ተጣበቕቲ ትምባኾ ዓጀውጀው ዝመልአ ባላንቺናታት ይሰዱ
ኣብ 1940ታት ከተማ ለንደን ተኸቢባ ነበረት። ናይ ጀርመን ነፈርቲ ውግእን ፓይለት ዘይብለን ቦምባታት ዝመልኣ ንኣሽቱ ነፈርትን ብብዝሒ ደብደባ እሞ ራዕድን ጥፍኣትን ኣስዓበ። እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሓደገኛ እንተ ዘይነብር ግን እቶም ተቐማጦ ብሓደ ፍልይ ዝበለ ትርኢት ባህ ምበሎም ነይሩ።
ብኣሽሓት ዝቝጸር ዓበይቲ ባላንቺናታት ብነዊሕ ኣግማድ ተኣሲሩ ኣብ ሰማይ ይዝምቢ ነበረ። ዕላምኡ ኸኣ እተን ነፈርቲ ትሕት ኢለን ንኸይድብድባ ንምክልኻልን ንገለ ካብቲ ዝውንጨፍ ቦምባታት ከኣ ገና ኣብ ሰማይ ከሎ ንምፍሻል ተስፋ ብምግባርን ኢዩ። እቲ ናይ ባላንቺና መጋረዲ ብብልሓት እተገብረ እኳ እንተ ነበረ ብዙሕ ኣሳልጦ ኣይነበሮን።
ኩባንያታት ሽጋራ እውን ብተመሳሳሊ ተኸቢበን ኢየን ዘለዋ። እዘን ኣዝየን ኣስፋሕፊሐን ዘለዋ ሓደ ግዜ ክስዓር ዘይክእል ዕርዲ ናይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓይሊ ዝነበረን ናይ ትምባኾ ሃጸያት ሕጂ ብዅሉ ኵርንዓት መጥቃዕቲ ይወርደን ኣሎ።
ማሕበረሰብ ሕክምና ነዘን ኩባንያታት እዚኣተን ገበነኛታት ክገብረን ዝኽእል መጽናዕትታት ዝሓዘ ብዙሕ ጽሑፋት የውጽእ ኣሎ። ወፈራ ዘካይዱ ሰብ መዚ ጥዕና ኸኣ ነቲ ኵነታት ንዕኦም ብዝጥዕም መገዲ ይጥቀሙሉ። እተቘጥዑ ወለዲ ኸኣ ደቆም ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ይዛረቡ። ቈራጻት ዝዀኑ ሓገግቲ ኸኣ ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ህንጻታት ኣብያተ-ጽሕፈት: ኣብ ቤት መግቢ: ኣብ ወተሃደራዊ ቦታታት: ከምኡውን ኣብ ነፈርቲ ከም ዝኽልከል ገይሮም ኢዮም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ትምባኾ ሬክላም ካብ ተለቪዥንን ረድዮን ተኸልኪሉ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዋ ግዝኣታት ብሙሉአን ንኽንክን ጥዕና ዝውዕል ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላር ክኸፍላ ነተን ኩባንያታት ትምባኾ ይኸስአን ኣለዋ። ጠበቓታት እውን ኣብቲ ቃልሲ ይሓብሩ ኣለዉ።
ስለዚ: ነቶም ዘጥቅዕወን ዘለዉ ንምቅዋም: እተን ኩባንያታት ትምባኾ ንምክልኻል ዝዀነን ናይ ገዛእ ርእሰን ምሳልያዊ ባላንቺናታት ይሰዳ ኣለዋ። ይኹን እምበር እዚ ባላንቺናታት እዚ ዓጀውጀው ዝመልአ ኢዩ ዝመስል።
ዝሓለፈ ዓመት እተቘጥዑ ሓገግትን ናይ መንግስቲ ሰብ መዚ ጥዕናን ኣንጻር ኢንዱስትሪ ትምባኾ ብርቱዕ ተቓውሞ ከዳልዉ ኸለዉ: ህዝቢ ኣመሪካ ብቐረባ ክዕዘብ ክኢሉ ኢዩ። ኣብ ሚያዝያ 1994 ኣብ ቅድሚ ሓጋጊ ኣካል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ መሰማዕታ: ንሸውዓተ ዓበይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኩባንያታት ትምባኾ ዘወንጅል ጸብጻብ ናይቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝሞቱ 400,000 ከምኡውን ናይቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዝሓሙን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበጽሑን ዝውለፉን ዘለዉ ኣመሪካውያን ቀረበ።
ገዛእ ርእሰን ንምክልኻል እንታይ በላ፧ እዘን ተቓውሞ ዝበጽሐን ዝነበረ ፈጸምቲ ኣካል ኩባንያታት ትምባኾ ንመከላኸሊ ኢለን ዘገርም ሓሳባት ኣቕረባ። ሓደ ኣፈኛ ትካል ትምባኾ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ምትካኽ ሽጋራ . . . ሕማም ኣብ ምጥራይ ጠንቂ ናይ ምዃን ግደ ከም ዘለዎ ገና ዘይተረጋገጸ ነገር ኢዩ።” ብተወሳኺ: እቲ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ልምዲ ልክዕ ከምቲ ምቁር ነገር ምብላዕ ወይ ቡን ምስታይ ዝኣመሰለ ካልእ ባህ ዘብል ንጥፈታት ዘይጓዳእ ከም ዝዀነ ተገልጸ። ሓደ ላዕለዋይ ኣካያዲ ኩባንያ ትምባኾ ከምዚ በለ:- “ሽጋራ: ኒኮቲን ዘለዎ ምዃኑ ጥራይ ሓሽሽ ወይ ወልፊ ዘትሕዝ ነገር ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ።” ሓደ ናይ ኩባንያ ትምባኾ ሊቅ “እቲ ኣብ ሽጋራ ዘሎ ኒኮቲን ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ወልፊ የትሕዝ ኢዩ ዝብል መበገሲ ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኰነን” በለ።
