ብዓቢ ውሕልነት እተሰርሐ ጭዋዳታት
ህይወት ብምንቅስቓስ ኢዩ ዝቕጽል። ንኣብነት: ከነተንፍስ ከሎና ኣፍ ልብና ክብ ለጠቕ ይብል: ልብና ስርዓት ሓልያ ትወቅዕ እሞ ህያዋን ከም እንኸውን ትገብረና። እዚ ምንቅስቓሳት እዚ ከም ዝህሉ ዝገብር እንታይ ኢዩ፧ ጭዋዳታት ኢዩ!
ጭዋዳታት ተረርትን ከም ላስቲክ ናይ ምምጣጥ ባህሪ ዘለዎምን ኣካሊታት ኢዮም። ንኽፍልታት ኣካላትና ከም ዝዓዪ ዝገብርዎ: ሓሳብናን ስምዒትናን ብተግባር ንምግላጽ ከኣ ዝሕግዙ ኢዮም። እቲ ተግባር ፍሽኽ ምባል ይኹን ምስሓቕ: ምብካይ: ምዝራብ: ምኻድ: ምጕያይ: ምስራሕ: ምጽዋት: ምንባብ: ወይ ምብላዕ ብዘየገድስ ኣብ ብምሉኡ ጭዋዳታት ኣበርክቶ ኣለዎም። ብዘይጭዋዳታት እትገብሮ ነገር ፈጺሙ የለን።
ኣብ ኣካላትና ዳርጋ 650 ዝዀኑ ጭዋዳታት ኣለዉ። እቲ ዝነኣሰ ምስቲ ኣብ እዝኒ ዝርከብ ደቀቕቲ ኣዕጽምቲ እተላገበ ጭዋዳታት ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ድማ ኣብ መቐመጫ ዝርከብ ንኣእጋር ዘንቀሳቕስ ጭዋዳታት ኢዩ። ካብ ክብደት ደቂ ተባዕትዮ ፍርቂ ካብ ክብደት ደቀንስትዮ ድማ ርብዒ ጭዋዳታት ኢዩ: ንኽዓዪ ኢዩ ድማ ተደኲኑ። ጭዋዳታት ከም ናይ “ስነ-ህይወት ሞተረታት” ኢዮም ዝሕሰቡ። ገራልድ ኤች ፖላክ እተባህለ ናይ ባዮኢንጂነሪን ፕሮፈሰር ‘ንማኪና እውን ሓዊስካ ካብቲ ሰብ ዝሰርሖ ሞተረታት ብምሉኡ: እቲ ጭዋዳታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ምንቅስቓስ ዝቕይርዎ ጸዓት ይበዝሕ’ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።
ከተዕርፍ ከሎኻውን እንተዀነ ጭዋዳታትካ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ንተግባር ምእንቲ ክንቀሳቐሱ ኵሉ ግዜ ቅሩባት ኢዮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጭዋዳ ዘለዉ ገሊኦም ጽሕግታት ይጭበጡ ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ምጭባጥ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ምንጋጋና ተኸፊቱ ምተረፈ: እቲ ውሽጣዊ ኣካላትና ድማ ዝድግፎ ኣይምረኸበን። ኮፍ ወይ ደው ክትብል ከሎኻ እውን ከይተረፈ: ኣቕዋምካ ንኽትዕቅብን ከይትወድቕ ንኽድግፉኻን ጭዋዳታትካ ዘድሊ ምትዕርራያት ይገብሩ ኢዮም።
ዓይነት ጭዋዳታት
ኣብ ኣካላትና ሰለስተ ዓይነት ጭዋዳታት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ድማ እተፈልየ ዕዮ ኢዩ ዘለዎ። ሓደ ካብኡ እቲ ልቢ ደም ከም እትጭንጕዕ ዝገብር ጭዋዳ ልቢ ኢዩ። ጭዋዳ ልቢ ፍርቂ ዕድሚኡ ኢዩ ዘዕርፍ: ከመይሲ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምጭባጥ እታ ስዒባ ዘላ ምጭንጓዕ ክሳዕ እትመጽእ የዕርፍ ኢዩ።
