መንእሰያት ዝሓትዎ . . .
ብዛዕባ ርጕዲ ዘሎኒ መጠኑ ዝሓለፈ ጭንቀት ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧
“ኣብ ህይወተይ እቲ ዓቢ ሕቶ ኣብቲ ዝበልዖ ሳንድዊች ማዮኔዝ ክገብርዶ ክገድፎ ዝብል ኢዩ። ብማዮኔዝ ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝጭነቕ ኣብ ካልእ ከመይ ኢለ ከተኵር እኽእል፧ መወዳእትኡኸ እንታይ ወሰንኩ፧ ብዙሕ ካሎሪ ስለ ዘለዎ ማዮኔዝ ዝበሃል ኣይበልዕን ኢየ ኢለ ወሰንኩ። እንደገና ሕማም ኣናረክስያ ተዓወተ፣ ኣነ ኸኣ ተሰነፍኩ።”—ጃሚ
ጕድለት ኣመጋግባ ንሚልዮናት መንእሰያት ዝሃሲ ኢዩ።a ብዙሓት ንገዛእ ርእሰን ከጥምያ (ኣናረክስያ ) ወይ ብዙሕ ናይ ምብላዕን ምትፋእን ኣመል ንኽህልወን (ቡሊሚያ ) ኢለን ኣይኰናን ጀሚረናኦ። ብኣንጻሩ: ብዙሓት ቁሩብ ንኽቐጥና ኢለን ኢየን ዝገብርኦ። እንተዀነ ግን: ኣጸቢቑ ከይተረድአን ከሎ ቅጥዒ ዘይብሉ ብቐጻሊ ዝግበር ገዛእ ርእስኻ ምጥማይ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ይጅምራ። ጃሚ “እዚ ዅሉ ርጕደይ ንኽቈጻጸር ኢለ ኢየ ጀሚረዮ: ሕጂ ግን ይቈጻጸረኒ ኣሎ” በለት።
ብዛዕባ መግብን ኣብ ርጕድኺ ዘለዎ ሳዕቤንን እምብዛ ትጭነቒ እንተድኣ ኴንኪ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ፧ ብቐዳምነት: ብዙሓት ካልኦት መንእሰያት ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ኣመጋግባ ከም እተቓለሳን ከም ዘሰነፋን ተገንዘቢ! ብኸመይ ኢየን ግን ከሰንፋ ዝኸኣላ፧
ንገዛእ ርእስኺ ኣብ መስትያት ምርኣይ
ምስ ጕድለት ኣመጋግባ ኣብ እትገብርዮ ቃልሲ ንምስዓር ዝሕግዝ ቀንዲ ስጕምቲ ክውንነት ናይ ርጕዲኺ ምቕባል ኢዩ። እታ ቼንጂን ቦዲስ: ቼንጂን ላይቭስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ብዙሓት ጕድለት ኣመጋግባ ዘለወን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰን እተዛብዐ ምስሊ ኢዩ ዝረኣየን” ትብል። ቀጺላ ድማ “እዚኣተን ብዛዕባ ኣካላተን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለወን: ብዛዕባ ገዛእ ርእሰን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢተን ኣበር ምውጻእ ኢዩ ዝቐለን” በለት።
ገለ ኰተቴታት ኣብ ገዛእ ርእሰን ዘለወን ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣካላዊ ቅርጸን እተመስረተ ገይረን ከም ዝወስዳኦ እተረጋገጸ ኢዩ፣ ዝዀነ ይኹን ኣበር ምስ ዝርእያ ከም መዓት ገይረን ኢየን ዝቘጽርኦ። ቪኪ እትበሃል ጓል 17 ዓመት “ኣዝየ ረጓድ ብምዃነይ ናይ ሓቂ ኢዩ ዝጽልኣኒ” በለት። ወሲኻ ድማ “መዓንጣይ ኣዝዩ ረጒድ ብምዃኑ ዕጣቕ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ክዳን ክገብር ኣይክእልን ኢየ” በለት። ዓሰርተ ኪሎ ግራም ዝኸውን ምስ ቀነሰት እውን ኣይዓገበትን። ምብላዕ ትኣቢ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ በልዐት ነቲ ዝበልዓቶ ትተፍኦ ነበረት።
ርግጽ ኢዩ: ብዛዕባ ትርኢትኪ ብእተወሰነ ደረጃ ምሕሳብ ጌጋ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሳራ: ራሄል: ዮሴፍ: ዳዊት: ከምኡውን ኣቢጋይል ሓዊስካ ናይ ብዙሓት ኣንስትን ሰብኡትን ኣካላዊ ቅርጽን ትርኢትን ከም ዘድንቕ ምስትብሃል ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።b መጽሓፍ ቅዱስ እታ ንዳዊት ትኣልዮ ዝነበረት ኣቢሳግ “ኣዝያ መልክዔኛ” ከም ዝነበረት እውን ይገልጽ ኢዩ።—1 ነገስት 1:4
ሓቀኛ ጽባቐ እንታይ ምዃኑ ምግላጽ
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣካላዊ ትርኢት ወይ ቅርጺ ኣካላት ቀዳማይ ቦታ ብምሃብ ኣየጕልሖን ኢዩ። የግዳስ ነቲ ‘ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ’ ኢዩ ክብ ዘብሎ። (1 ጴጥሮስ 3:4) ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብሓቂ ተፈታዊ ወይ ጽሉእ ዝገብሮ እቲ ውሽጣዊ ባህርያቱ ኢዩ።—ምሳሌ 11:20, 22
ብዛዕባ ኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት እስከ ሕሰቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረን: ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን።” (2 ሳሙኤል 14:25) እንተዀነ ግን: እዚ መንእሰይ እዚ ከዳዕ ኢዩ ነይሩ። ትዕቢትን ናይ ስልጣን ህርፋንን ስለ ዝነበሮ ቦታ ናይቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ክምንዝዕ ተደፋፍአ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ጽቡቕ ኣይዛረብን ኢዩ: የግዳስ ዘይሓፍር: ዓለወኛ: ከምኡውን ደም ዘፋስስ ጽልኢ ዘለዎ ሰብ ምንባሩ ኢዩ ዝገልጽ።
ናይ ሓደ ሰብ ሓቀኛ ጽባቐ ወይ ውቃበ ኣብ ኣካላዊ ቅርጺ ኣይምርኰስን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ከሎ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ:- “ንጥበብ ኣጥርያ: እወ: ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ: ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ: ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።”—ምሳሌ 4:7, 9
እንተዀነ ግን: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጕድለት ኣመጋግባ ዝመርሕ ነገር ብትርኢትካ ዘይምዕጋብ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ምኽንያት እውን ኣለዎ። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ብሓፈሽኡ እቶም ብመግቢ ዝጭነቑ ከምኡውን ግዳያት ናይ ከም ኣናረክስያ ነርቮሳ: ቡሊምያ: ከምኡውን ኦቨርኢቲን ዝኣመሰለ ጕድለት ኣመጋግባ ዝዀኑ ሰባት ንርእሶም ኣትሒቶም ኢዮም ዝርእይዋ—ዋጋ ዘለዎም: ካልኦት ከኣ ኣብ ግምት ዘእትውዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ።”
ንሓደ ሰብ ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ከም ዝስምዖ ዝገብር ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ ደረጃ ብጽሕና ምስ ዝህሉ—ብፍላይ ቅድሚ መሳትኡ ምስ ዝጕብዝ ወይ ምስ እትጕርዙ—ስምዒታቱ ብጥርጣረ ይምላእ። ብተወሳኺ: ገለ መንእሰያት ብቐጻሊ ህውከት ኣብ ዘለዎ ገዛ ኢዮም ዝዓብዩ: ምናልባት እውን ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ማህሰይቲ ይወርዶም ይኸውን። እቲ ጠንቂ: እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ ካብዚ ሽግር ንምንጋፍ መብዛሕትኡ ግዜ ዋጋ ዘይብልካ ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ንዝገብር ነገራት ኣፍልጦ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ከም ሰብ መጠን ዘሎካ ክብሪ ምግንዛብ ማለት ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንተወሓደ ገለ ዝነኣድ ባህርይ ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 12:14-18 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ኢዩ: እዚ ነቲ ሰብ ኣይረኣዮን ይኸውን: ብሱላት ብጾት ግን ክነግሩዎ ይኽእሉ ኢዮም።
