ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ተለቪዥን ዝቐረበ ኽትዕ
ኣብ 2000 ከምኡውን 2001 ኣብ ሃገረ ጆርጂያ: ሪፖብሊክ ሕብረት ሶቭየት ነበር: ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጥቃዕቲ ተኻይዱ ነይሩ። ሓደ ህቡብ መደበር ተለቪዥን ጆርጂያ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእገዱ ዝሓተተ ፖለቲከኛን ብዛዕባ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ኽገብር ብቤት ፍርዲ እተመዘዘ ፕሮፌሰርን እተገበረ ኽትዕ ኣቕረበ።
እቲ ፕሮፌሰር ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝምልከት ዝቐረበ ኽስታት ኣመልኪቱ ኽምልስ ከሎ: እቲ ፖለቲከኛ ዝበሎ ኻብ “ሓቂ ዝረሓቐ” ኢዩ በለ። ብምቕጻል ቅዳሕ ናይታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ እቶም ተመልከትቲ ናይ ተለቪዥን ከም ዝርእይዎ ብምግባር “እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣምንዎ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ” በለ።
እቲ ፕሮፌሰር ብምቕጻል ኣብ መጀመርታ ናይታ መጽሓፍ ዝርከብ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣንበበ:- “ግናኸ ህይወት ንብዙሓት ሰባት ሓደ ድሕሪ ሓደ ተኸታቲሉ ዝመጽእ ከቢድ ግድላት ዝመልኦ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ዘጋጠመካ እንተዀይኑ ኣጆካ ትባዕ።”
እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብዙሓት ሰባት ንዝሓትዎ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህቦም ኢያ። ንኣብነት ካብቲ ዝሓዘቶ ኣርእስትታት “እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧” “ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧” ከምኡውን “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧” ዝብል ምዕራፋት ኣለዋ።
ቅዳሕ ናይዛ 192 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ክትረክብ እንተ ደሊኻ: ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
□ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር።
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።