ካልእ ዓይነት ጭዋዳ ድማ ልሙጽ ጭዋዳ ኢዩ። ልሙጽ ጭዋዳታት ንሰራውር-ደም እውን ሓዊስካ ንዝበዝሕ ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላትና ዝሽፍን ጭዋዳታት ኢዩ። ከምቲ ዘይምእዙዝ ምንቅስቓስ ዘለዎ ጭዋዳታት ልቢ: ልሙጽ ጭዋዳታት እውን ባዕልኻ እትቈጻጸሮም ኣይኰኑን። ልሙጽ ጭዋዳታት ከም ብዅሊትን ከረጺት ሓሞትን ማይ ምሕላፍ: ኣብ መስርሕ ምሕቃቕ ነቲ መግቢ ምንቅስቓስ: ዋሕዚ ደም ኣብ ሰራውር-ደም ምቍጽጻር: ውሽጣዊ መነጸር ዓይኒ ግቡእ ቅርጺ ከም ዝሕዝ ምግባር: እቲ ብርሃን ዘእቱ ናይ መርዓት ዓይኒ ኸፋት ብግቡእ ከም ዝሰፍሕን ዝጸብብን ምግባር ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ዕዮታት ኢዩ ዝፍጽም።
ካብቲ ኣብ ኣካላትና ዘሎ 650 ጭዋዳታት እቲ ዝበዝሐ ጭዋዳታት ኣስከሬን ኢዩ። እዚኣቶም ድማ ብወለንታ ዝግበር ምንቅስቓሳት ይፍጽሙ። ነዚ ጭዋዳታት እዚ ምቍጽጻር ካብቲ እተወለድካሉ ግዜ ኣትሒዝካ ኢኻ እትማሃሮ። ንኣብነት ሓደ ሕጻን ብእግሩ ምእንቲ ክኸይድን ሚዛኑ ምእንቲ ክሕሉን ካብ መጀመርትኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ምንቅስቓስ ይለምድ። ጭዋዳታት ተኽእሎኦም ምጭባጥ ጥራይ ስለ ዝዀነ ናይ ኣስከሬን ጭዋዳታት ኵሉ ግዜ በብጽምዲ ኢዮም ዝዓዩ። እቲ ሓደ ጭዋዳ ክጭበጥ ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ይዝርጋሕ። ከምዚ ዝበለ ናይ ሓባር ስራሕ እንተ ዘይህሉ: ርእስኻ ንኽትሓክኽ ኢድካ ክትዝርግሕ ከሎኻ: ኢድካ ብናይ መሬት ስሕበት ኣብ ቦትኡ ምተመልሰ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ብጻይ ማንታዊ ጭዋዳ ዝዀነ ስሉስ ጭዋዳ ይጭበጥ እሞ ንኢድካ ብቕልጡፍ ትኽ ከም ዝብል ይገብሮ።
ጭዋዳታት ብግዝፎምን ብቕርጾምን እተፈላለዩ ኢዮም። ገሊኦም ከምቶም ኣብ ኣእጋርና ኣብ ድሕሪ ብርኪ ዝርከቡ ጭዋዳታት ሓላኺቶ ነዋሕትን ቀጠንትን ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ከኣ ከምቲ ኣብ መቐመጫ ዝርከብ ጭዋዳ ዝኣመሰሉ ረጐድቲ ኢዮም። ኵሎም ግን ንኽትንቀሳቐስ ይሕግዙ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዕጽምቲ መሰንገለ ዘሎ ከፋት ብጭዋዳታት እንተዘይመልእ ነይሩ እቲ ብመሰንገለ ዝቘመ ጋብያ ኣፍ ልቢ ተሪር ምዀነ። እቲ ጭዋዳታት ግን ኣፍ ልብኻ ከምቲ ኣኮርድዮን ዝብሃል ናይ ሙዚቃ መሳርሒ መሲሉ ከም ዝንቀሳቐስ ብምግባር ንኸተስተንፍስ ይሕግዘካ። ከምቲ ኣብ ኮምፐንሳቶ ዘሎ ቀጸላታት: እቲ ናይ ከብዲ ጭዋዳታት እውን እተፈላለየ ኵርናዓት ብዘለዎ ቀጸላታት ኢዩ ተሰሪሑ: እዚ ድማ እቲ ውሽጣዊ ናውቲ ከብዲ ንደገ ከይወጽእ ይኽልክል።
ውህደት ጭዋዳን ጅማትን
እቲ ኣዕጽምቲ ዝስሕብ ጭዋዳታት ምስቲ ዓጽሚ ዝጣበቕ በቲ ጻዕዳ ገመድ ዝመስል ተሪር ጅማት ዝብሃል ኣካሊት ኢዩ። ጅማውቲ ክሳዕ ውሽጢ ጭዋዳታት ኣትዮም ምስቲ ኣብ ከባቢ ጽሕጊ ጭዋዳ ዝርከብ መላገቢ ኣካሊት (connective tissue) ኢዮም ዝጠብቁ። መላገቢ ኣካሊት በቲ ኣብ ውሽጢ ጭዋዳ ዝፍጠር ሓይሊ ገይሩ ነቲ ጅማት ኣጸቢቑ ይስሕቦ እሞ: እዚ ድማ ነቲ ኣዕጽምቲ የንቀሳቕሶ። እቲ ዝሓየለ ጅማት ኵርዅረ ክኸውን ከሎ: ምስ ሓደ ካብቲ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ኣብ ፈርሲ ዳንጋ ዘሎ ዝሓየለ ጭዋዳ ኢዩ ዝላገብ። ጭዋዳ ፈርሲ ዳንጋ ከም ወሓጥ ጐንጺ (shock absorvers) ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል። ብእግርኻ ክትከይድ: ክትጐዪ: ወይ ክትዘልል ከሎኻ ልዕሊ ሓደ ቶን ዝኸውን ጸቕጢ ይጻወር።