እንተዀነ ግን: ብምኽንያት ጥዕና ክብደት ምቕናስ ኣድላዪ ምስ ዝኸውንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጥንቁቓት” ክንከውን ኢዩ ዝላበወና። (1 ጢሞቴዎስ 3:11) ስለዚ: ኣብ ኣመጋግባ መጠኑ ዝሓለፈ ጥንቃቐ እንተ ዘይተገብረ ወይ ግዳይ ናይቲ ኣብ ሓጺር እዋን ንምቕጣን ዝወጽእ መደብ ዘይምዃን ዝበለጸ ኢዩ። ዘይድለ ክብደት ንምቕናስ እቲ ዝሓሸ መገዲ ንጥዕና ዝሰማማዕ ኣመጋግባን እኹል ምንቅስቓስ ምግባርን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሔት ኤፍዲኤ ኮንሲመር (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ነገራት: ክብደት ኣብ ምቕናስ እውን ቅኑዕን ጌጋን መገዲ ኣሎ። ምሳሕ ወይ ድራር ወይ ቍርሲ ምግዳፍ: ብዘይካ ክብደት ከም እትቕንስ ዝገብር ሕብስትን ማይን ካልእ ንኸይትበልዕ ምውሳን: ሸውሃት ዝዓጹ ከኒና ምውሳድ: ወይ ከም ዘምልሰካ ምግባር ግጉይ መገዲ ኢዩ።”
ካብ ካልእ ሰብ ሓገዝ ምድላይ ዘለዎ ጥቕሚ
ንህዝቢ ኣገልግሎት ኣብ ዝህብ ትካል እትሰርሕ ናንሲ ኮሎድኒ: ንጕድለት ኣመጋግባ ምስዚ ዝስዕብ ኣወዳዲራቶ ኣላ:- “ነቲ መውጽኢ መዓስ ከም እትረኽቦ ወይ ክትረኽቦ ዲኻ ኣይትረኽቦን ርግጸኛ ከይኰንካ ብዘይካርታ ወይ ኮምፓስ ኣብ ሓደ ዘይትፈልጦ እተሓላለኸ መገድታት በይንኻ ምእታው ኢዩ። . . . ኣብኡ ዝያዳ ብዝጸናሕካ መጠን ካብኡ ክትወጽእ ክትጽዕር ከሎኻ ዝያዳ ምድንጋርን ተስፋ ምቝራጽን የስዕበልካ።” ስለዚ: ምልክት ናይ ኣናረክስያ ወይ ቡሊምያ እንተድኣ ርኢኺ ሓገዝ ክትረኽቢ ኣሎኪ። ባዕልኺ ካብቲ “እተሓላለኸ መገድታት” ክትወጺ ኣይትኽእልን ኢኺ። ካብ ወለድኺ ወይ ካብ ካልእ ዝእመን እኹል ሰብ ሓገዝ ድለዪ። ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምስላ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ትብል።—ምሳሌ 17:17
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መንጎ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝርከቡ ሽማግለታት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዝእመኑ ብጾት ረኺቦም ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ሽማግለታት ሓካይም ኣይኰኑን: እቲ ዝህብዎ ደገፍ እውን ንኣድላይነት ሕክምናዊ ሓገዝ ኣይትክኦን ኢዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያን ተዓዘብቲ “ንጥርዓን ድኻ” ጸማም እዝኒ ኣይህቡን ኢዮም፣ ምኽሮምን ጸሎቶምን ከኣ ‘ነቲ ሕሙም [ብመንፈስ] ከድሕኖ’ ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 21:13፣ ያእቆብ 5:13-15
ኣብ ቅድሚ ሓደ ሰብ ብምቕራብ ሓገዝ ምሕታት ዝኸብድ ምስ ዝኸውን ደብዳበ ብምጽሓፍ ሓገዝ ክሕተት ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ካልእ ሰብ ነቲ ጕዳይ ከም ዝፈልጦ ምግባር ኢዩ። ናንሲ ኮሎድኒ “ደጊም በይንኻ ነዚ ክትፍጽሞ ከም ዘይከኣልካ ኣፍልጦ ብምሃብ: ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ካልእ ሰብ ንኽሕግዘካ ትሰማማዕ ኣሎኻ ማለት ኢዩ” ትብል። ወሲኻ ድማ “ነዚ ስጕምትታት እዚ ክትወስድ ክትሓስቦን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ካብቲ እተሓላለኸ መገድታት ንኽትወጽእ ዝመርሕ ጠቓሚ ነገር ኢዩ” በለት።
