ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ግንቦት ገጽ 26-31
  • ውሳነ ኻልኦት ኣኽብር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሳነ ኻልኦት ኣኽብር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኻልኦት ከም እንፈርድ ዚገብረና ብሕታዊ ውሳነታት እንታይ እዩ፧
  • ብሕታዊ ውሳነ ኻልኦት ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ውሳነ ኻልኦት እነኽብር ብኸመይ ኢና፧
  • ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ብእምነት ጥበባዊ ውሳነ ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ግንቦት ገጽ 26-31

3-9 ነሓሰ 2026

መዝሙር 113 ሰላምና

ውሳነ ኻልኦት ኣኽብር

“እተፈልየ ርእይቶታት ኣይትፍረዱ።”—ሮሜ 14:1።

ኣትኵሮ

ክርስትያናት ብጾትና ንሕና ዘይንሰማምዓሉ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ብኸመይ ከም እነኽብሮም።

1-2. ሓድሓደ ግዜ፡ ብሕታዊ ውሳነታትና ኻብ ናይ ካልኦት ክርስትያናት ኪፍለ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

በቲ ዝገበርካዮ ውሳነ፡ ካልኦት ብጌጋ ዝፈረዱኻ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንስኻኸ ንሓደ ክርስትያን በቲ ዝገበሮ ውሳነ ፈሪድካዮዶ ትፈልጥ፧ መብዛሕትና ‘እወ’ ኢልና ኸም እንምልስ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

2 ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ናይ ካልኦት ክርስትያናት እተፈልየ ውሳነታት እንተ ገበርና ኼገርመና የብሉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና። ኣተሓሳስባና ብባህልና፡ ብኣተዓባብያና፡ ብናይ ብሕትና ተመክሮ ይጽሎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ እተፈላለየ ኣረኣእያና ንሰላምን ንሓድነትን እታ ጉባኤ ኼዳኽሞ ኽንፈቕደሉ የብልናን።—ኤፌ. 4:3።

3. ክርስትያን ብጻይና ዘይንሰማምዓሉ ውሳነ ኺገብር ከሎ እንታይ ንምግባር ኢና እንፍተን፧

3 ሓደ ክርስትያን ብጻይና ዘይንሰማምዓሉ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ሓሳቡ ኸነቐይሮ ንፍትን ወይ ከኣ ውሳነኡ ኸም ዘተሓሳሰበና ንኻልኦት ንነግሮም ንኸውን። ከምኡ እንገብር ድማ ካብ ጽቡቕ ድራኸ ተላዒልና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ስለ እነፍቅሮም፡ ጽቡቕ ነገር ኢና እንምነየሎም። (ምሳ. 17:17) ስለዚ፡ ደሓር ዜጣዕሶም ወይ ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጐድኦም ውሳነ ኺገብሩ ኽንርእዮም ኣይንደልን ኢና።

4-5. ክርስትያን ብጻይና ኻብ ናትና እተፈልየ ውሳነ ኺገብር ከሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

4 ሓደ ሓው ዘይንሰማምዓሉ ውሳነ እንተ ገይሩ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከነዘራርቦ ኣሎና ድዩ፧ ከምኡ ንምግባር እተፈላለየ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ንኣብነት፡ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕስ ነገር ኪገብር ይሓስብ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥና፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒልና ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ ኽንሕግዞ ኣሎና። (ምሳ. 27:5, 6) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ንሕና ዘይንሰማምዓሉ ግናኸ ንሕጊ ኣምላኽ ዘይጥሕስ ነገር ኪገብር እንተ ወሲኑ እንታይ ኢና እንገብር፧ መልሱ ኣብታ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕሲ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና፣ ‘እተፈልየ ርእይቶታት ኣይንፈርድን’ ኢና።—ሮሜ 14:1።