ውህደት ጭዋዳታትን ጅማትን ዘርኢ ተወሳኺ ኣብነት ድማ ተዓጻጻፍነት ኣእዳውና ኢዩ። ኣብ ቅልጽምና ዝርከብ 20 ጽምዲ ጭዋዳታት ምስቲ ብዙሕ መላግቦታት ዘለዎ ኣእዳውናን ኣዕጽምቲ ኣጻብዕትናን በቲ ኣብ ጉምቦ ኢድና ዘሎ ጽሕጊ ኣቢሎም ዝሓልፉ ነዋሕቲ ጅማውቲ ይላገብ። እዚ ምስቲ ኣብ ግናዕ ኢድካን ኣጻብዕካን ተነጺፉ ዘሎ 20 ኣቢሉ ዝኸውን ካልእ ተወሳኺ ጭዋዳታት ተሓባቢሩ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰዓት ዘሎ ደቀቕቲ ክፍልታት ንምግጣም ወይ ፋስ ሒዝና ዕንጨይቲ ምፍላጽ ምእንቲ ክንክእል ኣእዳውና ዘድሊ ቅልጣፈን ምትዕጽጻፍን ከም ዝረክብ ይገብሮ።
ልዕሊ 30 ዝኸውን ናይ ገጽ ጭዋዳታት
ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ክፍሊ ኣካላትና ንላዕሊ ባህርያትና ዝገልጽ ገጽና ኢዩ። ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ገጽ መግለጺታት ንምንጽብራቕ ፈጣሪ ኣብ ገጽና ብጠቕላልኡ ልዕሊ 30 ዝኸውን ብዙሕ ጭዋዳታት ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ይገርም ኢዩ ፍሽኽ ንኽንብል ጥራይ 14 ጭዋዳታት የድልዩና!
ገሊኦም ኣብ ገጽ ዝርከቡ ጭዋዳታት ብርቱዓት ኢዮም። እቶም ምስ ምንጋጋኻ እተላገቡ መግቢ ንምሕያኽ 75 ኪሎ ሓይሊ ዘውጽኡ ጭዋዳታት ካብዚኦም ኢዮም። ካልኦት ከምቲ ንኸበሮ ዓይንና ዝቈጻጸሩ ጭዋዳታት ከኣ ተነቀፍቲ ኰይኖም ግን ንነዊሕ ዝጸንሑ ኢዮም። እዞም ጭዋዳታት እዚኣቶም ዓይንና ቋሕ ሰም ከነብል ከሎና ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 20,000 ግዜ ብንብዓት ርስሓትን ጀርምን ይሓጽቡ።
ዘደንጹ ንድፊ
ነፍሲ ወከፍ ጭዋዳ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዝጭበጥ ኰይኑ ኢዩ ተነዲፉ። ክንቲት ከተልዕል ከሎኻን 10 ኪሎ ዝምዘን ነገር ከተልዕል ከሎኻን ሓደ ዓይነት ሓይሊ ምእንቲ ከይወጽእ: ጭዋዳታት ኣስከሬን ከከም ኣድላይነቱ ብግቡእ ኢዮም ዝጭበጡ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝኸውን፧ እስከ ንርአ።
