ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ከም ትኪ ይበንን ኣሎ
ሽጋራ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ልዑል መሸጣ ዘለዎ ሃላኺ ነገራት ኢዩ። ብዙሓት ዓማዊልን ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዕዳጋን ኣለዎ። እተን በዚ ዝዓገባ ኣፍረይቲ ኩባንያታት ከኣ በቲ ዝምስጥ ብዝሒ መኽሰብን ፖለቲካዊ ጽልዋን ዝረኽብኦ ክብርን ይጅሃራ። እቲ እንኮ ሽግረን እቶም ዝበለጹ ዓማዊለን ይሞቱ ምህላዎም ኢዩ!
ዘ ኢኮኖሚስት ከምዚ ብምባል ርእይቶ ይህብ:- “ሽጋራ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ መኽሰብ ዘለዎ ሃላኺ ነገራት ኢዩ። ከምቲ እተመደቦ ኣወሳስዳ ተወሲዱ ነቶም ዓማዊል ውሉፋት ክገብር ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ክቐትል ዝኽእል እንኮ (ሕጋዊ) መገዲ ኢዩ።” እዚ ነተን ኩባንያታት ትምባኾ ብዙሕ መኽሰብ ዘምጽእ ክኸውን ከሎ: ነቶም ዓማዊለን ግን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም ዝበሎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ዕድመ ናይ ኵሎም ሽጋራ ዘትክኹ ኣመሪካውያን ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሚልዮን ዓመታት ይንኪ: እዚ ኸኣ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽጋራ ዘትክኹሉ ደቒቕ ሓንቲ ደቒቕ ትጐድል ማለት ኢዩ። መጽሔት ኒውስ ዊክ ከኣ “ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ዓመት 420,000 ኣመሪካውያን ይቐትል። እዚ ኸኣ 50 ዕጽፊ ናይቶም በቲ ዘይሕጋዊ ሓሽሽ ዝሞቱ ኢዩ።”
እታ ብናይ ብሪጣንያ ኢምፔርያል ማዕከን ምርምር መንሽሮ: ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና (ዳብሊው. ኤች. ኦው.): ከምኡውን ብማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ እተሓትመት ሞርታሊቲ ፍሮም ስሞኪን ኢን ደቨሎፕድ ካንትሪስ 1959-2000 እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝሓበረቶ: ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዓመት ብምኽንያት ምትኻኽ ሽጋራ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ይሞቱ: እዚ ኸኣ ኣብ ደቒቕ ሽዱሽተ ሰብ ማለት ኢዩ። እዚ ኣብ ዓለም ንዝርአ ዘሎ ኣንፈት ምትካኽ ሽጋራ ዝምርምር መጽናዕቲ ን45 ሃገራት ዝሓቍፍ ኢዩ፣ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ካብ እተገብረ ምርምር ከኣ እቲ ዝዓበየ ኢዩ። እቲ ኣብ ኢምፔርያል ማዕከን ምርምር መንሽሮ ዝሰርሕ ሪቻርድ ፒቶ ከጠንቅቕ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዝገደደ ገና ብሕጂ ኢዩ ዝመጽእ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣንፈት ምትካኽ ሽጋራ ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቐጺሉ: እቶም ሎሚ መንእሰያት ዘለዉ መትከኽቲ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ምስ በጽሑ ወይ ምስ ኣረጉ ዳርጋ ቍጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ትምባኾ ዝሞቱ ሰባት 10 ሚልዮን ክበጽሕ ኢዩ—እዚ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ካልኢት ሓደ ሰብ ማለት ኢዩ።”
