መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ባህ ዘብል ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
“ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ይኸብደካ ኢዩ: እዚ ድማ ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”—ጓል 17 ዓመት ኣናሊዛ
“መጽሓፍ ቅዱስ ዘሰልኪ ዀይኑ ኢየ ረኺበዮ።”—ጓል 22 ዓመት ኪምበርሊ
ብዙሓት ሰባት ምንባብ ኣይፈትዉን ኢዮም። ስለዚ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ ዓቢ መጽሓፍ ነቶም ንፉዓት ኣንበብቲ እውን ከይተረፈ ይኸብዶም ኢዩ። ታሚ እትበሃል ጓል 17 ዓመት መንእሰይ “መጽሓፍ ቅዱስ ክበሃል ከሎ ንምርድኡ ዘጸግም ከበድቲ ቓላት ብብዝሒ ዝርከቦ ዓቢ መጽሓፍ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ንምንባቡ ዝያዳ ኣቓልቦን ምጽማምን ዝሓትት ኢዩ” በለት።
ኣብ ርእሲ እዚ: ብመማህራን ዝወሃበካ ዕዮ ገዛ: ንወለድኻ ንምሕጋዝ ዝዕየ ዋኒን ገዛ: ከምኡውን ምዝንጋዕ ንዝበዝሐ ግዜኻን ጕልበትካን ክወስዶ ይኽእል ኢዩ። እዚውን ብኣትኵሮን ባህ ኢሉካን መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተንብብ ከም ዘጸግመካ ኽገብሮ ይኽእል ኢዩ። ኣሊስያ እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር: ኣብ ርእሲ እዚ እተጠቕሰ ነገራት ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትዳሎን ኣብኡ ኽትርከብን እምነታ ንኻልኦት ከተካፍልን ግዜ ተሕልፍ ኢያ። “ክትገብሮ ዝግባእ ማእለያ ዘይብሉ ነገራት ዘሎ ዀይኑ ስለ ዝስምዓካ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ድማ በለት።
እንተዀነ ግን: ኣሊስያን ታሚን ካልኦት ብዙሓት መንእሰያትን ነዚ ብድሆታት እዚ ኽዋጽኡሉ ኽኢሎም ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ: ስርዓታውያን ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ ኣለዉ: እዚውን ባህ ይብሎም ኢዩ። ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ! ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ባህ ዘብል ንኽትገብሮ ዘኽእለካ ሰለስተ ነጥብታት እስከ ርአ።
ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ መድብ
ሓንቲ ኬሊ እትበሃል ጓል 18 ዓመት ጐርዞ “መንእሰያት ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሰልኪ ኢዩ ዝብልዎ: ብቐጻሊ ስለ ዘየንብቡ ኢዩ ዝመስለኒ” ትብል። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንእተጻወትካዮ ስፖርት ወይ ጸወታ እትፈትዎ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ስርዓታዊ ዄንካ ምስ እትገብሮ ትፈትዎ ኢኻ።
ብዙሕ ግዜ ምስ ዘይህልወካኸ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ብምባል ይምዕደና። (ኤፌሶን 5:15, 16) ከም ቲቪ ምርኣይ ኣብ ዝኣመሰለ ዘየድሊ ንጥፈታት እተሕልፎ ግዜ ብምቕናስ: ‘ግዜ ኽትዕድግ’ ትኽእል ኢኻ። ጳውሎስ ነታ “ጊዜ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ እተጠቕመላ ቓል: ንእተወሰነ ዕላማ እተመደበ ግዜ ማለት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ንስኻኸ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ኣበየናይ እዋን ኢዩ ዝጥዕመካ፧
ብዙሓት ሰባት ንግሆ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዝርከብ ጥቕስን ሓሳባቱን ድሕሪ ምንባቦም: መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ።a ገሊኣቶም ድማ ቅድሚ ምድቃሶም ኢዮም ዘንብቡ። ንዓኻ ዝሰማምዓካ ግዜ ምረጽ: ከከም ኣድላይነቱ ድማ ለውጥታት ግበር። ኣሊስያ “ስርዓታዊት ኰይነ ንባበይ ክቕጽል ካብ ዘኽኣለኒ ቐንዲ ረቛሒታት ሓደ ተዓጻጻፍነት ኢዩ” በለት።
ገሊኣቶም ክርስትያን መንእሰያት ኣብ መዓልቲ ኻብ 10 ክሳዕ 15 ደቒቕ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ የሕልፍዎ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ክውድእዎ ኽኢሎም ኢዮም! ነዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይከኣልካ እውን መዓልታዊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ሸቶኻ ግበር። ነቲ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርካዮ መደብ ብትግሃት ምስ እትስዕቦ: ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኽዓቢ ኢዩ።—መዝሙር 119:97፣ 1 ጴጥሮስ 2:2፣