ኵሉ ጭዋዳታት ብዋህዮታት ዝቘመ ኢዩ። ናይ ጭዋዳ ዋህዮታት ንውሕ ዝበሉ ስለ ዝዀኑ ጽሕጊ ኢዮም ዝብሃሉ። ገለ ዓይነት ጽሕግታት ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ ካልኦት ድማ ጽልም ዝበሉ ኢዮም። እቲ ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ቀልጢፉ ዝጭበጥ ወይ ቀልጢፉ ዝንቀሳቐስ ጽሕጊ ኢዩ ዘለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ከም ከቢድ ሸኸም ምልዓል ወይ ናይ 100 ሜትሮ ጕያ ዝኣመሰለ ንሓጺር ግዜ ብርቱዕ ሓይሊ ዘድልየካ እዋን እትጥቀመሎም ኢዮም። ቀልጢፉ ዝንቀሳቐስ ጽሕጊ ዘለዎም ጭዋዳታት ብርቱዓት ኢዮም: ምንጪ ሓይሎም ድማ እቲ ግላይኮጀን ዝብሃል ዓይነት ሽኮር ኢዩ። እንተዀነ ግን እዚኣቶም ቀልጢፎም ኢዮም ዝደኽሙ: አረ ኣብዞም ጭዋዳታት እዚኣቶም ላክቲክ ኣሲድ ዝብሃል ዓይነት ኣሲድ ስለ ዝእከብ የቐንዝዉ ኢዮም።
እቶም ጽልም ዝበሉ ጽሕጊ ጭዋዳታት ቀስ ኢሎም ዝጭበጡ ኰይኖም ብናይ ኦክሲጅን ሜታቦልነት ዝንቀሳቐሱ ኢዮም። እዞም ጽሕግታት እዚኣቶም ካብቶም ቀልጢፎም ዝጭበጡ ጽሕግታት ንላዕሊ ብዙሕ ደምን ሓይሊ ኦክሲጅንን ስለ ዘለዎም “ናይ ጽንዓት ኣግማድ ኢዮም።”
ካልእ ዓይነት ጽሕግታት ድማ ካብቶም ቀልጢፎም ዝጭበጡ ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎም ጽሕግታት ቍሩብ ድብን ዝበሉ ኢዮም። እዚ ጽሕጊ እዚ ምስቶም ቀልጢፎም ዝጭበጡ ተመሳሳሊ ኰይኑ ድኻም ግን ዝጻወር ኢዩ። እዚ ዓይነት ጽሕጊ እዚ ሽኮርን ኦክሲጅንን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝጥቀም ብዙሕን ኣድካምን ስራሕ ክትሰርሕ ከለኻ ኢዩ ዝዓዪ።
ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣብ እተፈላለዩ ጭዋዳታቱ ናይዞም ጽሕግታት እዚኣቶም ሕውስዋስ ኣለዎ። ንኣብነት: ነዊሕ ርሕቀት ዝጐዩ ተቐዳደምቲ 80 ካብ ሚእቲ ጭዋዳታት እግሮም ቀስ ኢሎም ዝጭበጡ ጽሕግታት ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ እቶም ሓጺር ርሕቀት ዝቀዳደሙ ድማ 75 ካብ ሚእቲ ጭዋዳታት እግሮም እቲ ቀልጢፉ ዝጭበጥ ዓይነት ጽሕጊ ኢዩ ዘለዎም።
ብመትንታት ኢዩ ዝለዓዓል
ኵሉ ናይ ጭዋዳታት ጽሕጊ ብመትንታት ኢዩ ዝለዓዓል። መትኒ ናብ ጭዋዳታትና መልእኽቲ ክሰድድ ከሎ: ጭዋዳታት ድማ ብምጭባጥ መልሲ ይህብ። ይኹን እምበር: ኣብ ሓደ ጭዋዳ ዘሎ ኵሉ ጽሕጊ ብሓንሳእ ኣይኰነን ዝጭበጥ። ኣብ ክንድኡስ ናይ ጭዋዳታት ጽሕጊ በቲ ሞቶር ዩኒት ዝብሃል ክፍልታት እተመሓደረ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሞቶር ዩኒት ሓንቲ መትኒ ምስ ብዙሕ ጽሕግታት እተጣበቐትን ንብዙሕ ጽሕግታት እትቈጻጸርን ኢያ።
ከምቲ ኣብ ናይ ኣእጋር ጭዋዳታት ዘሎ ገሊኡ ሞቶር ዩኒት ሓንቲ መትኒ ልዕሊ 2,000 ጽሕግታት ኢያ እትቈጻጸር። እቶም ኣብ ኣዒንትኻ ዘለዉ ሞቶር ዩኒት ግን ነፍሲ ወከፎም ንሰለስተ ጽሕጊ ጥራይ ኢዮም ዝቈጻጸሩ። ኣብ ሓደ ዩኒት ሒደት ጕጅለ ጽሕጊ: ነፍሲ ወከፍ ጭዋዳ ድማ ብዙሕ ዩኒት ምስ ዝህልዎ ነቲ ከም ፈትሊ ኣብ መርፍእ ምስኳዕ ወይ ፒያኖ ምውቃዕ ዝኣመሰለ ዝያዳ ምውህሃድ ዘድልዮ ፈኲስ ምንቅስቓሳት ከም ትፍጽም ይገብረካ።