እቲ ኣብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝሰርሕ ዶክተር ኣለን ሎፔዝ ከኣ ከምዚ ይብል:- “ምትካኽ ሽጋራ ከም ካልእ ሓደጋታት ኣይኰነን። ካብ ክልተ ዘትክኹ ሰባት ኣብ መወዳእታ እቲ ሓደ ይመውት።” ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣብ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዝሰርሕ ማርቲን ቨሲ ከምዚ ይብል:- “እዚ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝነበረ ርኽበታት: ፍርቂ ናይ ኵሎም እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ኣብ መወዳእትኡ በቲ ልምዶም ዘምጽኣሎም ጠንቂ ክሞቱ ኢዮም ናብ ዝብል ዘሰንብድ መደምደምታ ኢዩ ዝመርሕ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ዘርዕድ ግምት ኢዩ።” ካብ 1950ታት ንነጀው 60 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብምኽንያት ምትካኽ ሽጋራ ሞይቶም ኢዮም።
እዚ ንኹባንያታት ትምባኾ እውን ብሓቂ ዘርዕድ ግምት ኢዩ። ሕጂ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዓለም ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ብምኽንያት ሽጋራ ይሞቱ: ብዙሓት ካልኦት ከኣ ምትካኽ ሽጋራ ይገድፍዎ እንተድኣ ኣልዮም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሓደስቲ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ክረኽባ ኣለወን ማለት ኢዩ።
ሓደስቲ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት እተረኽበሉ ሓደ መገዲ ኸኣ ኩባንያታት ትምባኾ ብዛዕባ ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ወዳዲሰን ብምዝራበን ኢዩ። ኣንስቲ ሽጋራ ከትክኻ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንገለ ዓመታት ተለሚዱ ዝጸንሐ ተግባር ኢዩ: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣንስቲ ሽጋራ ከትክኻ ከም ነውሪ ዝርኣየሉ ዝነበረ ከባቢታት ይተኣታቶ ኣሎ። ኩባንያታት ትምባኾ ንዅሉ እዚ ኣረኣእያታት እዚ ክቕይርኦ ኢዩ ባህገን። ኣንስቲ ነቲ ረኺበንኦ ዘለዋ ሓድሽ ሃብትን ሓርነትን ኣኽቢረን ንኽርእያኦ እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ክሕግዝአን ኢየን ዝደልያ። ሒደት ናይ ታርን ኒኮቲንን ትሕዝቶ ኣለዎ ዝብሃል ፍሉይ ዝዀነ ናይ ሽጋራ ዓይነታት ነተን ዘስዕቦ ጕድኣት ሒደት ኢዩ ኢለን ዝሓስባ ሽጋራ ዘትክኻ ኣንስቲ ይማርኸን ኣሎ። ካልእ ሽጋራታት ከኣ ጥዑም ጨና ዘለዎ ወይ ከኣ ከምቲ ኣንስቲ ሽጋራ ብምትካኽ ክህልወን ዝደልይኦ ዓይነት ቅርጺ ዘለዎ ነዊሕን ቀጢንን ኢዩ። እቲ ኣብ እስያ ዝርአ ናይ ትምባኾ ረክላም: ዘናጥ መንእሰይ ጓል እስያ ዝምስጥ ምዕራባዊ ኣከዳድና ተኸዲና የርኢ።