5 ይኹን እምበር፡ ውሳነ ኻልኦት ምኽባር ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ውሳነ ኻልኦት ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእልን ክንመያየጥ ኢና። ፈለማ ግና፡ ንክርስትያናት ብጾትና በቲ ዚገብርዎ ብሕታዊ ውሳነ ኸም እንፈርዶም ኪገብረና ዚኽእል ኵነታት ንርአ።

ንኻልኦት ከም እንፈርድ ዚገብረና ብሕታዊ ውሳነታት እንታይ እዩ፧

6-7. ንኻልኦት በቲ ዝገበርዎ ውሳነ ኽንፈርዶም ኪፍትነና ዚኽእል ኵነታት ግለጽ።

6 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ብምኽንያት ድሕረ ባይታና ወይ ተመክሮና፡ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት ተሪር ኣረኣእያ ይህልወና ይኸውን። ካልኦት እውን ከም ናትና ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ይመስለና ይኸውን። ግናኸ ኸምኡ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዜብርህ ገለ ዅነታት እስከ ንርአ። ኵነት 1፦ ሓደ ሓው ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ምስ ሓደ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ ኣቦ ዓበየ። ኣብ ሓደ ምትእኽኻብ ከኣ ካልኦት ክርስትያናት ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ረኣየ። በዚ ስለ ዝጐሃየ ድማ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ጌጋ ምዃኑ ይነግሮም። ኵነት 2፦ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ከቢድ ሕማም ተቓሊሳ ሓወየት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸኣ ሓንቲ ኻልእ ሓብቲ ኸምቲ ናታ ዓይነት ሕማም ከም ዝሓመመት ፈለጠት። ክትሕግዝ ስለ ዝደለየት ድማ ነታ ዝሓመመት ሓብቲ ኸምቲ ናታ ዓይነት ሕክምና ኽትከታተል፡ ማለት እተወሰነ ዓይነት ኣመጋግባ ኽትምገብ፡ ወይ ከኣ ካብ ኣቝጽልቲ እተዳለወ ኣፋውስ ክትወስድ ጸቕጢ ትገብረላ። ኵነት 3፦ ሓደ ሓው ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነበረ። ነቲ ዘሕለፎ ህይወት ድማ ይጸልኦ እዩ። ሓደ ኻልእ ክርስትያን ናብ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተገብረ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኸም ዝኸደ ምስ ፈለጠ ግና ኣዝዩ ይጕሂ።a

7 ተወሳኺ ዅነታት እስከ ንርአ። ኵነት 4፦ ሓደ ሓው ኣብቲ ብዙሓት ሰባት፡ ደቂ ተባዕትዮ ጭሕሚ ኼንውሑ የብሎምን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ንወግዓዊ ኣኼባታት ኰነ ምትእኽኻባት ስረ ኺገብራ የብለንን ኢሎም ዚኣምኑሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ ዓብዩ። ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ምትዕርራያት ይፈልጦ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣሕዋት ጭሕሚ ኼንውሑ ኸም ዘይብሎም፡ ኣሓት ከኣ ንኣኼባታትን ንኣገልግሎትን ቀምሽ ኪገብራ ኸም ዘለወን ኣትሪሩ ይዛረብ። ኵነት 5፦ ሓደ ሽማግለ ሓው፡ ሓደ ተወሳኺ ትምህርቲ ተማሂሩ ደሓር ግና ካብ ሓቂ ዝወጸ ሓው ይፈልጥ እዩ። ሕጂ ድማ ሓደ ኣብ ጉባኤኡ ዘሎ መንእሰይ ሓው፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃር ወሰነ። እቲ ሽማግለ፡ በቲ ጕዳይ ስለ እተጨነቐ፡ ነቲ መንእሰይን ንስድራ ቤቱን ሓሳቦም ኪቕይሩ ኼእምኖም ይጽዕር።

8. (ሀ) ሓደ ወላዲ ንኻልኦት ወለዲ ኸም ዚፈርድ ኪገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ንነቅፍ እንተ ዄንና እታ ጉባኤ ብኸመይ ትጽሎ፧

