ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/7 ገጽ 16-21
  • ምስ ሞት እናተፋጠጥካ ንኣምላኽ ምግልጋል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ሞት እናተፋጠጥካ ንኣምላኽ ምግልጋል
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጽቡቕ ትምህርቲ ምርካብ
  • ሓድሽ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ
  • ናይ መጀመርታ ማእሰርተይ
  • ንነዊሕ ግዜ እተጸበናዮ ምርኻብ
  • ናብ ጥምቀት ዘብጽሓኒ ፍጻመታት
  • ከም ብሓድሽ ዝወረደ መስጐጕቲ
  • ናይ ትሽዓተ ዓመት ስቓይ
  • ናጽነት: ግን ከኣ እንደገና ምእሳር
  • ናጻ ምዃን: ገና ግን ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ
  • ኣብ መወዳእታ: ናይ ምስባኽ ናጽነት!
  • ካብ ክቱር ድኽነት ናብ ዝበለጸ ዓይነት ሃብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሆዋ ዘቕርቦ ጻውዒት ምቕባል ዓስቢ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ንቕሑ!—2000
g00 8/7 ገጽ 16-21

ምስ ሞት እናተፋጠጥካ ንኣምላኽ ምግልጋል

ዡዋ ማንኮካ ዘዘንተዎ

ብ25 ሰነ 1961 ኣብ ሉዋንዳ: ኣንጎላ ክርስትያናዊ ኣኼባ እናካየድና ከሎና ወተሃደራት ነቲ ኣኼባ ኣቋረጽዎ። ሰላሳ ንኸውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድና እሞ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐጥቀጥና: ስለዚ ኸኣ እቶም ወተሃደራት ገለ ካባና ዝሞተ እንተሎ ክርእዩ ኢሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ሰዓት ይመላለሱ ነበሩ። ገሊኦም ሓደ ካባና ስለ ዘይሞተ ኣምላኽና ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክኸውን ከም ዘለዎ ክዛረቡ ከለዉ ተሰሚዖም ኢዮም።

ድሕሪ እቲ ምቕጥቃጥ እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳኦ ፓውሎ ተኣሰርኩ። ድሕርዚ: ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ትሽዓተ ዓመታት ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እናተመሓላለፍኩ: ብዙሕ ተወሳኺ ማህረምቲ: ማዕቀብ: ከምኡውን ምርመራ ኣሕለፍኩ። ብ1970 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሐ ነዊሕ ከይጸናሕኩ እንደገና ተኣሰርኩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ናብቲ ሕጂ በንቲያባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሽዑ ሳኦ ኒኮላ ዝበሃል ዝነበረ ዕሉል ናይ ሞት ደምበ ተሰደድኩ። ኣብኡ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ተኣሰርኩ።

ሕጊ ዘኽብር ዜጋ ከም ምዃነይ መጠን ንኻልኦት ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነት ብምዝራበይ ስለምንታይ ከም እተኣሰርኩን ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም እተማሃርኩን ትሓስቡ ትህልዉ።

ጽቡቕ ትምህርቲ ምርካብ

ኣብ ጥቅምቲ 1925 ኣብ ሰሜን ኣንጎላ ኣብ እትርከብ ጥቓ እታ ማርኬላ ዱ ዞምቦ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ተወለድኩ። ብ1932 ኣቦይ ምስ ሞተ: ኣደይ ምስ ሓዋ ምእንቲ ክነብር ናብ ቤልጅያን ኮንጎ (ሕጂ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ሰደደትኒ። እዚ ስጕምቲ እዚ ክትወስድ ድሌት ኣይነበራን: እንተ​ዀነ ግን ንዓይ ንምንባይ ዓቕሚ ኣይነበራን።