ይኹን እምበር: እቲ ብምትካኽ ሽጋራ ዝመጽእ ሞት ማዕረ ማዕረ “ሓርነት” ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ። ኣብ ብሪጣንያ: ጃፓን: ኖርወይ: ፖላንድ: ከምኡውን ሽወደን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናይ ሳንቡእ መንሽሮ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዕጽፊ ዀይኑ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን እቲ ገምጋም ብሰለስተ ዕጽፊ ክብ ኢሉ ኣሎ። ሓደ ናይ ሽጋራ ረክላም “ብዙሕ ምዕባለ ገይርኪ ኣሎኺ!” ይብል።
ገለ ገለ ትካላት ትምባኾ ናይ ገዛእ ርእሰን ሜላ ኣለወን። ኣብታ ካቶሊክ ዝዕብልሉላ ፊሊፕንስ ሓንቲ ኩባንያ ናይ ድንግል ማርያም ምስሊ ኣብ ትሕቲኡ ኸኣ ናይ ሽጋራ ጭርሖ ዘለዎ ዓውደ-ኣዋርሕ ብናጻ ዓደለት። ኣብ እስያ ናይ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣማኻሪት ዝዀነት ዶክተር ሮዝማሪ ኤርብን ከምዚ ትብል:- “ከምዚ በለ: ቅድሚ ሕጂ ፈጺመ ርእየ ኣይፈልጥን። ደቂ ኣንስትዮ ፊሊፕንስ ሽጋራ ብምትካኸን ሕርኽርኽ ምእንቲ ከይብለን ነቲ ምስሊ ምስ ትምባኾ ከተሓሕዝዎ ኢዮም ፈቲኖም።”
ኣብ ቻይና ብግምት 61 ሚእታዊት ናይቶም በጽሕታት ሽጋራ የትክኹ ኢዮም: እተን ሽጋራ ዘትክኻ ኣንስቲ ግን 7 ሚእታዊት ጥራይ ኢየን። ምዕራባውያን ኩባንያታት ትምባኾ በቲ እተን ደስ ዝብላ ደቂ ምብራቕ ኣንስቲ ክረኽብኦ ዝኽእላ “ሓርነት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኸመይ ከም ዝጥቀማሉ ኢየን ዝግደሳ። ብሚልዮናት ዝቝጸራ ካብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ነቲ ኣብ ምዕራብ ዘለዋ ዝማርኻ ኣሓተን ዝረኽብኦ “ተድላ” ተሓሪምወን ኢዩ። ነተን ምዕራባውያን ኩባንያታት ዘጋጠመን ጸገም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝበዝሓ ሽጋራ ዘፍርያ ኩባንያታት ትምባኾ ናይ መንግስቲ ምዃኑ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ምዕራባውያን ኩባንያታት ቀስ ብቐስ እቲ ፍርያተን ዝኣትወሉ መገዲ ንምኽፋት ኣተኲረን ይጥምታ ኣለዋ። ረክላም ክገብራሉ ዝኽእላ ኣጋጣሚታት ድሩት ብምዃኑ: ገለ ኩባንያታት ሽጋራ ነቶም ኣብ መጻኢ ዓማዊለን ክዀኑ ዝኽእሉ ብምስጢር የዳልውኦም ኣለዋ። ቻይና ፊልምታት ካብ ሆንግ ኮንግ ኢያ እተእቱ: ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ፊልምታት እዚ እቶም ተዋሳእቲ ሽጋራ ንኸትክኹ ይኽፈሉ ኢዮም: እዚ ኸኣ ዕዳጋ ንምርካብ ዝጥቀሙሉ መስድዒ ኢዩ።
እተን ብልጹጋት ናይ ኣመሪካ ኩባንያታት ትምባኾ ኣብ ውሽጠን ተቓውሞ የጋጥመን ስለ ዘሎ: ሓደስቲ ግዳያት ንምፍንጣር ሰራውረን ይዝርግሓ ኣለዋ። እቲ ክዉን ነገራት ከም ዝሕብሮ ኸኣ ናይ መቕዘፍቲ ዒላማ ገይረንአን ዘለዋ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኢየን።
ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰብ መዚ ጥዕና ነቲ መጠንቀቕታ የስምዑ ኣለዉ። ኣርእስተ-ዜናታት ከምዚ ይብል:- “ኣፍሪቃ ምስ ሓድሽ ዓይነት መቕዘፍቲ ትቃለስ—ምትካኽ ሽጋራ።” “ኣብ እስያ ናይ ሽጋራ ዕዳጋ ክብ ክብል ከሎ እቲ ትኪ ናብ ሓዊ ይቕየር።” “ኣብ እስያ ዘሎ ወሰኽ ምትካኽ ሽጋራ ናብ ለበዳ መንሽሮ ከምርሕ ኢዩ።” “ናይ ሳልሳይ ዓለም ሓድሽ ቃልሲ ምስ ትምባኾ ኢዩ።”
ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ብደርቂ: ብውግእ ሓድሕድ: ከምኡውን ብለበዳ አይድስ ተጠቒዓ ኢያ። እንተዀነ ግን: ብሪጣንያዊ ሓኪም ልቢ ዶክተር ኪት ቦል ከምዚ ይብል:- “ኑክሌራዊ ውግእ ወይ ጥሜት ገዲፍካ: እቲ ኣብ መጻኢ ንጥዕና ኣፍሪቃውያን ዘስግእ ዝዓበየ ጸገም ምትካኽ ሽጋራ ኢዩ።”
እተን ኣህጉራውያን ሓያላት ኩባንያታት ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ሓረስቶት ትምባኾ ንኽዘርኡ ይኸፍልኦም። እቶም ሓረስቶት ከኣ እቲ መግቢ ንምብሳል: ንሙማቕ: ከምኡውን ኣባይቲ ንምስራሕ ዝጠቅም ኣእዋም: ትምባኾ ንምድላው ይጥቀሙሉ። ኣብ ክንዲ እቲ ብዙሕ መኽሰብ ዘይብሉ ናይ መግቢ ዘርእታት ዝዘርኡ ነቲ ዝያዳ መኽሰብ ዘለዎ ናይ ትምባኾ ተኽሊ ይዘርኡ። እቶም ብድኽነት እተጠቕዑ ኣፍሪቃውያን ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ እኹል ዘይኰነ ኣታዊኦም ኣብ ሽጋራ የጥፍእዎ። ስለዚ ካዝና እተን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ትምባኾ በቲ ዝርከብ መኽሰብ ክመልእ ከሎ: ኣፍሪቃውያን ስድራቤታት ብዓጸቦ ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣፍሪቃ: ምብራቕ ኣውሮጳ: ከምኡውን ላቲን ኣመሪካ ግዳይ እተን ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ከም ዓቢ ናይ ንግዲ ኣጋጣሚ ገይረን ዝርእየአን ምዕራባውያን ኩባንያታት ትምባኾ ኢየን። ካብዘን ሃገራት እዚኣተን እታ ዝበለጸት ምንጪ ሃብቲ ግን እታ ዝበዝሑ ተቐማጦ ዘለዉዋ እስያ እያ። ቻይና ንበይና ካብ ቍጽሪ ተቐማጦ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንላዕሊ ዝዀኑ 300 ሚልዮን ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ኣለዉዋ። እቲ ዘደንጹ ኸኣ ኣብ ዓመት 1.6 ትሪልዮን ሽጋራ ይውድኡ: እዚ ኸኣ ሳልሳይ ኣፍ ናይቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዝውድእዎ ሽጋራ ምዃኑ ኢዩ።
ዘ ኒውዮርክ ታይምስ “ሓካይም ኣብ እስያ እቲ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ትምባኾ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ጥዕና ሳዕቤናት ብርግጽ ዘርዕድ ኢዩ ይበሉ ኣለዉ” ብምባል ጸብጻብ የቕርብ። ሪቻርድ ፒቶ ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዕስራ ወይ ሰላሳ ዓመታት ካብቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ክሞቱ ኢዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓሰርተ ሚልዮን ሰባት እቶም ክልተ ሚልዮን ካብ ቻይና ጥራይ ክዀኑ ኢዮም። ፒቶ: 50 ሚልዮን ሕጂ ብህይወቶም ዘለዉ ቻይናውያን ቈልዑ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጽእ ሕማም ክሞቱ ኢዮም ይብል።
