ካብ ከባቢ ዓለም
ነደርቲ ተፈታኖ ማኪና
“ኣብቶም ናይ ፈረንሳ 500 ‘ፈተንቲ’ ምምራሕ ማኪና ዝወርድ ጸርፍን ኣካላዊ ማህሰይትን ካብ 1994 ንነጀው ብ150 ሚእታዊት ወሰኽ ገይሩ” ብምባል እቲ ናይ ፓሪስ ጋዜጣ ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪብዩን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ካብቶም ፍቓድ መምርሒ ማኪና ንኽህልዎም ኣመልኪቶም ናይ 20 ደቒቕ ናይ ምዝዋር ፈተና ዝወሃቦም ሰባት ትሕቲ 60 ኻብ ሚእቲ ዝዀኑ ጥራይ ኢዮም ፈተና ዝሓልፉ: ዳርጋ ዅሎም እቶም ርብሕ ዝበለ ገንዘብ ዘይክፈሎ ትምህርቲ ምምራሕ ማኪና ዝከታተሉ ኸኣ እሞ ኣይሓልፉን ኢዮም። ሕርቃኖም ኣብ ፈተንቲ ዘውጽኡ ዝተርፉ ተማሃሮ ቍጽሮም እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ገሊኦም ፈተንቲ ብጕስጢ ክህረሙ ኸለዉ ገሊኣቶም ከኣ ጸጕሮም ይምንጨጩ። ሓደ ሰብኣይ እሞ ንሓንቲ ፈታኒት እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ስሪንጋ ብአይድስ እተለኽፈ ደም ዝሓዘ ምዃኑ እናፈራረሀ ኣጓይይዋ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ሓደ ተፈቲኑ ዝተረፈ ወዲ 23 ዓመት ብናይ ፕላስቲክ ጠያይት እተለጕመት ሽጕጥ ገይሩ ነቲ ፈታናይ ተኲስሉ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጻ ንምእላይ: ተፈታኖ ናይ ፈተና ውጽኢቶም ኣብ ክንዲ ብኣካል ቀሪቦም ዝንገሩ ብቡስጣ ኽስደደሎም ኢዮም ፈተንቲ ዝምሕጸኑ ዘለዉ።
ኣብ ውጥረት ዝኣትዉ ተማሃሮ
ናይ መወዳእታ ዓመት ፈተና ኣብ ዝዋሃበሉ እዋን ኣብ ህንዲ ብዙሓት ተማሃሮ ኣብ ብርቱዕ ውጥረት ከም ዝኣትዉ ናይ ሙምባይ ጋዜጣ ኤሽያን ኤጅ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። እዋን ፈተና ምስ ኣተወ ሸበድበድ ምባል ከምኡውን እቲ ጽቡቕ ነጥቢ ንኸምጽኡ ኢልካ ዝግበር ጸቕጢ ንገሊኣቶም ዓቕሎም የጽብበሎም ኢዩ: ከም ሳዕቤን እዚ ኸኣ ቍጽሪ እቶም ንኽርኣዩ ናብ ሰብ ሞያ ስነ-ኣእምሮ ዝኸዱ ተማሃሮ ኣብ እዋን ፈተና ብዕጽፊ ኢዩ ዝዛይድ። ገለ ወለዲ ደቆም ጽቡቕ ነጥቢ ኸምጽኡሎም ክቱር ድሌት ስለ ዘለዎም ንዅሉ ዓይነት ምዝንጋዓት ከም ዝንኪ ኢዮም ዝገብርዎ። ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዝዀነ ቪ. ከይ. መንድራ ትዕዝብቱ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ውሉዳት ብገዛእ ኢድ ወለዶም ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኢዮም ዝኣትዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስ ካልኦት ተማሃሮ ዝግበር ውድድር ኣሎ።” ወሲኹ ድማ ብዙሓት ወለዲ “ንቘልዓ ኸም ዝዛነ ምግባሩ ነእምሮኡ ዘሐድሶ ምዃኑ እሞ እዚ ኸኣ ብዝበለጸ ንኸጽንዕ ዝሕግዞ ምዃኑ ኣይግንዘብዎን ኢዮም” ብምባል ይገልጽ። ዶ⁄ር ሃርሽ ሸቲ ኣብ እዋን ፈተና ዘጋጥም ውጥረት “ኣብቶም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሻብዓይ [ክፍሊ] ዘለዉ ተማሃሮ እውን ከይተረፈ ልሒሙ ምህላዉ” ይገልጽ።
ሕርቃንን ልብኻን