ክንቲት ከተልዕል ከለኻ ሒደት ሞተር ዩኒት ጥራይ ኢዮም ዝጭበጡ። ከቢድ ነገር ከተልዕል ከሎኻ ኣብ ጭዋዳታትካ ዘለዉ ፍሉያት ሰንሰሪ ክፍሊ ኣካላት ብኸም መብረቕ ዝበለ ቅልጣፈ ናብ ኣእምሮ መልእኽቲ ይሰዱ እሞ ዝያዳ ሞቶር ዩኒት ይዓዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ክብደት ንምልዓል እትጥቀመሉ ሓይሊ የዕብይዎ። ቀስ ኢልካ ብእግሪ ክትከይድ ከሎኻ: ሒደት ሞቶር ዩኒት ጥራይ ኢዮም ንጡፋት ዝዀኑ: ክትጐዪ ከሎኻ ግን ብዙሓት ሞቶር ዩኒት ብዝያዳ ቅልጣፈ ይለዓዓሉ።
ጭዋዳ ልቢ ካብ ጭዋዳ ኣስከሬን እተፈልየ ኢዩ ከመይሲ ብምሉኡ ኢዩ ዝጭበጥ ወይ ዝዝርጋሕ። ኣብ ጭዋዳ ልቢ ሓደ ዋህዮ ንዕዮ ምስ ዝለዓዓል እቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ እቲ ካልእ ዋህዮታት ይተሓላለፍ እሞ ኵሎም ብሓንሳእ ይለዓዓሉ: እዚ ኸኣ ኵሉ እቲ ጭዋዳታት ኣብ ደቒቕ ን72 ግዜ ከም ዝጭበጥን ከም ዝዝርጋሕን ይገብር።
ልሙጽ ጭዋዳታት ከምቲ ጭዋዳታት ልቢ ዝገብሮ ገይሮም ኢዮም ዝዓዩ—ሓንሳእ እቲ ምጭባጥ እንተ ተጀሚሩ: ብምሉኡ እቲ ክፍሊ ኣካል ይጭበጥ። ከም ጭዋዳታት ልቢ ዘይኰነስ ልሙጽ ጭዋዳታት ከይደኸሙ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ተጨቢጦም ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም። ልሙጽ ጭዋዳታት ብዘይካ ሓድሓደ ግዜ ጥሜት ክስምዓና ከሎ ወይ ኣብ ሕርሲ ዘሎ ምጭባጥ ናይ ማህጸን እንተ ዘይኰይኑ ከም ዘለዉ ፈጺሞም ኣይፍለጡን ኢዮም።
ጥዕና ጭዋዳታትካ ሓሉ
እታ ማስልስ:- ዘ ማጂክ ኦቭ ሞሽን እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ምውስዋስ ኣካላት ንብዘሎ ውሽጣውን ደጋውን ኣካላት ኢዩ ዝሕግዝ። . . . ስርዓታዊ ምውስዋስ ዝገብሩ ጭዋዳታት ኣብ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ኢዮም ዝሰርሑ።” ምውስዋስ ኣካላት ጽቡቕ ውህደት ናይ ጭዋዳታት ከም ዝህሉ ይገብር: እዚ ድማ ንውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላትና ይድግፍ: ጭዋዳታትና ድኻም ከም ዝጻወሩ ይገብር።
ንጭዋዳታትካ ዝጠቅም ክልተ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ኣሎ። እቲ ኣናሮቢክ ዝብሃል ኣብ መዓልቲ ንሓጺር ግዜ ክብደት ብምልዓል ዝግበር ምውስዋስ ኣካላት ንጭዋዳታት የደልድሎ። እቲ ዝያዳ ተሪር ዝዀነ ጭዋዳታት ዝያዳ ሽኮርን ፋቲ ኣሲድን ይእክብ ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ ነዳዲ እዚ ብግቡእ ይጥቀመሉ: በዚ ኸምዚ ድማ ጭዋዳታት ድኻም ከም ዝጻወሩ ይገብር።
ከም ምጕያይ: ምሕምባስ: ብሽግለታ ምዝዋር: ወይ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ብእግሪ ምኻድ ዝኣመሰለ ኤሮቢክ ዝብሃል ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ሓፈሻዊ ዝዀነ ኣካላዊ ብቕዓት ከም ዝህልወና ይገብር። ከምዚ ዝዓይነቱ ቀጻሊ ምውስዋስ ኣካላት ኣብ ጭዋዳታት ዝያዳ ደም ከም ዝውሕዝ ብምግባር ነቲ ማይቶኮንድርያ ዝብሃል ክፍሊ ዋህዮታት የብዝሕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ድማ ንጭዋዳታትና ከም ዝጭበጥ ንምግባር ዘድሊ ኤይቲፒ እተባህለ ሓይሊ ይምንጭ። ብፍላይ ልቢ ካብ ከምዚ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት ኣጸቢቓ ኢያ እትጥቀም: ሕማም ልቢ እውን ከይተረፈ ክከላኸል ይኽእል ኢዩ።