8 ሕጂ ድማ ንወለዲ ዚጸሉ ዅነት ንርአ። ኵነት 6፦ ከም ወላዲ መጠን ንደቅኻ፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኸተዕቢ ትጽዕር ኢኻ። (ኤፌ. 6:4) ካልኦት ክርስትያን ወለዲ ግና ኣብ ኣተሓሕዛ ውሉዳቶም ልምሉማት ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ደቆም ደንጕዮም ናብ ገዛ ኺኣትዉ፡ ዓመጻ ዘይብሉ ጸወታታት ቪድዮ ኺጻወቱ፡ ወይ ከኣ ብንእስነቶም ሞባይል ኪሕዙ ይፈቕዱሎም ይዀኑ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ውሉድካ ኻብ መጠን ንላዕሊ ትቈጻጸሮ ኸም ዘለኻ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። “ስለምንታይ ኢኻ ኸም ወለዲ ዓርከይ ዘይትኸውን፧” ኢሉ ድማ ይሓትተካ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት ነቶም ካልኦት ወለዲ ኸም እትነቕፎም ኪገብረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እዩ፦ ብሕታዊ ውሳነ ናይ ሓደ ክርስትያን ካብ ናትና እተፈልየ እንተ ዀይኑ ዘይምስምማዕ ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንኣጠቓቕማ ገንዘቡ፡ ብዝሒ እቲ ንዕረፍቲ ዚወጸሉ ግዜ፡ ወይ ከኣ ንዚመርጾ መዘናግዒታት ኣብ ሕቶ ነእትዎ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ስምዒታትና ኻብ ሓድነት እታ ጉባኤ ንላዕሊ ኼገድሰና የብሉን።

9. እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ ውሳነ ኻብቲ ኻልእ ክርስትያን ዚገብሮ ውሳነ ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ግድን ሓዲኡ ቕኑዕ፡ ሓዲኡ ኸኣ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። (ሮሜ 14:5) ልክዕ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመለክዒታት የሆዋ ብዚምልከት “ሓደ ሓሳብ ኩኑ” ኢሉ ይምህረና እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ኵሉ ብሕታዊ ጕዳያት ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወና ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። (2 ቈረ. 13:11) ብሕታዊ ውሳነታትና ምስቲ ናብ ሓደ ቦታ ኽንጓዓዝ ከለና እንገብሮ ምርጫታት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ቦታ ዜብጽሕ እተፈላለየ ኣማራጺታት ኣሎ። ንሕና ግና ነቲ ምስ ድሌትናን ዓቕምናን ዚሳነ ኢና እንመርጽ። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ንብሕታዊ ጕዳያት ብዚምልከት እተፈላለየ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም፣ መዓልቦና ግና ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንየሆዋ ምሕጓስ እዩ። ስለዚ፡ ንኻልኦት በቲ ዚገብርዎ ብሕታዊ ውሳነታት ኣይንፈርዶምን ኢና።—ማቴ. 7:1፣ 1 ተሰ. 4:11።

ናብ ሓደ መዓልቦ ዜብጽሕ እተፈላለየ መገድን ዓይነት መጕዓዝያን ዜርኢ፡ ኣብ ሞባይል ዘሎ ኣፕሊኬሽን ጂ.ፒ.ኤስ።

ገየሽቲ ናብ መዓልቦኦም ንምብጻሕ እተፈላለየ ኣማራጺታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፣ ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ንየሆዋ ኼገልግልዎ ኸለዉ እተፈላለየ ብሕታዊ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