ክርስትያን መንእሰያት ካልእ ሓያል ምንጪ ሓገዝ ኣለዎም። እዚ ድማ ጸሎት ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሰላም ንምርካብ ጥራይ ዝግበር ነገር ኣይኰነን። እዚ ምስቲ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንላዕሊ ብዛዕባኻ ዝርድኦ ፈጣሪ እትገብሮ ሓቀኛን ኣገዳስን ርክብ ኢዩ! (1 ዮሃንስ 3:19, 20) ስለዚ: እቲ የሆዋ ንዅሉ ሕማማት ዘጥፍኣሉ ግዜ እኳ እንተ ዘይበጽሐ: እዚ ፈቃር ኣምላኽና ሰንከልከል ንኸይትብል ስጕምትኻ ክመርሖ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 55:22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት ካብ ተመክሮኡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ: ንሱውን መለሰለይ: ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ: እግዚኣብሄርውን ሰምዖ: ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።”—መዝሙር 34:4, 6
ስለዚ: ብዘይገለ ስግኣት ንየሆዋ ኣምላኽ ናይ ውሽጢ ስምዒትካ ምግላጽ እቲ ዝበለጸ ሓገዝ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ንፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ዘሎኪ ሞሳ ምእንቲ ክዓቢ: መዝሙር መበል 34, 77, 86, 103 ከምኡውን 139 ንምንታይ ዘይተንብቢ፧ ብዛዕባ እዘን መዝሙራት እዚኣተን ምስትንታን ነቲ የሆዋ እሙን ምዃኑ ከምኡውን ክትዕወቲ ከም ዝደሊ ዘሎኪ ምትእምማን የደልድሎ ኢዩ። ቃሉ ብምንባብ: ልክዕ ከምቲ ዳዊት እተሰምዖ ክገልጽ ከሎ “ክጭነቕን ክሽገርን ከለኹ: ንስኻ ተጸናንዓንን ተሐጕሰንን ኢኻ” ኢሉ ዝጸሓፈ: ከምኡ ክስምዓኪ ኢዩ።—መዝሙር 94:19 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)
ጥዕና ቀስ ኢሉ ስለ ዝመጽእ ምዕጋስ የድሊ
መብዛሕትአን ነቲ ዝነበረን ጕድለት ኣመጋግባ ንምዕራይ ሓገዝ ዝረኸባ ብሓንሳእ ኣይጥዕያን ኢየን። ነታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ጃሚ እሞ ንርኣያ። ሓገዝ ክወሃባ ድሕሪ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ: ንእሽቶ እውን ትኹን ምብላዕ የጸግማ ነበረ። ከምዚ ድማ በለት:- “ንገዛእ ርእሰይ ብቐጻሊ: እዚ ንጽቡቐይ ኢዩ: ብህይወት ንኽነብር ከኣ መግቢ የድልየኒ ኢዩ እናበልኩ ከእምና ነይሩኒ። እታ ዝበልዓ ሓንቲ ማንካ እውን ትኹን ብዝሕቲ ኰይና ኢያ እትስመዓኒ ነይራ።”
ጃሚ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሓ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ ዝነበራ ናይ ምብላዕ ጭንቀት ከተሰንፎ ከኣለት። ከምዚ ድማ በለት:- “በዚ ኣይክመውትን ኢየ: ክቃለሶ ኢየ ከሰንፍ ከኣ ኢየ። ካብ ሕማም ኣናረክስያ ክሓዊ ኣሎኒ። ከቢድ እኳ እንተዀነ ክገብሮ ኢየ።” ንስኺ እውን ከምኡ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ 1999 ንቕሑ! ገጽ 27-29 ርአ።
[ኣብ ገጽ ዘሎ 20 ስእሊ]
እተመጣጠነ መግብን እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ክብደት ንምቍጽጻር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