ምኽንያት ስነ-ምግባራዊ ውድቀት
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ሓደ ኣብ ሎሃ: ኢኳዶር: ዝነብር ጸሓፊ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ኣገልግሎት ሞሳኡ ገለጸ። ገለ ካብቲ እተዓዘቦ ነገራት እንሆ:-
“ሓደ ካብቲ ንደቂ ሰብ ዘሳቕዮም ዘሎ ዝኸፍአ መዓት ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ኢዩ። . . . ሰባት ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ምፍጻም ዝረስዕዎ: ንሕልንኦም ከኣ ሸለል ዝበልዎ ይመስሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ስኒት ከም ዘይህሉ ገይሩ ኢዩ። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ፈቐድኡ ብዛዕባ ጽልኢ: ዓመጽ: ገበን: ናይ ሓሽሽ ንግዲ: ግብረ-ሽበራ: ንሰብ ዘይምኽባር ንሰምዕ ኢና። . . .
“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ንጐረባብቶም ይበጽሑ: ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓንቀጻት ዝሓዘ ማራኺ ዝዀነ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ! ዝበሃል ክልተ መጽሔታት ይዕድሉ: ነዚ ሓላፍነቶም እውን ብዘይ ጃህራ: ብሰላምን ብህድኣትን ኢዮም ዝፍጽምዎ። ብፍላይ ንቕሑ ! ኣብ ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ዘተኵር እተፈላለየ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ሒዙ ኣሎ። እዚውን ብንጹርን ልክዕን ዝዀነ ኣጸሓሕፋ እተጻሕፈ ኢዩ።”
ኣብዚ እዋን እዚ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ብቐሊሉ ዝርአ ነገር ኢዩ: ኣብ ገጽ 4 ናይዚ መጽሔት እዚ “ንቕሑ ! ዝሕተመሉ ዕላማ” ኣብ ዝብል ክፍሊ ተገሊጹ ከም ዘሎ ግን ንቕሑ ! “ንህሉው ኵነታት ኣዕሚቑ ይምርምር: ከምኡውን ናይ ሓቂ ትርጕሙ እንታይ ምዃኑ ይሕብር።” እታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ነቲ ደቂ ሰብ ዝወርዶም ዘሎ ስቓይ ኣፍልጦ ትህበሉ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ትገብር ኢያ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ስለምንታይ ከም ዘሎ ትሕብረና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ራህዋ ብኸመይ ክርከብ ከም ዝከኣል ትገልጽ ኢያ።
ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ቅዳሕ ናይታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር ንኽትስደደልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ እታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ርኸቡኒ።