ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/10 ገጽ 25-27
  • “ጸብሒ ኣቡን” ዝረኸቦ ዓወት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጸብሒ ኣቡን” ዝረኸቦ ዓወት
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ እተዋህቦ ሕማቕ ስም ምቕያር
  • ካብ ሕማቕ ስም ናብ ዝያዳ ተፈታውነት
  • ኣብ ሲና ዀነ ኣብቲ ነዳዲ ዝወጸሉ ቦታታት
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2002
g02 8/10 ገጽ 25-27

“ጸብሒ ኣቡን” ዝረኸቦ ዓወት

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ስጳኛ

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት “ጸብሒ ኣቡን” ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከብ ኣኽራን ኣንደስ ፈቐዱኡ ኣብ በረኻ ዝበቍል ተኽሊ ኢዩ ነይሩ። ፍሪኡ ጥዑም እኳ እንተዀነ: እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ቐያሕቲ ህንዳውያን ግን ተኺሎምን ኰስኲሶምን ፍረ ኽረኽቡ ኣይጽዕሩን ኢዮም ነይሮም። እዚ ዘግርም ተኽሊ እዚ ኸም ገለ ኢሉ ናብ ሜክሲኮ ተኣታተወ: ኣብኡ ድማ እቶም ኣዝቴክ ዝበሃሉ ህዝቢ ሲቶማትል ኢሎም ሰመይዎ። ቶማትል እትብል ስያመ ምስ ኮሚደረ ንዝመሳሰል ብዙሕ ፈሳሲ ዘለዎ ፍረታት ኢያ እትውዕል። ነዊሕ ከይጸንሐ ሳልሳ ኣብ ኵሉ መግብታት ኣዝቴክ ክኣቱ ጀመረ: ኮሚደረ ኸኣ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ናይ ምርካብ ነዊሕ ጕዕዞኡ ጀመረ።

ስጳኛውያን ወረርቲ ንሳልሳ ፈትዮምዎ ኢዮም። ብ1590 ዝበዝሕ ክፍሊ ህይወቱ ኣብ ሜክሲኮ ዘሕለፎ ሓደ ኻህን ጀስዊት: ኮሚደረ ንጥዕና ዝጠቅም: ምብልዑ ጥዑም: ጸብሒ ዘመቅር ፈሳሲ ዘለዎ ምዃኑ ገለጸ። ስጳኛውያን ካብ ሜክሲኮ ናብ ስጳኛን ናብ ካልኦት ኣብ ካሪብያንን ፊሊፕንስን ዝርከባ ግዝኣታቶም ፍረ ኮሚደረ ሰደዱ። ይኹን እምበር: ጽቡቕ ኣጀማምራ እኳ እንተ ነበሮ: ኮሚደረ ኣብ ክሽነ ነፍሲ ወከፍ ቤት ክሳዕ ዝልመድ ካብ ሰለስተ ዘመናት ዝዛይድ ግዜ ሓሊፉ ኢዩ።

ነቲ እተዋህቦ ሕማቕ ስም ምቕያር

ሰብ ከይመርመረ ኣቐዲሙ እንተ ጸሊኡካ: ተፈታዊ ኽትከውን ቀሊል ኣይኰነን። ኮሚደረ ኣብ ሜክሲኮ ተፈታዊ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ኣውሮጳ ግን ሕማቕ ስም ተዋህቦ። እቲ ጸገም ዝጀመረ ኣውሮጳውያን ተመራመርቲ ስነ⁠-​ኣትክልቲ ንኮሚደረ ምስ መርዛም ኣትክልቲ ምስ መደብዎ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣቝጽልቲ ኮሚደረ ሓያል ሽታ ኣለዎ: መርዛም ድማ ኢዩ። ገሊኣቶም ብኣቝጽልቲ ገይሮም ፈውሲ ዘቃምሙ ኽኢላታት: ኮሚደረ ጾታዊ ስምዒት የለዓዕል ኢዩ ብምባሎም ከኣ እቲ ነገር መሊሱ ተሓላለኸ። ገሊኣቶም ሰባት ፈረንሳውያን ፖም ዳሞር ወይ “ናይ ፍቕሪ ቱፋሕ” ዝብል ስም ዝሃብዎ በዚ ምኽንያት እዚ ኸም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እውን ብዛዕባ ኮሚደረ ሕማቕ ኣረኣእያ ኣስፋሕፍሐ። ኣብ 1820ታት እኳ ኸይተረፈ ሓደ ኣብ ማሳቹሰትስ ዝነብር ኣመሪካዊ ኣታኽልተኛ “[ኮሚደረ] ክትርእዮ ኣዝዩ ዘፈንፍን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ምናልባት ክቱር ጥሜት እንተ ዘየገዲዱኒ ኽጥዕሞ እውን ኣይደልን ኢየ” በለ። ንኮሚደረ ዝጸልእ ዝነበረ ሰብ ግን እዚ ሰብኣይ እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ሓደ ኣብ ፐንሲልቫንያ ዝነብር ሰብ ንኮሚደረ “መጺጽ ጐሓፍ” ክብሎ ኸሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ስፍራ ኣታኽልቲ ዝነበሮ ሰብኣይ እውን ነዚ ፍረ እዚ “እቲ ብድብድ ወርቃዊ ቱፋሕ” ኢሉ ጸውዖ።

