ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 50
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውቃጦ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውቃጦ እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ ኣካላት ዝግበር ስልማት—ምኽንያታዊ ኽትከውን ዘድልየሉ መዳይ
    ንቕሑ!—2001
  • 666 እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • 666 ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ቝጽሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 50

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውቃጦ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ውቃጦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ ኣብ ዘሌዋውያን 19:28 እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብኡ ድማ፡ “ኣብ ሰብነትኩም . . . ውቃጦ ኣይትግበሩ” ዚብል ነንብብ። ኣምላኽ ነዚ ትእዛዝ እዚ፡ ንህዝቢ እስራኤል እዩ ሂብዎም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብቶም ኣብ ሰብነቶም ስማት ወይ ምልክታት ኣማልኽቶም ዚውቀጡ ዝነበሩ ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ኣህዛብ እተፈልዩ ዀይኖም ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 14:2) እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ንክርስትያናት ዚቕይድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ ሕጊ እቲ እተዋህበሉ መሰረታዊ ስርዓት ግና ብርዝነት ኪሕሰበሉ ኣለዎ።

ሓደ ክርስትያን ኣብ ሰብነቱ ውቃጦ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ኪገብርሲ ግቡእ ድዩ፧

እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጕዳይ ክትሓስበሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ፦

  • ‘ኣንስቲ ብትሕትና ይሰለማ።’ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንኣንስትን ንሰብኡትን ብዘይ ኣፈላላይ ይምልከት እዩ። ስለዚ፡ ስምዒት ካልኦት ሰባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና፣ ናብ ርእስና ዘየድሊ ኣቓልቦ ዚስሕብ ነገር ከኣ ክንገብር የብልናን።

  • ገሊኦም ሰባት ናይ ርእሶም መንነት ከም ዘለዎም ወይ ናጻ ምዃኖም ኬርእዩ ይውቀጡ እዮም፣ ገሊኦም ከኣ ኣብ ሰብነቶም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኼርእዩ ይውቀጡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ንክርስትያናት፡ “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ” ኢሉ የተባብዖም እዩ። (ሮሜ 12:1) እምበኣር፡ ስለምንታይ ክትውቀጥ ከም ዝደለኻ፡ ‘ብኣእምሮኻ’ ተጠቒምካ መርምር። ዘመን ኣምጽኦ ኽትስዕብ ወይ ኣባል ገሊኦም ጕጅለ ምዃንካ ኸተርኢ እንተ ዀይኑ፡ ደሓር ሓሳብካ ምስ ቀየርካ እቲ ውቃጦ ኺድምሰስ ከም ዘይክእል ኣይትረስዕ። ንውሽጣዊ ድራኸኻ ምምርማርካ፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 4:7።

  • “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።” (ምሳሌ 21:5) መብዛሕትኡ ግዜ ውቃጦ ምግባር ተሃዊኽካ እዩ ዚውሰን፣ ኣብ ርክባትን ኣብ ስራሕን ግና ነዊሕ ጽልዋ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ውቃጦ ንምድምሳሱ ኽቡር ዝዋጋኡን ዜሳቕን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ከምኡ እውን ምድምሳስ ውቃጦ ብፍጥነት እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ንግዲ ምዃኑ ኸም ዜመልክቶ፡ ውቃጦ ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ብውሳነኦም ይጥዓሱ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