ጸማምን ዓይነ-ስዉርን እኳ እንተ ዀንኩ ዕቝባ ረኺበ ኢየ
ጃኒስ ኣዳምስ ዘዘንተወቶ
ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ዳርጋ ጸማም እኳ እንተ ነበርኩ: ክሰምዑ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ግን ብኸመይ ክነብር ከም ዝኽእል ተማሂረ ኢየ። ድሕርዚ ኣብ ኮለጅ ከለኹ: ከም ዝዕውር ምስ ተነግረኒ ሰምበድኩ። ኣብቲ ኮለጅ ዝሰርሕ ቅኑዕ ድራኸ ዝነበሮ ኣማኻሪ: ጸማምን ዓይነ-ስዉርን ሰብ ዘሕልፎ ዓይነት ናብራ ዝገልጽ ጽሑፍ ሃበኒ። ብኡንብኡ: ጸማምን ዓይነ-ስዉርን ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ ብጽምዋ እተበልዐ ምዃኑ ዝገልጽ ሓረግ ምስ ኣንበብኩ ነባዕኩ።
ብ11 ሓምለ 1954 ኣብ ዲ ሞይን: ኣዮው: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ኢየ ተወሊደ፣ ንዴል ደን ሃርቶግን ፊለስ ደን ሃርቶግን ሓንቲ ውላዶም ነበርኩ። ወለደይ ተሰከምቲ ናይቲ ኡሸርስ ሲንድረም ዝበሃል ካብ እትውለድ ኣትሒዝካ ኸም እትጸምምን ቀስ እናበለ ከም እትዕውርን ዝገብር ብዘርኢ ዝመሓላለፍ ሕማም ምዃኖም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም።
ወለደይ መጀመርታ ጸገም ከም ዘሎኒ ኣይፈለጡን። ንገሊኡ ርጕድ ዝበለ ድምጺ እሰምዕን ሓድሓደ ግዜ ድማ ከም ዝሰማዕኩ አርእን ስለ ዝነበርኩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክዛረብ ስለ ዘይጀመርኩ ከቢድ ሽግር ከም ዘሎኒ ፈለጡ። ኣብ መወዳእታ ጓል ሰለስተ ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ ሓደ ሓኪም ጸማም ምዃነይ ብምርመራ ኣረጋገጸ።
ወለደይ እዚ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ሓዘኑ። እንተዀነ ግን: ብእተኻእሎም መጠን ዝበለጸ ትምህርቲ ንኽረክብ ቈሪጾም ተላዕሉ። ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ኣብ ዝማሃሩሉ ብሉጽ ኣጸደ-ሕጻናት ኣእተዉኒ። ዳርጋ ጸሚመ ስለ ዝነበርኩ ግን ነቲ ትምህርቲ ኣይከኣልክዎን። ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ስለ ዝቘርጽ ርእሰይ ምስ መንደቕ አጋጩ ነበርኩ።
ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣተኹ
ወለደይ ኣብ ሰይንት ሎይስ: ሚዙሪ: ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ትካል ጸማማት (ሲ.ኣይ.ዲ.) ኣእተዉኒ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኽቡር እኳ እንተ ነበረ ከምኡውን ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ካብኦም ብምፍላየይ ሓዚኖም እኳ እንተ ነበሩ: ዕዉትን ሕጉስን ህይወት ንምንባር ዝሓሸ ኣማራጺ እዚ ምዃኑ ተገንዘቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ወለደይ ክረዳዳእ ኣይክእልን ኢየ ነይረ።
ኣደይ ንኽዳውንተይ ኣብ ባልጃ ኽትጥርንፎ ኸላ ረኣኽዋ። እቲ ብማኪና ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኣዝዩ ነዊሕ ነበረ። ኣብቲ ትካል ምስ በጻሕና ንኣሽቱ ኣዋልድ በይነን ረኣኹ እሞ ‘ኣደን ኣቦን ስለ ዘሎኒ ኣብዚ ኽጸንሕ ኣየድልየንን ኢዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። ምስ ወለደይ እንፈላለየሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ክምለሱ ምዃኖም ክገልጹለይ ፈተኑ። ብዙሕ በኸኹ ኣጽኒዐ ድማ ሓዝክዎም: እታ መጕዚት ግን ምእንቲ ክኸዱ ብሓይሊ ወሰደትኒ።
እተደርበኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝሓደርኩላ ምሸት: ክዛረብ ዘይክእል እኳ እንተ ነበርኩ ንሓንቲ ትበኪ ዝነበረት ቈልዓ እዛረባ ኸም ዘለኹ ብምምሳል ክእብዳ ፈተንኩ። እታ መጕዚት ነዚ ምስ ረኣየት ገንሓትኒ እሞ ንሓድሕድና ምእንቲ ኸይንዘራረብ ኣብ መንጎና መፈላለዪ ገበረትልና። እቲ መፈላለዪ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣይተኣልየን። ብርቱዕ ጽምዋ ኢዩ ነይሩ።
ኵላትና ናብዚ ዝመጻእና ኽንሰምዕ ስለ ዘይንኽእል ምዃኑ በብቑሩብ ተረድኣኒ። ምናልባት ወለደይ የፍቅሩኒ ክዀኑ ኣለዎም: ኣብ ኣጸደ-ሕጻናት ዘይነፋዕኩ ብስንፍናይ ኢዩ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኽነፍዕ እሞ ሓደ መዓልቲ ናብ ስድራይ ክምለስ ወሰንኩ።
ኣብቲ ትካል ጽቡቕ ትምህርቲ ይወሃበና ነበረ። ናይ ምልክት ቋንቋ ኽንጥቀም ዘይፍቀደልና እኳ እንተ ነበረ: ንምንቅስቓስ ከናፍር ብኸመይ ክንርድኦ ኸም እንኽእልን ብኸመይ ከም እንዛረብን ብብሕቲ ብዙሕ ስልጠና ተዋህበና። ኵሉ እቲ ኣብ ስርዓታዊ ትምህርቲ ዝወሃብ ዓይነት ትምህርቲ እውን ንመሃር ነበርና። እዚ ናይ ምልክት ቋንቋ ከይተጠቐምካ ንጸማማት ንምምሃር ዝግበር ጻዕሪ ብዙሓት ቈልዑ እኳ እንተ ዘይከኣልዎ: ንዓይ ግን ይርድኣኒ ነበረ: በዚ ድማ ዕግበት ረኸብኩ። ንምስማዕ ብዝሕግዝ መሳርሒ እናተሓገዝኩ: ሰባት ንዝገብርዎ ናይ ከናፍሮም ምንቅስቓስን ንጹር ዘይኰነ ድምጽታትን ብኸመይ ክርድኦ ኸም ዝኽእል ተማሃርኩ። ዘረባይ ንጹር እኳ እንተ ዘይነበረ ብዙሓት ክሰምዑ ዝኽእሉ ሰባት ይርድእዎ ነበሩ። ወለደይን ቤት ትምህርተይን ብመንፍዓተይ ብዙሕ ዕግበት ረኸቡ። ይኹን እምበር: ናብ ቤተይ ንምምላስ ሃንቀው ካብ ምባል ኣየቋረጽኩን።
ክረምቲ ንዕረፍቲ ናብ ቤተይ ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ: ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኸይመልሱንን ኣብቲ ኣብ ኣዮው ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኸእትዉንን ኵሉ ሳዕ እልምኖም ነበርኩ። ሽዑ ግን ኣብቲ እንነብረሉ ዝነበርና ኸባቢ ንጸማማት ዝኸውን ቤት ትምህርቲ ኣይነበረን። ናብቲ ቤት ትምህርተይ ምስ ተመለስኩ: ኣደይ መዓልቲ መዓልቲ ደብዳበን ማስቲካን ትሰደለይ ነበረት። እተን ማስቲካ ኣደይ ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅረኒ ስለ ዘዘኻኽራኒ ኣኽቢረ እርእየን ነበርኩ! ስለዚ ኸኣ ዘዝመጻኒ አቐምጠን ነበርኩ: ብፍላይ ክጭነቕ ከለኹ ድማ ብዙሕ ይጠቕማኒ ነበራ።
ናብ ገዛና እኳ እንተ ተመለስኩ ጸገማት ኣጋጠመኒ
ኣብ መወዳእታኡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ ወለደይ ናብ ገዛና ወሰዱኒ። ናብ ወለደይ ብምምላሰይ ኣዝየ ተሓጐስኩ: ዕቝባ ድማ ተሰምዓኒ! ኣብቲ ኣብ ዲ ሞይን ዝርከብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ጸማማት ኣተኹ። ምንቅስቓስ ከናፍር ጽቡቕ ገይሩ ኽርድኣኒ ዝኽእልን ዘረባይ ዝስማዕን ስለ ዝነበረ ብኡንብኡ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ኣተኹ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ።
ምስተን ኣብ ሲ.ኣይ.ዲ. ዝነበራ መዳቕስተይ ንቀራረብ ነይርና ኢና። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ግን ሰባት ብሓንሳእ ስለ ዝዛረቡ: ንዅሎም ብሓንሳእ እንታይ ከም ዝብሉ ዘለዉ ምክትታሎም ከበደኒ። ስለዚ: ተጠለኹ። ምስ ካልኦት ንኽቀራረብ ብርቱዕ ባህጊ ሓደረኒ!