እቶም ኮሚቴ ኸኣ ‘ሽጋራ ወልፊ ዘየትሕዝ እንተድኣ ዀይኑ: ኩባንያታት ትምባኾ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍርያተን ዘሎ ናይ ኒኮቲን ዓቐን ክቈጻጸርኦ ዝፍትና ስለምንታይ ኢየን፧’ ብምባል ተቓወሙ። ካልእ ኣካያዲ ኩባንያ ትምባኾ ድማ “ጣዕሚ ንምውሳኽ ኢዩ” ኢሉ ገለጸ። ካብቲ ጣዕሚ ዘይብሉ ሽጋራ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ፧ ካብ መዝገብ ኩባንያኡ: ኒኮቲን ወልፊ ዘትሕዝ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኩምራ ናይ ምርምር ወረቓቕቲ ምስ ኣርኣይዎ እውን ኣብ ሓሳቡ ጸንዐ።
እዚ ሰብኣይ እዝን ከምኡ ዝበሉ ካልኦት ሰባትን መቓብራት ብናይ ትምባኾ ግዳያት እንተ መልአ እውን ኣብዚ ሓሳባት እዚ ዝጸንዑ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብ መጀመርታ 1993 ዶክተር ላኒ ብሪስቶ: ኣቦ መንበር ናይ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲየሽን ቦርድ ኦቭ ትራስቲስ ዘገርም መርትዖ ኣውጽአ። ዘ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን መዲካል ኣሶሲየሽን ከምዚ ብምባል ጸብጻብ የቕርብ:- “ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይተን ዓበይቲ ናይ ኣመሪካ ኩባንያታት ትምባኾ: ንሓደ ካብቲ ሳዕቤን ምትካኽ ሽጋራ ዝዀነ ናይ ሳምቡእ ካንሰር ሕማም ዘለዎምን ካልኦት ናይ ሳምቡእ ሕማማት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ናይ ሆስፒታል መደቀሲታት ብምብጻሕ ንኽርእዩ ምስኡ ክኸዱ ዓደሞም። ነቲ ዕድመ እተቐበሎ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።”
ኣብዚ ስራሕ ኣልቦነት እናበዝሐ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም: ኢንዱስትሪታት ትምባኾ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፍታ ይጃሃራ። ንኣብነት: ኣብ ኣርጀንቲና እዚ ኢንዱስትሪ እዚ ንሓደ ሚልዮን ሰባት ስራሕ ከፊቱ: ብተዘዋዋሪ ምስኡ እተተሓሓዘ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝኸውን ተወሳኺ ስራሕ እውን ኣሎ። እቲ ኩባንያታት ትምባኾ ዝኸፍልኦ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ናይ ግብሪ እቶት ስምረት ብዙሓት መንግስታት ከም ዝረኽባ ገይርወን ኢዩ።
ሓንቲ ኩባንያ ትምባኾ ንዉሑዳት ጕጅለ ብልግሲ ውህበት ሃበት: እዚ ኸኣ ኣብ ህዝቢ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ንምግላጽ እተገብረ ኣምስሉ መርኣዪ ኢዩ። ውሽጣዊ ሰነድ ናይታ ኩባንያ ከም ዝሕብሮ ግን ናይ ሓቂ ዕላማ ናይዚ “ንምዕባለ ህዝቢ ዝወጸ ባጀት”—ደገፍ ናይ ብዙሓት ዘድምጹ ሰባት ንምርካብ ኢዩ ተገይሩ።
እዛ ኩባንያ ትምባኾ እዚኣ ንቤተ-መዘክራት: ኣብያተ- ትምህርቲ: ናይ ሳዕስዒት ኣብያተ-ትምህርቲ: ከምኡውን ንናይ ሙዚቃ ትካላት ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ብምውጽኣ እውን ኣብ ስነ-ጥበብ ኣዕሩኽ ኣጥርያ ኢያ። ሰራሕተኛታት ማሕበራት ስነ-ጥበብ ከኣ ነቲ ኣጸቢቑ ዘድልዮም ናይ ትምባኾ ገንዘብ ንምቕባል ቅሩባት ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: እዛ ኩባንያ እዚኣ: ነቲ ጸረ ምትካኽ ሽጋራ ክወጽእ እተሓስበ ሕጊ ንምልዋጡ ጽልዋ ንኸተሕድር ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ንኣባላት ማሕበር ስነ-ጥበብ ከተማ ኒው ዮርክ ክድግፍዋ ምስ ሓተተቶም ዘጨንቕ መዋጥር ኣጋጠሞም።
ርግጽ ኢዩ: እዞም ሃብታማት ናይ ትምባኾ ጎብለላት: ነቶም ዝዀነ ይኹን ንናይ ትምባኾ ጥቕሚ ዘስግእ ሓሳባት ንምልዋጥ ጽልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ፖለቲካውያን ገንዘብ ካብ ምሃብ ድሕር ኣይብሉን ኢዮም። ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንረብሓ ኩባንያታት ትምባኾ ኢዮም ዝሕለቑ። ገሊኦም ምስቲ ኢንዱስትሪታት ፋይናንስያዊ ምትእስሳር ኣለዎም ወይ ነቲ ኩባንያታት ትምባኾ ንጐስጓስ ምርጫ ብምድጋፍ ዝለገሳሎም ገንዘብ ንምኽሓስ ይደፋፍኡ።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ሓደ ኣባል ኮንግረስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልዕሊ 21,000 ዶላር ኣመሪካ ተቐበለ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንሓያሎ ናይ ጸረ ትምባኾ ክርክራት ብምቅዋም ድምጺ ሃበ።
