ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 46
  • ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ ድያብሎስ ተወሳኺ ግጉይ ርድኢት
  • ጸላኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ኣይኰነን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንሰይጣን ተጻረሮ እሞ: ንሱ ኺሃድም እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 46

ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እወ፡ ድያብሎስ ብሓቂ ኣሎ። ንሱ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ፣ እኩይን ካብ ኣምላኽ ዝዓለወን መንፈሳዊ ፍጡር እውን እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 6:11, 12) መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያት ድያብሎስ ንምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ስማትን መግለጺታትን ይጥቀም፦

  • ሰይጣን ትርጕሙ “ተጻራሪ” ማለት እዩ።—እዮብ 1:6።

  • ድያብሎስ ትርጕሙ “ሓማዪ” ወይ “መካፍኢ” ማለት እዩ።—ራእይ 12:9።

  • ተመን፡ መጽሓፍ ቅዱስ መታለሊ ንዚብል እውን ይጥቀመሉ እዩ።—2 ቈረንቶስ 11:3።

  • ፈታኒ።—ማቴዎስ 4:3።

  • ሓሳዊ።—ዮሃንስ 8:44።

እኩይ ባህርይ ኣይኰነን

ገሊኦም ሰባት ንሰይጣን ድያብሎስ፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ እኩይ ባህርይ ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽን ሰይጣንን ከም እተዘራረቡ ይገልጽ እዩ። ኣምላኽ ፍጹም ስለ ዝዀነ ኣብ ውሽጡ ኼዘራርቦ ዚኽእል እከይ ባህርይ የብሉን። (ዘዳግም 32:4፣ እዮብ 2:1-6) ብተመሳሳሊ፡ ሰይጣን ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ የሱስ ፈቲንዎ እዩ። (ማቴዎስ 4:8-10፣ 1 ዮሃንስ 3:5) ስለዚ፡ ድያብሎስ ዘሎ ኣካል እምበር ንእከይ ባህርይ ከም ዘይገልጽ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ድያብሎስ ናይ ሓቂ ኣካል ኣለዎ ኢሎም ዘይምእማኖም ኬገርመና ይግባእ ድዩ፧ ኬገርመና የብሉን፣ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን ዕላማኡ ንምፍጻም ከም ዜታልል ይገልጽ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚጥቀመሉ ሜላታት ብዙሓት ሰባት ህላወኡ ንኸይኣምኑ ብምዕዋር እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:4።

ብዛዕባ ድያብሎስ ተወሳኺ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ ኣምላኽ “ንሰባት ንምቕጻዕ” ብሰይጣን ይጥቀም።

ሓቂ፦ ድያብሎስ ጸላኢ ኣምላኽ እምበር ኣገልጋሊኡ ኣይኰነን። ሰይጣን ድያብሎስ ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት ይጻረሮምን ብሓሶት ይኸሶምን እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:8፣ ራእይ 12:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