ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 96
  • ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መምህራን ዕዮ ገዛ ዚህቡ ስለምንታይ እዮም፧
  • ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ነጥብታት
  • ኣብ ትምህርቲ ብኸመይ ክነፍዕ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ነጥበይ ሕማቕ እንተ ዀይኑ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ውሉድካ ነጥቡ ኸመሓይሽ ብኸመይ ከም እትሕግዞ
    ንስድራ ቤት
  • ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ምሃብ ኣይትረስዕ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 96
ሓደ መንእሰይ፡ ግዜ ኣዝዩ ምስ መሰየን ተለቪዥን ተወሊዓ ኸላን ዕዮ ገዛ ይሰርሕ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

“ዕዮ ገዛ ኽትሰርሕ ክሳዕ ሰዓት 1:00 ናይ ለይቲ ኽትጸንሕ ኣድካሚ እዩ። ድቃስ ጥራይ እናተራእየካ ኢኻ እትሰርሕ።”—ዴቪድ።

“ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ ሰዓት 4:30 ናይ ለይቲ እየ ኸጽንዕ ዝሓድር፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከኣ ሰዓት 6:00 ንግሆ እትንስእ። ብሓቂ ዜበሳጩ እዩ!”—ተሬዛ።

ብዕዮ ገዛ እተደብደብካ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

  • መምህራን ዕዮ ገዛ ዚህቡ ስለምንታይ እዮም፧

  • ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ነጥብታት

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

መምህራን ዕዮ ገዛ ዚህቡ ስለምንታይ እዮም፧

ገለ ኻብቲ ዕዮ ገዛ ዘለዎ ጥቕምታት፦

  • ፍልጠትካ የስፍሕ

  • ሓላፍነት ዚስምዓካ ኽትከውን ይሕግዝ

  • ግዜ ናይ ምምቕራሕ ክእለትካ ይስሕል

  • ኣብ ክፍሊ ንእተመሃርካዮ ሓሳባት ኣጸቢቕካ ኽትርድኦ ይሕግዝa

“መምህራን ዕዮ ገዛ ዚህቡ፡ ተምሃሮ ነቲ እተማህርዎ በቲ ሓደ እዝኖም ኣእትዮም በቲ ሓደ ኣብ ክንዲ ዜውጽእዎ፡ ኪዓይዩሉ ምእንቲ ኪኽእሉ እዩ።”—ማሪ።

ሕሳብን ስነ ፍልጠትን፡ ጸገማት ንናይ ምፍታሕ ክእለትካ ይስሕሎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓንጐልካ፡ ሓድሽ ርክባት መትንታት ከም ዚፈጥርን ከም ዜደልድልን ክኢላታት ይገልጹ እዮም። ስለዚ፡ ዕዮ ገዛ ንሓንጐልካ ልክዕ ከም ምውስዋስ ኣካላት እዩ ዝዀኖ።

ጥቕሙ ይረዳእካ ኣይረዳእካ ብዘየገድስ፡ ዕዮ ገዛ ኽትገጥሞ ዘሎካ ኽውንነት ህይወት እዩ። እቲ ዜሐጕስ፡ ንብዝሒ እቲ ዚውሃበካ ዕዮ ገዛ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ነቲ ኽትውድኦ ዚወስደልካ ግዜ ግና ትንክዮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ኸም እትኽእል እስከ ንርአ።

ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ነጥብታት

ዕዮ ገዛኻ ኣብ ምውዳእ ትሽገር እንተ ኣሊኻ፡ ተባላሓት ደኣ እምበር፡ ኣይትህለኽ። ነዚ ዚስዕብ እስከ ፈትኖ፦

  • ነጥቢ መጽናዕቲ 1፦ ኣቐዲምካ መድብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 21:5) ሓፍ ኮፍ ከይበልካ ምእንቲ ኽትሰርሕ፡ ንዅሉ እቲ ንመጽናዕቲ ዜድልየካ ናውቲ ኣቐዲምካ ቐርቦ።

    ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብኣትኵሮ ኽትሰርሕ ዜኽእለካ ቦታ ምረጽ። ገሊኦም ኣብ ቤቶም ዚርከብ ጸጥ ዝበለን እኹል ብርሃን ዘለዎን ክፍሊ ምሹእ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ከም ቤት ንባብ ዝኣመሰለ ኻብ ቤቶም ወጻኢ ዝዀነ ቦታ ዄንካ ምዕያይ ይፈትዉ እዮም።