ቅድሚ ሕጂ ጽቡቕ ዝኽፈል ናይ ትምባኾ ጕዳያት ዘካይድ ዝነበረ: ሓደ ግዜ እውን ናይ ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካ ሰነይተር ዝነበረ ብዙሕ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብኣይ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ጐረሮ: ሳምቡእ ከምኡውን ናይ ጸላም ከብዲ መንሽሮ ከም ዘለዎ ፈለጠ። ሕጂ “ባዕልኻ ብዘምጻእካዮ ነገር ብሕማም ተታሒዝካ ክትድቅስ” ንሓደ ሰብ ዓሻ ኢዩ ዝገብሮ ብምባል ይጥዓስን ይሓዝንን።
በቲ ኣብ ሰባት ጽልዋ ንምሕዳር ኣብ ሬክላም ዘውጽእዎ ብዙሕ ገንዘብ እዘን ትካላት ትምባኾ ነቲ ዘጋጥመን ተቓውሞ ኣበርቲዐን ኢየን ዝከላኸላኦ ዘለዋ። ሓደ ሬክላም “ሎሚ ንሽጋራ። ጽባሕከ፧” ዝብል መጠንቀቕታ ብምሃብ ነቲ ናይ ናጽነት ባህጊ የለዓዕል። እዚ ኸኣ ብምኽንያት እቲ ኣኽራሪ ዝዀነ ክልክላት ካፈይን: ኣልኮል: ከምኡውን ሃምበርገር ተመሳሳሊ ነገር ከጋጥሞም ኢዩ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።
ናይ ጋዜጣ ረክላማት ነቲ ብኻልእ ሰብ ዝተኸኸ ናይ ሽጋራ ትኪ: ጠንቂ መንሽሮ ኢዩ ዝብል ብሰፊሑ ዝጥቀስ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትካል ምክልኻል ኣከባቢ እተገብረ መጽናዕቲ ዋጋ ዘይብሉ ክገብሩ ጽዒሮም ኢዮም። ኢንዱስትሪ ትምባኾ: ሕጋዊ ቃልሲ ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍለጠ። ሓደ መደብ ተሌቪዥን ወልፊ ንምትብባዕ ነቲ ናይ ኒኮቲን ዓቐን ከም ድላያ ገይራ ስለ እተቘጻጸረቶ ንሓንቲ ኩባንያ ከሰሰታ። እታ ነዚ ትርኢት እዚ ዘመሓላለፈት መደበር ተለቪዥን: ብኡንብኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብ10 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ተኸሰት።
ኩባንያታት ትምባኾ ኣበርቲዐን ኢየን ዝቃለሳ ዘለዋ: እቲ ኣየር ግን መመሊሱ ብኽሲ እናጸዓቐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመታት ትምባኾ ዘለዎ ሓደጋ ዝገልጽ እናወሰኸ ዝኸይድ መርትዖታት ዘርኢ ገለ 50,000 ዝኸውን መጽናዕትታት ተገይሩ ኢዩ።
እተን ኩባንያታት ሽጋራ ካብቲ ዝወረደን ክሲ ከምልጣ ዝፈተና ብኸመይ ኢየን፧ ብድርቅና: ሽጋራ ዘትክኹ ክገድፍዎ ይኽእሉ ኢዮም ኣብ ዝብል ሓሳብ ጸንዓ። ስለዚ ኸኣ ኒኮቲን ወልፊ ዘትሕዝ ኣይኰነን ኢየን ዝብላ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ግን ካልእ ኢዩ ዘመልክት። ሓቂ ኢዩ 40 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሽጋራ ምትካኽ ደው ኣቢሎም ኢዮም። እንተዀነ ግን 50 ሚልዮን ዝዀኑ ገና ሽጋራ የትክኹ ኣለዉ: ካብዚኣቶም 70 ሚእታዊት ድማ ክገድፍዎ ከም ዝደልዩ ይዛረቡ። ካብቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክገድፍዎ ዝፍትኑ 17 ሚልዮን ሰባት እቶም 90 ሚእታዊት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ይስነፉ።
ካብቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኣመሪካውያን ነቲ ምስ ናይ ሳምቡእ መንሽሮ እተታሓሓዘ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሮም ዳርጋ 50 ሚእታዊት ዝዀኑ ናብ ኣመሎም ይምለሱ። ካብቶም ሕማም ልቢ ሒዝዎም ዝነበረ ሰባት 38 ሚእታዊት ካብ ሆስፒታል ቅድሚ ምውጽኦም እውን ከይተረፈ ሽጋራ ምትካኽ ይጅምሩ። ካብቶም ናይ ጐረሮ መንሽሮ መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት 40 ሚእታዊት እንደገና ሽጋራ ከትክኹ ይፍትኑ።
ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሽጋራ ዘትክኹ ኰተቴ: ሰለስተ ርብዒ ክገድፍዎ ፈቲኖም ግናኸ ከም ዘይከኣሉ ይዛረቡ። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኸኣ ንብዙሓት መንእሰያት ምትካኽ ትምባኾ ናብቲ ዝበርትዐ ሓሽሽ ንኽቕጽሉ መሰጋገሪ ኢዩ። ሽጋራ ዘትክኹ መንእሰያት ካብቶም ሽጋራ ዘየትክኹ ኮከይን ንኽወስዱ ካብ 50 ግዜ ንላዕሊ ዝኸውን ኣጋጣሚ ኣለዎም። ሓንቲ ጓል 13 ዓመት ሽጋራ እተትክኽ ምስዚ ትሰማማዕ ኢያ። ከምዚ ኢላ ድማ ጸሓፈት:- “ሽጋራ ናብ ዝበርትዐ ሓሽሽ ዝመርሕ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮይ ዋላ ሓንቲ ጥርጥር የብለይን። ብዘይካ ሰለስተ ሰባት ኵሎም እቶም ዝፈልጦም ሰባት ቅድሚ ሓሽሽ ምውሳዶም ሽጋራ የትክኹ ነይሮም ኢዮም።”
እቲ ሒደት ታር ዘለዎ ድኹም ዝሓይሉ ሽጋራታትከ፧ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ: እዚ ሽጋራ እዚ ብኽልተ ምኽንያታት ዝያዳ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ምኽንያት እቲ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ነቲ ኣካላቱ ዝብህጎ ኒኮቲን ምእንቲ ኽረክብ ኣዕሚቑ ክስሕብ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝያዳ ናይ ሳምቡእ ዋህዮታት ነቲ መርዛም ሳዕቤን ናይቲ ትኪ ከም ዝቃልዑ ይገብር፣ ካልኣይ ምኽንያት እቲ “ዘይጓዳእ” ሽጋራ የትክኽ ከም ዘሎ ዝሕብር ግጉይ ምርዳእ: ምትካኽ ሽጋራ ንኽገድፎ ከም ዘይጽዕር ክገብሮ ይኽእል።
ብዛዕባ ኒኮቲን ጥራይ ልዕሊ 2,000 መጽናዕትታት ተገይሩ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኒኮቲን ሓደ ካብቲ ሰብ ፈሊጥዎ ዘሎ ኣዝዩ ወልፊ ዘትሕዝ ቀመማትን ካብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ነገራትን ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። ኒኮቲን ትርግታ ልቢ ዝውስኽን ሰራውር ደም ዝጭብጥን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ካልኢታት ኣብ ደም ይኣቱ—ካብቲ ብቐጥታ ኣብ መትኒ ዝውጋእ መድሃኒት እውን ይቕልጥፍ። ንሓንጐል ዝያዳ ከም ዝደሊ ይገብሮ: እዚ ሃረርታ እዚ ኸኣ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ካብ ሄሮይን ብዕጽፊ ወልፊ ናይ ምትሓዝ ክእለት ኣለዎ።
ኩባንያታት ትምባኾ ይኽሕዳ እኳ እንተ ሃለዋ: ብዛዕባ እቲ ኒኮቲን ዘለዎ ናይ ምውላፍ ባህሪ ይርድእኦዶ ኢየን፧ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ: ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዘን ይፈልጣ ነይረን ኢየን። ንኣብነት ብ1983 ዝቐረበ ጸብጻብ: ናይ ሓደ ኩባንያ ትምባኾ ተመራማሪ: ናይ ላባራቶሪ ኣናጹ ርኡይ ናይ ወልፊ ምልክታት ከም ዘርኣያ እሞ ዝያዳ ዓቐን ኒኮቲን ንኽረኽባ ባዕለን ንሓንቲ መሳርሒት ከም ዝደፍኣኣ ኣስተብሃለ። ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኸኣ እቲ መጽናዕቲ: በታ ኢንዱስትሪ ትምባኾ ብኡንብኡ ተሸፋፈነ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጥራይ ከኣ ኢዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እተን ጎብለላት ኩባንያታት ትምባኾ ካብ ኵሉ ዅርናዓት መጥቃዕቲ ክወርደን ከሎ ዋላ ሓንቲ ከይገበራ ስቕ ኢለን ኣይተጸበያን። እቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ምርምር ትምባኾ ነቲ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል “ኣብ ታሪኽ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ዝነውሐ: ጌጋ ሓበሬታ ናይ ምቅላዕ ወፍሪ” ኢሉ ዝጸውዖ ምንቅስቓስ የካይዶ።
እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ናጻ ዝዀነ ምርምር ምግባር ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ ነቶም ተቓወምቲ ንምቅላስ ብሚልዮናት ዶላር ዝቝጸር ገንዘብ ኣጥፍአ። እዚ ኸኣ እቲ ኣብ መሞርያል ስሎኣን ኬቴሪንግ ዝብሃል ናይ መንሽሮ ማእከል ዝሰርሕ ዶክተር አርነስት ዋይንደር እተን ብናይ ትምባኾ ታር ሕቝአን እተለኽያ ኣናጹ ጥረ ከም ዘውጽኣለን ምስ ረኸበ ብ1953 ኢዩ ተጀሚሩ። እታ ኢንዱስትሪ ነቲ ኣንጻር እቲ እተፍርዮ ነገራት ዝወጽእ ግልጺ ዝዀነ መርትዖ ንምምካን ንዕኣ ዝድግፍ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ንምቕራብ ነዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኣቘመት።