ጥበብ ንኽወሃበካ ጸሊ
እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታውያን ኰይኖም ዘንብብዎ እውን ከይተረፉ ገለ ኽፋል ቃል ኣምላኽ ንምርድኡ ኸም ዘሸግሮም ዘይከሓድ ኢዩ። እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ቃሉ ኽትርድኦ ኢዩ ዝደልየካ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብዛዕባ ሓደ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ንዝርከብ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ኽርድኦ ዘይከኣለ ኢትዮጵያዊ ገያሻይ ትነግረና ኢያ። እቲ ሰብኣይ ሓገዝ ንምሕታት ድሉው ነበረ: መልኣኽ የሆዋ ድማ ነቲ ሚስዮናዊ ፊልጶስ ብምልኣኽ ነቲ ትንቢት ገለጸሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39
ስለዚ ውጽኢታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ብንባብ ዘይኰነስ ብጸሎት ኢዩ ዝጅምር። ገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ቀቅድሚ ምጅማሮም: የሆዋ ነቲ ዘንብብዎ ነገር ንኽርድእዎን ኣብ ልቦም ንኸሕድርዎን ዘኽእሎም ጥበብ ምእንቲ ኽህቦም ብጸሎት ናይ ምልማን ልማድ ኣለዎም። (2 ጢሞቴዎስ 2:7፣ ያእቆብ 1:5) መንፈስ ኣምላኽ ሕቶታት ንምምላስ ወይ ንዘጋጥመካ ፈተናታት ንኽትዋጽኣሉ ኽሕግዘካ ዝኽእል ጥቕስታት ከዘክረካ ይኽእል ኢዩ።
ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ወዲ 12 ዓመት ከለኹ: ኣቦይ ራሕሪሑና ኸደ። ሓደ ምሸት ኣብ ዓራተይ ኰይነ የሆዋ ነቦይ ከም ዝምለስ ምእንቲ ኽገብሮ ብጸሎት እልምኖ ነበርኩ። ድሕሪኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒለ ነታ ‘መስኪን ንነገሩ ናብ [የሆዋ] ይውፍዮ: ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ’ እትብል ኣብ መዝሙር 10:14 እትርከብ ጥቕሲ ኣንበብኩ። ንእተወሰነ ግዜ ህድእ ኢለ ሓሰብኩ። የሆዋ ይዛረበኒ ኸም ዘሎን ረዳእየይ ምዃኑ ይገልጸለይ ምህላዉን ተሰምዓኒ፣ ንሱ ኣቦይ ኢዩ። ካብኡ ዝሓይሽ ኣቦ ክረክብ ኣይክእልን ኢየ።”
ኵሉ ሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ቅድሚ ምጅማርካ ምጽላይ ልማድ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ኣድርያን “ምስ የሆዋ ክልተኣዊ ዝርርብ ንምግባር ቅድሚ ምንባብካን ድሕሪኡን ጸሊ” ብምባል ሓሳቡ ይገልጽ። ልባዊ ጸሎት ምስ እትገብር: ነቲ ናይ ብሕትኻ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ንኽትስዕቦ ዝገበርካዮ ቘራጽነትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን የደልድሎ ኢዩ።—ያእቆብ 4:8
ህያው ግበሮ
እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ኪምበርሊ: መጽሓፍ ቅዱስ ዘሰልኪ ዀይኑ ኢያ ረኺባቶ ነይራ። ልክዕ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ኮምፒዩተር: ተለቪዥን: ወይ ነፋሪት ከይተማህዘ እተጻሕፈ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ኢዩ: ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ድማ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ሞይቶም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 4:12) ከምዚ ዘኣመሰለ ጥንታዊ መጽሓፍ ከመይ ኢሉ መስለጢ ክኸውን ይኽእል፧
ብግዜ እዝራ እቲ ጸሓፊ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን “ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶም” ሕጊ ሙሴ ኽንበበሎም ከሎ ምእንቲ ኽሰምዑ ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ሕጊ ኻብ ዝጸሓፍ ድሮ ልዕሊ 1,000 ዓመታት ኣሕሊፉ ነበረ! እንተዀነ ግን: እዝራን ሓገዝቱን “ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበቡሎም: እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ: ገለጹሎም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ገለጽዎን ነቲ ንባብ ህያው ምስ ገበርዎን እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ “ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ: ኪበልዑን ኪሰትዩን ግዴታት ከኣ ኪሰዱን ዓብዪ ሓጐስውን ኪሕጐሱ ኸዱ።”—ነህምያ 8:1-12