እዚ ምስ ኰተቴ ኣወዳት ናብ ምቅርራብ: ጸኒሑ እውን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝወድቕ ገበረኒ። ብኸመይ ክኣብዮም ከም ዘለኒ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። ጓል 14 ዓመት ከለኹ ተዓመጽኩ: ብዛዕባዚ ግን ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይነገርኩን። ወለደይ ሓለይትን ፈቃራትን ክነሶም: እተጠለኹን ዋጋ ዘይብለይን ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ።
ንምስማዕ ብዝሕግዝ መሳርሒ ገይረ ሙዚቃ ኽሰምዕ እኽእል ነይረ: ዝመርጾ ዝነበርኩ ሙዚቃ ግን ዘተሓታትት ነበረ። ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ ኣሲድ ሮክ ዝበሃል ሙዚቃ እሰምዕ ነበርኩ። ማሪዋና ዝበሃል ሓሽሽ ክወስድን ብዝያዳ ኻብ ሰባት ክርሕቕን ጀመርኩ። ነቲ ኣብተን ጽንኩራት ዓመታት ዝገበርክዎ ነገራት ከምኡውን ንወለደይን ንዓይን ዘስዓበለይ ስቓይ ክዝክሮ ኸለኹ ብዙሕ ኢዩ ዘጣዕሰኒ።
ኣነባብራይ ንምምሕያሽ ዝገበርክዎ ጻዕሪ
እቲ ዝነበረኒ ጽምኢ ትምህርትን ናይ ምምሃዝ ባህግን ፈጺሙ ኣይጠፍአን። ወትሩ አንብብ: እስእል: እሰፊ: ከምኡውን እጠልፍ ነበርኩ። ከምቶም ሓሽሽ ዝወስዱ መሓዙተይ ኰይነ ኽተርፍ ዘይኰንኩስ ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ክዓምም እደሊ ነበርኩ። ስለዚ ንዝነበረኒ ናይ ስነ-ጥበብ ፍቕሪ ንምምዕባል ጥቓ ገዛና ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ተመዝገብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ተገሊለ ምትራፈይ የበሳጭወኒ ስለ ዝነበረ ናይ ምልክት ቋንቋ ኽማሃር ወሰንኩ።
ስነ-ጥበብ ካይላ ንምምላኽ ኣብቲ ኣብ ሮቸስተር: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ሃገራዊ ትካል ስነ-ኪነት ንጸማማት ኣተኹ። ናይ ምርኣይ ክእለተይ በብግዜኡ ይዳኸም እኳ እንተ ነበረ: ነዚ ጸገም እዚ ክቕበሎ ስለ ዘይደለኹ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ መገዲ ሒዘ ዘለኹ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብቲ ኮለጅ ዝዓዪ ኣማኻሪ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክዓውር ምዃነይ ብምግላጽ ምስቲ ናይ ሓቂ ዅነታተይ ከም ዝጋጠም ገበረኒ።
እቲ ትካል ዘድልየኒ ነገራት ንምምላእ እኹል ምድላው ኣይነበሮን: ስለዚ ናብ ካልእ ክኸይድ ነበረኒ። እንታይ ኢየ ግን ዝገብሮ፧ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክዕውር ምዃነይ እኳ እንተ ኣጕሃየኒ: ርእሰይ ክኢለ ንኽነብርን ኣብታ እቲ ኣማኻሪ ዝሃበኒ ጽሑፍ ከም እተገልጸ ‘ሓንቲ ኻብቶም ካብ ኵሉ ሰብ ንላዕሊ ብጽምዋ እተበልዑ’ ንኸይከውንን ቈረጽኩ። ብረይል ከመይ ገይረ ከም ዘንብብን ብበትሪ ብኸመይ ከም ዝንቀሳቐስን ንኽማሃር ናብ ኣዮው ተመለስኩ።
ናብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ገዓዝኩ
ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝርከብ ጋላዴት ዩኒቨርሲቲ ንጸማማት ዝኸውን ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ኣብ ዓለም ዝርከብ እንኮ ኮለጅ ኢዩ: ንዝጸመሙን ዝዓወሩን ተማሃሮ ዝኸውን ፍሉይ ኣገልግሎት ድማ ይህብ ኢዩ። ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ኣተኹ: ብ1979 ድማ ልዑል ነጥቢ ብምርካብ ተመረቕኩ። እንደገና ብትምህርቲ ኣሳልጦ ብምርካበይ ተሓጐስኩ።
እንተዀነ ግን: ብማሕበራዊ መዳይ ካብ መዛኖይ ተገሊለ ነበርኩ። በብቑሩብ እዓውር እኳ እንተ ነበርኩ: ልክዕ ከምቶም ጸማማት ናይ ምልክት ቋንቋ ስለ እተማሃርኩ ምስኣቶም ዝምደብ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እቲ ኣነ ዝጥቀመሉ ናይ ምልክት ቋንቋ: ካብቲ ኻልኦት ጸማማት ዝጥቀሙሉ እተፈልየ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ዝብልዎ ምእንቲ ኽርድኣኒ ኢደይ ኣብ ኣእዳዎም ስለ ዝገብሮ: ገሊኣቶም ጸማማት ቅጭ መጺዎም ካባይ ረሓቑ። ክቐርቡኒ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ጕጅለ እረክብዶ ዀን እኸውን ኢለ ክሓስብ ጀመርኩ።
ሓቀኛ ሃይማኖት ከናዲ ጀመርኩ
ንእሽቶ ኸለኹ ሃይማኖት ምጽንናዕ ዀይኑኒ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ኮለጅ ከለኹ እውን ብዛዕባ ሃይማኖት ኮርስ ወሲደ እኳ እንተ ነበርኩ: ነቲ ዝነበረኒ ብዙሕ ሕቶታት ግን መልሲ ኣይረኸብኩሉን። ካብ ኮለጅ ምስ ተመረቕኩ: መልሲ ኻብ ምንዳይ ኣየቋረጽኩን። ኣብቲ ግዜ እቲ: በቲ ምስ ሰባት ዘሎኒ ርክብ ሕጕስቲ ስለ ዘይነበርኩ: ኣምላኽ መምርሒ ኽህበኒ ኽጽሊ ጀመርኩ።
ብ1981 ናብ ጋላዴት ዩኒቨርሲቲ ተመሊሰ ብምኽሪ ናይ ምሃብ ሞያ ማስተርስ ዲግሪ ንምርካብ ክማሃር ጀመርኩ። ሓቀኛ ቤተ-ክርስትያን ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጸሎት ግን ኣየቋረጽኩን። ሓድሓደ ሰባት ናብ ኣብያተ-ክርስትያኖም ክወስዱኒ ምዃኖም እንተ ነገሩኒ እኳ ብእተፈላለየ ምኽንያት ግን ኣይወሰዱንን። ድሕርዚ ምስ ቢል ዝበሃል ክሰምዕ ዝኽእልን ናይ ድሕረ-ምረቓ ተማሃራይን ተፋለጠኩ። ብኣጋጣሚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዝነበረኒ ፈለጠ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገርም ነገራት ይምህርዎ ኸም ዘለዉ ድማ ነገረኒ።
መጀመርታ ኸምቲ ንብዙሓት ጸማማት ዝመስሎም: ንዓይውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክበሃሉ ኸለዉ ናይ ኣይሁድ ኣንቈራ ገይረ እወስዶም ነበርኩ። ቢል ከምኡ ኸም ዘይኰኑ ኣረጋገጸለይ: ብዛዕብኦም ክፈልጠሉ ዝኽእል ዝሓሸ መገዲ ኣብ ኣኼባኦም ምስ ዝካፈል ምዃኑ ነገረኒ። ክኸይድ ኣይደለኹን ነይረ: እንተዀነ ግን ጸሎተይ ትዝ በለኒ። ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ እንተድኣ ገይሮምልና ምእንቲ ኸነምልጥ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ክንብል ፍቓደኛ ምስ ኰነ እናተወላወልኩ ክኸይድ ተሰማማዕኩ።
ኣይተጋየሽኩን