ዶክተር ናይጀል ግረይ በዚ መገዲ እዚ ደምደሞ:- “እቲ ኣብ ቻይናን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ኣብዚ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት እተራእየ ታሪኽ ምትካኽ ሽጋራ: ነዘን ሃገራት እዚኣተን ንዓቢ ናይ ትምባኾ ሕማም ለበዳ እተቓልዓ ምዃነን ይሕብር።”
ኣብ ታይላንድ ኣብ ወፈራ ጸረ ምትካኽ ሽጋራ ዝሰርሕ ዶክተር ፓርኪት ቫቲሳቶኪት ከምዚ ብምባል ይሓትት:- “እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 400,000 ሰባት ኣብ ዘይዕድሚኦም ከም ዝሞቱ ዝገብር: ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ዜጋታቱ ንኽገድፍዎ ኣጸቢቑ ዝጽዕረሉ ዘሎ ፍርያት: ካብ ዶብ ኣመሪካ ምስ ወጸ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ዘይብሉ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ እዚ ፍርያት እዚ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደድ ከሎ ጥዕና ዘየገድስ ድዩ ዝኸውን፧”
እተን ዝምዕብላ ዘለዋ ናይ ንግዲ ትካላት ትምባኾ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ሓያል ምትሕብባር ኣለወን። ብሓንሳእ ኰይኖም ድማ ኣብ ወጻኢ: ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ እስያ ዕዳጋታት ምቹእ ቦታ ንምርካብ ኣበርቲዖም ተቓሊሶም ኢዮም። ጃፓን: ታይዋን: ታይላንድ: ከምኡውን ካልኦት ሃገራት ኣብ ሃገረን ናይ ኣመሪካ ሽጋራ ንኸይኣቱ ንብዙሕ ዓመታት ከልኪለን ነይረን ኢየን: ገለ ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ከኣ ነቲ ናይ ትምባኾ ፍርያት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺረናኦ ኢየን። ጸረ ምትካኽ ሽጋራ ዝዀኑ ጕጅለታት ናይ ኣመሪካ ሽጋራ ንኸይኣቱ ተቓወሙ: ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግን ናይ ንግዲ እገዳ ክንገብር ኢና ብምባል ኣፈራርሐ።
ካብ 1985 ኣትሒዙ ብዙሓት ሃገራት እስያ ብጸቕጢ መንግስቲ ኣመሪካ ሽጋራ ክኣቱ ኣፍ ደጌታተን ኣርሓዋ: ናይ ኣመሪካ ሽጋራ ኸኣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ይውሕዝ ኣሎ። እቲ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ እስያ ዝኸይድ ዝነበረ ሰደድ ሽጋራ ድማ ኣብ 1988 ብ75 ሚእታዊት ክብ በለ።
ኣብዚ ናይ ትምባኾ ቃልሲ እቶም ዝያዳ ዘሕዝኑ ግዳያት: ቈልዑ ኢዮም። ሓደ ኣብ ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣሜሪካን ሜዲካል ኣሶሲየሽን ዝቐረበ መጽናዕቲ ከምዚ ይብል:- “ካብ ኵሎም ሓደስቲ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት እቶም 90% ቈልዑን ኰተቴታትን ኢዮም።”
ሓደ ኣብ ዩ.ኤስ.ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት ዝወጸ ዓንቀጽ እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ሽጋራ ዘትክኹ ኰተቴ ቍጽሮም 3.1 ሚልዮን ኢዩ ብምባል ይግምት። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 3,000 ሓደስቲ ሰባት ምትካኽ ሽጋራ ይጅምሩ: እዚ ኣብ ዓመት 1,000,000 ማለት ኢዩ።