“ሓራቓት ሰባት ካብቶም ቀልጢፎም ዘይሓርቁ ሰባት ብድኻም ልቢ ንኽጥቅዑ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኣጋጣሚ ኣለዎም” ብምባል ሓደ ኣብ ጋዜጣ ግሎብ ኤንድ መይል ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ሓደ ንድኻም ልቢ ዝምልከት ንሽዱሽተ ዓመት ዝኣክል እተኻየደ ግምገማ ዳርጋ 13,000 ዝኣኽሉ ሰባት ተሳተፉ። እቲ መጽናዕቲ ኽጅምር ከሎ ኵሎም ተሳተፍቲ ሕማም ልቢ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ተኸታቲሉ ዝሕተት ሕቶታት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀረበሉ እሞ ትሑት: ማእከላይ: ወይ ድማ ልዑል ኣብ ዝብል ደረጃታት ሕርቃን ተመደቡ። ኣብተን ሽዱሽተ ዓመታት 256 ሰባት ድኻም ልቢ ዘለዎም ኰይኖም ተረኽቡ። ካብቶም ማእከላይ ደረጃ ሕርቃን ዝነበሮም እቶም 35 ሚእታዊት ንሕማም ልቢ እተቓልዑ ምንባሮም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ። እታ ኣብቲ መጽናዕቲ መሪሕ ዝነበረት ዶ⁄ር ጃኒስ ዊልያምስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ካሮሊና ከምዚ ዝስዕብ ትብል:- “ሕርቃን ውዒሉ ሓዲሩ ሳዕቤን ድኻም ልቢ ኣለዎ: እዚ ብፍላይ ነቶም ንቡር ጸቕጢ ደም ዘለዎም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን የጥቅዖም ኢዩ።” ሓራቓት ሰባት ንውጥረት ክቈጻጸርዎ ዘኽእሎም ሜላታት ብኣጋኦም ክጥቀሙ ኸም ዝግባእ ተመራመርቲ ዝምሕጸኑ እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ ኢዮም።
ሓዳር ኣብ ኰተቴ
ሃገራዊ ጥዕና ስድራቤት እተባህለ ትካል ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘካየዶ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ኣብ ህንዲ ኻብ ዘለዉ ንኣሽቱ ሰብ ሓዳር እቶም 36 ሚእታዊት ካብ 13 ክሳዕ 16 ዓመት ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ይርከቡ። ኣብ ርእሲ እዚውን እተን 64 ሚእታዊት ናይተን ዕድሚአን ካብ 17 ክሳብ 19 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድሮ ወሊደን ወይ ድማ ጠኒሰን ከም ዘለዋ በቲ እተኻየደ መጽናዕቲ ተፈሊጡ ኸም ዘሎ ናይ ሙምባይ ጋዜጣ ኤሽያን ኤጅ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ብሰንኪ ጥንሲ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ኣብተን ካብ 20 ክሳብ 24 ዝዕድሚአን መንእሰያት ኣዴታት ንላዕሊ ካብተን ካብ 15 ክሳብ 19 ዝዕድሚአን ብዕጽፊ ክዛይድ ከም ዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ብተወሳኺውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ኣብቶም ካብ 15 ክሳብ 24 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብዕጽፊ ወሲኹ ይርከብ። እዚ ሽግራት እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ብሰንኪ ጕድለት ፍልጠት ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ንጾታዊ ጕዳያት ዝምልከት ካብ መዛኑን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመጽእ ግጉይ ሓበሬታ ምዃኑ ኢዮም ሰብ ሞያ ዝወቕሱ።