ኢጣልያውያን ግን ኣብ መበል 16 ዘመን ንኮሚደረ ፖሞዶሮ (ወርቃዊ ቱፋሕ) ብምባል ዝሓሸ ስም ኢዮም ሂቦምዎ።a ኣብ መጀመርታ መበል 17 ዘመን ኮሚደረ ኣብ ኢጣልያ ህቡብ መግቢ ዀነ: እቲ ጸሓይ ዝበዝሖ ክሊማ እታ ዓዲ እውን ብብዝሒ ንኽፈሪ ሓጊዙ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዳርጋ ንኽልተ ዘመናት ዝኸውን ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣታኽልተኛታት ንኮሚደረ ኣይፈትዉዎን ነበሩ: ንመልክዕ ወይ ንመድሃኒት ጥራይ ኢሎም ከኣ ኢዮም ዘፍርይዎ ነይሮም።

ካብ ሕማቕ ስም ናብ ዝያዳ ተፈታውነት

ይኹን እምበር: ሰባት ሓንሳእ ንኮሚደረ ምስ ጠዓምዎ: እቲ ቐደም ዝነበረ ሕማቕ ኣረኣእያ እናጠፍአ: ኮሚደረ ዘፍርዩ ሰባት ከኣ እናበዝሑ ኸዱ። ኣብ 1870ታት ካብ ካሊፎርንያ ብባቡር ዝለኣኽ ኮሚደረታት ኣብ ኒው ዮርክ ይሽየጥ ነበረ። ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ኔፕልስ: ኢጣልያ ናይ መጀመርታ ፒዘርያ ምስ ተኸፍተ: ጠለብ ኮሚደረ እናወሰኸ ከደ። ኣብ መበል 20 ዘመን ፒሳ ጥራይ ዘይኰነስ መረቕ ኮሚደረ: ጽማቝ ኮሚደረ: ሳልሳ: ከምኡውን ካቻፕ ዝያዳ ጠለብ እናረኸበ ምስ ከደ: እቲ ጽሉእ ዝነበረ ኮሚደረ ኣብ መላእ ምድሪ ኣዝዩ ተፈታዊ ፍረ ኰነ። (ብየማን ዘሎ ሳጹን ርአ።) ኮሚደረ ግን ብብዝሒ ዘፍርዩ ሓረስቶት ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ምድረ⁠-​በዳ ኰነ ኣብቲ ሓያል ንፋስ ዘለዎ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝነብሩ ኣታኽልተኛታት እውን ዝፈትዉዎ ተኽሊ ኢዩ።

