ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 31
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከውሒ ዝሓኵር ዓሳ!
  • ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝደልዩ ቘልዑ
  • ደቂ ተባዕትዮ ዓሳ ኽበልዑ ምትብባዕ ተዋህቦም
  • ጥዕና ኣእምሮን ቈልዑን
  • “ጸብሒ ኣቡን” ዝረኸቦ ዓወት
    ንቕሑ!—2002
  • ውላድካ ርእሰ ቕትለት ምስ ዚሓስብ
    ንስድራ ቤት
  • ሞተይ እምነ ኣለኹ—መጽሓፍ ቅዱስ ርእሰይ ክቐትል ክሓስብ ከለኹ ኪሕግዘኒ ይኽእልዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 31

ካብ ከባቢ ዓለም

ከውሒ ዝሓኵር ዓሳ!

ብዛዕባ ዓሳ መጽናዕቲ ዘካይዱ ብራዚላውያን ሊቃውንቲ ዳርተር እተባህለ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነብር ዓይነት ዓሳ ካብ ትሕቲ መንጫዕጫዕታ ተበጊሱ ንሓደ ክትሓዅረሉ ዘጸገም: ጥልቁይን ሸተተት ዘብልን ሓሙሽተ ደርቢ ኣቢሉ ዝበጽሕ ከውሒ ብተደጋጋሚ ኽሓኵር ከሎ ከም እተዓዘብዎ ናቹራል ሂስትሪ እተባህለ መጽሔት ሓቢሩ። “እቶም ተመራመርቲ እቲ መንጫዕጫዕታ ናይ ምሕዃር ክእለት ዘለዎ ኣርባዕተ ሰንቲ ሜትር ዝቝመቱ ዓሳ ኣብ ምብራቓዊ ብራዚል ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኢስፒሪቶ ሳንቶ ዝውሕዝ ብርቱዕ ውሒዝ ኢዮም ርእዮምዎ።” እዞም ዳርተር እተባህሉ ዓይነት ዓሳ ኣብ እግሪ እቲ መንጫዕጫዕታ ዘለዎ ኸውሒ ይጽግዑ እሞ በቲ ኽልተ ዓበይቲ ኣኽናፎም ተጠቒሞም ቀስ ኢሎም “የማነ ጸጋም እናተንቀሳቐሱ:” ኣብ መንጎ ኸኣ እናዕረፉ ካብ 15 ሜትሮ ንላዕሊ ይሓዅሩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ሊቃውንቲ: እዚ ናይ ምሕዃር ባህሪ እዚ ነቶም ኣብቲ ምሕድግ ዝበለ ከበሳታት ዝነብሩ ዳርተር ንኸይጸንቱ ይሕግዞም ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኢዩ ዘለዎም።” ይኹን እምበር: ኣብ ከውሒ ናይ ምሕዃር ክእለት ዘለዎም ዓሳታት ዳርተር ጥራይ ኣይኰኑን። እቶም ኣብ ትሮፒክ ዝነብሩ ጎቢ ከምኡውን ኣብ እስያ ዝነብሩ ሎች ዝበሃሉ ዓሳታት እውን ናይ ምሕዃር ባህሪ ኣለዎም።

ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝደልዩ ቘልዑ

ዘ ጋርድያን ኦቭ ለንደን ከም ዝበለቶ እቶም ናብቲ ኣገልግሎት ተሌፎን ቈልዑ ብሪጣንያ ዝድውሉ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝደልዩ ቘልዑ ቍጽሮም ዕጽፊ ብምውሳኽ ብ1990/91 346 ዝነበረ ብ1998/99 701 በጺሑ ኢዩ። “ሕሉፍ ተስፋ ምቝራጽ” ከጋጥሞም ዝኸኣለ “ብመማህርቶም ዝበጽሖም ምብስባስ: ብጾታዊ ርክብን ብኣካላዊ ማህረምትን ዝወርዶም ማህሰይቲ: ብምኽንያት ሞት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብ ወይ ከኣ ብናይ ቤት ትምህርቲ ፈተና” ኢዩ። እቲ ኣገልግሎት ተሌፎን ከም ዝበሎ “እቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ዝፍትኑ ኻብ ካልኦት ቈላሕታ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢዮም ዝብል ልሙድ ኣመለኻኽታ ሓደገኛ ኢዩ። እቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝሓስቡ ኣይውዕልዎን ኢዮም ምባል ሓቂ ኣይኰነን። ናብ ኣገልግሎት ተሌፎን ዝደወሉ መብዛሕትኦም ካብቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝደልዩ ቘልዑ: ጭንቀቶም ክመጽእ ዝኸኣለ ወለዶም ወይ መዕበዪኦም ስለ ዘይግደስሎም ምዃኑ ኢዮም ገሊጾም።” እቲ ናይ መጀመርታ ርእሰ⁠-​ቕትለት ናይ ምፍጻም ፈተና ምስ ሓለፈ “ስድራ​ቤታት: ውሉድና ካብ ሞት ድሒኑ ኢሎም ስለ ዝቐስኑ . . . እቲ ሽግር እተፈትሐ ገይሮም ይወስድዎ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ሽግር እንደገና የጋጥም።” እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ፈተነ እተገብረሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ኢዩ። ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽማ ዝፍትና ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይዳ እኳ እንተዀና: እቶም ዝሞቱ ግን ኣወዳት ይበዝሑ። እቶም ርእሰ⁠-​ቕትለት ክፍጽሙ ዝደልዩ ቘልዑ ዕድሚኦም ካብ 13-18 ክኸውን ከሎ: እቶም ዝነኣሱ ግን ዕድሚኦም ካብ 6 ኣይበልጽን ኢዩ።