ኣኮይ ባፕቲስት ስለ ዝነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ የተባብዓኒ ነበረ። ኣባል ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያኑ እኳ እንተ ዀንኩ: መንፈሳዊ ጽምአይ ግን በቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ኣይረወየን: ንኣምላኽ ንምግልጋል እውን ኣይተደረኽኩን። ይኹን እምበር: ኣኮይ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣእተወኒ: ጽቡቕ ትምህርቲ ንኽረክብ ድማ ሓገዘኒ። ኣብ ርእሲ እቲ ካልእ ነገራት: ፈረንሳይኛ ምዝራብ ተማሃርኩ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ቋንቋ ፖርቱጋል ምዝራብ እውን ተማሃርኩ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ኣብ ማእከላይ መደበር ራድዮ ሊዮፓልድቪል (ሕጂ ኪንሻሳ) ናይ ራድዮ ተሌግራፍ ለኣኺ ኰይነ ክዓዪ ጀመርኩ። ድሕርዚ: ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰንኩ ንማርያ ፖቫ ተመርዓኹዋ።

ሓድሽ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ

ኣብታ ዓመት እቲኣ ማለት ብ1946 ሓደ ምሁር ኣባል ናይ ባፕቲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበረ ኣንጎላዊ መራሒ መዘምራን ጽልዋ ኣሕደረለይ። ነቶም ኣብ ሰሜን ኣንጎላ ዝነብሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ኪኮንጎ ንምምሃርን ብመንፈስ ንምልዕዓልን ይህንጠ ነበረ። ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን እተሓትመት: ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትዝርጋሕ ዘ ኪንግዶም: ዘ ሆፕ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ቋንቋ ፖርቱጋል እተተርጐመት ንእሽቶ መጽሓፍ ረኸበ።

እቲ መራሒ መዘምራን ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ኪኮንጎ ተርጐማ እሞ ኣብ ቤልጅያን ኮንጎ ይሰርሑ ምስ ዝነበሩ ሓደ ጕጅለ ኣንጎላውያን ሰሙናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ንምምራሕ ተጠቕመላ። ድሕሪ ገለ ግዜ: እቲ መራሒ መዘምራን ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ደብዳበ ጸሓፈ እሞ ተወሳኺ ጽሑፋት ክለኣኸሉ ሓተተ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ናባና ዘመሓላልፎ ዝነበረ ትምህርቲ ምስ ናይ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ትምህርትታት እተሓዋወሰ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: ሓቀኛ ክርስትናን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ትምህርትታት ህዝበ⁠-​ክርስትናን ብንጹር ክፈላልዮ ኣይከኣልኩን።

ይኹን እምበር: እቲ ጽሑፋት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሒዝዎ ዝነበረ መልእኽቲ ካብቲ ቅድሚኡ ኣብታ ናይ ባፕቲስት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝሰማዕክዎ ዝዀነ ይኹን ነገር እተፈልየ ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዓቢ ኣትኵሮ ከም ዝህቦ: ሓቀኛ ክርስትያናት ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ክጽውዑ ከም ዝግባእ ተረዳእኩ። (መዝሙር 83:⁠18 NW ፣ ኢሳይያስ 43:⁠10-12) ብተወሳኺ: ልበይ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግሉ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ምዃኖም ዝገልጽ መብጽዓ ተተንከፈ።​—⁠መዝሙር 37:⁠29፣ ራእይ 21:⁠3-5

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ዝነበረኒ ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ: ከምቲ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኹ ንምዝራብ ብርቱዕ ባህጊ ዝነበሮ ነብዪ ኤርምያስ ይስምዓኒ ነበረ። (ኤርምያስ 20:⁠9) ገለ ኣባላት ናይታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ እትገብር ዝነበረት ጕጅለና ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ምስባኽ ሓበሩኒ። ብናይ ጽሕፈት ማኪና እተጻሕፈ ናይ ዕድመ ወረቐት ንሰባት ብምዕዳል ኣብ ቀጽሪ እንዳ ኣኮይ ህዝባዊ ኣኼባታት እውን ኣካዪደ ኢየ። ኣብቲ ግዜ እቲ 78 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ። ስለዚ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ኣንጎላዊ መራሒ መዘምራን ሓድሽ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ቈመ።