እንተዀነ ግን እቶም ናይቲ ቤት ምኽሪ ሊቃውንቲ ኣንጻር እቲ ካልኦት መርመርቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት ብኸመይ ክረኽቡ ይኽእሉ፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተዘርግሐ ሰነዳት ብኽእለት እተኣልመ ውዲታዊ መርበብ ከም ዘሎ የቃልዕ። ብዙሓት ናይቲ ቤት ምኽሪ ተመራመርቲ: በቲ ብጽሑፍ ዝገበርዎ ውዕልን ተኲሮም ብዝከታተልዎም ጠበቓታትን ተቐይዶም ከለዉ እውን: እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ናይ ጥዕና ፍርሒ ኣብ ጽኑዕ መሰረት እተመርኰሰ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ከምቲ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝበሎ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ክዉን ነገር ከጋጥሞ ኸሎ “ሓድሓደ ግዜ ነቲ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሓደጋ ከም ዘውርድ ዘርኢ ባዕሉ ዝገበሮ መጽናዕትታት ይነጽጎ ወይ እውን የቋርጾ።”
እቲ ዘይጓዳእ ሽጋራ ንምርካብ ዝግበር ምርምር ብምስጢር ካብ ዝጅምር ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ነዚ ምርምር እዚ ብቓልዕ ምግባሩ: ምትካኽ ሽጋራ ብሓቂ ናይ ጥዕና ሓደጋ ከም ዘስዕብ ብዘይ ዘረባ ምእማን ምዀነ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1970ታት ሓደ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ጠበቓ ኩባንያ ትምባኾ: እቲ “ዘይጓዳእ” ሽጋራ ንምፍራይ ዝግበር ጻዕሪ ጥቕሚ ስለ ዘይብሉ እንተ ዝጥንጠን እሞ ኵሉ እቲ ምስ እዚ እተኣሳሰረ ሰነዳት ከኣ ተጠርኒፉ እንተ ዝቕመጥ ዝሓሸ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕረበ።
ኣብዚ ንዓመታት እተገብረ ፈተነታት ክልተ ነገራት ክረጋገጽ ክኢሉ ኢዩ: እዚ ኸኣ ኒኮቲን ወልፊ ዘትሕዝ ምዃኑን ሽጋራ ምትካኽ ድማ ከም ዝቐትልን። ኩባንያታት ትምባኾ ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝኽሕድኦ እኳ እንተዀና: በቲ ተግባራተን ግን ኣጸቢቐን ከም ዝፈልጥኦ የርእያ።
ነቲ ውራየይ ኢልካ ዝግበር ምውሳኽ ናይ ኒኮቲን ብምኽሳስ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን (ኤፍ.ዲ.አይ.) ኮሚሽነር ዝዀነ ዳቪድ ከስለር ከምዚ ይብል:- “ገለ ካብቲ ሎሚ ዘሎ ሽጋራታት ወልፊ ከትሕዝን ነቲ ወልፊ እቲ ከም ዝቕጽል ንምግባርን ዘኽእል . . . ብልክዕ እተጸብጸበ መጠን ናይ ኒኮቲን ዘመሓላልፍ ዝለዓለ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ከም ዝዀነ ገይርካ ክቝጸር ይከኣል ኢዩ።”
ኩባንያታት ትምባኾ ነቲ ዝደልያኦ ዕላማ ንምፍጻም ዝገበርኦ ብዙሕ ምህዞታት ከም ዘለወን ካስለር ገለጸ። ሓደ ካብዚ ምህዞታት እዚ ንዓይነት ትምባኾ ኣብቲ ዘርኡ ለውጢ ብምግባር ብዙሕ ትሕዝቶ ኒኮቲን ከም ዝህልዎ ምግባሮም ኢዩ። ካልእ እተጠቕሙሉ መስርሕ ከኣ ነቲ ናይ ሽጋራ ፊልተርን ወረቐትን ተወሳኺ ኒኮቲን ገይሮም የቃምምዎ። ገና ካልእ መስርሕ ከኣ እቲ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ካብ ኣብ መወዳእታ ኣብታ መጀመርታ ዝስሕባ ዝያዳ ኒኮቲን ከም ዝህሉ ምግባር ኢዩ። ብተወሳኺ እቲ ሽጋራ ካብቲ ትምባኾ ዝያዳ ኒኮቲን ምእንቲ ከውጽእ ኣሞንያ ከም ዝውስኹሉ ዘርኢ ሰነዳት ኣሎ። ሓደ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ጸብጻብ ከም ዝብሎ “ዳርጋ ዕጽፊ ናይቲ ኵሉ ግዜ ብልምዲ ንውሽጢ ዝሰሓብ ኒኮቲን ኣብ ሰራውር ደም ናይቲ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ይኣቱ።” ኤፍ.ዲ.አይ. ኒኮቲን ወልፊ ዘትሕዝ ሓሽሽ ምዃኑን ንሽጋራ ኣጸቢቑ ክቈጻጸር መደብ ከም ዘሎን ገለጸ።
