና ኽርአ ኸሎ ሰብኡት ውጹዓት ኢዮም” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