ሓደ ናይ ሽጋራ ረክላም ዋዛ ዝፈቱ: ተድላ ዝደሊ ናይ ገመል ካርቱን ካብ ከናፍሩ ሽጋራ ዘይፈሊ ገይሩ ኢዩ ዘርኢ። እዚ ናይ ሽጋራ ረክላም እዚ: መንእሰያት እቲ ኣብ ጥዕና ዝመጽእ ጕድኣት ቅድሚ ምርድኦም ብወልፊ ኒኮቲን ከም ዝተሓዙ ይገብር። እዚ ረክላም እዚ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምዝርግሑ: እታ ኩባንያ ሽጋራ ኣብ ቍጽሪ ናይቶም ሽጋራ ዝዕድጉ መንእሰያት 64 ሚእታዊት ወሰኽ ረኸበት። እቲ ብኮለጅ ሕክምና ጆርጂያ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ካብቶም መጽናዕቲ እተገብረሎም ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዑ: እቶም 91 ሚእታዊት ነዚ ሽጋራ ዘትክኽ ናይ ካርቶን ተዋሳኢ ኣለለይዎ።
ካልእ ልሙድ ዝዀነ ናይ ሽጋራ ምልክት ከኣ እቲ ከም ድላዩ ዝገብር ብፈረስ ከብቲ ዝሕሉ ሰብኣይ ኢዩ: ብመሰረት እቲ ሓደ ኰተቴ ዝበሎ ኸኣ ናይዚ ካርቱን እዚ መልእኽቲ “ሽጋራ ምስ እተትክኽ ክኽልክለካ ዝኽእል ነገር የለን” ዝብል ኢዩ። ኣብ ዓለም ካብ ሃላኺ ኣቝሑት እቲ ዝለዓለ መሸጣ ዘለዎ: ሽጋራ ኢዩ፣ 69 ሚእታዊት ናይ ዕዳግኡ እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኰተቴ ኢዮም: እቲ ዝበለጸ ረክላም ዝግበረሉ ኸኣ ኢዩ። ከም ተወሳኺ መተባብዒ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባኮ ሽጋራ ኩፖን ይግበረሉ: በዚ ኩፖን እዚ ኸኣ እቲ መንእሰያት ዝፈትውዎ ጂንስ: ቆብዕ: ከምኡውን ናይ ስፖርት ክዳውንቲ ብሕሱር ዋጋ ምርካብ ይከኣል።
ረክላም ዘለዎ ሓይሊ ብምግንዛብ እቶም ጸረ ምትካኽ ሽጋራ ዝዀኑ ጕጅለታት: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ተሌቪዥንን ረድዮን ናይ ሽጋራ ረክላም ከም ዘይግበር ገይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ተበላሓትቲ ናይ ትምባኾ ረክላም ዝገብሩ ሰባት ኣብ እዋን ስፖርት ኣብ ስትራቴጂካዊ ቦታ ብሜላ ዓበይቲ ስእልታት ብምቕማጥ ነቲ ሕጊ ይጥሕስዎ። ስለዚ ኣብቲ ብዙሓት መንእሰያት ተዓዘብቲ ዘለዉዎ ብተሌቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ኵዕሶ ጸወታ: እቲ ተፈታዊ ተጻዋቲ ኣብ ቅድሚ ዓቢ ናይ ሽጋራ ስእሊ ደው ኢሉ ይርአ።
ኣብ ማእከል ከተማ ወይ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ትምህርቲ ፍልይ ዝበለ ሓጺር ክዳውንቲ ወይ ናይ ጋላቢ ፈረስ ወይ ናይ ሃዳናይ ጃኬትን ስረን እተኸድና ደቂ ኣንስትስዮ ነቶም ሃንቀውታ ወይ ክትፈልጥ ናይ ምድላይ ባህጊ ዘለዎም ኰተቴታት ሽጋራ ብናጻ ይህባኦም። ኣብ ቪድዮ ዝረኣየሉ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ ዲስኮን ናይ ሙዚቃ ምርኢትን ዝግበረሉ ቦታታት ሽጋራ ብናጻ ይዕደል። ሓንቲ ኩባንያ: ዕዳጋ ንምርካብ ናይ ዝገበረቶ መደብ ወሪኡ: ኣብ ጋዜጠኛታት በጽሐ: እቲ ጋዜጣ ከም ዘመልከቶ ኸኣ ናይታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ናይ ትምባኾ ኩባንያ ሓድሽ ምህርቲ ናብቶም ካብ 12 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦም ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ደቂ ተባዕትዮ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ዘንጸባርቖ መልእኽቲ ኸኣ ምትካኽ ሽጋራ ተድላ: ብቕዓት: ስብእነት: ከምኡውን ተፈላጥነት የምጽእ ዝብል ኢዩ። ሓደ ናይ ረክላም ኣማኻሪ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ትካል ደቂ 14 ዓመት ቈልዑ ምትካኽ ሽጋራ ክጅምሩ ጽልዋ ምእንቲ ክንገብር ኢና ኣበርቲዕና እንጽዕር።” ኣብ እስያ ዝርአ ረክላም ጥዑይ ስፖርታዊ ቅርጺ ዘለዎ ምዕራባዊ መንእሰይ ኣብ ገምገም ባሕርን ኣብ ሜዳታት ኵዕሶን ሽጋራ እናኣትከኸ ክጐዪ ኸሎ ኢዩ ዘርኢ። ሓደ ናይ ንግዲ መጽሔት ከምዚ ይብል:- “ናይ ምዕራባውያን ሞዴልን ኣነባብራን: ንኽትቀድሖ ዝማርኽ መዐቀኒታት ይፈጥር: እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ደቂ እስያ ኸኣ ነዚ ንኽቐድሑ ኣዝዮም ህንጡያት ኢዮም።”
እቶም ትምባኾ ዝሸጡ ሰባት ብቢልዮናት ዶላራት ንረክላም ድሕሪ ምጥፍኦም ብዙሕ ዓወት ረኺቦም ኢዮም። ናይ ሪደርስ ዳይጀስት ፍሉይ ጸብጻብ ከም ዘርእዮ: እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ መንእሰያት ዘሰንብድ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ፊሊፒንስ 22.7 ሚእታዊት ናይቶም ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ሰባት ሽጋራ የትክኹ ኢዮም። ኣብ ገለ ከተማታት ላቲን ኣመሪካ: ቍጽሪ እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኰተቴታት 50 ሚእታዊት ብምዃኑ ዘደንጹ ኢዩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ንኣሽቱ ደቂ ሸውዓተ ዓመት እውን ሽጋራ የትክኹ ኣለዉ።”
ይኹን እምበር: ትምባኾ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዓወት ይረክብ እኳ እንተ ሃለወ: ናይ ሽጋራ ኩባንያታት እቲ ኣብ ሃገረን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ቅልውላው ከይፈተዋ የስተብህላሉ ኣለዋ። ትምባኾ ነዚ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ቅልውላው ብዓወት ክሰግሮ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣለዎ፧
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ዝበለጹ ዓማዊል ይሞቱ ኣለዉ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
እስያ: ናይ ትምባኾ ሓድሽ ዓውዲ ቕትለት
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ካብቶም ሓደስቲ ምትካኽ ሽጋራ ዝጅምሩ ሰባት 90 ሚእታዊት ቈልዑን ኰተቴታትን ኢዮም!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ረክላም እተርኢ ውቅብቲ ጓል እስያን እተን ግዳያትን
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ቀታሊ ኣሰራርሓ—ኣብቲ ናይ ሽጋራ ትኪ ዘሎ ቀመማት እንታይ ኢዩ፧
