ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/14 ገጽ 12-13
  • ናብ ካምቦድያ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ካምቦድያ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2014
g 4/14 ገጽ 12-13
ኣብ ካምቦድያ ዚርከብ ግራት ሩዝ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ካምቦድያ እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ካምቦድያ

ኣብ ልዕሊ ማይ እተሰርሐ ኣቝሻት፡ ብዙሕ ንጥፈታት ዘለዎ ዕዳጋታት፡ ከም ደርሁ ዝኣመሰላ እንስሳታትን ከም ፍሪጅ ዝኣመሰለ ኣቝሑን ዜበጻጽሓ ብሽክለታ ሞተር ብብዝሒ ዚንቀሳቐሳሉ መገድታት፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ካምቦድያ ዚርአ ልሙድ ተርእዮታት እዩ።

ህዝቢ ካምቦድያ ፍሽሑዋትን ምቕሉላትን እዮም፣ ንሓድሕዶም ከኣ ተቐራሪቦም እዮም ዚነብሩ። ንመጀመርታ ግዜኦም ኪራኸቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ንሓድሕዶም ሓው፡ ሓብቲ፡ ሓትኖ፡ ኣሞ፡ ኣኮ፡ ሓወቦ፡ እኖሓጎ፡ ወይ ኣቦሓጎ ብዚብል ማዕርጋት እዮም ዚጸዋውዑ።

ኣብ ማይ ብኣዕኑድ ዝቘመ ኣባይቲ

ገሊኦም ካምቦድያውያን ኣብ ጃላቡ እዮም ዚነብሩ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ማይ ኣብ እተሰርሐ ኣባይቲ እዮም ዚነብሩ። ኣብ ልዕሊ ማይ እተሰርሐ ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካትን ሹቓትን መዐደል ነዳድን እውን ኣሎ

ፍረ ድራጎን

ፍረ ድራጎን ሓደ ኻብቲ ኣብ ካምቦድያ ዚፍቶ ፍረ እዩ

ሩዝ ሓደ ኻብቲ ልሙድ ምግቢ ካምቦድያውያን እዩ። ኣብ ሓደ መኣዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓይነት ምግቢ እዩ ዚቐርብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ መረቕ ይቐርብ እዩ። ዓሳ እውን ዚፍቶ ምግቢ እዩ። ምቁርን ምጽጽ ዝበለን ጨው ዘለዎን ምግቢ ድማ ይዝውተር እዩ።

ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ናብ ቻይና ዚኸዱ ህንዳውያን ነጋዶን ተጓዓዝትን ብገማግም ካምቦድያ ይመላለሱ ነበሩ። ከም ሃርን እተፈላለየ ዓይነት ማዕድናትን ከኣ ብቕመማትን ጥዑም ብዝጨናኡ ኣዕጻውን ብስኒ ሓርማዝን ብወርቅን ይቕይርዎ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ህዝቢ ካምቦድያ ብህንድን ብቻይናን ተጸልዉ እሞ፡ ኣብ ካምቦድያ ሂንዱነትን ቡድህናን ተኣታተወ። ሎሚ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ካምቦድያ፡ ቡድሃውያን እዮም።

ኣብ ካምቦድያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ይእውጁ ኣለዉ። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንብዙሓት ሰባት ሓጊዞም እዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንካምቦድያኛ ሓዊስካ ብልዕሊ 250 ቋንቋታት ትርከብ እያ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ካምቦድያዊ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእውጁሉ ኸለዉ

ልዕሊ 1,500 ዝዀኑ ካምቦድያውያን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ። “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ከምኡ እውን “ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧” ንዚብል ሕቶታት ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይረኽቡሉ ኣለዉ

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ ብገምጋም 14 ሚልዮን

  • ርእሰ ኸተማ፦ ፕኖም ፐን

  • ኵነታት ኣየር፦ ሙቐትን ሃሩርን ክረምትን ሓጋይን

  • ሰደድ፦ ኣጭርቕቲ፡ ኣዕጻው፡ ጐማ፡ ሩዝ

እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብካምቦድያኛ

እዛ ኣብዚ እትርአ ዘላ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብካምቦድያኛ እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