ሓደ ኢዚሀራዊ ናይ ሕቶታቱ መልሲ ይረክብ
“ኣብተን መጽሔታትኩም ዝዀና ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ዝወጽእ ዓንቀጻት ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ! እተን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘውጻእክሙወን ሕታማት ሓያል መልእኽቲ ዝሓዛ ኢየን! ሽዑ ንሽዑ ንኸንብበን ኢየ ተደሪኸ። ንኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ዝሓዛ ኢየን: ናይ ኣእምሮ ሰላም ከኣ ይህባ።”
ከምዚ ብምባል ዝገለጸ ኣብታ ካርናታካ እትብሃል ናይ ህንዲ ኣውራጃ ዝነብር ኣንባቢ ኢዩ። ኣብ እምነት ሂንዱ እኳ እንተ ተወልደ: ኣቦኡ ከዕብዮ ኸሎ ኢዚሀራዊ ከም ዝኸውን ገይርዎ ምንባሩ ኣብ ደብዳበኡ ይሕብር። ከምዚ ይብል:- “ህይወት ዕላማ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ፍልቀት ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ዳርዊን: ትርጕም ኣልቦ ዀይኑ ኢዩ ዝርኣየኒ ነይሩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ሓያሎ ሕቶታት የጨንቐኒ ነበረ። ገለ ኻብኡ ኣምላኽ መን ኢዩ፧ እዛ ዓለም እዚኣ ብልሽውቲ ዝዀነት ስለምንታይ ኢያ፧ ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧ እኩያት መናፍስቲ ብሓቂ ኣለዉ ድዮም፧ ዳግም ምላድ ኣሎ ድዩ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ ሓያለይ መጻሕፍቲ ኣገላበጥኩ: ኣብ ሓያሎ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ህዝበ-ክርስትያን ድማ መልሲ ደልየ ኢየ—እንተዀነ ግን ፋይዳ ኣይረኸብኩሉን።”
እዚ ህንጡይ ኣንባቢ እዚ ንሕቶታቱ ዝኸውን መልሲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ ረኸበ: ንኽልቲኡ መጽሔታት ኵንትራት ኣተወ እሞ ንሓብቱ ድማ ብመልክዕ ህያብ ኵንትራት ኣተወላ። ሕጂ ኸኣ ንኻልኦት ዝረኽቦም ሰባት ነቲ መጽሔታት እናሃበ ንኸንብብዎ የተባብዖም ኣሎ። ከም ሰኣላይን ስነ-ጥበባውን መጠን ድማ ነቲ ኣብቲ መጽሔታት ዘሎ “ብዘይቃላት ዝዛረብ” ስነ-ጥበባዊ ስራሓትን ስእልታትን ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ ኢዩ። ንስኻውን ነዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ መጽሔታት እዚ ብምንባብ ሓደ ኻብቶም ሕቶታቶም እተመለሰሎምን ናይ ኣእምሮ ሰላም ዝረኸቡን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ኣምላኽ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ነታ ሰፊሕ ዝርጋሐ ረኺባ ዘላ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ክንሰደልካ ሕጉሳት ኢና። ብኣኻ ወገን ነዛ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘላ ኩፖን ምምላእን ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ምልኣኽን ጥራይ ኢዩ ዝድለ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ ሓንቲ ቕዳሕ ናይታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ልኣኹለይ። በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።