1-7 ሰነ 2026
መዝሙር 111 መሐጐሲና
ጽሉእ ክነስኻ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትሕጐስ፧
“ሰባት . . . ምስ ዚጸልኡኹም፡ . . . ሕጉሳት ኢኹም።”—ሉቃ. 6:22።
ኣትኵሮ
ሰባት ንየሆዋ ብምግልጋልና ምስ ዚጸልኡና፡ ስለምንታይ ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል።
1. የሱስ እንታይ ዜደንጹ ዘረባ እዩ እተዛረበ፧
የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ሰባት . . . ምስ ዚጸልኡኹም፡ . . . ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:22) ሰማዕቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይሲ፡ ኪጽላእ ዚደሊ ሓደ እኳ የልቦን። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ የሱስ ከምኡ ዝበለ፧ ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ብብዙሓት ሰባት ስለ ዚጽልኡ፡ እዚኣ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። እምበኣር፡ ስለምንታይ ጽሉኣት ከም ዝዀንናን ጽሉኣት ክነስና ስለምንታይ ከም እንሕጐስን እስከ ንመርምር።
ስለምንታይ ኢና እንጽላእ፧
2-3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚስጐጕሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ እዚኸ ነቲ ብዛዕባ ተጻረርትና ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ (ዮሃንስ 16:2, 3)
2 ንየሆዋ ስለ እነምልኽ፡ ንጽላእ ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቶም ንሰዓብቱ ዚሰጕጉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ዚቐትሉ ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ “ንኣቦን ንዓይን ስለ ዘይፈለጡና” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃንስ 16:2, 3 ኣንብብ።) እሞ ደኣ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ ተቓውሞ መን እዩ ቐንዲ ተሓታቲ፧ ሰይጣን እዩ። ንሱ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ተባሂሉ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:3, 4) ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኸይፈልጡ የዐውሮም፡ ሓቂ ንዚፈልጡን ንኣምላኽ ንዜፍቅሩን ሰባት ምእንቲ ኺጻረርዎም ከኣ ጽልዋ ይገብረሎም እዩ። (ዮሃ. 8:42-44) እሞ ደኣ እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ ብዛዕባ ተጻረርትና ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ ከም እተታለሉ ምፍላጥና፡ ንሕና እውን ብተራና ኸይንጸልኦም ይሕግዘና እዩ።
3 ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ሃገር ዚነብር ፓቨልa ዝስሙ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ንሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት ስለ ዜምልኾ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ፡ ብዜስካሕክሕ መገዲ ተቐጥቀጠ፡ ንኣዋርሕ እውን በይኑ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተኣስረ። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ይብል፦ “መስጐጕቲ ብሰንኪ እቲ ኣጋንንቲ ንንጹህ ኣምልኾ ንምጽራር ዚገብርዎ ነገር ከም ዚመጽእ ነጺሩለይ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚዓይዩ ሰባት ንዓና ብውልቂ ኣይጸልኡናን እዮም። ስራሖም እዮም ዚገብሩ ዘለዉ።” ካብ ዘይኣመንቲ ወለዱ ኸቢድ መስጐጕቲ ዘሕለፈ ኣብ ክሮአሽያ ዚነብር ሓው ከኣ፡ “ወለደይ ዘይኰኑስ፡ ሰይጣን ናይ ሓቂ ጸላእየይ ከም ዝዀነ ተገንዚበ እየ” ይብል።—ኤፌ. 6:12።