መንግስታት እውን ፍልይ ብዝበለ መገዲ ካብ ሽጋራ ይጥቀማ ኢየን። ንኣብነት: መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ናይ ትምባኾ ፍርያት ካብ ዞባውን ፈደራላውን ምምሕዳራት ዝእክቦ ግብሪ ኣብ ዓመት 12 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ተክኖሎጂ ቀረጽ ዝስልዕ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ብምኽንያት ሽጋራ ምትካኽ ዝጠፍእ ኣፍራዪ ሓይልን ንኽንክን ጥዕናን ዝወጽእ ገንዘብ: መንግስቲ ናይ 68 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ክሳራ ከም ዘጋጥሞ ጸብጺቡ ኣሎ።
ብሓቂ ኢንዱስትሪ ትምባኾ ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ኢሉ ትምባኾ ቍጠባዊ ዓስቢ ኣለዎ: ብዙሕ ስራሕ ድማ ይኸፍት ኢዩ ብምባል: ናይ ስነ-ጥበብ ደገፍ ብምርካብ: ናይ ጥዕና ሓደጋታት ከም ዘሎ ብትሪ ኣሉ ብምባልን ብኻልእ መገድታትን ፍልይ ዝበለ ትርኢት ዘለዎ ባላንቺናታት ሰዲዱ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ለንደን እተገብረ ናይ ባላንቺናታት መጋረዲ ዝያዳ ኣስላጢ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገና ብሕጂ ክርአ ዘለዎ ነገር ኢዩ።
እንተዀነ ግን እተን ዓበይቲ ኩባንያታት ነቲ ናይ ሓቂ ባህሪአን ድሕሪ ደጊም ክሓብእኦ ኣይክእላን ኢየን። ሚልዮናት ዶላራት ንምኽሳብ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲለን ኢየን: እንተዀነ ግን እቲ ናይ መወዳእታ ሳዕቤን ዘስካሕክሕ ክሳራ ናይ ሰብኣዊ ህይወት ምዃኑ እተሰምዐን ኣይመስልን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ዓጀውጀው ዘረባ ዝመልአ ይመስል
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ብደረጃ መንግስቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ናይ ሽጋራ ትኪ ሕማም መንሽሮ ከምጽእ ከም ዝኽእል የርኢ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኒኮቲን ሓደ ካብቲ ብርቱዕ ወልፊ ዘትሕዝ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ሚልዮናት ከሲበን፣ ሚልዮናት ቀቲለን
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
እተገብረ 50,000 መጽናዕትታት እንታይ ረኸበ፧
ሒደት መርኣዪ ናይቲ መርመርቲ ምስ ምውሳድ ትምባኾ ተታሓሒዙ ዝመጽእ ዝበልዎ ናይ ጥዕና ሽግራት ካብዚ ቐጺሉ እንሆ:-
ናይ ሳምቡእ መንሽሮ:- ካብቶም ብምኽንያት ናይ ሳምቡእ መንሽሮ ዝሞቱ ሰባት 87 ሚእታዊት እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ኢዮም።
ሕማም ልቢ:- ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ሕማም ልቢ ንኽሕዞም ብ70 ሚእታዊት ዝያዳ ሓደጋ ኣለዎም።
ናይ ጡብ መንሽሮ:- እተን ኣብ መዓልቲ 40 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሽጋራ ዘትክኻ ኣንስቲ ብምኽንያት ናይ ጡብ መንሽሮ ንኽሞታ ብ74 ሚእታዊት ዝያዳ ዕድል ኣለወን።
ናይ ምስማዕ ጸገም:- እቶም ካብ ሽጋራ ዘትክኻ ኣንስቲ እተወልዱ ቈልዑ ንምስማዕ ዝያዳ ሽግር ኣለዎም።
ናይ ሕማም ሽኮር ሓደጋ:- እቶም ሽጋራ ዘትክኹን ትምባኾ ዝጥቀሙን ሰባት ናይ ኩሊት ጸገም ንኸጋጥሞም ዝያዳ ሓደጋ ኣለዎም ከምኡውን ብቕልጡፍ ዝምዕብል ረቲኖፓዚ (ኣብ ናይ ዓይኒ ረቲና ዘጋጥም ጸገም) ኣለዎም።
ናይ መዓናጡ መንሽሮ:- ንልዕሊ 150,000 ሰባት ዘጠቓልል እተገብረ ክልተ መጽናዕቲ: ሽጋራ ምትካኽን ናይ መዓናጡ መንሽሮን ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ምዃኑ የርኢ።
ኣዝማ:- ካልእ ሰብ ዘትክኾ ሽጋራ ንመንእሰያት ኣዝማ የጋድደሎም።
ናይ ሽጋራ ምትካኽ ድሌት:- ካብተን ኣብ ግዜ ጥንሰን ሽጋራ ዘትክኻ ኣዴታት ዝውለዳ ኣዋልድ ሽጋራ ንኸትክካ ዘለወን ድሌት ኣርባዕተ ዕጽፊ ኢዩ።
ናይ ደም መንሽሮ:- ምትካኽ ሽጋራ ሚሎይድ ሊኮምያ እተባህለ ናይ ደም መንሽሮ የምጽእ።
ኣብ ምውስዋስ ኣካላት ዘጋጥም ጕድኣት:- ብመሰረት እቲ ኣብ ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ: እቶም ምውስዋስ ኣካላት እናገበሩ ዝያዳ ሓደጋ ዘጋጥሞም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ኢዮም።
ናይ ምዝካር ክእለት:- ብዝሒ ኒኮቲን ንሓደ ሰብ እተሓላለኸ ዕዮ ኽዓዪ ኸሎ ንናይ ኣእምሮ ቅልጣፈኡ የድክሞ።
