ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 3
  • ምእንቲ ኺሕግዙ፡ ደው ኢሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምእንቲ ኺሕግዙ፡ ደው ኢሎም
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እነና፡ ልኣኸና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ‘ኣይትተሓለል’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • “ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 3
ቦብ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጎማኡ ይቕይሩሉ

ምእንቲ ኺሕግዙ፡ ደው ኢሎም

ኣብ ኣልበርታ፡ ካናዳ ዚነብር ቦብ፡ ቍርን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ዝነበራ መዓልቲ ብኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ኣብ ሰዓት ማኪና እናዘወረ ኸሎ፡ ናይ ድሕሪት ጸጋመይቲ ጎማኡ ተተኰሰት። ኣብ ፈለማ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይተረድኦን፣ ስለዚ፡ ናብ ገዛኡ ዝተረፎ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ኪዝውር ሓሰበ።

ቦብ ናብ ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ግና፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ቀጺሉ እንታይ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ፦ “ኣብ ሓንቲ ማኪና ዚኸዱ ዝነበሩ ሓሙሽተ መንእሰያት ናብ ጐድነይ መጺኦም ነቲ መስኰቶም ኣውሪዶምዎ። ጎማይ ከም እተተኰሰት ድማ ነጊሮምኒ። ናብ ጸግዒ መገዲ ኸኣ ወጺእና፣ ሽዑ ድማ ጎማይ ኪቕይሩለይ ከም ዚኽእሉ ነጊሮምኒ። ቅያር ጎማ ወይ ክሪክ እንተ ኣልዩኒ እኳ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብ ጸግዒ እቲ መገዲ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኮፍ ኢለ ኸለኹ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ማኪናይ ኣትዮም ነቲ ቕያር ጎማን ነቲ ክሪክን ረኺቦምዎ፡ ነታ ጎማ እውን ቀዪሮምለይ። ቍሪ እዩ ነይሩ፡ ውርጪ እውን ይወርድ ነይሩ። ጽቡቕ ተኸዳዲኖም እዮም ነይሮም፣ ነቲ ስራሕ ሰሪሖም ግና ኣፋንዮምኒ። ባዕለይ ክገብሮ ኣይምኸኣልኩን።

“ነቶም ዝሓገዙኒ ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ከመስግኖም እፈቱ። መልእኽቶም ኪሰብኩ እዮም ኣብ በቤት ዚዞሩ ነይሮም። እዞም መንእሰያት እዚኦም ነቲ ዚሰብክዎ ቓል ብቓሉ ተግቢሮምዎ እዮም። ካብ ነዊሕ ሃልኪ እዮም ሰቲሮምኒ፣ ብሓቂ ድማ እየ ዘመስግኖም። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምዚኦም ዝበሉ መንእሰያት መላእኽቲ ኣብ መገዲ ኸም ዝነበሩ መን እሞ እዩ ፈሊጡ፧”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