ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/14 ገጽ 14-15
  • ዓሌትነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓሌትነት
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መበቈል ዓሌታት ደቂ ሰብ እንታይ እዩ፧
  • ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ጸብለል ይብል ድዩ፧
  • ዓሌትነት ዜብቅዓሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧
  • ዓሌታዊ ማዕርነትሲ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንቘልዑ ብኸመይ ብዛዕባ ዓሌትነት ትዛረቦም፧
    ንስድራ ቤት
  • ኣምላኽ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ኣብሊጹ ይርኢ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ንቕሑ!—2014
g 4/14 ገጽ 14-15
ጸሊም ሰብኣይን ጻዕዳ ሰብኣይን

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ዓሌትነት ዓሌትነት

መበቈል ዓሌታት ደቂ ሰብ እንታይ እዩ፧

“እቲ ሰብኣይ [ኣዳም] ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ።”—ዘፍጥረት 3:20።

ምሁራት እንታይ ይብሉ፧

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትምህርታውን ስነ ፍልጠታውን ባህላውን ውድብ፡ (ዩኔስኮ) ከም ዝገለጾ፡ “ኵሎም ደቂ ሰብ ኻብ ሓደ ጃንዳን ካብ ሓደ ዘርእን እዮም መጺኦም።”—ዲክለረሽን ኦን ረይስ አንድ ረይሻል ፕሪጁዲስ፡ 1978።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንኽልተ ሰባት፡ ማለት ንኣዳምን ንሄዋንን ፈጠሮም እሞ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንዅሎም ደቂ ሰብ፡ ኣቦን ኣደን ኰንዎም። ድሕሪ ግዜ፡ ማይ ኣይሂ ንመብዛሕትኦም ተቐማጦ ምድሪ ኼጥፍኦም ከሎ፡ ኣርባዕተ መጻምድቲ፡ ማለት ኖህን ሰበይቱን ሰለስተ ደቆምን ኣንስቲ ደቆምን ጥራይ ደሓኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵላትና ካብ ደቂ ኖህ ከም ዝመጻእና እዩ ዚምህር።—ዘፍጥረት 9:18, 19።

ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ጸብለል ይብል ድዩ፧

“[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:26።

ገሊኣቶም እንታይ ይብሉ፧

ኣብ መበል 20 ዘመን፡ ሓያሎ ጕጅለታት፡ ስነ ሓሳብ ዓሌትነት ዚብል ፍልስፍና ኣተኣታተዉ። ንኣብነት፡ ሰዓብቲ ናዚ፡ ኣብ ዓሌታዊ ጸብለልትነት ከም እትኣምን ዚገብር ስነ ህይወታዊ መሰረት ከም ዘሎ ይማጐቱ ነበሩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሰነድ ዩኔስኮ፡ “ሰብኣዊ ዓሌት ኣገዳሲ ሓድነት ከም ዘለዎ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኵሎም ሰባትን ኵሎም ህዝብን መሰረታዊ ማዕርነት ከም ዘለዎም” ተኣሚኑ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፡ “ኣምላኽ [ኣየዳሉን] . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ” ትብል። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ጸብለል ከም ዝበለ ገይሩ ዚርእየሉ ብቑዕ ምኽንያት የብሉን።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኵላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ብምባል፡ ንክርስትያናት ሓደ ስርዓት ሰሪዑሎም እዩ። (ማቴዎስ 23:8) ሰዓብቱ ኸይተኸፋፈሉ ወይ ከይተጐጃጀሉ፡ “ፍጹም ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም” ጸልዩ እዩ።—ዮሃንስ 17:20-23፣ 1 ቈረንቶስ 1:10።

ዓሌትነት ዜብቅዓሉ እዋን ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን . . . ኪቐውም፡ . . . ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።”—ኢሳይያስ 2:2።

ገሊኣቶም እንታይ ይብሉ፧

እቲ ብቐጻሊ ዚርአ ዓሌታዊ ምስሕሓብ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንዚነብሩ ሰባት፡ ሕብረተ ሰብ ዓሌታውነት ንምቍጽጻር ኣገዳሲ ዕቤት ምግባሩ ኣብ ሕቶ ኸም ዜእትውዎ ገይርዎም እዩ። ገሊኣቶም፡ ዓሌታዊ ማዕርነት ፈጺሞም ከም ዘይርእዩ እዮም ዚገልጹ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንዓሌታዊ ጽልኢ ንሓዋሩ እናተጻወሮ ኣይነብርን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ዚነብሩ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንብጻዮም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣናኣርኣዩ ብሓድነት ኬገልግልዎ እዮም። (ራእይ 7:9) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ንዚነብር ዘይርአ ዅነታት ኣይተመልክትን እያ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብዛ ኣምላኽ፡ ኵሎም ሰባት ብዘይ ዓሌታዊ ምፍልላይ ንኺነብሩላ ዝፈጠራ ምድሪ፡ ኣገዳሲ ጽልዋ እትገብር መንግስቲ እያ።a

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