ጭንቀት:- ሓካይም ኣእምሮ ነቲ ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን ከቢድ ጭንቀትን ከምኡውን ስኪዞፍረኒያ ዘሎ ርክብ መርትዖ ንኽረኽብሉ ይምርምሩ ኢዮም ዘለዉ።
ርእሰ-ቕትለት:- ኣብ ኣለይቲ ሕሙማት እተገብረ መጽናዕቲ: ርእሰ-ቕትለት ኣብ መንጎ እቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኣለይቲ ሕሙማት ዕጽፊ ምዃኑ የርኢ።
ነቲ ዝርዝር ዝውሰኾ ካልእ ሓደጋታት:- ከም እኒ ኣብ ኣፍ: ሳጹን ድምጺ: ጐረሮ: ሻሕለለ: ላልሽ: ስቶሞኮ: መዓንጣ: ፍሕኛ: ኩሊትን ክሳድ ማህጸንን ዝወጽእ መንሽሮ፣ ወቕዒ: ሕማም ልቢ: ሕዱር ናይ ሳምቡእ ሕማም: ናይ ደም ዑደት ሕማም: ነድሪ ኸስዐ: ሕማም ሽኮር: ምምካን: ትሑት ዝሚዛኑ ሕጻን ምውላድ: ምዳካም ኣዕጽምቲ: ከምኡውን ረኽሲ እዝኒ። ናይ ሓዊ ምንዳድ ሓደጋ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ: ከመይሲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ገዛ: ናይ ሆቴል: ከምኡውን ናይ ሆስፒታል ምብራዕ: ሽጋራ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ትኪ ዘይብሉ ትምባኾ— ሓደገኛ መተካእታ
እቲ በዓል 1.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካን ኣዝዩ ዕዉትን ናይ ድኹም ትምባኾ ኢንዱስትሪ: ነቶም ሓደስቲ ጀመርቲ ጥዑም መቐረት እተወሰኾ ትምባኾ ብምድላው የታልሎም ኣሎ። እዚ ኢንዱስትሪ እዚ ፍሉጣት ዝዀኑ ጥዑም መቐረት እተወሰኾም ዓይነታት ትምባኾ ኣለዎ። እቲ በዚ ዝፍጠር “ሒደት ናይ ትምባኾ ስኻር” ንነዊሕ ግዜ ዘይቅጽል ዕግበት የምጽኣሎም ኢዩ። ሓደ ቅድም ኣብዛ ኩባንያ ትምባኾ እዚኣ ምክትል ኣቦ መንበር ዝነበረ “ብዙሓት ሰባት በቲ ዝያዳ መማቕርቲ እተሓወሶ ፍርያት ይጅምሩ ይዀኑ: ኣብ መወዳእትኡ ግን ናብቲ [ብርቱዕ ዓይነት] ይቕጽሉ” ይብል። “ብርቱዕ ትምባኾ ንብርቱዓት ሰብኡት” ከምኡውን “የዕግብ ኢዩ” ዝብል ረክላም ተገይሩሉ ኢዩ።
እቲ ብዛዕባ እዛ ኩባንያ እዚኣ እትጥቀመሉ ስትራተጂ ጸብጻብ ዘቕረበ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል እታ ኩባንያ “ናይ ኒኮቲን ዓቐን ከም ዝሰማምዓ ገይራ ከም ትለዋውጦ” ምኽሓዳ ይጠቅስ። እዚ ጆርናል እዚ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ኩባንያ ዝነበሩ ክልተ ናይ ትምባኾ ቀመምቲ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ክዛረቡ ከለዉ ዝበልዎ ክጠቅስ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እታ ኩባንያ እቲ ናይ ኒኮቲን ዓቐን ዘይትቈጻጸሮ እኳ እንተ ዀነት: ነቲ ተጠቀምቲ ክስሕብዎ ዝኽእሉ ዓቐን ኒኮቲን ግን ትቈጻጸሮ ኢያ።” እታ ኩባንያ ኣብቲ ድኹም ትምባኾ ዘሎ ኣልካሊ ክብ ንምባል ቀመማት ትውስኽ ኢያ እውን ይብሉ። እቲ ድኹም ትምባኾ ዝያዳ ኣልካሊ ዝሓዘ እንተ ዀይኑ: “ዝያዳ ኒኮቲን ኢዩ ዘውጽእ።” እቲ ጆርናል ብዛዕባ ምስፋፍን ምሕያኽን ድኹም ትምባኾ እዚ መብርሂ እዚ ይውስኽ:- “እቲ ሓድሓደ ግዜ ምስ ምሕያኽ ትምባኾ ዝደናገር ምስፋፍ ትምባኾ: እቶም ተጠቀምቲ ዝሰፍዎ ግን ዘይሕይኽዎ እተደቝሰ ትምባኾ ኢዩ። እቲ ተጠቃሚ ቍንጥር ኣቢሉ ኣብ መንጎ ምዕጕርቱን ግርጻኑን የቐምጦ እሞ ብመልሓሱ ይገላብጦ ጸጸኒሑ ድማ ጡፍ ይብል።”
ንጀመርቲ እተዳለወ መማቕርቲ እተሓወሶ ዓይነት ድኹም ትምባኾ ካብ 7 ክሳዕ 22 ሚእታዊት ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ ኒኮቲን ጥራይ ኢዩ ኣብ ሰራውር ደም ከም ዝኣቱ ዝገብር። እቲ ብርቱዕ ዓይነት ንሓደስቲ ተጠቀምቲ ክስርንቖም ይኽእል ኢዩ። ነቶም “ናይ ሓቂ” ሰብኡት ዝኸውን ድቝስ ትምባኾ ኢዩ። 79 ሚእታዊት ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ ኒኮቲን “ናጻ:” ብኡንብኡ ኣብ ሰራውር ደም ንኽኣቱ ድማ እተዳለወ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ ተጠቀምቲ ነዚ ድኹም ትምባኾ ክሰፉ ዝጅምሩ ብገምጋም ካብ ደቂ ትሽዓተ ዓመት ጀሚሮም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ንደቂ ትሽዓተ ዓመት ናብቲ ዝበርትዐ ዓይነት ንኸይቅጽሉን ምስቶም “ናይ ሓቂ” ሰብኡት ንኸይሓብሩን እንታይ ክኽልክሎም ይኽእል፧