4. ካብ የሱስን ካብ እስጢፋኖስን እንታይ ንምሃር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 ንተጻረርትና ኣይንጸልኦምን ኢና። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ንጽልየሎም ኢና። (ማቴ. 5:44) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ካብ የሱስን ካብ እስጢፋኖስን ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ በቶም ሮማውያን ወተሃደራት ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ኣቦ፡ . . . ሕደገሎም” ኢሉ እዩ ጸልዩ። (ሉቃ. 23:34) ነቶም ኪቐትልዎ ትእዛዝ እተዋህቦም ወተሃደራት እዩ ኻብ የሆዋ ምሕረት ዚልምነሎም ነይሩ። ብዛዕባ እቶም ብሃይማኖታውያን ጸላእቱ ተደፋፊኦም ኪቕተል ዝጨደሩ ህዝቢ እውን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ህዝቢ እቲኦም፡ ዚገብርዎ ዘይፈልጡ ኸም ዝነበሩ የሱስ ተገንዚቡ እዩ። እስጢፋኖስ እውን ንኣምላኽ፡ ነቶም ቀተልቱ ይቕረ ኺብለሎም ለሚንዎ እዩ። (ግብ. 7:58-60) እሞ ደኣ የሆዋ ንየሱስን ንእስጢፋኖስን ጸሎቶም መሊሱሎምዶ፧ እወ። ኣብ ፍርድን ቅትለትን የሱስ እተሳተፉ ብዙሓት ሰባት ደሓር ተነሲሖምን ብየሱስ ኣሚኖምን ተጠሚቖምን እዮም። (ግብ. 2:36-41) ብዘይካዚ፡ እንተ ወሓደ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ሰሚሮም ዝነበሩ ሰባት፡ ማለት ሳውል ብዓል ጠርሴስ ደሓር ክርስትያን ኰይኑ እዩ፡ በቲ ብድንቍርና ዝገበሮ ሕማቕ ነገር እውን ኣመና ተጣዒሱ እዩ።—1 ጢሞ. 1:13።
ከምቲ የሱስን እስጢፋኖስን ምእንቲ እቶም ሰጐጕቶም ዝጸለዩ፡ ንሕና እውን ምእንቲ ሰጐጕትና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
5. ካብ ተመክሮ ሴሳር እንታይ ትምሃር፧
5 ሎሚ እውን የሆዋ ነቲ ምእንቲ ተጻረርቲ ዚቐርብ ጸሎት ይምልሶ እዩ። ንኣብነት፡ ተመክሮ እቲ ኣብ ቨነዝወላ ዚነብር ሴሳር ዚብሃል ሓው እስከ ንርአ። ኣቦኡ ሓያል ተቓዋሚ እዩ ነይሩ። ሴሳር ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ኣደይ ንፍዕቲ ሰበይትን ኣደን ክትገብሮ እትኽእል ኵሉ እያ እትገብር ነይራ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ተቐድም እኳ እንተ ነበረት፡ ንኣቦይ ግና ከቶ ዕሽሽ ኣይበለቶን። ንዓይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ከኣ ንኣቦና ኸነኽብሮ ምሂራትና እያ። ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር ነገር ክንገብር ክሳዕ ዘይሓተተና፡ ብዅሉ ኽንእዘዞ ምሂራትና እያ።” ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣረኣእያ ኣቦ ሴሳር ለስለሰ። ሴሳር ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ብልበይ ምስ ጸለኹ፡ ንኣቦይ ምስኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ሓቲተዮ። ‘ሕራይ’ ምስ በለኒ እተሰምዓኒ ስምዒት፡ ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን።” ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣቦ ሴሳር ተጠምቀ። ልክዕ እዩ፡ ኵሎም ተጻረርቲ ኣይኰኑን ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ዚገብሩ፣ ገሊኦም ግና ነቲ ኣኽብሮት ዝሓዘለ ኣዘራርባናን ነቲ ሰናይ ኣካይዳናን ምስ ተዓዘቡ፡ ኣረኣእያኦም የለስልሱ እዮም። ከምኡ ብምግባሮም ብዙሕ ኢና እንሕጐስ። እቲ መሓሪ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ዝዀነ የሆዋ ናብኡ ኺስሕቦም እውን ሃረር ንብል ኢና።—ዘፍ. 18:25።
6. ብመሰረት ማርቆስ 13:13፡ ስለምንታይ ኢና እንጽላእ፧
6 ንየሱስ ስለ እነኽብሮ፡ ንጽላእ ኢና። የሱስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ስለ ስሙ’ ብዅሉ ኸም ዚጽልኡ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 13:13 ኣንብብ።) “ስም” የሱስ ንምንታይ እዩ ዚውክል፧ ነቲ ኸም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ መንነትን ስልጣንን ይውክል እዩ። ስለዚ፡ በቶም ኣብቲ ብየሆዋ እተሓርየ የሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቶም ኣብ ምድራውያን መራሕቲ ዚውከሉ ሰባት ንጽላእ ኢና። የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ንስልጣኑ ዘይተቐበሉ ገዛእቲ ኼጥፍኦም እዩ።