ኣፍረይቲ ሽጋራ ክሳዕ 700 እተፈላለየ ቀመማት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም: እንተዀነ ግን: እተን ኩባንያታት ንዝርዝር ናይቲ ቀመማት ምስጢር ገይረን ክሕዝኦ ሕጊ የፍHS.2ቅደለን ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ዝርዝር ዘሎ ቀመማት ግን ጻዕቂ ዘለዎ ናይ ሓጺን ንጥረ-ነገራት: ጸረ ባልዕ: ከምኡውን ጸረ ሓሳኹ ኢዩ። እቲ ገሊኡ እተሰርሓሉ ቀመማት ኣዝዩ መርዛም ብምዃኑ ናብ ናይ ጐሓፍ ጕድጓድ ክድርበ ኣይፍቀድን ኢዩ። እቲ እናተዓዃለለ ዝበንን ናይ ሽጋራ ትኪ ከም ኣሰቶን: ኣርሰኒክ: ቡተይን: ካርቦን ሞኖክሳይድ ከምኡውን ሲያናይድ ዝኣመሰለ እውን ሓዊስካ ገለ 4,000 ዝኸውን ንጥረ-ነገራት ዝሓዘ ኢዩ። ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባትን ናይቶም ኣብ ጥቕኦም ዘለዉ ሰባትን ሳንቡእ ብውሑዱ ን43 መንሽሮ ዘምጽኡ ዓይነት ንጥረ-ነገራት እተቓልዐ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት
ምስቶም ብዙሕ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ዲኻ እትነብር: እትሰርሕ: ወይ እትጓዓዝ፧ ከምኡ እንተድኣ ዄንካ: ናይ ሳንቡእ መንሽሮ ከምኡውን ሕማም ልቢ ንኽሕዘካ ኣብ ሓደጋ ኢኻ ዘሎኻ። እቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ኣከባብያዊ ምክልኻል (ኢ.ፒ.አይ.) ኣብ 1993 እተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ናይ ትምባኾ ትኪ (ኢ.ቲ.ኤስ.) እቲ ቐዳማይን ዝያዳ ሓደገኛን ጠንቂ ካንሰር ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ: ነቲ ካብ ጫፍ ሽጋራን ካብቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባትን እናተዓዃለለ ዝወጽእ ናይ ሽጋራ ትኪ ብዝምልከት ካብ 30 መጽናዕትታት እተረኽበ ውጽኢት ተንተነ።
እቲ ትካል ኣከባብያዊ ምክልኻል ከም ዝገልጾ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 3,000 ሰባት ብናይ ሳምቡእ መንሽሮ ንኽሞቱ ምኽንያት ዝኸውን እቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ናይ ትምባኾ ትኪ ኢዩ። እተን ፈጺመን ሽጋራ ኣትኪኸን ዘይፈልጣ ነቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ናይ ትምባኾ ትኪ ግን ተቓሊዐን ዝነበራ ኣንስቲ: ካብተን ምሉእ ህይወተን ፈጺመን ሽጋራ ኣትኪኸን ዘይፈልጣ ኣንስቲ ናይ ሳምቡእ መንሽሮ ንኽሕዘን ብ30 ሚእታዊት ዝዛይድ ኣጋጣሚ ከም ዘለወን ዘርኢ መጽናዕቲ ሓቲማ ብምውጻእ እታ ናይ ኣመሪካ ማሕበር ሕክምና ኣብ ሰነ 1994 ነዚ መደምደምታ እዚ ኣረጋገጸቶ።
ንናይ ሽጋራ ትኪ እተቓላዕካ ምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 150,000 ክሳዕ 300,000 ንዝዀኑ ንኣሽቱ ቘልዑ ብሮንካይትን ኒሞንያን ከም ዝሕዞም ይገብር። ናይ ሽጋራ ትኪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 200,000 ክሳዕ 1,000,000 ዝዀኑ ቈልዑ ሕማም ኣዝማ ከም ዘጥቅዖም ይገብር።
ናይ ኣመሪካ ማሕበር ሕማም ልቢ ከም ዝግምቶ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ትምባኾ ዝመጽእ ሕማም ልብን ሕማም መትንታት ደምን ኣብ ዓመት 40,000 ዝዀኑ ሰባት ይሞቱ።