ከቢድ ምውስዋስ ኣካላት ቅድሚ ምግባር ጭዋዳታትካ ምዝርጋሕን ምዕጻፍን መግመይቲ ወይ ናይ ጭዋዳታት መጕዳእቲ ከየጋጥም ይሕግዝ። ከምዚ ዝኣመሰለ መውዓዪ ምውስዋስ ኣካላት ነቲ ኣብ ጭዋዳታትካ ዘሎ ዋዒ ክብ ስለ ዘብሎ ዝያዳ ደም ከም ዝዘዋወር ይገብር: እዚ ድማ ነቶም ኤንዛይምስ ዝያዳ ሓይሊ ከም ዝፈጥሩ ይገብሮም እሞ ጭዋዳታትና ብዝበለጸ ክጭበጡ ይኽእሉ። ከምቲ ንምውዓይ ዝገበርካዮ ምውስዋስ ኣካላት ገይርካ ምዝሓል ነቲ ዝፍጠር ላክቲክ ኣሲድ ብምልጋስ ቃንዛን ስትራፖን ንኸይህሉ ይሕግዝ።
ይኹን እምበር: ብርቱዕ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ብፍላይ ድማ ዘይለመድካዮ ምስ እትኸውን ነቲ ጭዋዳታት ኣስከሬን ክትጐድኦ ትኽእል። ከቢድ ሸኸም ቀስ ኢልካ ከተቐምጥ ከሎኻ: ወይ ኣብ ቍልቍለት ክትጐዪ ከሎኻ ዝግበር ተደጋጋሚ ነዊሕ ምጭባጥ ጭዋዳታት እውን ኣብ ጭዋዳታት ብዙሕ ወጥሪ ብምግባር ነቲ ናይ ጭዋዳ ጽሕጊ ክብጥሶ ይኽእል ኢዩ። ንእሽቶ ምብጣስ እውን ትኹን ብርቱዕ ቃንዛ ከተስዕብ ትኽእል ኢያ።
ንጭዋዳታትካ ተኸናኸኖ። ጽቡቕ ገይሮም እተነድፉ ናይ ኣካላትካ መሳርሕን እቲ ‘ዝበለጸ ሞተርን’ ኰይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ ግቡእ ምውስዋስ ከም ዝገብሩ ግበር: ዕረፍቲውን ሃቦም።
[ኣብ ገጽ ፍረ ሓሳብ 22]
ኣብ ኣካላትና ልዕሊ 650 ጭዋዳታት ኣሎ። ዝዓበየ እቲ ኣብ መቐመጫ ዝርከብ ነእጋር ዘንቀሳቕስ ዶሶ ዝብሃል ጭዋዳ ኢዩ
[ኣብ ገጽ ዘሎ ሳጹን 26]
ጭዋዳን ኣመጋግባን
ጥዑይ ጭዋዳ ንኽህልወና ጽቡቕ ኣመጋግባ ምህላው ኣድላዪ ኢዩ። ከም ጽዕዲት ዝኣመሰለ ብዙሕ ካልሲየም ዘለዎ መግቢ: ከም ባናና ዝኣመሰለ ብዙሕ ፖታሲዩም ዘለዎ መግቢ: ከምኡውን ከም ኣራንሺ ለሚን ዝኣመሰለ ሲትረስ ዝብሃል ዓይነት ፍረታትን ዝደረቐ ፍረታትን: ብጫ ዝሕብሩ ኣሕምልቲ: ፉል: ከምኡውን ጥረምረ ምብላዕ ነቲ ናይ ጭዋዳ ምጭባጥ ዝቈጻጸር ኢዩ። ብዘይተዃእኵአ ጻዕዳ እኽሊ ዝስንከት ባንን እኽልን ንኸም ሓጺንን ቫይታሚን ቢ ኮምፕሌክስን ብፍላይ ድማ እቲ ንካርቦሃይድረይት: ፕሮቲን: ከምኡውን ስብሒ ናብቲ ንጭዋዳ ዘድሊ ሓይሊ ዝልውጥ ቢዋን (B1) እተባህለ ቫይታሚን ከም እትረክብ ይገብር። ብዙሕ ማይ ምስታይ ግቡእ ሚዛን ናይ ኤለክትሮላይት ከም ትረክብ ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ንግቡእ ዕዮ ናይ ጭዋዳ ዘማናጉ ከም ላክቲክ ኣሲድን ካልእ ጓሓፋትን የልግስ ኢዩ።
[ሳጹን/Diagram ኣብ ገጽ 24]
ኣብ ምጭባጥ ጭዋዳታት ዘሎ ድንቂ
