ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 4-5
  • 1 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምንቶ ኣሕድር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምንቶ ኣሕድር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝገልጽ መጽሓፍ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ናይ ዝለዓለ ጥበብ እንኮ ምንጪ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት
    ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 4-5

1 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምንቶ ኣሕድር

“መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16።

እቲ ዕንቅፋት እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ ሰብኣዊ ጥበብ ዝሓዘ መጽሓፍ ፈልዮም ኣይርእይዎን እዮም። ገሊኦም ከኣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ታሪኽ፡ ጌጋ ምዃኑ ይኣምኑ። ገሊኦም ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ፡ ዘይግብራዊ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ምዃኑ ይገልጹ።

ነቲ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧ መብዛሕትኡ እዋን፡ እቶም ንሓቅነት ወይ ንጥቕሚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕቶ ዜእትውዎ ሰባት፡ ባዕሎም መርሚሮም ኣይኰኑን ከምኡ ዚብሉ። ነቲ ኻልኦት ዝበልዎ እዮም ዚደግሙ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ይብል።—ምሳሌ 14:15።

ነቲ ኻልኦት ዝበልዎ ብዓይኒ ዕሙተይ ካብ ምቕባል፡ ንኣርኣያ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብዛ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊት ግሪኽ እትርከብ ከተማ ቤርያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘይትስዕብ፧ ነቲ ኻልኦት ዝበልዎም ስቕ ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት ይምርምሩ’ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ እምንቶ ኸም እተሕድር ዚገብረካ ኽልተ ምኽንያታት እስከ ንርአ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ታሪኽ ቅኑዕ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ተጠራጠርቲ ንልክዕነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስማት ሰባትን ቦታታትን ኣብ ሕቶ ኸእትውዎ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ጥርጣረታቶም መሰረት ከም ዘይብሉ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ድማ ሓቂ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብመርትዖ ተራእዩ እዩ።

ንኣብነት፡ ምሁራት ንህላወ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 20:1 ተጠቒሱ ዘሎ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ዚጠራጠሩሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብ1840ታት ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ንቤተ-መንግስቲ እዚ ንጉስ እዚ ብዅዕታ ረኸብዎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሳርጎን ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ነገስታት ኣሶር እዩ።

ሓያስያን ንህላወ እቲ የሱስ ኪቕተል ዝኣዘዘ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 27:1, 22-24) ብ1961 ግን ኣብ ጥቓ እታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ቂሳርያ፡ ስም ጲላጦስን መዓርጉን ዝሓዘ እምኒ ተረኽበ።

ብዛዕባ ታሪኻዊ ልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዩ.ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት፡ ኣብታ ብ25 ጥቅምቲ 1999 ዝወጸት ሕታም ከምዚ በለት፦ “ዘመናዊ ስነ-ጥንቲ፡ ንቐንዲ ቐንዲ ፍጻመታት ታሪኽ ኣበው እስራኤልን ነቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝገበርዎ ጕዕዞን ንንግስነት ዳዊትን ነቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ህይወትን ብምቕራብ፡ ንታሪኻዊ ልክዕነት እቲ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ዚርከብ ጕሉሕ ጸብጻባት ብሓለፍ ዝበለ መገድታት ኣረጋጊጽዎ እዩ።” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእማን ብዓብዪኡ ኣብ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ዘይምርኰስ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ልክዕነት ኪህልዎ ኢኻ እትጽበ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ንዅሎም ሰባት ዚጠቅም እዩ። ብዓይኒ ዘይርኣዩ ነፍሳት ከም ዘለዉን ሕማም ኬመሓላልፉ ኸም ዚኽእሉን ብመጽናዕቲ ቕድሚ ምርካቡ ነዊሕ ዓመታት ይገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና እውን ዚዓዪ ንጽሬት ዚምልከት ተግባራት ጠቒሱ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 11:32-40፣ ዘዳግም 23:12, 13) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዚህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ኣባላት ስድራ ሕጉሳት እዮም። (ኤፌሶን 5:28–6:4) ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ዚነብር ሰብ፡ ጥንቁቕ ሰራሕተኛ ወይ ፍትሓዊ ኣስራሒ ይኸውን። (ኤፌሶን 4:28፣ 6:5-9) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብስምዒታዊ መዳይ እውን ጠቓሚ እዩ። (ምሳሌ 14:30፣ ኤፌሶን 4:31, 32፣ ቈሎሴ 3:8-10) ካብ ፈጣሪና ኸምዚ ዓይነት ግብራዊ ምኽሪ ኢና እንጽበ።

እንታይ ዓስቢ ትረክብ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ንሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ሰብ ጥበበኛ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 19:7) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምንቶ ምስ እነሕድር፡ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ንእምነትና ኼደልድል ዚኽእል ስጕምቲ ኽንወስድ የኽእለና፣ እዚ ምኽሪ እዚ ኸኣ ካብ ካልእ መጽሓፍ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧a ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ምዕራፍ 2 ርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