ንሓደ ሕማም ብኻልእ ሕማም ምቕያሩ
“ሰላሳ ዓመት ይገብር ካብ ሓሙሽተ ግብጻውያን እቶም ሰለስተ ብሰንኪ እቶም ኣብ ማይ ዝርከቡ ኣረነ ዝስከምዎም ጽግዕተኛታት ባልዕ ዝመጽእ ዘማስን ሕማም ቢልሃርዚያ ይሳቐዩ ነይሮም ኢዮም” ብምባል ዘ ኢኮኖሚስት ይገልጽ። እቲ ዘገርም ግን ጸረ-ቢልሃርዚያ ወፍርታት ነቲ ዘመን ኣምጽኦ መድሃኒታት ተጠቒሙ ኣስጋኢ ኵነታት ከም ዘይህሉ ገይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ኻብቶም እተኻየዱ ቀዳሞት ወፍርታት “ንብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ብቐታሊ ቫይረስ ዝመጽእ ሀፐታይትስ-ሲ ዝበሃል ዓይነት ወይቦ ኣቃሊዕዎም [ክኸውን ከም ዝኽእል] ሕጂ ኢዩ ዝገሃድ ዘሎ: እዚ ኸኣ ንቢልሃርዚያ ብምትካእ እቲ ኣብ ግብጺ ቐንዲ ናይ ጥዕና ሽግር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” እዚ ድማ እቲ ጸረ-ቢልሃርዚያ መድሃኒት እተወግኣሉ መራፍእ ‘ብተደጋጋሚ ኣብ ጥቕሚ ስለ ዝወዓለን ብግቡእ ስለ ዘይመኸነን ኢዩ።’ እቲ መጽሔት ኣስዒቡ “እዚ ኣብ ደም ዝነብር ሀፐታይትስ-ሲ ዝበሃል ቫይረስ (ኤች.ሲ.ቪ.) ክሳዕ 1988 ሊቃውንቲ ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም” ይብል። መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ግብጺ ኣብዚ ሕጂ እዋን “እታ ኻብ ዓለም ዝለዓለ ቝጽሪ ሕሙማት ሀፐታይትስ-ሲ” ዘለዋ ኢያ። ኣስታት 11 ሚልዮን ግብጻውያን—እቲ ቝጽሪ ካብ 6 ዳርጋ 1 ምዃኑ ኢዩ—በቲ ሕማም እተለኽፉ ኢዮም: እዚ ኸኣ ን70 ሚእታዊት ናይቶም ሕሙማት ብሕዱር ሕማም ጸላም ከብዲ ኸም ዝጥቅዑ ኽገብሮም ከሎ ን5 ሚእታዊት ድማ ሞት የስዕበሎም። እቲ ዓንቀጽ ነዚ “ክሳዕ ሕጂ ብሓኻይም ካብ እተመሓላለፉ መወዳድርቲ ዘይብሉ እንኮ ቫይረሳዊ ሕማም” ኢሉ ብምጽዋዕ ቀጺሉ “እቲ ሓደ ዘጸናንዕ ግን እቲ መጠነ-ሰፊሕ ወፈራታት እንተ ዘይካየድ ነይሩ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብቢልሃርዚያ ምሞቱ ነይሮም” ይብል።
ብከላ— ናይ ጽንጽያ መዓት የውርድ
ብከላ ማይ ርባ ቺሊ—በታ ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ኸተማታት ፔሩ ዝዀነት ኣረኪፓ ኣቢሉ ዝሓልፍ ርባ—ነቲ ኣብ ከባቢኡ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ተናኸስቲ ነፍሳት ሽግር ግደ ዘለዎ ኢዩ ዝመስል። ነበርቲ እቲ ኸባቢ ነዞም ንኣሽቱ ዝናኸሱ ጽንጽያ ንምጥፋእ ኣሎ ዝበሃል ፈውሲ ባልዕ ተጠቒሞም ኢዮም። ናይ ሊማ ጋዜጣ ኢል ኮመርስዮ ኸም ዝገለጾ እዚ መዓት እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ርባ ቺሊ ዘጋጠመ ቀመማዊ ብከላ ዝመጸ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን። ቀመማዊ መርዝታት ንመብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ርባ ዝነበሩ ውንጅር ዘጥፈኦም ኢዩ ዝመስል: እዞም ህይወታውያን እዚኣቶም “ነቶም ጽንጽያ ብባህርያዊ መገዲ ንመዋእላት ክቈጻጸርዎም ጸኒሖም ኢዮም” ብምባል እቲ ጋዜጣ ይገልጽ።