ኣብ ሲና ዀነ ኣብቲ ነዳዲ ዝወጸሉ ቦታታት

ኣብቲ ኣብ ማእከል ሰሜናዊ ባሕሪ ዝርከብ ነዳዲ ዝኳዓተሉ ቦታታት ፍረታትን ኣሕምልትን ዝበቍል ኰይኑ ኣይስምዓናን ይኸውን። ኮሚደረ ግን ብዙሕ ክንክን ዘድልዮ ተኽሊ ኣይኰነን። ኣብ ሓደ እኹል ማይን ዘድሊ መኣዛታትን ዝሓዘ ፕላስቲክ: እቲ ዘርኡ እንተ ተዘሪኡ ብዘይ​ሓመድ ክዓቢ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣብቲ ብዘይ​ካ ትቦታትን ማሽናትን እንተ ዘይኰይኑ ሓምላይ ነገር ዘይርከቦ ነዳዲ ዝወጸሉ ቦታ: ባዕልኻ ዘፍረኻዮ ፍረ ምርካብ ዓብዪ ነገር ኢዩ።

ኮሚደረ ቕሩብ ክንክን ጥራይ ብምግባር ኣብ ምድረ⁠-​በዳ እውን ክፈሪ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኣኽራን ሲና ዝነብሩ ጃባሊያህ በዶዊን ዝበሃሉ ዓሌት እውን ዛላ ብምዝላይ ካብ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ብዝረኽብዎ ማይ ከምኡውን ሳሕቲ ብዝዘንብ ዝናብ ገይሮም ኣታኽልቲ የፍርዩ ኢዮም። እቲ ተጠንቂቖም ብመስኖ እናኣስተዩ ዘፍረይዎ ገዚፍ ዝዓይነቱ ዘርኢ ኮሚደረ ኣብ ጸሓይ የንቅጽዎ እሞ ኣብ እዋን ሓጋይ ይበልዕዎ።

ኮሚደረ ኣብ መላእ ዓለም ተፈታዊ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ክሊማን ስለ ዝበቍል ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ዓይነት ኮሚደረ ብርእሰ⁠-​ጽግያ ኢዩ ዝዋሰብ: ስለዚ እተፈላለየ ጣዕሚ ዘለዎ በብዓይነቱ ኮሚደረ ኽርከብ ይከኣል ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ 4,000 እተፈላለየ ዓይነት ኮሚደረ ኣሎ። እቲ ደቂቕን ብዙሕ ማይ ዘለዎን ዓይነት ኮሚደረ ንሰላጣ የመልክዖን ጣዕሚ ይውስኸሉን ኢዩ: እቲ ሳማርሳኖ ዝበሃል ምቁርን ውጥውጥ ዝበለን ኮሚደረ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ታኒካ ተዓሺጉ ኢዩ ዝሽየጥ። እቲ ኻብ ክሽነ ስጳኛውያን ዘይጠፍእ ገዚፍ ዝዓይነቱ ኮሚደረ: ኣብ ሰላጣን መግቢ ንምኽሻንን ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ።

እንተዀነ ግን: ኮሚደረ ኣብ መወዳእታ ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ ሳላ ጣዕሙ ኢዩ። ኣብ ፒሳ: ሰላጣ: ስጎ: ወይ ኣብ ጽማቝ ክኣቱ ኸሎ ኣፍካ ማይ ዘምልእ መቐረት ኢዩ ዘለዎ። እምበኣር: ኮሚደረ “ጸብሒ ኣቡን” ጥራይ ኰይኑ ኣይተረፈን: የግዳስ ኣብ መላእ ዓለም ተፈታዊ ዀይኑ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ስም እዚ ኽወሃቦ ዝኸኣለ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ዓይነት ኮሚደረ ብጫ ስለ ዝነበረ ኢዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ጋዝፓቾ​—⁠ጥዑም መረቕ ኮሚደረ

ኣብ እዋን ሃሩር ዘረስርስ ዝሑል መረቕ ክትሰቲ ትደሊዶ፧ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ስጳኛ ጋዝፓቾ ዝበሃል መረቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዲ ይቕረብ ኢዩ። ኣሰራርሓ እዚ መረቕ ክሳዕ ክንድዚ ኸቢድ ኣይኰነን: ብዙሕ ኣስፔዛ እውን ኣየድልየካን ኢዩ። ይኹን እምበር: ንጥዕና ስድራ​ቤትካ ዝጠቅምን ሸውሃት ዝኸፍትን ኢዩ። ስጳኛውያን እዚ ዝስዕብ ኣሰራርሓ ኢዮም ዝጥቀሙ። ንሓሙሽተ ሰባት ኣቢሉ ድማ ይኸውን።