ናብቲ ኣኼባ ክንከይድ ከሎና ኣዝየ ፈሪሀ ነበርኩ። ክልቴና ሰማያዊ ጅንስን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ዝኽደን ካምቻን ገይርና ነበርና። ቁሩብ ደንጒና ምእታውና: ቅድሚ እቲ ኣኼባ ምስ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይንራኸብ ስለ ዝገበረና ተሓጐስኩ። ቢል ነቲ ኽርእዮ ዀነ ኽሰምዖ ዘይክእል ነገር ብዝርዝር ተርጐመለይ። እቲ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኣኒ: ኽልተ ነገራት ግን መሲጥኒ ኢዩ። እዚ ድማ ብቐዳምነት እቲ ተዛራባይ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ምጥቃሙ: ካልኣይ ድማ እቶም ምስ ወለዶም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ቘልዑ ኣብቲ ኣኼባ ንጡፍ ተሳትፎ ምግባሮም ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ጸቕጢ ኣይተገብረልናን: የግዳስ ኣከዳድናናን ዓሌትናን እተፈለና እኳ እንተ ነበርና ሓንጐፋይ ኢሎም ኢዮም ተቐቢሎምና።
ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ: ክልቴና ጥራይ ኢና ጸዓዱ ዝነበርና። ብዛዕባ ጸለምቲ ጽቡቕ ኣረኣእያ ከም ዘይብለይ እርዳኣኒ እኳ እንተ ዘይነበረ: ምሳታቶም ብምእካበይ ግን ኣብ መጀመርታ ባህ ኣይበለንን ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣዝዩ መሳጢ ስለ ዝዀነ እዚ ጸገም እዚ ኽዓግተኒ ኣይከኣለን። ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኣኼባ ኽንካፈል ጀመርና። ኣብታ ጉባኤ ጸማማት ዘይምህላዎም ግን ከቢድ ብድሆ ዀነኒ። ስለዚ ሒደት ጸማማት ዘለዉዋ ኻልእ ጉባኤ ኸም ዘላ ምስ ሰማዕና: ናብኣ ኽንከይድ ጀመርና። ኣብዛ ሓዳስ ጉባኤ እውን ክልቴና ጥራይ ኢና ጸዓዱ ነይርና። እንተዀነ ግን ኣይተጋየሽናን።
ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረልና ፍቓደኛታት ኰንና። ኣብ መወዳእታኡ ንሕቶታተይ መልሲ ኽረኽበሉ ጀመርኩ። ብኡንብኡ እቲ መልሲ ይርድኣኒ እኳ እንተ ዘይነበረ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ኢዩ ነይሩ። ዕምቝ ዝበለ ምርምርን ምስትንታንን ብምግባር እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዞ ሓቂ ኽርድኣኒ ኸኣለ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ንየሆዋ ኸም ሓቀኛ ኣምላኽ ቀረብክዎ። ኣነን ቢልን ድማ ኣጸቢቕና ተቐራረብና። ከም ዝፈትወኒ እፈልጥ ነይረ: ክምርዓዎ ምስ ሓተተኒ ግን ተገሪመ ኢየ። ተሓጒሰ ሕራይ በልክዎ። ቢል ድሕሪ መርዓና ነዊሕ ከይጸንሐ ተጠምቀ: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ማለት ብ26 ለካቲት 1983 ኣነ እውን ኣሰሩ ስዒበ ተጠመቕኩ።
ነቲ ዘናድዮ ዝነበርኩ ዕቝባ ረኸብኩ
ጉባኤና ክልተ ኻልኦት ጸማማት ስለ ዝነበርዋ: ንሳቶም እውን ምስ ጸማምን ዓይነ-ስዉርን ብኸመይ ከም እትረዳዳእ እኹል ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም: ተገሊለ ኽተርፍ ኢየ ኢለ ፈራህኩ። ጉባኤና ፈቃራት ምዃኖም ይርድኣኒ ነይሩ: ይኹን እምበር ኣብ መጀመርታ ምሳታቶም ብቐጥታ ኽረዳዳእ ኣይክእልን ኢየ ነይረ። እዚ ድማ የጕህየኒ ነበረ። ብዙሕ ግዜ እበሳጮን ጽምዋ ይስምዓንን ነበረ። መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ወይ ኣሓተይ ዝገብርዎ ሕያውነት ዝመልኦ ተግባር ግን ልበይ ይትንክፈንን የበራትዓንን ነበረ። ቢል እውን ጸኒዐ ንኸገልግልን ብዙሓት ጸማማት ናብ ጉባኤና ምእንቲ ኽመጹ ንየሆዋ ኽጽልን የተባብዓኒ ነበረ።
