ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 97
  • ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ ይቕረታ ትሓትት፧
  • ብኸመይ ይቕረታ ትሓትት፧
  • ይቕሬታ ክትሓትት ብሓቂ የድልየካዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ይቕረታ ብኸመይ ክትሓትት ትኽእል፧
    ንቕሑ!—2015
  • ይቕረታ ምሕታት ክሳዕ ክንድዚ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 97
ንሓደ ኣብ ክፍሊ ኾፍ ዝበለ ተምሃራይ፡ መምህሩ ይገንሖ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧

ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ምገበርካ፧

  1. መምህርካ ኣብ እዋን ትምህርቲ ስለ ዝረበሽካ፡ ይገንሓካ።

    ዋላ እውን መምህርካ ዘጋነነ እንተ መሰለካ፡ ንመምህርካ ይቕረታ ኽትሓትቶ ኣሎካ ድዩ፧

  2. መሓዛኺ ብዛዕባኣ ሕማቕ ነገር ከም እተዛረብኪ ትፈልጥ።

    ዋላ እውን እቲ ዝበልክዮ ‘ሓቂ እዩ’ ኢልኪ እንተ ሓሰብኪ፡ ንመሓዛኺ ይቕረታ ኽትሓትትያ ኣሎኪ ድዩ፧

  3. ምስ ኣቦኻ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ ሓሪቕካ ሕማቕ ትምልሰሉ።

    ዋላ እውን ኣቦኻ ኸም ዘበሳጨወካ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ ንኣቦኻ ይቕረታ ኽትሓትቶ ኣሎካ ድዩ፧

    መልሲ እዘን ሰለስተ ሕቶታት እዚአን፡ “እወ” እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጌጋ ናትካ ጥራይ ዘይኰነ ኽነሱ ስለምንታይ ይቕረታ ትሓትት፧

  • ስለምንታይ ይቕረታ ትሓትት፧

  • ብኸመይ ይቕረታ ትሓትት

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስለምንታይ ይቕረታ ትሓትት፧

  • ይቕረታ ምሕታት፡ ብስለትካ የርኢ። እቲ ዝገበርካዮ ወይ እተዛረብካዮ ነገር ጌጋ ምዃኑ እንተ ተኣሚንካ፡ ምስ ዓበኻ ዚጠቕመካ ኣድላዪ ባህርያት ሕጂ ተማዕብል ከም ዘለኻ የርኢ።

    “ትሕትናን ትዕግስትን እንተ ኣልዩና፡ ይቕረታ ኽንሓትትን ሰብ ዚብሎ ኽንሰምዕን ይሕግዘና።”—ሬቸል።

  • ይቕረታ ምሕታት፡ ክትዕረቕ የኽእለካ። ይቕረታ ዚሓትቱ ሰባት፡ እቲ ቐንዲ ዜገድሶም ነገር፡ ንሳቶም ቅኑዓት፡ እቲ ኻልእ ግና ጌጋ ምዃኑ ምርኣይ ዘይኰነስ፡ ዕርቂ ምውራድ ምዃኑ የርእዩ።

    “ዋላ እውን ከም እተጋገኻ እንተ ዘይኣመንካ፡ እቲ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ ነገር ዕርቂ እዩ። ‘ኣይትሓዘለይ’ ምባል ዋላ ሓንቲ ኣየኽፍለካን እዩ፡ ንምሕዝነትካ ግና ይዕቅበልካ እዩ።”—ሚርያም።

  • ይቕረታ ምስ ሓተትካ፡ ይፈዅሰካ። እቲ ንሰብ ብቓላትካ ወይ ብተግባርካ እንተ ጐዲእካ ዚስምዓካ ጣዕሳ፡ ከም ከቢድ ጾር እዩ። ይቕረታ ምስ ሓተትካ ግና፡ ነቲ ጾር እቲ ኻብ ልዕሌኻ ትድርብዮ።a

    “ሓድሓደ ግዜ ንማማ ወይ ንባባ ብታህዋኽ እምልሰሎም ነይረ። ጸኒሑ ሕማቕ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ይቕረታ ምሕታት ይኸብደኒ ነይሩ። ይቕረታ ምስ ሓተትኩ ግና ወትሩ ይፈዅሰኒ ነይሩ፣ ምኽንያቱ እዚ ኣብ ስድራ ቤትና ሰላም የስፍን ነይሩ።”—ኒያ።

    ሓደ መንእሰይ፡ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣብ ሕቘኡ ይስከም።

    ጣዕሳ ኸም ኸቢድ ጾር እዩ፣ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታትካ ግና፡ ኣይትስከሞን ኢኻ

ይቕረታ ምሕታት ጻዕሪ የድልዮ ድዩ፧ እወ! ንኣዲኣ ስነ ስርዓት ብዘይብሉ መገዲ ብምዝራባ ብተደጋጋሚ ይቕረታ ዝሓተተት ዲና ዝስማ መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “‘ኣይትሓዝለይ’ ምባል ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ጐረሮኻ ገለ ነገር ከም ዘሎ እሞ ቓላት ምውሳእ ከም ዘይትኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ።”

