መዝገበ-ዕለት እሙን ብጻይ ኢዩ
መዝገበ-ዕለት ኣብዛ ድንጋጽ ዘይብላ ዓለም እሙን ብጻይን ደንጋጺ ዓርክን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ክርስቲና ባልድዊን እትበሃል ጸሓፊት: መዝገበ-ዕለት “ንብሕታዊ ጕዕዞ ህይወትና ብዝርዝር ክንምዝግብ የኽእለና” ብምባል ገለጸት። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣልቡም ንሕሉፍ ታሪኽና ብስእሊ ዝዕቅቦ: መዝገበ-ዕለት ድማ ንጕዕዞ ህይወትና ዝገልጽን ዝዕቅብን ሕጽር ዝበለ መግለጺታት ዝሕዝ ኢዩ።
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ መንግስታት ንኣገዳሲ ፍጻመታቶም ይምዝግብዎ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ወግዓዊ ጸብጻባት እተወስደ ሓሳብ ይጠቅስ ኢዩ። (ዘሁልቍ 21:14, 15፣ እያሱ 10:12, 13) ግሪኻውያን ኢፈመሪደስ a ተባሂሉ ዝፍለጥ ንመዓልታዊ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ፕላኔታትን ዝምዝግቡሉ መዝገብ መሃዙ። እቶም ንግሪኽ ዝሰዓሩ ሮማውያን ነዚ ዓይነት ኣመዘጋግባ ፍጻመታት ድሕሪ ምቕዳሖም መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ማሕበረሰብን ንህዝቢ ዘድሊ ነገራትን ብምምዝጋብ ዝያዳ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገይሮም ኣማዕበልዎ። ድያርዩም ኢሎም ከኣ ጸውዕዎ: እዚ ድማ ካብታ ድያስ ማለት “መዓልቲ” ዝትርጕማ ናይ ላቲን ቃል ዝመጸ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ኣብ መበል 17 ዘመን እቲ እንግሊዛዊ ሳሙኤል ፒፒስ ዕለታዊ ፍጻመታቱ ኽሳዕ ዝመዝገበሉ እዋን: ናይ ብሕቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ዝምዝገበሉ መዝገበ-ዕለት ኣይተማህዘን ነይሩ። መዝገበ-ዕለት ፒፒስ ዘይተለምደ ናይ ሃይማኖታውን ዓለማውን ሕውስዋስ ሓሳባት ዝሓዘ ስለ ዝዀነ: ኣብ ትሕቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንጉስ ቻርለስ ካልኣይ ናብራ ኸመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንጸሓፍቲ ታሪኽ ዓሚቝ ሓሳብ ንኽረኽቡ ሓጊዝዎም ኢዩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዕለታዊ ፍጻመ ምምዝጋብ ልሙድ እናዀነ መጸ። ብዙሕ መዝገበ-ዕለት ታሪኻዊ ነገራት ዝርከበሉ ኣገዳሲ ሰነድ ኰይኑ ኣሎ። ካብዚ ጐሊሑ ዝርአ እታ ኻብ ናዚ ተሓቢኣ ዝነበረት ንእሽቶ ኣይሁዳዊት ጓል ዝጸሓፈቶ መዝገበ-ዕለት ኢዩ። እቲ ኣና ፍራንክ ዝጸሓፈቶ መዝገበ-ዕለት ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ዝብል መጽሓፍ መርኣያ ናይቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፈጸሞ ኢሰብኣውነት ኢዩ።
መዝገበ-ዕለት ንኽትጽሕፍ ዝድርኸካ እንታይ ኢዩ፧
መዝገበ-ዕለት ምጽሓፍ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ንኽገልጽ ዘለዎ መሰረታዊ ባህጊ ንኸማልእ ዝሕግዞ ኣገባብ ኢዩ። ሕጻን ኣፉ ዝኸፈተላ ቓል ብምስማዕና ወይ ዝመስረትናዮ ፍቕራዊ ርክብ ኽዓቢ ብምርኣይና ዝስመዓና ሓጐስ ይኹን ካልእ ንህይወትና ዝቐርጽ ፍጻመታት ኣብ መዝገበ-ዕለት ከነስፍሮ ኸሎና ዳሕራይ ንኽንዝክሮ ይሕግዘና ኢዩ። ነቲ ዝጸሓፍናዮ ካልእ ግዜ ኸነንብቦ ኸሎና ነቲ ባህ ዘብል እዋንን ዘምጽኦ ስምዒታትን ብሓሳብና ንኽንምከሮ የኽእለና።