ዘድሊ ነገራት

600 ግራም ዝበሰለ ኮሚደረ

350 ግራም ኣጕርሲ (ኩኩምበር)

250 ግራም ፔፐሮኒ

2 ቍራጽ ዝነቐጸ ባኒ (60 ግራም ዝኸውን)

30 ሚሊ ሊትሮ ኣቸቶ

30 ሚሊ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ

ጨው

1 ፍረ ጻዕዳ ሽጕርቲ

ሒደት ካሙን

ኣሰራርሕኡ ነቲ ፔፐሮኒ ኣጽርዮ: ነቲ ኣጕርሲ ቕረፎ: ነቲ ኮሚደረ ኸኣ ቅለጦ። ድሕሪኡ ንዅሉ ኣድቂቕካ ምተሮ። ኣብ ሓደ ስልጣንያ ሓደ ሊትሮ ዝኸውን ማይ ድሕሪ ምግባር (ነቲ ኣሕምልቲ ኽሽፍን ዝኽእል ማለት ኢዩ): ነቲ ኽልተ ባኒ: ጻዕዳ ሽጕርቲ: ቀመም: ኣቸቶ: ከምኡውን ዘይቲ ኣብኡ ዘፍዝፎ። ተኣሊኹ ምስ ሓደረ: ንጽብሒቱ ብናይ ኢድ መጥሓን ጌርካ ጥሓኖ: ብመዝቈቝ ጌርካ ድማ ዝቘቆ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ክምቅረልካ ተወሳኺ ቀመማት ግበረሉ። መኣዲ ኽሳዕ ዝቕረብ ከኣ ኣብ መዝሓሊት ኣቐምጦ። እዚ ጋዝፓቾ እዚ ምስ ኣድቂቕካ እተመትረ ኮሚደረን ኣጕርሲን ፔፐሮኒን ተሓዋዊሱ ክቐርብ ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ብዛዕባ ኮሚደረ ዘሎ ሓቅታትን ኣሃዛትን

ኮሚደረ ኣብ ዓለም ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ብብዝሒ ዝርከብ ፍረ ኢዩ። ኣብ ዓዓመት 100 ሚልዮን ቶን ዝኸውን ኮሚደረ ኢዩ ዝፈሪ: እዚ ኸኣ ካብ ካልእ ተፈታዊ ፍረታት (ቱፋሕ: ባናና: ወይኒ: ኣራንሺ) ዝፈርዮ መጠን ኣጸቢቑ ዝበዝሕ ኢዩ።

ኮሚደረ ሓድሓደ ግዜ ኸም ኣሕምልቲ ጌርካ ዝጥቀስ እኳ እንተዀነ: ብስነ⁠-​ኣትክልቲ ግን ምስ ፍረታት ኢዩ ዝምደብ: ከመይሲ እቲ ዘርኢ ዝርከቦ ኽፍሉ ኢዩ ዝብላዕ (ኣብ ኣሕምልቲ ግን እቲ ጕንዱ: ቈጽሉ: ወይ ሱሩ ኢዩ ዝብላዕ)።

ብመሰረት ዘ ጊነስ ቡክ ኦቭ ሪኮርድስ እቲ ዝዓበየ ኮሚደረ 3.5 ኪሎ ግራም ኣቢሉ እተመዝነ ዀይኑ እዚ ድማ ኣብ ኦክላሃማ: ሕ.መ.ኣ. ዝበቘለ ኢዩ።

ኣብ ጥቓ ተኽሊ ኮሚደረ ዄንካ ወይ ቅድሚ ናብቲ ተኽሊ ምቕራብካ ትንባኾ ምትካኽ ይጐድኦ ኢዩ። ትንባኾ ንኮሚደረ ዝጐድእ ቫይረስ ኣለዎ።

ኮሚደረ ቪታሚን ኤ ከምኡውን ሲ ጥራይ ዘይኰነስ: ሊኮፐን ዝበሃል ምስ ኦክስጅን ምውህሃድ ዝከላኸል ባእታ እውን ኣለዎ። ኣዘውቲርካ ኮሚደረ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ሕማም መንሽሮ ንኸይሕዘካ ኣበርክቶ ኸም ዝገብር ገለ መጽናዕትታት ይሕብር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