    “ከም ዓውደ ኣዋርሕ ዝኣመሰለ ብእተመሓደረ መገዲ ኽትዓዪ ዜኽእለካ ናውቲ ንግዜኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንዕዮ ገዛኻን ነቲ ኽትውድኣሉ ዘሎካ ዕለትን ክትቈጻጸሮ እንተ ኽኢልካ፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዘሎካ ወጥሪ ትንክዮ ኢኻ።”—ሪቻርድ።

  • ነጥቢ መጽናዕቲ 2፦ ዕዮኻ ወድብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን” ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:40) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ንዕዮ ገዛኻ በየናይ መስርዕ ከም እትሰርሖ ወስን።

    ገሊኦም በቲ ዝበርትዐ ዕዮ ገዛ ኺጅምሩ እዮም ዚፈትዉ። ገሊኦም ግና ፈለማ ነቲ ዝቐለለ ብምውዳእ ካብኡ ዕግበትን ዝያዳ ምትብባዕን ኪረኽቡ እዮም ዚመርጹ። ንዓኻ ዚሰማማዓካ ሜላ ምረጽ።

    “እንታይ ከም እትዓዪን በየናይ መስርዕ ከም እትዓይዮን ምእንቲ ኽትፈልጥ ዝርዝር ምውጻእ ብርግጽ ሓጋዚ እዩ። በዚ ኸምዚ ንዕዮ ገዛኻ ትቈጻጸሮ፡ ኣመና ኸቢድ ኰይኑ ድማ ኣይረኣየካን።”—ሃይዲ።

  • ነጥቢ መጽናዕቲ 3፦ ዕየ። መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ትግሁ፡ ኣይትተሃከዩ” ይብል። (ሮሜ 12:11) ሰሓቢ ኪኸውን ዚኽእል ካልእ ንጥፈታት ነቲ ዕዮ ገዛኻ ንምውዳእ ዜድልየካ ግዜ ኺሰርቆ ኣይትፍቀድ።

    ይጽንሓለይ ናይ ምባል ልማድ ዘለዎም ሰባት ዕዮኦም ኣብቲ እተመደበሎም ግዜ ኺውድኡ የጸግሞም እዩ፣ ዕዮኦም ንምዝዛም ሃታሃታ ስለ ዚብሉ ድማ ብሉጽነት መጽናዕቶምን ዕዮኦምን ይበላሾ እዩ። ዕዮ ገዛኻ ብኣጋኡ ብምጅማር፡ ንርእስኻ ኻብ ዘየድሊ ጭንቀትን ጓህን ክትሰትራ ትኽእል ኢኻ።

    “ካብ ትምህርቲ ፍድስ ምስ በልኩ እየ ዕዮ ገዛይ ክሰርሕ ዝጅምር፣ ፕሮጀክት እንተ ተዋሂበ ድማ ብኡብኡ እየ ዝጅምሮ። ስለዚ፡ ጸኒሐ ብዛዕባኡ ኣይጭነቕን እየ፣ ምስ ካልእ ንጥፈታተይ ከኣ ኣይጋጨወንን እዩ።”—ሰሪና።

    ምኽሪ፦ ዕዮ ገዛ እትሰርሓሉ ኣብ መዓልቲ ውሱን ሰዓት ይሃሉኻ። እዚ ኸኣ ርእሰ ተግሳጽ ከተማዕብልን ስርዓታዊ ኽትከውንን ኪሕግዘካ እዩ።

  • ነጥቢ መጽናዕቲ 4፦ ኣተኵር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጠመተኻ ብቐጥታ ኣብ ቅድሜኻ የተኵር” ይብል። (ምሳሌ 4:25) ነዚ ምኽሪ እዚ ምእንቲ ኽትስዕብ፡ ከተጽንዕ ከለኻ ኣትኵሮኻ ኺሰርቕ ካብ ዚኽእል ነገራት፡ ብፍላይ ድማ ካብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ክትርሕቕ ኣሎካ።

    ሓደ መንእሰይ፡ ገና ኸይመሰየ ኻብቲ ኣቓልቦኡ ዚሰርቕ ነገራት ርሒቑ ዕዮ ገዛ ይሰርሕ።

    ኣብ ኢንተርነት ትፍትሽን ብሞባይል መልእኽቲ ትጸሓሓፍን እንተ ዄንካ፡ ዕዮ ገዛ እትውድኣሉ ግዜ ብዕጽፊ ኺዛይድ እዩ። ብኣትኵሮ ትዓዪ እንተ ዄንካ ግና ውጥረትካ ይንኪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ናጻ ግዜ እውን ክትረክብ ኢኻ።