ርእሰይ ክኢለ ምእንቲ ክኸይድ ዝመርሓኒ ኸልቢ ኸምጽእ ወሰንኩ። እቲ ኸልቢ ነቲ ናይ ጽምዋ ስምዒት እውን የቃልለለይ ነበረ። ቢል ናብ ስራሕ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ምስቶም ናብ ኣገልግሎት ዝኸዱ ኣሕዋት ንምርኻብ ባዕለይ ናብ ኣደራሽ መንግስትና ክኸይድ ከኣልኩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ እተፈላለየ እዋን ኣርባዕተ ዝመርሑኒ ኣኽላባት ነይሮምኒ ኢዮም: ነፍሲ ወከፎም ድማ ልክዕ ከም ኣባል ስድራቤትና ኢዮም ነይሮም።
ዝመርሓኒ ኸልቢ ብዙሕ ዝሕግዘኒ እኳ እንተዀነ: ምስ ሰባት ዝያዳ ርክብ ክህልወኒ ግን ሃረር እብል ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ: የሆዋ ንጻዕርታትና ባረኾ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ ጸማማት ረኸብና። ተገዳስነቶም እናዓበየ ስለ ዝኸደ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ተመስረተት። ኣብ መወዳእታ ምስ ኵሎም ኣባላት ጉባኤይ ክረዳዳእ ከኣልኩ!
ቢል ሽማግለ ዀይኑ ንኸገልግል ተመዘዘ: ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ናይታ ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ኸኣ ዀነ። ንጸማማት ከምኡውን ንዝጸመሙን ዝዓወሩን ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ብምኽኣለይ ኣዝየ ተሓጐስኩ: መብዛሕትኦም ድማ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ ኣለዉ። ክሰምዓ ዝኽእላ ኣሓት ንጸማማት ክሰብካሎም ምእንቲ ክኽእላ ናይ ምልክት ቋንቋ ምሂረየን ኢየ።
እዋን ፈተና
ብ1992 ብሰንኪ እቲ ብቘልዓይ ከለኹ ዝወረደኒ ማህሰይቲ: ብኸቢድ ጭንቀት ተዋሓጥኩ። ንገለ ዓመታት ልሙድ ንጥፈታተይ ክቕጽል ኣይከኣልኩን። ክሰምዕ ወይ ክርኢ ብዘይምኽኣለይ ዘይኰነስ ከቢድ ስምዒታዊ ጸቕጢ ስለ ዝነበረኒ ዋላ ሓንቲ ዕማም ክፍጽም ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ብዙሕ ግዜ ናብ ኣኼባ ወይ ናብ ኣገልግሎት ንምኻድ ሕልናይ ይዓርበኒ ነበረ: ስለዚ ንጽህናይ ምእንቲ ኽሕሉ የሆዋ ሓይሊ ንኽህበኒ ለመንክዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኻብ ኣኼባ ኣይበዀርኩን: ኣብተን ጽንኩራት ዓመታት እውን እንተዀነ ኣብ ኣገልግሎተይ ስርዓታዊት ኰይነ ቐጸልኩ።—ማቴዎስ 6:33
ብ1994 ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤ ኣብ ምምስራት ንምሕጋዝ ናብ ቫንኮቨር: ብሪትሽ ኮሎምብያ: ካናዳ: ገዓዝና። እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ዝለመድክዋ ኸተማን ብዙሓት ፈተውተይን ገዲፈ ኢየ ኸይደ። እቲ ዝነበረኒ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይገደፈኒ: ኣብ ቫንኮቨር ሓዳስ ጉባኤ ኽትቀውም ከላ ምርኣየይ ግን በቲ ዝገበርናዮ መስዋእትታት ተሓጐስኩ። ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ተፈተውቲ ኣዕሩኽ ኣጥርየ ኢየ: ስለዚ ኣይተጋየሽኩን።
