ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 1
  • “ዝኽእሎ እገብር እየ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዝኽእሎ እገብር እየ”
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕዮ ረድኤትና፡ ነቶም ኣብ ካሪበያ ዘለዉ ክርስትያናት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 1
ኢርማ ደብዳበ ትጽሕፍ

“ዝኽእሎ እገብር እየ”

ኢርማ ዝስማ ኣብ ጀርመን እትነብር ሓብቲ፡ ዕድሚኣ ዳርጋ 90 ዓመት እዩ። ክልተ ኸቢድ ሓደጋታት ምስ ኣጋጠማን ሓያሎ መጥባሕትታት ምስ ገበረትን፡ ከም ቀደማ ኣብ በቤት ክትሰብኽ ኣይከኣለትን። ሕጂ ኢርማ ንኣዝማዳን ንፈለጥታን ደብዳበታት ብምጽሓፍ እያ ብዛዕባ እምነታ እትነግሮም። ብዙሓት ሰባት ነቲ እትጽሕፎ ዜተባብዕን ዜደዓዕስን ደብዳበታት ኣዝዮም ስለ ዚፈትውዎ፡ እታ እትቕጽል ደብዳበ መዓስ ከም እትልእከሎም ደዊሎም ይሓትትዋ እዮም። ተወሳኺ ደብዳበታት ክትጽሕፈሎም ዚሓትት ብዙሕ ናይ ምስጋና ደብዳበታት እውን ይበጽሓ እዩ። ኢርማ፡ “እዚ ዅሉ ኣዝዩ የሐጕሰንን ብመንፈሳዊ መዳይ ንጥፍቲ ክኸውን ይሕግዘንን እዩ” ትብል።

ኢርማ

ኢርማ ኣብ መናብዪ ኣረጋውያን ንዚነብሩ ሰባት እውን ደብዳበታት ትልእከሎም እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ደዊላ፡ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ እቲ ዝለኣኽኩላ ደብዳበታት ኣዝዩ ኸም ዘጸናንዓ ነጊራትኒ። ነተን ደብዳበታተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳ ተቐምጠን፡ ብዙሕ ሳዕ ከኣ ምሸት ምሸት ተንብበን እያ። ሰብኣይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞታ ኻልእ ሰበይቲ ድማ፡ ደብዳበታተይ ካብ ናይ ቀሺ ስብከት ንላዕሊ ኸም ዝሓገዛኣ ነጊራትኒ። ብዙሕ ሕቶታት ከም ዘለዋን ክትበጽሓኒ ትኽእል እንተ ዀይናን ሓቲታትኒ።”

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነት ንኢርማ እትፈልጣ ሰበይቲ ናብ ርሑቕ ቦታ ምስ ገዓዘት፡ ደብዳበታት ክትጽሕፈላ ሓተተታ። ኢርማ ኸምዚ ትብል፦ “እታ ሰበይቲ ንዅሉ ደብዳበታተይ ኣቐሚጣተን ነይራ። ምስ ሞተት ከኣ ጓላ ደዊላትለይ። ንዅለን እተን ንኣዲኣ ዝጸሓፍኩላ ደብዳበታት ከም ዘንበበተን ነጊራትኒ፣ ንዕኣ እውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ደብዳበታት ክጽሕፈላ ዝኽእል እንተ ዀይነ ድማ ሓቲታትኒ።”

ኢርማ ንኣገልግሎታ ኣዝያ እያ እትፈትዎ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ንየሆዋ ብቐጻሊ ምእንቲ ኸገልግሎ ሓይሊ ኺህበኒ እልምኖ እየ። ኣብ በቤት ከይደ ኸገልግል ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ እቲ ዝኽእሎ እገብር እየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