    “ሞባይል ተሌፎናትን ኮምፕዩተራትን መጻወቲታት ቪድዮን ቲቪን እናሃለዋ ብኣትኵሮ ኽትዓዪ ቐሊል ኣይኰነን። ተሌፎንካ ምዕጻው፡ ኣትኵሮኻ ዚሰርቕ ነገራት ድማ ካብ ጥቓኻ ምርሓቕ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ።”—ጆኤል።

  • ነጥቢ መጽናዕቲ 5፦ ሚዛንካ ሓሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ይብል። (ፊልጲ 4:5 እ.ጽ.) ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ዕረፍቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ብሰንኪ ዕዮ ገዛ ዚመጽእ ወጥሪ ነክዮ። ብእግሪ ተጓዓዝ፡ ብሽክለታ ዘውር፡ ወይ ጕየ።

    ብብዙሕ ዕዮ ገዛ እተደብደብካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንመምህራንካ ኣዛርቦም። ብእተኻእለካ ትጽዕር ከም ዘለኻ እንተ ርእዮም፡ ምትዕርራያት ኪገብሩ ኺድረኹ ይኽእሉ እዮም።

    “ብሰንኪ ዕዮ ገዛ ዚመጽእ ጭንቀት፡ ሓጐስካ ኼጥፍኣልካ ኣይትፍቀደሉ። ከምኡ ምእንቲ ኸየጋጥመካ ብእተኻእለካ ኽትጽዕር ኣለካ። ብሰንኪ ዕዮ ገዛ ኣእምሮኻ ኽሳዕ እትስሕት ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።”—ጁልያ።

ንርእስኻ ኽትሓትታ ዘሎካ ሕቶታት፦

  • ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ዜድልየኒ ናውቲ እንታይ እዩ፧

  • ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ዚጥዕመኒ ዝበለጸ ግዜ መዓስ እዩ፧

  • መዓስ እየ ብኣተኵሮ ኽዓዪ ዝኽእል፧

  • ይጽንሓለይ ምባል ከወግድ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ኣቓልቦይ ብምስራቕ ከም ዝድንጒ ዚገብረኒ ነገራት እንታይ እዩ፧

  • ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኰነ ካልእ ኣቓልቦይ ዚሰርቕ ነገራት ከርሕቕ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ዕዮ ገዛ ኣብ ምስራሕ ሚዛነይ ሓልየ ክኸይድ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣገዳሲ መዘኻኸሪ፦ ዕዮ ገዛኻ እንታይ ነገራት ከም ዜጠቓልል ብግቡእ ከም እተረድኣካ ኣረጋግጽ። ሕቶ እንተ ኣልዩካ፡ ካብ ክፍሊ ኸይወጻእካ ኸለኻ ንመምህርካ ሕተቶ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኣንጀሊክ።

“ዕዮ ገዛ ኽሰርሕ ከለኹ በቲ ዝቐለለ እየ ዝጅምር። እዚ ኸኣ ጽቡቕ እግስግስ ከም ዘለኹ ኸም ዚስምዓኒ ስለ ዚገብር ንጭንቀተይ ይንክዮን ንክቕጽል የተባብዓንን እዩ።”—ኣንጀሊክ።

ኦስተን።

“ዕዮ ገዛ ምስራሕ ባህ ዘይብለኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ግዜይ ብግቡእ ከመሓድርን ሓላፍነት ዚስምዓኒ ሰብ ክኸውንን ሓጊዙኒ እዩ። ስለዚ፡ ዕዮ ገዛ ምስራሕ ንህይወት ጽቡቕ ስልጠና እዩ።”—ኦስተን።

ክለሳ፦ ዕዮ ገዛይ ክውድእ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣቐዲምካ መድብ። ንዅሉ እቲ ንመጽናዕቲ ዜድልየካ ናውቲ ኣቐዲምካ ቐርቦ። ብኣትኵሮ ኽትሰርሕ ዜኽእለካ ቦታ ድማ ምረጽ።

ዕዮኻ ወድብ። ንዕዮ ገዛኻ በየናይ መስርዕ ከም እትሰርሖ ወስን።

ዕየ። ትጉህ ኩን፣ ይጽንሓለይ ኣይትበል።

ኣተኵር። ኣትኵሮኻ ኺሰርቕ ካብ ዚኽእል ነገራት፡ ብፍላይ ካብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ርሓቕ።

ሚዛንካ ሓሉ። ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ዕረፍቲ ውሰድ። ብሰንኪ ዕዮ ገዛ ዚመጽእ ጭንቀት፡ ሓጐስካ ኼጥፍኣልካ ኣይትፍቀደሉ።

a እዚ ነጥብታት ካብታ ብጂን ሻም እተጻሕፈት ስኩል ፓወር ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