ብሕታዊ ውሳነ ኻልኦት ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10. ብመሰረት ያእቆብ 4:12፡ እንታይ ንምግባር ኢና ስልጣን ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስለምንታይ ንብሕታዊ ውሳነታት ካልኦት ከነኽብር ከም ዘሎና ብዙሕ ምኽንያታት ይህበና እዩ። ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ። ንብሕታዊ ጕዳያት ካልኦት ክንፈርድ ስልጣን የብልናን። (ያእቆብ 4:12 ኣንብብ።) የሆዋ ጻድቕ ሓጋግ ሕግን ፈራድን ስለ ዝዀነ፡ መለክዒታትን ሕግታትን ኬውጽእ መሰል ዘለዎ ንሱ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚፈርዶም የሆዋ ደኣ እምበር ንሕና ኣይኰንናን። (ሮሜ 14:10) ኣብ ናትና መለክዒታትን ኣረኣእያታትን ተመርኲስና ንኣሕዋትና ኽንፈርድ ወይ ክንነቅፍ መሰል የብልናን።b

11. ንሓድነት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ሓድነት ኪህልዎም ደኣ እምበር ሓደ ዓይነት ኪዀኑ ኣይጽበዮምን እዩ። ኣምላኽ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ነገራት ኪህሉ ይፈቱ እዩ። ናይዚ መርትዖ ኣብ ፍጥረቱ ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ገረብ ዘለዋ ኽልተ ኣቝጽልቲ ብልክዕ ሓደ ዓይነት ኣይኰናን። ብዛዕባ ደቂ ሰብ ከኣ እሞ ንሕሰብ። ካብዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ልዕሊ ሸሞንተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት፡ ክልተ ብልክዕ ሓደ ዓይነት ትርኢት ወይ ባህርያት ዘለዎም ሰባት የለዉን። የሆዋ እተፈላለና ዓይነት ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ሓደ ናይቲ ሓደ ቕዳሕ ኪኸውን ኣይደለዮን። ይኹን እምበር፡ ሓድነት ኪህልወና ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ፍልልያትና ኪኸፋፍለና ብዘይ ምፍቃድ ሰላም ነስፍን ኢና። ካልኦት እተፈልየ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ንቕበሎ ኢና። ንሓድነት እታ ጉባኤ፡ ካብ ኣረኣእያናን ድሌትናን ንላዕሊ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።—ሮሜ 14:19።

እተፈላለየ ዓሌትን ዕድመን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ይምገቡ። ገሊኦም ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ፡ ገሊኦም ግና ኣይሰትዩን። ገለ ኻብቶም ኣሕዋት ጭሕሚ ኣንዊሖም ኣለዉ፡ ገሊኦም ግና ኣየንወሑን።

የሆዋ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እተፈልየ ገይሩ እኳ እንተ ፈጠረና፡ ሓድነት ኪህልወና ግና ይደሊ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


ውሳነ ኻልኦት እነኽብር ብኸመይ ኢና፧

12-13. ሓደ ሰብ ‘ይስሕት’ ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ገላትያ 6:1፣ “ንውሳነ ኻልኦት ምስ ዘይትሰማምዓሉ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

12 ካልኦት ብሕታዊ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ። ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘እዚ ሰብ “ይስሕት” ድዩ ዘሎ ወይስ እተፈልየ ስጕምቲ ጥራይ እዩ ዚወስድ ዘሎ፧’ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕስ ነገር ንምግባር ይስሕት እንተ ኣልዩ፡ ‘ንዕኡ ንምቕናዕ ዜኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ኣለኒ ድዩ፧ ወይስ ከምኡ ንምግባር ብቕዓት ዘለዎ ኻልእ ሰብ ኣሎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ ሰብ ክትሕግዞ ብቑዕ እንተ ዄንካ ኸኣ ብልኡም መንፈስ ከተረድኦ ፈትን። (ገላትያ 6:1 ኣንብብ።) ምናልባት እውን፡ እቲ ሰብ ስሒቱ ዘይኰነስ፡ ካብ ናትካ እተፈልየ ውሳነ ጥራይ ከም ዝገበረ ትርዳእ ትኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ ድማ ንድራኸ ሓውካ ኣብ ሕቶ ኣይተእትዎ ወይ ብዛዕባ ውሳነኡ ኣሉታዊ ነገር ኣይትዛረብ። ናይ ብሕቱ ውሳነ ንምግባር ዘለዎ መሰል ኣኽብረሉ፡ ከምኡ እውን ኣይትፍረዶ።—ሮሜ 14:2-4።

