ካብ ከባቢ ዓለም
ዓሰርተ ዝለዓለ ቐታሊ ተላጋቢ ሕማማት
ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብምኽንያት ተላጋቢ ሕማማት ይሞቱ። ብመሰረት መጽሔት ናቹራል ሂስትሪ ኣብ 1997 ኣዝዮም ቀተልቲ ዝነበሩ ሕማማት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ከም ነድሪ ሳምቡእ ዝኣመሰለ ቅጽበታዊ ነድሪ ታሕተዋይ ስርዓተ ምስትንፋስ 3.7 ሚልዮን ሰባት ብምቕታል እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ኢዩ ነይርዎ። ካብኡ ቀጺሉ እቲ 2.9 ሚልዮን ሰባት ዝቐተለ ሕማም ዓባይ ሰዓል ኢዩ። ሕማም ሸሮኽን እተፈላለየ ሕማም ውጽኣትን 2.5 ሚልዮን ሰባት ብምቕታል ሳልሳይ ደረጃ ኢዩ ነይሩ። አይድስ ድማ 2.3 ሚልዮን ሰባት ቀተለ። ብምኽንያት ዓሶ ካብ 1.5 ሚልዮን ክሳዕ 2.7 ሚልዮን ሰባት ሞቱ። ንፍዮ 960,000 ሞት ኣስዓበ። ሕማም ወይቦ 605,000 ሰባት ቀተለ። ትኽትኽታ ናይ 410,000 ሰባት ህይወት ኣጥፈአ። ብምኽንያት ቴታኑስ ዝሞቱ 275,000 ኢዮም። ገለ 140,000 ዝዀኑ ድማ ብምኽንያት ደንግ ወይ ደንግ ሄሞራጂክ ፊቨር ዝበሃል ዓይነት ሕማም ረስኒ ይሞቱ። ሰብ ኣጸቢቑ ዝጽዕር እኳ እንተዀነ: እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተላጋቢ ሕማማት ገና ኣብ ብዘላ ዓለም ንጥዕና ሰባት የስግእ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ኴንካ ምንባብ
እታ ኣፖታከን ኡምሻው እትብሃል ናይ ጀርመን ጋዜጣ ጥዕና: ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ብሃሳስ መብራህቲ ምንባብ ንዓይኒ ቘልዓ ኣይጽቡቕን ኢዩ ትብል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱቢንጀን ኣብ ደርሁ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቲ ትርእዮ ጥውይ ዝበለ: እቲ መብራህቲ ድማ ሃሳስ ምስ ዝኸውን ምዕባለ ናይ ዓይኒ ክትንከፍ ከም ዝኽእል ይሕብር። ሓደ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ኰይኑ ከንብብ ከሎ: እቲ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ ስለ ዝትሓዝ ዓይኒ ብግቡእ ከተኵር ኣይክእልን: መብራህቲ ድማ ሃሳስ ይኸውን። እታ ጋዜጣ “ብዙሓት ኰተቴታት ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ኰይኖም ላምፓዲናታት ሒዞም ነቲ ዝፈትዉዎ ዛንታታት ኣንቢቦም ኢዮም: ከምኡ ብምግባሮም ድማ ንትምህርቶም ዝኸውን መሰረት ሰሪቶም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገራት ናይ ምርኣይ ሽግር እውን ኣስዒቦም ኢዮም” ትብል።
ምስ ሳእኒ እተተሓሓዘ ናይ ጥዕና ጸገማት
ዘ ቶሮንቶ ስታር ከም ዘመልከተቶ “ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝወሃብ ሓሳባት ካብ ሽዱሽተ ሰባት ሓደ ምስ ሳእኒ እተተሓሓዘ ከቢድ ናይ እግሪ ጸገም ከም ዘለዎ ይሕብር።” ቃንዛ ብርኪ: ዘሕምም ጎሎ: ቃንዛ ሕቘ: ከምኡውን ሕማም ርእሲ ነቲ ወዲኻዮ ዘለኻ ሳእኒ ንኽትርኢ ዝሕብር ምልክታት ኢዩ። ስታር ከም ዝበለቶ “እቲ ክትዝክሮ ዘሎካ ቀንዲ ነገር ሳእኒ ቀስ እናበለ ምስ እግርኻ ኣይሰማማዕን ኢዩ: እግርኻ ኢዩ ቀስ ኢሉ ምስቲ ሳእኒ ዝሰማማዕ። ሳእኒ ምስ እግርኻ ክሰማማዕ ኢልካ ኣይትዓድግ። ኣብቲ ድኳን ከለኻ ዘይምቹእ እንተዀይኑ ኣይትዓድጎ። እግሪ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምሸት ስለ ዝሓብጥ” ድሕሪ ቐትሪ ኼድካ ዓድግ: “ክትዕቅን ከለኻ ኣብ ሸዀናኻ ዝኣኽለካን ዘይኣኽለካን ዘይኰነስ ኣብ ዓባይ ዓባይቶኻ ዝኣኽለካን ዘይኣኽለካን ምዃኑ ርአ።” ኣንስቲ ዝበዝሐ ናይ እግሪ ጸገምን ምምዝባልን ኣለወን። ከምኡ ዝኸውን 90 ካብ ሚእቲ ዝዀና ኣንስቲ “ካብ እግረን ዝንእስን ዝጸብብን ታኮ ዘለዎ ሳእኒ ስለ ዝገብራ ብዙሕ ግዜ ናብ ከቢድ ምምዝባል እግሪ ይመርሐን።” እታ ጋዜጣ ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ቃንዛ ዝስምዓካ ድሕሪ መጕዳእቲ ምዃኑ ዘክር።”
ፍሽኽ ምባል ተምሃር
እታ ኣሳሂ ኢቪኒንግ ኒውስ እትብሃል ጋዜጣ ከም እትሕብሮ: ኣብቲ ሰባት ጽቡቕ ኣገልግሎት ንህብ ኢና ኢሎም ዝኾርዑሉ ጃፓን ኩባንያታት ንሰራሕተኛታተን “ብኸመይ ምቝሉላት ከም ዝዀኑ ንኽምሃሩ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ [ብብዝሒ] ይሰድኦም ኣለዋ። ኩባንያታት ንፍሽኽታ: ስሓቕ ከምኡውን ዋዛ ኣብቲ ስራሕ ዝዝሕለሉ እዋን ንኽትሸይጥ ዝሕግዝ ስሉጥን ብዙሕ ወጻኢ ዘየድልዮን መገዲ ገይረን ኢየን ዝርእይኦ።” ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ኣብ ቅድሚ መስትያት ኮፍ ኢሎም ፍሽኽ ምባል ይለማመዱ—“እቲ ዝበለጸ ፍሽኽታ ክህልዎም ይፍትኑ።” ብዛዕባ እቲ ኣጸቢቖም ዝፈትዉዎ ሰብ ክሓስቡ ኢዩ ዝንገሮም። መማህራን እቶም ተማሃሮ ፍዅስ ክብሎም እሞ ብባህሪያዊ መገዲ ፍሽኽ ክብሉ ኢዮም ዝሕግዝዎም። ገሊኦም ነጋዶ ንሰራሕተኛታቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ምስዳዶም ኣብቲ ሰራሕተኛታት ብቐጻሊ ፍሽኽ ምባል ዝማሃሩሉ ቤት መግቢ ትእዛዝ ዓማዊል ክሰምዑ ይልእክዎም። ኣብ ንግዲ ፍሽኽ ምባል ይሕግዝዶ ኢዩ፧ ብመሰረት እታ ጋዜጣ ሓንቲ 3,000 ዝዀኑ ሰራሕተኛታታ ናይ ፍሽኽ ምባል ትምህርቲ ከም ዝወስዱ ዝገበረት ናይ ኩሕለ-ምሕሊ ኩባንያ መሸጥኣ ብ20 ሚእታዊት ክብ ክብል ርእያ ኢያ። ሓንቲ ሰራሕተኛ ከም ዝሓበረቶ እቲ ትምህርቲ ነቲ ኣብቲ ስራሕ ዝህሉ ሃዋህው እውን ኣመሓይሽዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ ትብል:- “ፍሽኽ ብዝብሉ ሓለቓታት ተኸቢብካ ምስራሕ ጥዑም ኢዩ።”
ብሓንሳብ ዄንካ ምብላዕ
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወለዲ ደቆም ምስኣቶም ስለ ዘይበልዑ የጕረምርሙ። መብዛሕትኡ ግዜ ደቆም ኣብ ቤት መግቢ ከይዶም ክበልዑ ይመርጹ። ፈረንሳ ግን ፍልይ ዝበለት ኢያ። ብመሰረት እታ ላ ክርዋ እትብሃል ናይ ፈረንሳ ጋዜጣ: ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ 84 ሚእታዊት ናይተን ኣብ ፈረንሳ ዘለዋ ስድራቤታት ምሸት ድራረን ብሓንሳብ ኰይነን ኢየን ዝበልዓ። አረ 95 ሚእታዊት ናይቶም ካብ 12 ክሳዕ 19 ዝዕድሚኦም ውሉዳት ምስ ስድራቤት ምብላዕ ኣወንታዊ ሃዋህው ዝፈጥር ምዃኑ ከም ዝስምዖም ኢዩ ብመጽናዕቲ ተረኺቡ። ከም ስድራቤት መጠን ስርዓታዊ ኴንካ ብሓንሳብ ምብላዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኢዮም ክኢላታት ዘጕልሑ። እቲ ኣብ ናይ ፈረንሳ ማእከል ትምህርቲ ጥዕና ዝሰርሕ ዶክተር ፍራንስዋ ቦድያ ከምዚ ይብል:- “መኣዲ እትበልዓሉ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ እዋን እውን ኢዩ።”