ሓደ ኻብቲ መዝገበ-ዕለት ምጽሓፍ ዘምጽኦ ዓቢ ረብሓታት: ንገዛእ ርእስና ንኽንፈልጥ ስለ ዘኽእለና ኢዩ። ተሪስቲን ረይነር እትበሃል ጸሓፊት “ስምዒትካ ብዘይ ዓጋቲ ንኽትገልጽ ዘኽእለካ ጠቓሚ ስነ-ኣእምሮኣዊ መሳርሒ” ብምባል ገሊጻቶ ኣላ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 12:25 “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ” ይብል። ሓደ ሰብ ‘ጓሂኡ’ ንኻልእ ምንጋር ዘፍርሆ እንተ ዀይኑ: ብጽሑፍ ምግላጹ ሓደ ኣማራጺ ክዀኖ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ዝጐሃየ ሰብ ዕለታዊ ፍጻመታቱ ምስ ዝጽሕፍ መብዛሕትኡ እዋን ንስምዒቱ ንኽዋጽኣሉ ኽሕግዞ ከም ዝኽእል ዝንገር። መዝገበ-ዕለት ህይወትካ ከመይ ከም ዝመስል ንምርኣይ: ሓድሽ ሸቶታት ንምውጻእ: ከምኡውን ንዘጋጥመካ ጸገማት ዝኸውን መፍትሒ ንምብልሓት ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ ጸገማትካን ስምዒታትካን ምጽሓፍ: ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳያት ንኸተተኵርን ርትዓዊ ኣረኣእያ ንኽህልወካን ዝሕግዝ ኢዩ።
መዝገበ-ዕለት ምሓዝ መሃሪ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ፈደረሽን መምህራን ኣመሪካ ንወለዲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ማዕዳ ሂብዎም ኣሎ:- “ውሉዳትኩም መዝገበ-ዕለት ክህልዎም ኣተባብዕዎም። ኣብ ዕለታዊ መዝገብ ምስ ዝጽሕፉ ናይ ምጽሓፍን ምምሃዝን ክእለቶም ይምዕብል ኢዩ።”
ብኸመይ ኢየ ኽጅምሮ፧
መጀመርታ ህድእ ዝበለ ቦታ ርኸብ: ባህ ዝብለካ መዝገበ-ዕለት ወይ ደብተር ከኣ ኣዳሉ። ንሓደ ጥርሑ ዘሎ ደብተር ጽሒፍካ ኽትመልኦ ክትሓስቦ ኸሎኻ ጥራይ ተስፋ ዘቝርጽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ቐንዲ ነገር ግን ብቕንዕና: ቀስ እናበልካ: ብቐሊሉ ሓሳባትካ ምጽሓፍ ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንርእስኻ ኽትሓታ ትኽእል ኢኻ:- ‘ሎሚ እንታይ ዕማማት ፈጺመ፧ እዚ ብኸመይ ጸልዩኒ፧ እንታይ በሊዐ፧ ምስ መን ተራኺበ፧ እቶም ዝሓልየሎም ሰባት እንታይ የጋጥሞም ኣሎ፧’ ወይ ድማ ‘ኣብ ጕዕዞ ህይወተይ ሕጂ ኣበይ በጺሐ ኣለኹ፧ ሸቶታተይ እንታይ ኢዩ፧ ትምኒተይከ፧’ ኢልካ ብምሕታት ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ክትጽሕፍ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ ብኣጸሓሕፋኻ ኸይተጨነቕካ ጽሓፍ።
እንተ ደሊኻ ብዙሕ እንተ ደሊኻ ኸኣ ሒደት ጽሓፍ። እንተ ኔርካ ኔርካ እንተ ቀቀልጢፍካ ከም ድላይካ ጽሓፍ። ሓሳባትካ ብግልጽን ብቕንዕናን ጽሓፍ። ብዛዕባ ሰዋስው ኰነ ፊደላት ኣይትጨነቕ። ንጽሑፍካ ዋላ ሓደ ሰብ ኣየንብቦን ኢዩ። ስእልታት: ቍርጽራጽ ጋዜጣታት: ወይ ንዓኻ ዘገድሰካ ካልእ ነገራት ክትልጥፍ ትኽእል ኢኻ። ናይ ብሕትኻ መጽሓፍ ኢዩ። ጽፉፍ ይኹን ወዛል ወይ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ኣየገድስን ኢዩ። ቃሕ ኣብ ዝብለካ እዋን ጥራይ ኢኻ ኽትጽሕፍ ዘሎካ። ዕለታዊ ንጥፈታትካ ኣብ ምምዝጋብ ተዓጻጻፊ እንተ ዘይኰንካ: ሓጐስ ክትስእንን ምጽሓፍ ከተቋርጽን ኢኻ።—ሳጹን ርአ።
ከምቲ ሓደ ሊቅ ብዛዕባ እቲ ዘጽንዖ ዘሎ ኣካል ዘርእዮ ለውጢ መዓልታዊ ዝምዝግብ: መዝገበ-ዕለት እውን ባህርያትካን ዝንባለታትካን ንኽትዕዘብ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ሓጐስካ: ስቓይካ: ድኽመትካ: ከምኡውን ብርታዐኻ ኽገልጸልካ ኢዩ። ስምዒታትካ ናይ ምግላጽ ክእለት ከተመሓይሽ ኢኻ። ልክዕ ኢዩ: መዓልቲ መዓልቲ ኸየባተኽካ ንጥፈታትካ ምምዝጋብ ቈራጽነት ይሓትት ኢዩ: እዚ ግን ብዙሕ ዓስቢ ኣለዎ።—እተላእከ ጽሑፍ
[እግረ-ጽሑፍ]
a ካብታ ኢፈመሮስ እትብል “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ምጽሓፍ መዝገበ-ዕለት ንምጅማር ዝሕግዝ ነጥብታት
◆ ቐልጢፉ ዘይኣርግ: ምናልባት እውን ብቐሊሉ ሒዝካዮ ኽትንቀሳቐስ እትኽእል መዝገብ ምረጽ።
◆ በይንኻ ኽትኰነሉ እትኽእል ግዜን ቦታን ርኸብ። ወትሩ ምጽሓፍ ቅድሚ ምጅማርካ ዕለት መዝግብ።
◆ ከይጸሓፍካ ገለ መዓልትታት እንተ ሓሊፉ ኣይትጨነቕ: ካብቲ ዘቋረጽካዮ ቀጽል።
◆ ብዛዕባ ኣጸሓሕፋኻ ኣይትጨነቕ። ናጻ ዄንካ ሓሳባትካ ግለጽ። ብሓፈሽኡ ጥራይ ዘይኰነስ ዝርዝር ነገራት ጽሓፍ።