7-8. ገሊኦም ህዝቢ የሆዋ ኣደዳ ላግጺ ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ዮሃንስ 15:18-20) (ስእልታት እውን ርአ።)
7 ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ስለ ዘይኰንና፡ ንጽላእ ኢና። የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ ኺዛረብ ከሎ፡ ‘ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ’ ኸም ዚጽልኡ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 15:18-20 ኣንብብ።) ኣብነት ቀዳሞት ክርስትያናት ብምስዓብ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያን ኣካይዳን ኣዘራርባን ንነጽጎ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ስራሕ ኰነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣደዳ ላግጺ ዀይኖም እዮም። (1 ጴጥ. 4:3, 4) እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ተጻረርቲ ሓሳቦም ብምቕያር ንመትከልና ስለ ዘኽበሩልና፡ በዚ ንሕጐስ ኢና።
8 ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዚነብር ኢግናስዮ ዝስሙ ሓው ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሱ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ስለ ዚስዕብ፡ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዚርከብ ሓደ መምህር ንዓመታት የላግጸሉ ነበረ። ኢግናስዮ ትምህርቱ ቕድሚ ምውዳኡ ግና፡ እቲ መምህር እቲ፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ ሃዋህው እቲ ኸመይ ገይሩ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለስ ከም ዝኸኣለ ሓተቶ። ኢግናስዮ ድማ፡ ሕግታት ኣምላኽ ንዕኡ ዕቝባ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸም ዚኣምን መለሰሉ። ድሕሪኡ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ዓደሞ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቲ መምህር ናብ ኣኼባ መጸ! በቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝረኣዮ ፍቕሪ ኣመና ስለ እተመሰጠ እውን፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲሩ ኺእከብ ጀመረ። ድሕርዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ምስ ጀመረ፡ ንዕኡ እውን ተቓውሞ ኣጋጠሞ። ኰይኑ ግና፡ መንፈሳዊ ዕቤት ገይሩ ተጠምቀ።
ዕድመና ብዘየገድስ፡ ንእምነትና ብትብዓት ክንጣበቐላ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)b
9-10. (ሀ) ስለምንታይ እዮም ክርስትያናት ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም እተፈልዩ ዝዀኑ፧ (ለ) ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧
9 ካብ ፖለቲካን ካብ ውግእን ገለልተኛታት ስለ ዝዀንና እውን፡ ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም እተፈለና ንኸውን ኢና። (ዮሃ. 18:36) ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1 ዘሎ ምኽሪ ስለ እንስዕብ፡ ሕጊ ሓሊና ንመላለስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ካብ ፖለቲካዊ ግጭታት ገለልትነትና ስለ እንሕሉ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይንሕዝን ወይ ንፖለቲካዊ ሕጹይ ድምጺ ኣይንህብን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋን ነታ ክርስቶስ ዝገዛኢኣ መንግስቱን ኢና እሙናት ኴንና እንመላለስ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ክርስትያናዊ እምነቶም ተኣሲሮም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስብከቶም ደው ኣየበሉን። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ሓንቲ ቤትን ኣብ ቤት ማእሰርትን ንዓመታት እተቐየደ ሃዋርያ ጳውሎስ ይመስልዎ እዮም። (ግብ. 24:27፣ 28:16, 30) ንሱ ንዚሰምዑ ዘበሉ ዅሎም፡ እንተላይ ንሓለውቲ እሱራት፡ ንፈራዶ፡ ንሹማምንቲ፡ ንነገስታት፡ ምናልባት እውን ንሰበ ስልጣን ሃጸይ ኔሮ ኣበሲርዎም እዩ።—ግብ. 9:15።
