“በጃኹም ሓግዙኒ! ተስፋይ ንስኻትኩም ጥራይ ኢኹም ”
ሓንቲ ኣብ ሊትወንያ ናይ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ካውናስ እትሰርሕ ዶክተር ኣብቲ ሃገር ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሰደደቶ ደብደበ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃላት ደምደመት። እታ ዶክተር ከምዚ ብምባል ትገልጽ:-
“ኣብ ስራሕ ነዛ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ከንብብ ጀመርኩ። ካብታ መጽሓፍ እቲኣ ገለ ሓበሬታ ወሲደ ኣብቲ ዘዳልዎ ዓንቀጻት ክጥቀመሉ መደብኩ: እንተዀነ ግን ሓደ ነገር ኣጋጢሙ: እታ መጽሓፍ ተሰወረት። ሓደ ሰብ ከም ዝወሰዳ ፍሉጥ ኢዩ። ክቡር መዝገብ ስለ ዝጠፍኣኒ ሓሪቐ ኢየ። በጃኻትኩም ሓንቲ ቕዳሕ ልኣኹለይ።
“ኣብያተ-ትምህርቲ እናበጻሕኩ ምስ መንእሰያት ግዜ ስለ ዘሕልፍ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዘይመጠን ተድልየኒ ኢያ: ንመብዛሕትኡ እቲ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት ንኽምልሰሎም ኸኣ ትሕግዘኒ ኢያ። ካልእ ቅዳሕ እንተደኣ ረኺበ: ካብ ገዛ ኸየውጻእኩ ጽቡቕ ገይረ ክሕዛ ኢያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣዝዩ ጠቓሚ ነገር ሒዛ ኣላ: በዚ ኸኣ ኢያ ተወሲዳ ኽትከውን እትኽእል። ኣብዚ ጽንኩር እዋናት እዚ: ዘበራትዓካ ክትረክብ ኣድላዪ ኢዩ። በጃኹም ሓግዙኒ! ተስፋይ ንስኻትኩም ጥራይ ኢኹም።”
እዛ መንእሰያት ዝሓትዎ እትበሃል መጽሓፍ ሓያለይ ካብቲ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት ተቕርብ ኢያ። ገለ ኻብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ወለደይ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝህቡኒ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧” “ገዛይ ሓዲገዶ ክኸይድ፧” “ብኸመይ ኢየ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል፧” “እንታይ ዓይነት ሞያ ኢየ ኽመርጽ ዘሎኒ፧” “ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምከ፧” “ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተዀይኑ ብኸመይ ኢየ ኽፈልጥ ዝኽእል፧” ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ካልእ ብዙሕ ኣርእስትታት እውን ኣለዋ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትስደደልካ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ልኣኽ።
□ ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትበሃል መጽሓፍ ስደዱለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።