ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/5 ገጽ 3
  • እምነት እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነት እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰነድ ዋንነትን ድልዱል መርትዖን
  • ድልድልቲ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/5 ገጽ 3

እምነት እንታይ እያ፧

ንእምነት ብኸመይ ምገለጽካያ፧ ገሊኦም ሰባት ብዓይኒ ዕሙተይ ምስ ምእማን የተሓሕዝዋ። ሀንሪ ሉዊስ መንከን ዚበሃል ህቡብ ኣመሪካዊ ደራስን ጋዜጠኛን፡ “ሓደ ዘይመስል ነገር ኪፍጸም እዩ ኢልካ ብዓይኒ ዕሙተይ ምእማን” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ እምነት ብዓይኒ ዕሙተይ ወይ ርትዓዊ ብዘይኰነ መገዲ እትቕበል ባህርይ ከም ዘይኰነት ኪገልጽ ከሎ፡ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ይብል።—እብራውያን 11:1።

ብዛዕባ እምነት እተፈላለየ ርእይቶታት ስለ ዚወሃብ፡ መልሲ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንመርምር፦

• እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ እምነት ዚገልጽ መብርሂ፡ ካብቲ ብዙሓት ሰባት ዚህብዎ ሓሳባት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

• ከምታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጻ ዘላ ዓይነት እምነት ከነጥሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ድልድልቲ እምነት ንኽትህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሰነድ ዋንነትን ድልዱል መርትዖን

እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እብራውያን ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን፡ እታ “ርግጽ ምግባር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ዝውትርቲ ነበረት። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ንግዲ ኣብ ዚተሓሓዝ ሰነዳት እትጥቀስ ኰይና፡ ንሓደ ኣብ ዚመጽእ እትውንኖ ነገር ውሕስነት ዚኸውን ሰነድ ዚብል ሓሳብ ዝሓዘት እያ። ስለዚ፡ ሓደ መወከሲ፡ እብራውያን 11:1 “እምነት ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ሰነድ ዋንነት እያ” ተባሂላ ኽትትርጐም ከም እትኽእል ርእይቶ ይህብ።

ካብ ሓደ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ትካል ሓደ ኣቕሓ ዓዲግካ ኽሳዕ ዚመጸካ እንተ ተጸቢኻ፡ ከምዚኣ ዓይነት እምነት ኣላትካ ማለት እዩ። እቲ ምሳኻ ዘሎ ቕብሊት፡ ኣብቲ ኣቕሓ ዝዓደግካሉ ትካል እምነት ንኸተሕድር ምኽንያት ይዀነካ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ቕብሊት፡ ነቲ ዝዓደግካዮ ነገር ከም እትቕበሎ ዜረጋግጽ ሰነድ ዋንነትካ እዩ። እንተ ጠፊኡካ ወይ እንተ ደርቢኻዮ ግን፡ መርትዖ ዋንነት የብልካን ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ኣምላኽ ነቲ እተመባጽዖ ነገራት ከም ዚፍጽሞ እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ተስፋ ዝገበርዎ ነገር ከም ዚቕበልዎ ውሕስነት ኣለዎም። እቶም እምነት ዘይብሎም ወይ እምነቶም ዘጥፍኡ ግን፡ ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ነገራት ኣይቅበልዎን እዮም።—ያእቆብ 1:5-8።

እታ ኣብ እብራውያን 11:1 እትርከብ “ምርዳእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ካብቲ ሓቂ ዚመስለካ ነገር እተፈልየ መርትዖ ምቕራብ ዚብል ሓሳብ ዝሓዘት እያ። ንኣብነት፡ ጸሓይ ኣብ ዙርያ ምድሪ ኻብ ምብራቕ ተበጊሳ ናብ ምዕራብ እትዘውር እያ እትመስል። ይኹን እምበር፡ ካብ ስነ-ኰዀብን ሕሳብን እተረኽበ መርትዖ ኸም ዚሕብሮ፡ ምድሪ ማእከል ስርዓተ-ጸሓይ ኣይኰነትን። ነዚ መርትዖ እዚ ምስ ፈለጥካዮን ከም ሓቂ ምስ ተቐበልካዮን፡ እቲ እትርእዮ ነገራት ብዘየገድስ፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ትኣምን። ብዓይኒ ዕሙተይ ኣይኰነካን ኣሚንካ። የግዳስ፡ ንነገራት በቲ ንዓኻ ዚመስለካ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዘለዎ ጌርካ ብምርኣይ ኢኻ ኣሚንካ።

ድልድልቲ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚኣ ዓይነት እምነት ክትህልወና እዩ ዜተባብዓና። እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኣረኣእያና ኸነመሓይሽ ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ድልዱል መርትዖ እተመስረተት ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ ማለት እዩ። ከምዚኣ ዓይነት እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 11:6።

ነዛ ድልድልቲ እምነት እዚኣ ንኸይተማዕብል ዚዓግት ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣሎ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ገጻት ንዚርከባ ኣርባዕተ ስጕምትታት እንተ ወሲድካ ግን፡ ክትዕወት ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