13 ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ፦ ምስ ሓደ ፈታዊኻ ናብ ቤት ምግቢ ኼድካ ንበል። ከምቲ ንስኻ ዝኣዘዝካዮ ምግቢ ኺእዝዝ ግዲ ምበልካዮዶ፧ ኣይፋልን። ዝደለዮ ዓይነት ምግቢ ኺመርጽ ንዘለዎ መሰል ከም እተኽብረሉ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ንሱ ዚመርጾ ንዓኻ ብዙሕ ኣይጸልወካን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ እቲ ፈታዊኻ፡ ዝደለኻዮ ዓይነት ምግቢ ኽትመርጽ ኣብ ክንዲ ዚፈቕደልካ፡ ንሱ ዚደልዮ ጥራይ እንተ ዚእዝዘልካ ደስ ከም ዘይብለካ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ርእይቶና ኪቕበሉ ብዘይ ምግዳድን፡ ብሕታዊ ውሳነ ኺገብሩ ብምፍቃድን ንኻልኦት ዘሎና ኣኽብሮት ከነርኢ ንኽእል ኢና።

ንውሳነ ኻልኦት ምስ ዘይትሰማምዓሉ

ሓደ ክርስትያን ንስኻ ዘይትሰማምዓሉ ውሳነ ምስ ዚገብር፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ ብምግባር ካብ ዘየድሊ ሻቕሎት ክትስተር ትኽእል ኢኻ።—ገላ. 6:5።

  • ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕስ ውሳነ ድዩ ገይሩ፧

  • እቲ ውሳነኡ ብድሕረ ባይታኡ ተጸልዩዶ ይኸውን፧

  • ናይ ሓቂ ዚጐድኦ ውሳነ ድዩ ዚገብር ዘሎ፡ ወይስ ኣነ እየ ዝሻቐል ዘለኹ፧

  • እቲ ውሳነኡ ገለ ጽቡቕ ውጽኢት ይህልዎዶ ይኸውን፧

  • ‘ይስሕት’ ድዩ ዘሎ፡ ወይስ ካብ ናተይ እተፈልየ ስጕምቲ ጥራይ እዩ ዚወስድ ዘሎ፧

  • ይስሕት እንተ ኣልዩኸ፡ ኣተሓሳስባኡ ንምቕናዕ ዜኽእለኒ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ኣለኒ ድዩ፧

14. ብሕታዊ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ሓድነት እታ ጉባኤ ኽትዕቅብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1 ቈረንቶስ 8:12, 13)

14 ንስኻ ብሕታዊ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ። ንኻልኦት ዜጕሂ ነገር ብዘይምግባር፡ ሓድነት እታ ጉባኤ ኽትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 8:12, 13 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ኽትገብሮ ሓሲብካ ዘለኻ ውሳነ ‘ፍቑድ’ ወይ ከኣ ቅቡል ምዃኑ ትፈልጥ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ንሓውካ ዜጕሂ እንተ ዀይኑስ ‘ጠቓሚ’ ኺብሃል ይከኣል ድዩ፧c (1 ቈረ. 10:23, 24) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ መሰልካ ኸተኽብር ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ንስምዒት ካልኦት ኣብ ግምት ከተእቱ ጽቡቕ እዩ። (ሮሜ 15:1) ርግጽ እዩ፡ ካልኦት ንብሕታዊ ውሳነና ኬኽብሩልና ኸም ዘለዎም ኣቐዲምና ርኢና ኢና። ከምቲ ንሕና ውሳነታቶም እነኽብረሎም፡ ንሳቶም እውን ውሳነና ኬኽብሩልና ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ 12:18፡ “ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ብምባል ዝሃበና ምኽሪ ኽንዝክሮ ይግባእ። ስለዚ፡ ንኣሕዋትና ዜጕህዮም ነገር ብዘይምግባር፡ ሰላም ንምዕቃብ ዚከኣለና ንገብር ኢና።