ደቂ ተባዕትዮ ዓሳ ኽበልዑ ምትብባዕ ተዋህቦም

ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ትካል ካሮሊንስካ መጽናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ ኸም ዝበልዎ: ከም እኒ ሳልመን: ሄሪን: ስገምሪ ዝኣመሰሉ ስቡሓት ዓይነት ዓሳ ብብዝሒ ዝምገቡ ደቂ ተባዕትዮ ካብቶም ስሕት ኢሎም ጥራይ ዝምገቡ ደቂ ተባዕትዮ ብናይ ፕሮስተይት መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ብኽልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ዝተሓተ ኢዩ። እቲ ኣብ 6,272 ሰብኡት ን30 ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ ነቲ ብኸም እኒ ምትካኽ ሽጋራ ዝኣመሰለ ዝመጽእ ሓደጋታት እውን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኢዩ። እቶም ተመራመርቲ “እቲ ኦመጋ⁠-​3 ዝበሃል [ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ዝርከብ] ስብሓዊ ኣሲድ: ናይ ፕሮስተይት መንሽሮ ንኸይዓቢ ዝከላኸል ኢዩ” በሉ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ: እዚ ስብሓዊ ኣሲድ እዚ “ሓደጋ ድኻም ልቢ እውን ይቕንስ ኢዩ።” ስለዚ ኸኣ: ሰብ ሞያ “ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ” ዓሳ ኽትበልዕ ኢዮም ዝላበዉ።

ጥዕና ኣእምሮን ቈልዑን

ኣብ ሞንትሪያል: ካናዳ: እትሕተም ዘ ጋዜቲ እተባህለት ጋዜጣ ከምዚ ትብል:- “ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዘርእዮ ካብ ሓሙሽተ ቘልዑ ሓደ 11 ዓመት ክመልእ ከሎ ሕማም ኣእምሮ ይሕዞ። ናይ ኣእምሮ ጥዕና ኽበሃል ከሎ ማሕበራዊ: ኣካላዊ: መንፈሳውን ስምዒታውን መዳያት ናይ ሓደ ናብራ ህይወት ዝትንክፍ ኢዩ።” እታ ሳንዲ ብረይ እትበሃል ኣብ ናይ ካናዳ ማሕበር ጥዕና ኣእምሮ ኣወሃሃዲት ትምህርቲ ማሕበረሰብ ኰይና እትዓዪ ብዝበለቶ መሰረት: ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ስጋዊ ጥዕናና ኽንግደስ ዘድልየና ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና እውን ክንግደስ ከድልየና ኢዩ። ብረይ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ናይ ኣእምሮ ጥዕና ወትሩ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ጌርና ንርእዮ እንተደኣ ዄንና: ሽዑ ኢዩ ጭንቀት: ሻቕሎት: ውጥረት ዝሕዘና።” ወለዲ ምስ ደቆም ኰይኖም ዘሕልፍዎ ግዜ ብምምዳብን ሓቢሮም ብምምጋብን ንጥዕና ኣእምሮ ደቆም ብዙሕ ጥንቃቐ ኽገብሩ ተተባቢዖም ኢዮም። እኹል ድቃስ: ጽቡቕ ኣመጋግባ: ብቕዓት ኣካላትካ ምሕላው: ዘሐጕሰካ ነገራት እትዓየሉን ምስ ኣዕሩኽትኻ እተሕልፈሉን ግዜ ምምዳብ: ምስሓቕ: ወለንተኛ ምዃን: ናእዳ ምሃብን ምቕባልን: ካልኦት ክዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ክትጋገ ከሎኻ ንርእስኻ እምብዛ ዘይምዅናን ገለ ኻብቲ ጥዑይ ኣእምሮ ንኽህልወካ ዝሕግዝ ነገራት ምዃኑ ርእይቶ ተዋሂቡሉ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