እቲ ፈቃር ኣቦና ባረኸና
ብ1999 ኣነን በዓል ቤተይን ካልኦት ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንጸማማት ኣብ ዝግበር ስብከት ንምሕጋዝ ንሽዱሽተ ሰሙናት ናብ ሃይቲ ኸድና። ምስቲ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምትሕብባር: ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ኣሕዋት ናይ ምልክት ቋንቋ መሃርናዮም: ምሳታቶም ሓቢርና ድማ ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ስብከት ዘይበጽሖ ጸማማት ዘለዉዎ ዞባ ኣገልገልና። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ተገዳስነት ንዘሕደሩ ካብ 30 ዝበዝሑ ጸማማት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረሎም! ብመንፈስ ተበራቲዐ ናብ ዓደይ ተመለስኩ: ኣብ መስከረም 1999 ከኣ ፓይነር ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድኩ። ብሓገዝ የሆዋን እቲ ዝፈትዎ በዓል ቤተይን ወትሩ ዝድግፉኒ ኣባላት ጉባኤይን እቲ ዘጋጠመኒ ጭንቀት ንሓጐሰይ ኣየጥፍኦን።
ኣብቲ ዘሕለፍክዎ ዓመታት የሆዋ ለውሃት ዝመልኦ ምዃኑ ርእየዮ ኢየ። (ያእቆብ 5:11) ንዅሎም ህዝቡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ይከናኸኖም ኢዩ። ብማሕበሩ ኣቢለ ብብረይል እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ካልእ ጽሑፋት ክረክብ ክኢለ ኢየ። ብናይ ምልክት ቋንቋ ዝግበር ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን የሐጕሰኒ ኢዩ። ኣባላት ጉባኤና ብምልክት ኣእዳወይ ብምትንኻፍ ይትርጕምለይ ኢዮም: በዚ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ምሉእ ብምሉእ እካፈል ኢየ። ድርብ ስንክልና እኳ እንተለኒ: ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዕቝባ ረኺበ ኢየ። እቕበል ጥራይ ዘይኰንኩስ እህብ እውን ኢየ: እዚ ድማ ብዙሕ የሐጕሰኒ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
ኣብታ የሆዋ ዘምጽኣ ሓዳስ ዓለም ክሰምዕን ክርእን ብሃንቀውታ ኢየ ዝጽበ። ክሳዕ ሽዑ ግን ሓንቲ ኻብቶም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብጽምዋ እተበልዑ ሰባት ኣይኰንኩን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝርከብዎ ዓለምለኻዊ ስድራቤት ኣለኒ። እዚ ዅሉ ኽረክብ ዝኸኣልኩ ሳላ እቲ ኸም ዘይሓድገንን ዕሽሽ ከም ዘይብለንን እተመባጽዐ የሆዋ ኢየ። እወ: ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ: ኣይክፈርህን እየ” ኽብል እኽእል ኢየ።—እብራውያን 13:5, 6
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ብምልክት ኣእዳወይ ብምትንኻፍ ክትዛረበኒ ኸላ
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ ]
ሎሚ ምስ በዓል ቤተይ ቢል