ናይ ጭዋዳ ስራሕ ቀሊል መሲሉ ይርአ ይኸውን። እቲ ኣብ ምጭባጥ ዘሎ መስርሕ ግን ድንቂ ኢዩ። ፕሮፈሰር ገራልድ ኤች ፖላክ ከምዚ ይብል:- “በቲ ኣብ ንድፊ ተፈጥሮ ዘሎ ጽባቐ ተገሪመ ኢየ። ቀመማዊ ሓይሊ ናብ መካኒካዊ ሓይሊ ንምልዋጥ ዘሎ መስርሕ: ውሕልነት ዘለዎ ብምዃኑ ነዚ ዝገበረ ሓደ መስተውዓሊ ኣሎ ኢልካ ንኽትኣምን ዘገድድ ኢዩ።”
ብኤለክትሮኒካዊ ማይክሮስኮፕ ገይርና እቲ ዘገርም ኣሰራርሓ ምጭባጥ ጭዋዳ ንርአ እሞ ብዛዕባ እዚ ብዓቢ ውሕልነት እተገብረ ናይ ፈጣሪ ንድፊ ንማሃር።
ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ወይ ጽሕጊ ጭዋዳ በቲ ማዮፊብሪል ዝብሃል ተመዓራርዩ እተቐመጠ ጥማር ንኣሽቱ ጽሕግታት ዝቘመ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ማዮፊብሪል ከኣ ብኣሽሓት ዝቝጸር ቀጠንቲ ማዮፊላመንትስ ዝሓዘ ኢዩ። ገሊኡ ማዮፊላመንትስ ረጒድ ገሊኡ ድማ ቀጢን ኢዩ። እቲ ረጒድ ሚዮሲን እቲ ቀጢን ከኣ ኣክቲን ዝብሃሉ ንዋህዮታት ጭዋዳ ንምጭባጥ ዝሕግዙ ፕሮቲን ዝሓዙ ኢዮም።
ነፍሲ ወከፍ ጽሕጊ ጭዋዳ ጓንጓ ኣለዎ። እቲ ካብ ዓንዲ ሕቘ ዝወጽእ ናይ መትኒ ጽሕጊ ድማ ናብቲ ጓንጓ ናይ ጭዋዳ ገጹ ተዘርጊሑ ኣብኡ ይኣቱ። ጭዋዳና ዝንቀሳቐስ ኣእምሮና ትእዛዝ ምስ ዝህብ እሞ እቲ ትእዛዝ ድማ በቶም ኣብ መትናዊ ስርዓት ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ መትኒ ዋህዮታት ኣቢሉ ናብቲ ጫፍ ናይ መትኒ ምስ በጽሐ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጫፍ ናይ መትኒ ክለዓዓል ከሎ: ልዕሊ 100 ዝዀኑ ንኣሽቱ ከረጺታት ይኽፈቱ እሞ ምስ ዋህዮታት ጭዋዳ ክራኸብ ከሎ ናይቲ መትኒ መልእኽቲ ዘጕልሕ ቀመም ይምንጩ። እዚ ብግዲኡ ሽፋን እቲ ዋህዮ ብኤለክትሪካዊ ኣገባብ ናይ ካልሲየም ኣዮን ከም ዝሰድድ ብምግባር ንብምሉኡ ዋህዮ ጭዋዳ ዘለዓዕል ቀጻሊ ኤለክትሪካዊ ምንቅስቓስ ከም ዝህሉ ይገብር።
ናይ ካልሲየም ኣዮን ድማ ኣብ ብምሉኡ ጽሕግታት ናይቲ ጭዋዳ በቲ ቀጠንቲ ቱቦታት ኣቢሎም ይዝርግሑ እሞ ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ፕሮቲን ይራኸቡ። ብገለ መገዲ እቲ ካልሲየም ነቶም ኣብቲ ቀጢን ጽሕጊ ኣክቲን ተዓቚቦም ዝነበሩ ፕሮቲን ከም ዝኽፈቱ ወይ ከም ዝቕልዑ ይገብሮም።
እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ እናተፈጸመ ከሎ እቶም ኣብ ጽሕጊ ናይቲ ረጒድ ዝዀነ ሚዮሲን ዝርከቡ በብጽምዲ ዝቖሙ ከቢብ ሕብጥ ሕብጥ ዝበለ ቅርጺ ዘለዎም ብርቱዕ ሓይሊ ዝህብ ኤቲፒ እተባህለ ንጥረ ነገር ዝሓዙ ኣካላት ክዓዩ ይጅምሩ። ካብዞም ኣብ ጽሕጊ ሚዮሲን ዝርከቡ ጽምዲ ኣካላት ሓደ: ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ጽሕጊ ኣክቲን እተቐልዑ ሓደስቲ ፕሮቲን ይለግብ እሞ እተመሳቐለ ድንድል ይሰርሕ። ካብቲ ጽምዲ ኣካላት እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ኤቲፒ ይመቓቕሎ እሞ ነቲ እተመሳቐለ ድንድል ዝኸውን እኹል ሓይሊ ይህብ። እቲ ድንድል ድማ ነቲ ኣብ ጐኒ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጽሕግታት ማዮሲን ዝርከብ ጽሕግታት ኣክቲን ይስሕቦ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ጋንታ ብሓባር ገመድ ንምስሓብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓደ ኢዱ ዓቲሩ ድሕሪ ምስሓብ መሊሱ ኸኣ በታ ካልአይቲ ኢዱ ዓቲሩ ዝስሕብ: እቲ ማዮሲን እውን ነቲ ዓቲሩ ዝሓዞ ናይ ኣክቲን ጽሕጊ ድሕሪ ምስሓቡ ኣፍኩስ የብል እሞ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ጽሕጊ ይዓትር ከምኡ እናገበረ ድማ እቲ ናይ ኣክቲን ጽሕጊ ኣብ ማእከል ናይ ማዮሲን ጽሕጊ ክሳዕ ዝበጽሕ ይቕጽል። እዚ መስርሕ እዚ እቲ ጭዋዳ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝጭበጥ ይቕጽል። እዚ ዅሉ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ውሑድ ካልኢት ኢዩ ዝፍጸም።
እቲ ምጭባጥ ድሕሪ ምውድኡ: እቲ ካልሲየም ኣብቲ ምንጩ ዝዀነ ሽፋን ናይ ዋህዮ ይምለስ: እቲ ኣብቲ ናይ ኣክቲን ጽሕጊ ተቐሊዑ ዝነበረ ፕሮቲን ድማ እንደገና ይሽፈን: እቲ ጽሕጊ ጭዋዳ ኸኣ ካልእ መለዓዓሊ ክሳዕ ዝረክብ ይዝርጋሕ። እወ: ‘መስተንክርን ድንቅን ዝዀነ ኣፈጣጥራ’ ኢዩ ዘሎና።—መዝሙር 139:14
[ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ጭዋዳታትና ብቐጸላ ኣብ ልዕሊ ቀጸላ እተሃንጸ ጥምራ ጽሕግታት እተሰርሐ ኢዩ
ረጐድትን ቀጠንትን ማዮፊላመንት (ኣጸቢቑ ዝጐልሐ)
ማዮፊብሪል
ጥምራ ማዮፊብሪል
ጽሕጊ ጭዋዳ
ጭዋዳ
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 23]
(ክልተ ዕጽፊ ዓብዩ )
እቶም ዝነኣሱ ጭዋዳታት ምስቲ ኣብ እዝንና ዝርከብ ንኣሽቱ ኣዕጽምቲ እተላገቡ ኢዮም
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 23]
ፍሽኽ ንኽትብል ጥራይ 14 ጭዋዳታት የድልዩኻ !
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 23]
ጭዋዳታት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 20,000 ግዜ ዓይንኻ ቋሕ ሰም ከም እተብል ይገብሩ
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 26]
ናይ ልብኻ ጭዋዳ ኣብ ደቒቕ ዳርጋ 72 ግዜ ወይ ኣብ ገምጋም ዕድመ ሰብ ልዕሊ 2.6 ቢልዮን ግዜ ይጭበጥን ይዝርጋሕን
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 26]
ኣናሮቢክ ምውስዋስ ኣካላት
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 22]
ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሰብ፣ ኣብ ገጽ 23 ዘላ ዓይኒ፣ ኣብ ገጽ 26 ዘላ ልቢ፣ The Complete Encyclopedia of Illustration/ J. G. Heck