ብርቱዕ ወይኒ
ኣብ ብሪጣንያ ዘለዉ ፖሊስን ሳዕቤን ኣልኮል ንምሕባር ጐስጓስ ዘካይዱ ጕጅለታትን ኣብ ወይኒ ዘሎ ትሕዝቶ ኣልኮል ይውስኽ ብምህላዉ እቶም ሳሕቲ ዝሰትዩ ሰባት ናብ ደረጃ ሰታያት ከሰጋግሮም ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ። ዓሰርተ ዓመት ይገብር ናይቲ ኣብ እዋን ምእራይ ወይኒ ዝዳሎ ኰልዒ ወይ ድማ ናይቲ ምስ መግቢ ዝቐርብ ነቢት ንቡር ትሕዝቶ ኣልኮሉ 13 ወይ ከኣ 14 ሚእታዊት ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ ተራ ወይኒ 14 ሚእታዊት መጠን ኣልኮል ዘለዎ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ወይኒ እዚ ካብተን እቲ ሓያል ወይኒ ክጽመቘሉ ዝከኣል ብሱልን ምቁርን ፍረ ወይኒ ዘብቍል ምዉቕ ክሊማ ካብ ዘለወን ከም በዓል ኣውስትራልያ: ደቡብ ኣፍሪቃ: ከምኡውን ቺለ ዝኣመሰላ ሃገራት ኢዩ ዝመጽእ። ናይ ለንደን ዘ ሳንደይ ታይምስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንሜሪ-ኣን ማኪበን እተባህለት ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ትካል “ስግኣት ኣልኮል” ብምጥቃስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “ኣብ ወይኒ ዘሎ ትሕዝቶ ኣልኮል ይውስኽ ኢዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ ነቶም ነዚ ልዑል ትሕዝቶ ኣልኮል ዘየስተብህልሉ ተጠቀምቲ የዳህልሎም ኢዩ።”
ኣመና ጽሬት ድዩ ዘድሊ፧
እቲ ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ፍራይበርግ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኣከባብያዊ መድሃኒትን ጽሬት ሆስፒታልን ብዛዕባ እቲ ንጽህና ዘቤት ንምሕላው ተባሂሉ ዝዳሎ ጸረ-ባክተርያ ዝዀነ ሓድሓደ ቀመማት ክዛረብ ከሎ ምንም ጥቕሚ ኸም ዘይብሉ አረ ኻብዚ ሓሊፉውን ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ምሕባሩ ጋዜጣ ጀርመን ቬስትፋሊሸ ናኽሪኽተን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ሓላፊ እቲ ኢንስቲትዩት ዝዀነ ፕሮፈሰር ፍራንትስ ዳሽነ “ኵሉ እዚ ቐመማት እዚ ኣድላዪ ኣይኰነን” ብምባል ይገልጽ። “መሕልፎ እኳ ድኣ ተጠቀምቲ ኽጕድኡ ይኽእሉ ኢዮም” ይብል። ገለ ኻብዚ ቐመማት እዚ ልዑል ቍጥዐ ኣካላት ከምጽእ ዝኽእል ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ ብምዃኑ ሓደገኛ ኢዩ: እዚ ኸኣ ሓደ ኻብቲ ዘለዎ ሳዕቤናት ኢዩ። ዝጨነወ ኽዳውንቲ እንተድኣ ሃልዩ ምሕጻቡ ጥራይ እኹል ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኣብ ጸረ-ባክተርያ ቀመማት ክእጀል ከም ዘየድልዮ ኢዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር። ዳሽነ ሓሳቡ ኽድምድም ከሎ “ንኣከባቢ ዘይጐድእ ንጽሬት ዝጠቅም ተራ ነገራት ተጠቒምካ ንጽህናኻ ምሕላው እኹል ኢዩ” ይብል።