ናይ መጀመርታ ማእሰርተይ

ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣብ ቤልጅያን ኮንጎ ተኣጊዱ እኳ እንተ ነበረ: ኣነ ግን እፈልጥ ኣይነበርኩን። ስለዚ: ብ22 ጥቅምቲ 1949 ገለ ሒደት ሰባት ተኣሰርና። ቅድሚ እቲ ጕዳይ ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ: እቲ ዳኛ ንዓይ ብብሕቲ ኣዘራረበኒ እሞ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ምዃነይ ስለ ዝፈለጠ ናጻ ንኽወጽእ ምድላዋት ክገብረለይ ፈተነ። እንተ​ዀነ ግን: ናጽነት ንምርካብ ነቲ ሳላ ስብከትና እተመስረተ ምንቅስቓስ ክሓድግ ምዃነይ ብወግዒ ከፍልጥ ነበረኒ: ነዚ ግን ምግባር ኣበኹ።

ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ምስ ተኣሰርና: እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ነቶም ኣንጎላውያን ዘበልና ናብ ሃገርና ክሰዱና ወሰኑ። ይኹን እምበር: ናብ ኣንጎላ ምስ ተመለስና እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን መግዛእቲ ፖርቱጋል እውን ንንጥፈታትና ብዓይኒ ጥርጣረ ረኣይዎ: ንናጽነትና ድማ ማዕቀባት ገበሩሉ። ብዙሓት ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ካብ ቤልጅያን ኮንጎ መጹ: ቀስ እናበለ ኸኣ ልዕሊ 1,000 እንኸውን ኣብ ምሉእ ኣንጎላ ፋሕ ኢልና ነበርና።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ሰዓብቲ ናይቲ ሳይሞን ኪምባንጉ ዝበሃል ውሩይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣብ ምንቅስቓስና ተሓወሱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝግለጽ ብመንጎኛነት እቶም ምስ መናፍስቲ ዘራኽቡ ሰባት ጥራይ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ጽሑፋት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከጽንዑ ኣይደልዩን ነበሩ። መብዛሕትኦም እቶም ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ከምኡውን እቲ ገና ከም መራሒና ገይርካ ዝርአ ዝነበረ መራሒ መዘምራን ነዚ ኣረኣእያ እዚ ይድግፉዎ ነበሩ። የሆዋ ምስ ሓቀኛ ወኪል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምእንቲ ከራኽበና ኣዕሚቘ ጸለኹ። እዚ ንዅሎም ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽቕበሉን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ተግባር ንኽነጽጉን ከም ዘእምኖም ተስፋ ገበርኩ።

ገለ ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ነቲ ሒደት ካባና ዝገብርዎ ዝነበሩ ስብከት ተቓወምዎ። ስለዚ: መራሕቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢዮም ብምባል ንሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ ኣሕሊፎም ሃቡና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ለካቲት 1952 ንካርሎስ ኣጉሽቲንዩ ካዲ ከምኡውን ሳላ ራሞስ ፊሊሞን ወሲኽካ ብዙሓት ተኣሰርና። ኣብ መሳዅቲ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ ተዓጸና። እንተ​ዀነ ግን: ሓደ ሕያዋይ ሓላዊ ካብ ኣንስትና መግቢ ከምኡውን ተወሳኺ ቅዳሓት ናይቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ምእንቲ ከነዳሉ ናይ ጽሕፈት ማኪና ኣምጽኣልና።

ድሕሪ ሰለስተ ሰሙናት ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣንጎላ ዝርከብ ባያ ዱስ ቲግረሽ ዝበሃል ምድረ⁠-​በዳ ተሰደድና። ኣንስትና ድማ ምሳና ከዳ። ኣርባዕተ ዓመት ናይ መቕጻዕቲ ሸቕሊ ተፈርደና: ኣብኡ ኸኣ ንሓንቲ ኩባንያ ምግፋፍ ዓሳ ንሰርሕ ነበርና። ባያ ዱስ ቲግረሽ ነተን ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝኸውን መርሳ ኣይነበሮን: ስለዚ ኣንስትና ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ካብተን ጀላቡ ነቲ ከቢድ ሸኸም ዓሳታት ተሸኪመን ክመላለሳ ነበረን።

ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ካልኦት ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ረኸብና እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ንኽቕጽሉ ከነእምኖም ፈተንና። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ ቶኮ ዝበሃል መራሒ መዘምራን ክስዕቡ መረጹ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ቶኮይስት ተባህሉ።