እቲ ካብዚ ዝርከብ ዓቐን ኒኮቲን ብርግጽ ካብቲ ካብ ሽጋራ ዝርከብ ዝያዳ ዝሓየለ ኢዩ። ነቶም ተጠቀምቲ ናይ ኣፍ መንሽሮ ንኽሕዞም ብ4 ዕጽፊ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣሎ: ናይ ጐረሮ መንሽሮ ንኽሕዞም ከኣ ካብቶም ዘይጥቀሙ ብ50 ግዜ እተዓጻጸፈ ኢዩ።
ኣዲኡ ንሓደ ብናይ ኣፍ መንሽሮ ዝሞተ ቀደም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኰዀብ ተቐዳዳማይ ዝነበረ መንእሰይ: ንሓንቲ ናይ ትምባኾ ኩባንያ ምስ ከሰሰታ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ንግዚኡ በርቲዑ ነበረ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣብ ናይ ውድድር ቦታ ብናጻ ሓንቲ ታኒካ ትምባኾ ተዋህቦ እሞ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ታኒካ ዝውድእ ናይ ትምባኾ ተጠቃሚ ዀነ። ኣብ መልሓሱ: ኣብ መንጋግኡ: ከምኡውን ኣብ ክሳዱ ብዙሕ ዘሳቒ መጥባሕትታት ምስ ገበረ ሓካይሙ ተስፋ ቘረጹ። እቲ መንእሰይ ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ብኸመይ ከም እትገድፎ
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዓወት ካብቲ ዝነበሮም ናይ ኒኮቲን ወልፊ ናጻ ዀይኖም ኢዮም። ሽጋራ እተትክኽ ምናልባት እውን ንነዊሕ ግዜ ዘትከኽካ እንተ ዄንካ ንስኻ እውን ነዚ ጐዳኢ ኣመል እዚ ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ። ክሕግዝ ዝኽእል ሒደት ሓሳባት ከኣ እንሆ:-
• እንታይ ከም ዝጽበየካ ኣቐዲምካ ፍለጦ። እቲ ክትገድፎ ምስ ደለኻ ዝስምዓካ ጭንቀት: ዓቕሊ ጽበት: ምድንዛዝ: ሕማም ርእሲ: ድቃስ ምስኣን: ሕማም ስቶሞኮ: ጥሜት: ከተትክኽ ናይ ምድላይ ባህጊ: ዘይምቕላብ: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ እቲ ከጋጥመካ እትጽበዮ ባህ ዘብል ኣይኰነን: እንተዀነ ግን እቲ ብርቱዕ ምልክታት ንሒደት መዓልትታት ጥራይ ኢዩ ዝጸንሕ: ኣካላትካ ካብ ኒኮቲን ናጻ እናዀነ ክኸይድ ከሎ ኸኣ ቀስ እናበለ ክጠፍእ ኢዩ።
• ካብኡ እቲ ናይ ኣእምሮ ቃልሲ ይጅምር። ኣካላትካ ኒኮቲን ይብህግ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣእምሮኻውን በቲ ምስ ምትካኽ ሽጋራ እተተሓሓዘ ባህርያት ኢዩ ዝምራሕ ነይሩ። ብቕጽበት ሽጋራ እተትክኸሉ ዝነበርካ ግዜ መዓስ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ነቲ ዝነበረካ ልማድ መርምሮ እሞ: ነቲ ኵነታት እቲ ለውጦ። ንኣብነት: ኵሉ ግዜ ድሕሪ ምብላዕካ ሽጋራ ተትክኽ እንተድኣ ነይርካ: ድሕሪ ምብላዕካ ብኡንብኡ ብድድ ክትብል እሞ ብእግርኻ ክትከይድ ወይ ኣቝሑት ክትሓጽብ ወስን።
• ብምኽንያት ዘጨንቕ እዋን ከቢድ ባህጊ ክሓድረካ ኸሎ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ድራኸ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ከም ዝሓልፍ ዘክር። ደብዳበ ብምጽሓፍ: ምውስዋስ ኣካላት ብምግባር: ወይ ጥዑይ ጠዓሞት ብምብላዕ ንኣእምሮኻ ትሑዝ ክትገብሮ ተዳሎ። ርእሰ-ግትኣት ንኽህልወካ ኣጸቢቑ ዝሕግዝ ጸሎት ኢዩ።
• ቅድሚ ሕጂ ንኽትገድፍ ዝገበርካዮ ፈተነ ስለ ዘይሰለጠካ ተስፋ ቈሪጽካ እንተድኣ ኣሊኻ ኣይትተሓለል። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ከየቋረጽካ ምፍታን ኢዩ።
• ክረጕድ ኢየ ዝብል ኣመለኻኽታ ይዓግተካ እንተድኣ ኣልዩ: ካብቲ ቁሩብ ክብደት ምውሳኽ ዘለዎ ሓደጋ ሽጋራ ብምግዳፍካ እትረኽቦ ጥቕሚ ኣጸቢቑ ከም ዝበልጽ ዘክር። ፍረታት ወይ ኣሕምልቲ ጽቡቕ ጌርካ ምጥቃም ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሕ ማይ ከኣ ስተ።
• ሽጋራ ምግዳፍ ጽቡቕ ኢዩ። ሽጋራ ንዅሉ ግዜ ፈጺምካ ምግዳፍ ግን ዝበለጸ ነገር ኢዩ። ሽጋራ ዘይተትክኽ ንኽትከውን ናይ ግዜ ገደብ ግበር—ሓደ መዓልቲ: ሓደ ሰሙን: ሰለስተ ወርሒ: ንዅሉ ግዜ።
የሱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። (ማርቆስ 12:31) ንብጻይካ ንምፍቃር ምትካኽ ሽጋራ ግደፍ። ገዛእ ርእስኻ ንምፍቃር ምትካኽ ሽጋራ ግደፍ።—ነታ “ንምትካኽ ሽጋራ ዝምልከት ክርስትያናዊ ኣረኣእያ” እትብል ኣብ ናይ 8 ሓምለ 1989 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 13-15 ዘላ ዓንቀጽ እውን ርአ።