መሲልካ ንኽትርአ ዘሎ ጸቕጢ
እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ 500 ኮተቴ እተኻየደ መንግስታዊ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ መንእሰያት “ነቲ ኣብ ንግዳዊ ምልክታታትን መራኸቢ ብዙሓንን ዝወጽእ እንታ ዘይርከቦ ምስልታት ንምምሳል ዝግበረሎም ጸቕጢ ይቃለስዎ” ምህላዎም ናይ ለንደን ዘ ጋርድያን ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። ምንም እኳ ኣዋልድ ነዚ በዚ ምኽንያት እዚ ዝፍጠር ውጥረት ናብ ቀረባ መሓዙተን ሕግብግብ ብምባል መዋጽኦ ዝረኽባሉ መገዲ እንተ ሃለወን: ኣወዳት ግን ሓሳቦም ንኻልእ ንምክፋል ኣጸጋሚ ስለ ዝዀኖም ብዙሓት ካብኣቶም ንስምዒቶም ብነድሪ ወይ ድማ ብጐነጽ ይገልጽዎ። ንርእስኻ ዘይትረብሕ ገይርካ ናይ ምርኣይን እናሓየለ ዝኸይድ መንፈስ ጭንቀትን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን: እቲ ኣወዳት ዝፍጽምዎ ርእሰ-ቕትለት ካብቲ መዛንኦም ኣዋልድ ዝፍጽምኦ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ኢዩ ዝዛይድ። በቲ ሓደ ሸነኽ ክርአ ኸሎ ኸኣ እቲ ደይመደይ ኢለን ኣዋልድ ገዛእ ርእሰን ዝሃስያሉ ወይ ከኣ ብኸም ኣናረክስያ ዝበሃል እኹል መግቢ ዘይምብላዕ ከምኡውን ቡሊምያ ዝበሃል ብዙሕ መግቢ በሊዕካ ናይ ምትፋእ ልማድ ዝሳቐያሉ ኵነታት ዳርጋ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ይዛይድ።
እተጠልሙ ተጻወትቲ ዅዕሶ እግሪ
“ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይቶም ምስ ክለባት ፈረንሳ ኽጻወቱ ካብ ኣፍሪቃ ዝጥለቡ መንእሰያት ተጻወትቲ ዅዕሶ እግሪ ኸም ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ኢዩ ዝረኣዩ: ምስ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ናይ ምጽምባር ተስፋ እውን ፈጺሙ የብሎምን” ብምባል ናይ ፓሪስ ማርያን ዝበሃል መጽሔት ይገልጽ። ሓደ ኻብ መንግስቲ ፈረንሳ ዝወጸ ወግዓዊ ጸብጻብ ነተን “ወርቂ ዝእግሮም መንእሰያት” ንምዕዳግ ኣብ ብዘላ ዓለም ተዋፊረን ዘለዋ ንሕስያ ዘይብለን ወኪላት ኰኒኑወን ኣሎ። ነቶም ትሕቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም 300 ሓዊስካ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት በቲ ናብዚ መሳጢ ሞያ ስፖርት ንምእታው ብዘሕደርዎ ባህጊ ሰዲዖም ኢዮም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ግን ዋላ ሓንቲ ወግዓዊ ኩንትራት ኣይፍርሙን ኢዮም: ንምሸቱ ኸኣ ጥር እትብል ሳንቲም ከይረኸቡ ይተርፉ። እቲ መጽሔት ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:- “ኣብቲ ጠበቓታት ተጻወትቲ ዅዕሶ እግሪ ዝሕዝዎ መዝገብ ካብቲ ብዛዕባ ዓወት ዝገልጽ ጸብጻብ እቲ ብዛዕባ ፍሽለት ዝገልጽ ጸብጻብ ይበዝሕ።”