ንነዊሕ ግዜ እተጸበናዮ ምርኻብ

ኣብ ባያ ዱስ ቲግረሽ ከሎና ኣድራሻ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ሮዴዥያ (ሕጂ ዛምቢያ) ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ረኸብና እሞ ደብዳበ ጽሒፍና ሓገዝ ክግበረልና ሓተትና። ደብዳበና ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሓላለፈ እሞ እቲ ጨንፈር ከኣ ምሳና ብምጽሕሓፍ ብኸመይ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘሕደርና ሓተተና። እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባና ተሓበረ: ምሳና ምእንቲ ክራኸብ ከኣ ሓደ ፍሉይ ወኪል ንምልኣኽ ምድላዋት ተገብረ። እቲ እተላእከ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብምግልጋል ተመክሮ ዝነበሮ ጆን ኩክ ዝበሃል ሚስዮናዊ ኢዩ ነይሩ።

ሓው ኩክ ናብ ኣንጎላ ምስ መጸ: እቶም ፖርቱጋላውያን ሰበ⁠-​ስልጣን ንዓና ክበጽሓና ንኽፈቕዱሉ ብዙሕ ሰሙናት ወሰደሉ። ብ21 መጋቢት 1955 ኣብ ባያ ዱስ ቲግረሽ መጸ: ምሳና ሓሙሽተ መዓልቲ ክጸንሕ ከኣ ተፈቕደሉ። እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበና መግለጺ ዘዕግብ ኢዩ ነይሩ: ኣነ ድማ ንሱ ነታ እንኮ ሓቀኛ ማሕበር የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝውክል ኣመንኩ። ሓው ኩክ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ምብጻሑ “እዚ ብስራት መንግስቲ” ብዝብል ኣርእስቲ ህዝባዊ ዝርርብ ሃበና። ነቲ ቀንዲ ኣማሓዳሪ ናይ ባያ ዱስ ቲግረሽ ወሲኽካ ብጠቕላላ 82 ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ተኣካቢ ብጽሑፍ እተዳለወ ቅዳሕ ናይቲ ዝርርብ ተዋህቦ።

ሓው ኩክ ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምስ ብዙሓት ቶኮይስት ከምኡውን ምስ መራሒኦም ተራኺቡ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ኣይደለዩን። ስለዚ: ኣነን ብጾተይን ኣቕዋምና ንሰበ⁠-​ስልጣን ንጹር ክንገብር ተገደድና። ነዚ ኸኣ በታ ብ6 ሰነ 1956 ናብ “ክቡር ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሙሳመዲሽ” እተጻሕፈት ወግዓዊት ደብዳበ ገይርና ገለጽናዮ። ምስ ሰዓብቲ ቶኮ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከም ዘይብልናን ከም “ኣባላት ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ክንርአ ከም ዘሎናን ገለጽና። ሓርነት ኣምልኾ ክወሃበና ድማ ሓተትና። እንተ​ዀነ ግን: ፍርድና ኣብ ክንዲ ዝጐድለልና ብኽልተ ዓመት ተናውሐ።

ናብ ጥምቀት ዘብጽሓኒ ፍጻመታት

ኣብ መወዳእታ ኣብ ነሓሰ 1958 ተፈታሕና: ናብ ሉዋንዳ ምስ ተመለስና ኸኣ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብና። እታ ጕጅለ ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ንጆን ኩክ ተኪኡ ናብ ኣንጎላ ብእተላእከ መርቪን ፓስሎ ዝበሃል ሚስዮናዊ ዝቘመት ኢያ: ንሕና ቅድሚ ምፍታሕና ግን ተጠሪዙ ከይዱ ነበረ። ድሕርዚ: ብ1959 ሃሪ ኣርነት ዝበሃል ካልእ ሚስዮናዊ ናይ የሆዋ ምስክር ክበጽሓና መጸ። ይኹን እምበር: ገና ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይወጸ ኸሎ ተኣስረ: እቶም ክንቅበሎ እንጽበዮ ዝነበርና ሰለስተ ሰባት እውን ተኣሰርና።

እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቁ ማኑወል ጎንሳልቪስ ከምኡውን በርታ ታሳራ ዝበሃሉ ፖርቱጋላውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ድሕሪ ደጊም ኣኼባ ከይገብሩ መጠንቀቕታ ተዋህቦም እሞ ተፈትሑ። ሓው ኣርነት ተጠረዘ: ኣነ ኸኣ ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዘይኰንኩ ዝገልጽ ወረቐት እንተ ዘይፈሪመ ናብ ባያ ዱስ ቲግረሽ ክምለስ ምዃነይ መጠንቀቕታ ተዋህበኒ። ንሸውዓተ ሰዓታት ምርመራ ድሕሪ ምግባሮም ዋላ ሓንቲ ከይፈረምኩ ተፈታሕኩ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ተጠመቕኩ: ካርሎስ ካዲ ከምኡውን ሳላ ፊሊሞን ዝበሃሉ ኣዕሩኽተይ እውን ተጠምቁ። ኣብ ሙሰኬ ሳምቢዛንጋ ዝበሃል ከባቢ ከተማ ሉዋንዳ ኣብ ዝርከብ ቦታ ቤት ተኻረና: እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ኣብ ኣንጎላ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነት።

ከም ብሓድሽ ዝወረደ መስጐጕቲ

ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ክካፈሉ ጀመሩ። ገሊኣቶም ክስልዩ ኢዮም መጺኦም ነይሮም: እንተ​ዀነ ግን ነቲ ኣኼባታት ፈተዉዎ እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ! እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ይቕየር ነበረ: ድሕሪ እቲ ብ4 ለካቲት 1961 እተገብረ ሃገራዊ ሰውራ እቲ ኵነታት ዝያዳ ከበደ። ብዛዕባና ብዙሕ ሓሶት ዝዀነ ዘረባታት እኳ እንተ ተናፈሰ: ብ30 መጋቢት በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣኽበርና: 130 ተኣከብቲ ድማ ነበርና።

ኣብ ሰነ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ እናመራሕኩ ከለኹ እቲ ኣኼባና ብኣባላት ወተሃደራዊ ፖሊስ ተቛረጸ። ንኣንስትን ቈልዑን ፈንዮም: ከምቲ ኣብ መእተዊየይ ዝገለጽክዎ ነቶም ኣብኡ ዝነበርና 30 ሰብኡት ወሰዱና። ብዘይ​ምቍራጽ ንኽልተ ሰዓታት በባትር ተቐጥቀጥና። ድሕርዚ: ንሰለስተ ኣዋርሕ ደም አምልስ ነበርኩ። ዝድሕን ኰይኑ ኣይተሰምዓንን፣ አረ እቲ ዝቐጥቀጠንስ ርግጸኛ ኰይኑ ክትመውት ኢኻ ኢሉኒ ኢዩ። ዝበዝሑ ካብቶም እተቐጥቀጡ ሓደስቲ ዘይተጠምቁ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ “የሆዋ ኣባጊዕካ ሓሉ” ብምባል ብዛዕብኦም ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ።

የሆዋ ይመስገን: ዋላ ሓደ ካባታቶም ኣይሞተን: እዚ ኸኣ ነቶም ወተሃደራት ገረሞም። ገለ ካብቶም ወተሃደራት ነቲ ብህይወት ከም እንጸንሕ ዝገበረ ኣምላኽና ንኽውድሱ ተደሪኾም ኢዮም! ኣብ መወዳእታ መብዛሕትኦም እቶም ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም: ገሊኣቶም ከኣ ሎሚ ክርስትያን ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ሓደ ካባታቶም: ሲልቨሽትር ሰይሙ ሕጂ ኣባል ናይ ኣንጎላ ጨንፈር ኮሚተ ኢዩ።

ናይ ትሽዓተ ዓመት ስቓይ

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ትሽዓተ ዓመታት ብብዙሕ መገድታት ስቓይ ወሪዱኒ ኢዩ፣ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ወይ ካብ ሓደ ናይ ሸቕሊ ደምበ ናብ ካልእ እውን ተመሓላሊፈ ኢየ። ኣብ ኵሉ እዚ ቦታታት እዚ: ንናይ ፖለቲካ እሱራት ክሰብከሎም ክኢለ ኢየ፣ ሎሚ መብዛሕትኦም እተጠመቑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣለዉ። ማርያ ሰበይተይን ደቀይን ምሳይ ክዀኑ ተፈቒድሎም ነበረ።

ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ሰርፓ ፒንቶ ከሎና ኣርባዕተ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምልጡ ክፍትኑ ከለዉ ተታሕዙ። ዋላ ሓደ እሱር ከምልጥ ኢሉ ምእንቲ ከይሓስብ ኣብ ቅድሚ ኵሎም እሱራት ብዘስካሕክሕ መገዲ ኣሳቕዮም ቀተልዎም። ድሓር: እቲ ሓላፊ ናይቲ ደምበ ኣብ ቅድሚ ማርያን ደቀይን “ድሕሪ ሕጂ ክትሰብኽ እንተ ረኺበካ: ከም ኣቀታትላ ናይቶም ከምልጡ ዝፈተኑ ሰባት ክትቅተል ኢኻ” ኢሉ ኣጕባዕብዓለይ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሕዳር 1966 ናብቲ ኣብ ሳኦ ኒኮላ ዝርከብ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ናይ ሞት ደምበ ተወሰድና። ኣብኡ ምስ በጻሕና: ኣማሓዳሪ ናይቲ ደምበ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ኣፍ ሞት ክሳዕ ዝበጽሕ ዝቐጥቀጠኒ ሚስተር ሲድ ዝበሃል ሰብኣይ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ሰንበድኩ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሓት ሰባት ብውዲት ይቕተሉ ነበሩ: ስድራ​ቤተይ ከኣ ነዚ ጭካነ ዝመልኦ ኣቀታትላ ክርእዩ ይግደዱ ነበሩ። እዚ ድማ ንማርያ ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ዘይሓወየ ናይ ኣእምሮ ነውጺ ኣስዓበላ። ኣብ መወዳእትኡ ንዓኣን ነቶም ቈልዑን ናብ ሉዋንዳ ክሰዶም ተፈቕደለይ: ኣብኡ ኸኣ ተሬዛን ዡኣናን ዝባሃላ ክልተ ዓበይቲ ደቀይ ይኣልይኦም ነበራ።

ናጽነት: ግን ከኣ እንደገና ምእሳር

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ መስከረም 1970: ተፈታሕኩ እሞ ምስ ስድራ​ቤተይን ምስ ኵሎም ኣብ ሉዋንዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን ሓበርኩ። እቲ ዕዮ ስብከት ኣብቲ ኣነ ዘይነበርኩሉ ትሽዓተ ዓመታት ብኸመይ ከም ዝዓበየ ምስ ረኣኹ ነባዕኩ። ብ1961 ናብ ቤት ማእሰርቲ ክውሰድ ከለኹ: እታ ኣብ ሉዋንዳ ዝነበረት ጉባኤ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ጕጅለታት ነበራኣ። ኣብቲ እተፈታሕኩሉ እዋን ግን ብግቡእ እተመሓደራን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ብገየሽቲ ተወከልቲ ማሕበር የሆዋ ሓገዝ ዝግበረለንን ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉባኤታት ኰይነን ነበራ። ናጻ ብምዃነይ ኣዝየ ተሓጒሰ ነበርኩ: እቲ ናጽነተይ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ሓደ መዓልቲ ናይቲ ሕጂ ዘየለ ናይ መንግስቲ ምርመራን ምክልኻልን ፖሊስ (ፒኣይዲኢ) ጠቕላላ ሓላፊ መጸኒ። ኣብ ቅድሚ ዡኣና ጓለይ ናይ ሻሕራ ዘረባ ተዛረበ እሞ ሓደ ሰነድ ፈርመሉ ኢሉ ሃበኒ። እቲ ሰነድ ሰላዪ ናይ ፒኣይዲኢ ክኸውን ዝሓትት ኰይኑ ንኣገልግሎተይ ከኣ ብዙሕ ንዋታዊ ሽልማታት ክወሃብ ምዃነይ ዝማባጻዕ ነበረ። ኣይፍርምን ኢየ ኢለ ምስ ኣበኹ: ናብቲ ዝነበርኩዎ ሳኦ ኒኮላ ክምለስ ከምኡውን ብድሕሪኡ ፈጺመ ናጻ ከም ዘይወጽእ ብምንጋር ኣጕባዕብዓለይ።

ንኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ ናጻ ዀይነ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ጥሪ 1971 እቲ ምጕብዕባዕ ተግባራዊ ኰነ። ብጠቕላልኡ ካብ ሉዋንዳ 37 ክርስትያን ሽማግለታት ተኣስሩ እሞ ናብ ሳኦ ኒኮላ ተላእኩ። ኣብኡ ክሳዕ ነሓሰ 1973 ተኣሰርና።

ናጻ ምዃን: ገና ግን ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ

ብ1974 ኣብ ፖርቱጋል ናይ ኣምልኾ ሓርነት ተኣወጀ: ድሕርዚ እዚ ሓርነት እዚ ኣብተን ስግር ባሕሪ ዘለዋ ግዝኣታት ፖርቱጋል ተዘርግሐ። ብ11 ሕዳር 1975 ኣንጎላ ካብ ፖርቱጋል ናጻ ወጸት። ኣብ መጋቢት ናይታ ዓመት እቲኣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣምልኾ ሓርነት ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ክንገብር ምኽኣልናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ነቶም ኣብ ሉዋንዳ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ስታድዩም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሕጕሳት ተኣከብቲ ህዝባዊ ዝርርብ ናይ ምሃብ መሰል ረኺበ ኢየ።

ይኹን እምበር: እቲ ሓድሽ መንግስቲ ነቲ ናይ ገለልትነት ኣቕዋምና ተጻረሮ: ኣብ ኣንጎላ ኸኣ ውግእ ሓድሕድ ተባርዐ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ጽንኩር ስለ ዝነበረ እቶም ጸዓዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብታ ሃገር ክሃድሙ ተገደዱ። ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀንና ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝርከብ ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ነቲ ኣብ ኣንጎላ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ንምክያድ ተመዘዝና።

ብዙሕ ከይጸንሐ ስመይ ኣብ ጋዜጣታትን ኣብ ፈነወ ራድዮን ክወጽእ ጀመረ። ኣባል ናይ ዓለምለኻዊ ኢምፐሪያሊዝም ኢዩ: ኣንጎላውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሳርያ ምሓዝ ከም ዝኣብዩ ብምግባር ከኣ ተሓታቲ ኢዩ ተባሂለ ተኸሰስኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብ ቅድሚ እቲ ቀንዲ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሉዋንዳ ተጸዊዐ ቐረብኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ በቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ እተወስደ ስጕምቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ገለልተኛነት ኣቕዋም ከም ዘለዎም ብኣኽብሮት ገለጽኩሉ። (ኢሳይያስ 2:⁠4፣ ማቴዎስ 26:⁠52) እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከላ ኣብ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበታትን ልዕሊ 17 ዓመታት ከም ዘሕለፍኩ ምስ ሓበርኩዎ ናጻ ገደፈኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ኣንጎላ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ ምግልጋል ትብዓት ይሓትት ነበረ። ቤተይ ይጠማመትዋ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ገዛይ ኣኼባታት ምግባር ገደፍናዮ። ይኹን እምበር: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን።” (2 ቈረንቶስ 4:⁠8) ኣብ ኣገልግሎትና እውን ፈጺምና ኣይዛሕተልናን። ኣብ ኣውራጃታት በንጉወላ: ዊላ: ከምኡውን ሁዋምቦ ዝርከባ ጉባኤታት ንምትብባዕ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ እናገልገልኩ ኣብ ዕዮ ስብከት ቀጸልኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓው ፊሊሞን ዝብል ካልእ ስም ተጠቐምኩ።

ኣብ መጋቢት 1978 ዕዮ ስብከትና እንደገና ተኣገደ: ኣኽረርቲ ሰውራውያን ክቐትሉኒ ከም ዝመደቡ ኸኣ ካብ እሙን ምንጭታት ተነግረኒ። ስለዚ: ኣብ ቤት ናይ ሓደ ኣብ ናይጀርያ ኤምባሲ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይጀርያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ተዓቘብኩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ: እቲ ኵነታት ምስ ሃድአ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ንኣሕዋት ምግልጋል ቀጸልኩ።

