ኰተቴታት ድቃስ ዘይምጽጋቦም ዘተሓሳስብ ጕዳይ ድዩ፧
ብወኪል ንቕሑ! ካብ ካናዳ
ድቃስ ምስኣን ናይ ኣእምሮ ብልሕን ተዘክሮን ይቕንስ ኢዩ: ኣብ ደረጃ ብጽሕና ዘለዉ ተማሃሮ ኸኣ ካብ ካልእ ብዝያዳ ነዚ ጕድኣት እዚ እተቓልዑ ምዃኖም ግሎብ ኤንድ ሜይል ዘርእስታ ኣብ ካናዳ እትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ። “ናይ ቈልዑን በጽሕታትን ድቃስ ምስኣን: ምስ ምቅይያር ጠባይ: ቀጨውጨው ምስ ምባል: ከምኡውን ውዑይ ምስ ምዃን ይተሓሓዝ ኢዩ።” ሊቃውንቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንዝርከቡ 2,200 ተማሃሮ ብዛዕባ ኣደቓቕሳኦም ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ: 47 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ሓደ ለይቲ ኽድቅስዎ ዝግባእ ሸሞንተ ሰዓታት ንታሕቲ ኸም ዝድቅሱ ፈለጡ።
ሽሕኳ መንእሰያት እኹል ድቃስ ንኸይረኽቡ ዝዓናቕፎም ኣነባብራኦም እንተዀነ: “ገሊኣቶም ግን ብዘይፈለጥዎ ናይ ሕክምና ጸገማት ይሳቐዩ ይህልዉ ይዀኑ” ብምባል ጋዜጣ ግሎብ ገለጸት። “4 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ደቂ 4 ክሳዕ 18 ኣቢሎም ዝዀኑ ቘልዑ ኣብ ግዜ ድቃስ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣለዎም።” ምስ ደቀሱ ኣብ ጐረሮኦም ዘሎ ኣየር ዘመሓላልፍ ትቦ እንተ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ይዕበስ እሞ ኦክስጅን ንኸይረኽቡ ይዓግቶም። ስለዚ ኣእምሮኦም ምሉእ ብምሉእ ኣየዕርፍን ኢዩ: እዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ዘለዎም ቈልዑ ኸኣ ደኺሞምን ቀጨውጨው እናበሎምን ይበራበሩ።
ሓደ ቘልዓ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድቃስ ጸገም እንተ ሃልይዎ: ምስ ደቀሰ ይሕርንኽ ወይ የፋጺ: ንግሆ ዝበዝሕ ግዜ ርእሱ የሕምሞ: ናይ ምዝካርን ኣብ ሓደ ነገር ናይ ምትኳርን ጸገም ይህልዎ: ከምኡውን ቀትሪ ዅሉ ሳዕ ይብዕዝዝ። ወለዲ ሓድሓደ ግዜ ደቆም ዓሚቝ ድቃስ ክድቅሱ ኸለዉ ከስተብህሉሎም ኣለዎም። ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝርከብ ናይ ሕጻናት ሆስፒታል ዝዓዪ ናይ ቈልዑ ድቃስ ክኢላ ዶ/ር ሮበርት ብሩየት: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ዘለዎ ቘልዓ ደቂሱ ኸሎ ዋላ እውን ኣፍ ልቡ እናተንቀሳቐሰ ምስትንፋስ ከቋርጽ ከም ዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። “ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ቘልዓ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ይበራበር እሞ ተመሊሱ ቕድሚ ምድቃሱ እተወሰነ የስተንፍስ።” እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ብኣማእታት ዝኸውን ግዜ ይደጋገም እሞ እቲ ቘልዓ ኽበራበር ከሎ ድማ ረሸሽ ይብሎ።
ማሕበር ድቃስ ምስኣን ኣመሪካ ከም ተለቪዥን ወይ ኮምፕዩተር ዝኣመሰለ ሓሳብካ ዝሰርቕ ነገራት ኣብ ዘይብሉ ዝሑልን ጽልምት ዝበለን ክፍሊ ምድቃስ ዝሓሸ ምዃኑ ይሕብር። ቈልዑ ዀኑ ኰተቴታት ዝድቅሱሉን ዝትንስኡሉን ሰዓታት ልሙድ ምስ ዝኸውን ጥዑም ድቃስ ለይቲ ንኽድቅሱ ይሕግዞም ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብ ግዜ ድቃስ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣየር እትነፍሕ መተንፈሲት መሳርሒ ይጥቀሙ ኢዮም: እዛ መሳርሒ እዚኣ ኸኣ ነቲ ኣብ ጐረሮኻ ዘሎ ትቦ ኽፉት ምእንቲ ክኸውን ብኣፍንጫን ብኣፍን ኣየር ትነፍሓልካ። ሓንቲ ናይ ቈልዑ ሓኪም ኸም ዝበለቶ “ድቃስ ካብ እንበልዖ መግቢ ብዝያዳ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብ ምውስዋስ ኣካላት ንላዕሊ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ድቃስ ንሆርሞናትናን ንስምዒታትናን ንስርዓተ-ምክልኻልናን ዝቈጻጸር ኢዩ።”