15. ሽማግለታት ንሓድነት እታ ጉባኤ እጃሞም ኬበርክቱ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (1 ቈረንቶስ 4:6)

15 ሽማግለታት ውሳነ ኻልኦት የኽብሩ እዮም። ሽማግለታት ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት፡ ሕግታት ብዘይ ምውጻእን፡ “ክንየው እቲ ጽሑፍ” ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ምኻድን፡ ንሓድነት እታ ጉባኤ እጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 4:6 ኣንብብ።) እዚ ማለት ከኣ፡ ክንየው እቲ ኣብ ጽሑፋትና ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣይከዱን እዮም። ብተወሳኺ፡ ሓደ ክርስትያን ሓገዝ ኪሓትቶም ከሎ፡ ኣብ ተመክሮኦም ጥራይ ተመርኲሶም ምኽሪ ኸይህቡ ይጥንቀቑ እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምኽሪ እዮም ዚህቡ።—ኢሳ. 48:17, 18።

16. ሓደ ሽማግለ ነቲ ብኣካል ሽማግለታት እተዋህበ ውሳነታት ኣኽብሮት ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

16 ሽማግለታት ነቲ ብኣካል ሽማግለታት እተገብረ ሓባራዊ ውሳነታት የኽብርዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣካል ሽማግለታት መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ብጸሎት ይልምኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይምርምሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ውሳነ ይበጽሑ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ድማ ዋላ እኳ እቲ ናቱ ርእይቶ ብኻልኦት ተቐባልነት እንተ ዘይረኸበ፡ ነቲ እተዋህበ ውሳነ ግና ይድግፎ እዩ። (ኤፌ. 5:17) ብተወሳኺ፡ ሽማግለታት ንቲኦክራስያዊ መምርሒታት ተጠንቂቖም ይስዕብዎ እምበር፡ ንኣረኣእያኦም ከም ዚድግፍ ኪገብርዎ ኣይፍትኑን እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸት ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ነጺሉ ብምውሳድ፡ ንናይ ብሕቱ ኣረኣእያ ንምድጋፍ ኣይጥቀመላን እዩ።

17. ውሳነ ኻልኦት ምስ እነኽብር ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

17 ከምዚ እተምሃርናዮ፡ እተፈላለየ ኣረኣእያታትን ምርጫታትን እዩ ዘሎና። ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ባህርያትን ዘሎና ምዃንና፡ ነታ ጉባኤ ሰሓቢት ይገብራ እዩ። ስለዚ፡ ፍልልይና ኪኸፋፍለና ኣይንፍቀድ። ንኻልኦት ከይነጕሂ ብምጥንቃቕን ንብሕታዊ ውሳነታቶም ብምኽባርን ድማ ሓድነትና ንዓቅብ። ከምዚ ኽንገብር እንተ ጽዒርና ዓስቢ ንረክብ፡ ጉባኤና ኸኣ ሕጕስትን ሓድነት ዘለዋን ትኸውን።—መዝ. 133:1፣ ማቴ. 5:9።

እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣረኣእያን ውሳነን ካልኦት ከነኽብር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

  • ያእቆብ 4:12

  • ገላትያ 6:1

  • 1 ቈረንቶስ 4:6፣ 8:12, 13

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

a ሓደ ክርስትያን ናብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚግበር ስነ ስርዓት ቀብሪ ወይ መርዓ ብዛዕባ ምኻድ ዚገብሮ ውሳነ ብእተፈላለየ ረቛሒታት ይጽሎ እዩ። ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ሓድሓደ ግዜ፡ ሽማግለታት ነቶም ንትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕሱ ኺፈርዱ ሓላፍነት ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኢሎም ጽድቃዊ ስርዓታቱ መሰረት ብምግባር እዮም ዚፈርዱ።—ምስ 2 ዜና መዋእል 19:6 ኣረኣኢ።

c ንኣብነት፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 35፡ ነጥቢ 5 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