ብኸመይ ይቕረታ ትሓትት፧

  • እንተ ተኻኢሉ፡ ብኣካል ይቕረታ ሕተት። ምስቲ ሰብ ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ ይቕረታ ምስ እትሓትት፡ እቲ ሰብ ካብ ልቢ ኸም እተጠዓስካ ኺርኢ ይኽእል እዩ። ነዚ ብተክስት እንተ ጌርካዮ ግና፡ እቲ ሰብ ከይቕበለካ ይኽእል እዩ። ነቲ ተክስትኻ ኸም ዝጐሃኻ ዜርኢ ምልክት (ኢሞጂ) እንተ ወሰኽካሉ እውን፡ እቲ ይቕረታ ናይ ላዕለ ላዕሉ ኺመስል ይኽእል እዩ።

    ምኽሪ፦ ብኣካል ይቕረታ ኽትሓትት እንተ ዘይክኢልካ፡ ስልኪ ደውል ወይ ካርድ ጽሓፍ። እቲ ይቕረታ እትሓትተሉ መገዲ እዚ ይኹን እቲ፡ ንቓላትካ ተጠንቂቕካ ምረጽ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልቢ ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን።”—ምሳሌ 15:28።

  • ቀልጢፍካ ይቕረታ ሕተት። ሓደ ጕዳይ፡ ፍታሕ ከይረኸበ ብዝጸንሐ መጠን፡ እቲ ጸገም እናተጋደደ፡ እቲ ምስቲ ሰብ ዘሎካ ርክብ ድማ እናተበላሸወ ይኸይድ እዩ።

    ምኽሪ፦ ሸቶ ኣውጽእ፣ ንኣብነት፡ ‘ሎሚ ይቕረታ ኽሓትት እየ’ ኢልካ ወስን። ይቕረታ እትሓትተሉ ግዜ ወስን፣ ኣብ ውሳነኻ ድማ ጽናዕ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነቲ ምስ መባእስትኻ ዘሎካ ነገር፡ . . . ቀልጢፍካ ኣደቅሶ።”—ማቴዎስ 5:25።

  • ካብ ልቢ ይቕረታ ሕተት። ብድፉኑ፡ “ከምኡ ስለ እተሰምዓካ፡ ኣይትሓዘለይ” ምባል፡ ይቕረታ ምሕታት ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ሓንቲ ጃነል እትብሃል መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ንጌጋኻ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣሚንካሉ፡ እቲ ዝበደልካዮ ሰብ የኽብረካ እዩ።”

    ምኽሪ፦ ብዘይ ቅድመ ዅነት ይቕረታ ሕተት። “ንስኻ ይቕረታ ምስ ሓተትካ፡ ኣነ እውን ይቕረታ ኽሓትት እየ” ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኣይተመሓላልፍ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰላም ዜስፍን . . . ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ቫለሪ።

“ምናዳ ‘ኣይበደልኩን’ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ይቕረታ ንምሕታት፡ ትሕትና የድልየኒ እዩ። ዋላ እውን ከምኡ ይኹን፡ ቃላተይ ኣወንታውን ዜተባብዕን ኪኸውን እየ ዝደሊ። ሸቶይ ነቲ ሓዊ ምጥፋእ እምበር መሊስካ ምጕህሃር ኣይኰነን።”—ቫለሪ።

ፊሊፕ።

“ይቕረታ ንምሕታት ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ካብ ርእስኻ ንላዕሊ ብዛዕባ ኻልኦት ከም እትግደስ ተርኢ ኢኻ። ይቕረታ ምሕታት ዜሕፍር ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ኰይኑ ግና፡ እዚ ብሉጽ ፈታዊ ይገብረካ፡ ንዕርክነትኩም ድማ የደልድሎ እዩ።”—ፊሊፕ።

ከንዴል።

“ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዝዀረየ ሰብ ኣብ ቀረባ ጸኒሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣነ ትኽክል፡ ንሱ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ንሱ ብኸመይ ከም እተጸልወ ክትሓስብ ኣሎካ። ንሓደ ሰብ ብግብረይ ወይ ብዘረባይ እንተ ጐዲአዮ፡ ይቕረታ ኽሓትት ኣሎኒ።”—ከንዴል።

ክለሳ፦ ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧

  • ይቕረታ ምሕታት፡ ብስለት የርኢ።

  • ይቕረታ ምሕታት፡ ክትዕረቕ የኽእለካ።

  • ይቕረታ ምስ ሓተትካ፡ ይፈዅሰካ።

ብኸመይ ይቕረታ ትሓትት፧

  • እንተ ተኻኢሉ፡ ብኣካል ይቕረታ ሕተት።

  • ቀልጢፍካ ይቕረታ ሕተት።

  • ካብ ልቢ ይቕረታ ሕተት።

a ንሓደ ሰብ ንብረቱ እንተ ኣጥፊእካሉ ወይ እንተ ሰቢርካሉ፡ ይቕረታ ኣብ ርእሲ ምሕታትካ፡ ካሕሳ ኽትከፍሎ ኣሎካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