ኣደይን ዓሰርተ ኣዋልዳን
ኤስተር ሎዛኖ ዘዘንተወቶ
ኣደይን ኣቦይን ኣብታ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ከተማ ቢትሊስ እተወልዱ ኣርመናውያን ኢዮም። ኣርመናውያን ብጅምላ ይቕተልሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ዘመን: ኣቦይ ካብ ቱርኪ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ሶፍያ ኣዴና ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኻብቲ ዓዲ ኽትወጽእ ከላ ጓል 12 ዓመት ነበረት።
ነቲ ኣራም ቫርታንያን ዝበሃል ኣቦይ ንኽትምርዖ: ወለዳ ምስ ወለዲ ኣቦይ ብምስምማዕ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሰደድዋ ኢዩ ዝመስል። ሶፍያ ናብ ፍረስኖ: ካሊፎርንያ: ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ገና ንመርዓ ዘይኣኸለት ስለ ዝነበረት: ክሳዕ ዕድሚኣ ዘፍቅደላ ምስታ ናይ መጻኢ ሓማታ ትነብር ነበረት።
ወለደይ መጀመርታ ዝወለድዎ ውላድ ወዲ ነበረ: ኣንድራኒግ ዝብል ስም ድማ ኣውጽኡሉ: ጸኒሑ ግን ስሙ ናብ ባርኒ ተቐየረ። ብ6 ነሓሰ 1914 ከኣ ኢዩ እተወልደ። እተን ቀጺለን እተወልዳ ዓሰርተ ቘልዑ ግን ኣዋልድ ነበራ። ብ1924 ሺልድ ቱትጄን ናብ ፍረስኖ መጺኡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣርመን ዝርርብ ድሕሪ ምግባሩ: ኣቦይ ሓደ ኻብቶም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ዘለዉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ። ድሕርዚ ስድራቤትና ብሓባር ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ትካፈል ነበረት።
ብ1931 ናብ ኦክላንድ: ካሊፎርንያ: ገዓዝና እሞ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ድማ ንእከብ ነበርና። ባርኒ ብ1941 ክሳዕ ዝመውት ኣብ ናፓ: ካሊፎርንያ: ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣነ ንወለደይ ሳልሰይቲ ጓሎም ኢየ: ብ1935 ከኣ ህይወተይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ። ኣግኒስ እትበሃል ሓብትና እውን ን75 ዓመታት ኣብ ኣኼባታት ድሕሪ ምክፋላ: ኣብዚ ቐረባ እዋን ተጠምቀት! ኵላትና ኣሓት ኣብቲ ጥምቀታ ተረኺብና ነይርና: ካብ ዓሰርቴና እታ ተሪፋ ዝነበረት ሓብትና ብምጥማቓ ድማ ኣዚና ተሓጒስና ኢና።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣደይ ኣይነበረትን። ቅድሚኡ ቕድሚ ዓመት ጓል 100 ዓመትን 2 መዓልትን ከላ ኢያ ሞይታ። ኣብታ ብ14 ግንቦት 1996 ዝወጸት ኣብ ካሊፎርንያ እትሕተም ሀይዋርድ ኒውስ እትበሃል ጋዜጣ ብዛዕባኣ ኸምዚ ዝብል ወጺኡ ነይሩ:- “ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ን54 ዓመታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ሰባት ብምምሃር . . . ንማሕበረሰብ ዝጠቅም ናይ ወለንታ ኣገልግሎት ፈጺማ ኢያ።” ኣብታ ዓንቀጽ ኤሊዛቤት ሓብትና ዝሃበቶ ሓሳባት እውን ብኸምዚ ዝስዕብ ተጠቒሱ ኢዩ:- “ኵሉ ሳዕ ንጋሻ ሓንጐፋይ ኢላ ኢያ ትቕበል ነይራ: ኣብ መኣዲ እውን ወትሩ ንኻልእ ዝኸውን ቦታ ተዳሉ ነበረት። . . . ንሰባት ክትዕድም ከላ ‘ንዑ ሓፊስ ቡን ስተዩ’ ኢያ እትብሎም: እቲ ዘጐምጁ ዓይነት ምቁር ሕብስቲ ኽትሰርሕ ከላ ኽበጽሓ ዝመጸ ድማ ብሓቂ ዕድለኛ ነበረ።”
እታ ኻብ ኵላትና ዝዓበየት ግላዲስ ሓብትና ጓል 85 ዓመት ክትከውን ከላ: እታ ዝነኣሰት ከኣ ጓል 66 ዓመት ኢያ። ኵላትና ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። ሰለስተ ኻባታትና ኻብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ድሕሪ ምምራቕ ሚስዮናውያን ኴንና ኣገልጊልና ኢና። እዛ ሕጂ ኣብ ኒውፖርት ቢች: ካሊፎርንያ: እትነብር ኤሊዛቤት: ካብ መበል 13 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐት ኰይና ኣብ ካላዮ: ፔሩ: ንሓሙሽተ ዓመታት ኣገልጊላ ኢያ። ሩት ድማ ኣብ መበል 35 ክፍሊ ጊልዓድ ኢያ ተኻፊላ። ንሳን ኤልቪን ስታውፈር ዝበሃል ሰብኣያን ኣብ ኣውስትራልያ ሚስዮናውያን ኰይኖም ንሓሙሽተ ዓመታት ኣገልጊሎም ኢዮም። ኣነ ኻብ ራብዓይ ክፍሊ ጊልዓድ ኢየ ተመሪቐ: ብ1947 ናብ ሜክሲኮ ተመደብኩ: ብ1955 ድማ ንሮዶልፎ ሎዛኖ ተመርዓኽዎ።a ክሳዕ ሕጂውን ኣብ ሜክሲኮ ነገልግል ኣሎና።
ዓሰርቴና ኣሓት ብተዛማዲ ጽቡቕ ጥዕና ስለ ዘሎና ኣዚና መማሰውቲ ኢና። ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝፈቐዶ ግዜ ብዅሉ ሓሳብናን ልብናን ሓይልናን ሕጂ ዀነ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንየሆዋ ንኸነገልግሎ ዘኽእለና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተመክሮኡ ኣብታ ናይ 1 ጥሪ 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኡ ኣሎ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ብ1997 ኣግኒስ ኽትጥመቕ ከላ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ብ1949 ኤሊዛቤት ካብ ጊልዓድ እተመረቐትላ መዓልቲ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ብ1950 ኤስተር (የማን ) ኣብቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከላ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ብ1987 ሩት ስታውፈርን ኤልቪን ስታውፈርን ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ እናዓየዩ ኸለዉ