እገዳን ውግእ ሓድሕድን እኳ እንተ ነበረ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣንጎላውያን ንስብከትና ተቐቢሎሞ ኢዮም። ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ዕቤት ስለ ዘርኣየ: ሓንቲ ናይታ ሃገር ኮሚተ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ጨንፈር ፖርቱጋል ኰይና ነቲ ኣብ ኣንጎላ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ክትኣሊ ተመዘዘት። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናብ ፖርቱጋል ብተደጋጋሚ እኸይድ ነበርኩ: ኣብኡ ኸኣ ዘድሊ ሕክምና ከምኡውን ካብ ብቕዓት ዘለዎም ኣገልገልቲ ጠቓሚ ስልጠና ረኺበ ኢየ።

ኣብ መወዳእታ: ናይ ምስባኽ ናጽነት!

ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበታት ከለኹ: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ፖለቲካ እሱራት የላግጹለይ ከምኡውን ስብከተይ እንተ ቐጺለ ፈጺመ ከም ዘይፍታሕ ይነግሩኒ ነበሩ። እንተ​ዀነ ግን: “የሆዋ ነቲ ማዕጾ ዝኸፍተሉ ግዜ ገና ኣይኣኸለን: ምስ ኣኸለ ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ክዓጽዎ ኣይክእልን ኢዩ” ኢለ እምልሰሎም ነበርኩ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠9፣ ራእይ 3:⁠8) እቲ ብዘይ​ቀይዲ ክንሰብኽ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ጋህ ኢሉ ተኸፍተ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣንጎላ ዝያዳ ኣምልኾ ሓርነት ከነስተማቕር ጀመርና። ብ1992 ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወግዒ ሕጋዊ ተቐባልነት ረኸበ። ኣብ መወዳእታ: ብ1996 ኣብ ኣንጎላ ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቈመ: ኣነ ድማ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይነ ተመዘዝኩ።

ተኣሲረ ኣብ ዝነበርኩሉ ሓያሎ ዓመታት ብገለ መገዲ ስድራ​ቤተይ ዘድልዮም ይረኽቡ ነበሩ። ሽዱሽተ ቈልዑ ነበሩና: ካብዚኣቶም ሓሙሽተ ገና ብህይወት ኣለዉ። እታ ፍቕርቲ ዡኣን ዓሚ ብሕማም መንሽሮ ሞተት። ካብቶም ዝተረፉ ደቅና እቶም ኣርባዕተ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: እቲ ሓደ ግን ገና እዚ ስጕምቲ እዚ ኣይወሰደን።

ብ1955 ሓው ኩክ ክበጽሓና ከሎ ነቲ ብስራት መንግስቲ እንእውጅ ኣርባዕተ ኣንጎላውያን ጥራይ ነበርና። ሎሚ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ልዕሊ 38,000 ዝዀኑ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኸኣ ልዕሊ 67,000 ጽንዓታት ይመርሑ። ካብ መንጎ እዞም ነዚ ብስራት ዝሰብኩ ዘለዉ ብዙሓት ቀደም ዘሳጕጉና ዝነበሩ ይርከብዎም። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዓስቢ ዘለዎ ኰን ኢዩ፣ የሆዋ ብህይወት ስለ ዘጽንሓንን ቃሉ ንምእዋጅ ዝነበረኒ ሃልሃል ዝብል ባህጊ ንኽፍጽም ስለ ዝፈቐደለይን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢየ ዘመስግኖ!​—⁠ኢሳይያስ 43:⁠12፣ ማቴዎስ 24:⁠14

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

ኣንጎላ

ኪንሻሳ

ማርኬላ ዱ ዞምቦ

ሉዋንዳ

ሳኦ ኒኮላ (ሕጂ በንቲያባ)

ሙሳመዲሽ (ሕጂ ናሚበ)

ባያ ዱስ ቲግረሽ

ሰርፓ ፒንቶ (ሕጂ ሜኖንጉዊ)

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ታሕቲ:- ምስ ጆን ኩክ ብ1955። ሳላ ፊሊሞን ብጸጋማይ ሸነኽ ኣሎ የማን:- ድሕሪ 42 ዓመታት እንደገና ምስ ጆን ኩክ ምርኻብ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ማርያ ሰበይተይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