ንናይ ብሕትኻ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ህያው ክትገብሮ ትኽእል፧ ሓንቲ ምንባብ ዘይትፈቱ ካቲ እትብሃል ጓል ኣንስተይቲ: ኣብ ንባባ ምእንቲ ኸተተኵር ዓው ኢላ ኢያ እተንብብ። ኒኪ ድማ ንርእሳ ኣብቲ እተንብቦ ዛንታ ኸተእትዋ ኢያ እትጽዕር። ከምዚ ድማ ትብል:- “ኣብቲ ዅነታት እቲ እንተ ዝህሉ ኸመይ ምተሰምዓኒ ኢለ እሓስብ። ዛንታ ሩትን ናእሚን ሓደ ኻብቲ ኣጸቢቐ ዝፈትዎ ዛንታ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ዋላ እንተ ኣንበብክዎ ኣይስልክየንን ኢዩ። ናብ ካልእ ከተማ ምስ ገዓዝኩ እውን ሩት ዋላ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ናብ ዘይብሉ ቦታ ምስ ገዓዘት እተሰምዓ ስምዒት ክርድኣኒ ስለ ዝኸኣለ: ካብዚ ዛንታ ምጽንናዕ ረኺበ ኢየ። ኣብ የሆዋ ብኸመይ ከም እተወከለት ክግንዘብ ከኣልኩ: እዚ ድማ ከምኡ ንኽገብር ሓገዘኒ።”—ሩት ምዕራፍ 1-4
መጽሓፍ ቅዱስ ‘መስለጢ’ ንኽዀነልካ ኸተስተንትን ኣሎካ። ኣብ እተንብበሉ እዋን: ግዜ ወሲድካ ነቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትነሉ: ነቲ እተመሃርካዮ ኸኣ ኣብ ግብሪ እተውዕለሉ መገዲ ሕሰብ። ናይ ብሕትኻ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ኸም ዝኸውን ንምግባር: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ክትውከስ የድልየካ ይኸውን።b
ኣይትተሓለል!
ናይ ብሕትኻ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከየቋረጽካ ምስዓብ ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ዝበለጸ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምትዕርራይ የድልዮ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ንምንባብ ዘውጻእካዮ ሸቶ ኸየቋረጽካ ኽትቅጽሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ፈተውትኻን ስድራቤትካን ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። ሓንቲ ኣምበር እትበሃል ጓል 15 ዓመት መንእሰይ “ምስ ሓብተይ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኢና እንድቅስ። ሓድሓደ ግዜ ኣዝየ ስለ ዝደክም ትኽ ኢለ ናብ ዓራተይ ኢየ ክኸይድ ዝደሊ: ሓብተይ ግን ንኸንብብ ተዘኻኽረኒ። ስለዚ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ!” በለት። ሓንቲ ባህ እትብለካ ጥቕሲ እንተ ረኺብካ ምስ ካልኦት ተዘራረበላ። እዚ ነቲ ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ሞሳ ኸዕብዮን ካልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብቡ ኸለዓዕሎምን ኢዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ንሓደ ወይ ካብኡ ዝበዝሕ መዓልትታት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣቋሪጽካ: ተስፋ ኣይትቝረጽ! ካብቲ ዘቋረጽካዮ ጀምር: ድሕርዚ መደብካ ንኸይተፍርስ ድማ ዝያዳ ቘራጽነት ግበር።
ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዙሕ በረኸታት ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ ብቓሉ ኣቢልካ ብምስማዕ: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓሳባቱን ስምዒታቱን ኽትርድኦ ኢኻ። (ምሳሌ 2:1-5) እታ ኻብ ሰማያዊ ኣቦና እተዋህበትና ኽቡር ዝዋግኣ ሓቂ: ዕቝባ ኽትኰነካ ኢያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ኢሉ ሓተተ። “ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ብምባል ድማ መለሰ። (መዝሙር 119:9) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኣጥሪ: ኣይተቋርጾውን። ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ባህ ዘብል ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት
b ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 መጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት ንኽትኵዕት ዘኽእለካ እተፈላለየ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ጸሎትን ምምርማርን ንናይ ብሕትኻ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመሓይሾ: ናይ ጥቕስታት ትርጕም ንኽትርዳእ ድማ ክሕግዘካ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ዛንታ እንተድኣ ኣእቲኻ ቅዱሳት ጽሑፋት ህያው ክዀነልካ ኢዩ