10 ገሊኦም እሱራት ኣሕዋትና እውን ንፈራዶ፡ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ ንሓለውቲ እሱራት፡ ኰታስ ንዚሰምዖም ዘበለ ዅሉ ይሰብኩ እዮም። ብምኽንያት ፖለቲካዊ ገለልትነቱ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት እተኣስረ ሓው ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ግዜ፡ ከም መቕጻዕቲ ዘይኰነስ፡ ኣባጊዕ መሰል ንዝዀኑ ሰባት ንምርካብ ብየሆዋ ኸም እተዋህቦ ዕዮ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ብኣና ገይሩ ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ከም ዚብሰሩ ምስ ዚገብር፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ። (ቈሎ. 4:3) ቀጺልና እምበኣር፡ ንየሆዋ ብምግልጋልና ሰባት ምስ ዚጸልኡና፡ ሕጉሳት ክንኰነሉ እንኽእል ካልእ ምኽንያታት ንርአ።
ጽሉኣት ክነስና፡ ስለምንታይ ኢና እንሕጐስ፧
11. መስጐጕቲ ንእምነትና ኼደልድሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።
11 ጽልኢ ዓለም፡ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንቢት፡ ሰይጣንን ዘርኡን፡ማለት ሰይጣንን ሰዓብቱን ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩን ዜገልግሉን ዘበሉ ኸም ዚጸልእዎም፡ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:15) ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ድማ፡ የሱስ ንሓቅነት እዚ ትንቢታዊ ቓላት ዜረጋግጽ ነገር ብዙሕ ሳዕ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 10:22፣ ማር. 13:9-12፣ ሉቃ. 6:22, 23፣ ዮሃ. 15:20) ክርስትያናት ዝዀኑ ኻልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ነገር ጽሒፎም እዮም። (2 ጢሞ. 3:12፣ ያእ. 1:2፣ 1 ጴጥ. 4:12-14፣ ይሁ. 3, 17-19) ስለዚ፡ መስጐጕቲ ኺልዓል ከሎ፡ ኣየሰምብደናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ብምህላዉ ንሕጐስ ኢና። እዚ ኸኣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ነገልግል ከም ዘለና የረጋግጸልና እዩ። ኣብ ዕዮና ቐይዲ ኣብ እተገብረሉ ሃገር እትነብር ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ርእሰይ ንየሆዋ ኽውፊ ኸለኹ፡ ውዒሉ ሓዲሩ መስጐጕቲ ኸም ዜጋጥመኒ እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ፈተናታት ምስ መጸ፡ ኣይፈራህኩን ወይ ኣይሰምበድኩን።” ሰብኣያ ሓደ ኻብቶም ብዙሓት ተጻረርታ እዩ ነይሩ። ንሱ ብዙሕ ገፍዓ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋታን እውን ኣቃጸሎ። እታ ሓብትና ግና ብፍርሂ ኣብ ክንዲ እተድሓርሕር፡ ብእምነት በርትዐት። (እብ. 10:39) ከምዚ ድማ ትብል፦ “መስጐጕቲ ብትንቢት ተነጊሩሉ ዝነበረ ነገር እዩ፣ ስለዚ ኸም ዚመጽእ እፈልጥ ነይረ እየ። ነዚ ኣብ ህይወተይ ምስ ረኣኹ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝሓዝኩ ኣእሚኑኒ።”
12. ሓደ ሓው መስጐጕቲ ኺጻወር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
12 ዋላ እኳ ንመስጐጕቲ እንተ ተጸበናዮ፡ ንምጽዋሩ ግና ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ እጭነቕን እሻቐልን ነይረ እየ፣ እበኪ እውን ነይረ እየ” ይብል። እሞ ደኣ ንምጽዋር እንታይ ሓጊዝዎ፧ ከምዚ ብምባል ይምልስ፦ “ወትሩ እጽሊ ነይረ። ንግሆ ንግሆ ብጸሎት እየ ዝጅምር። ኣብ መዓልቲ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኪፍጠር ከሎ እጽሊ ነይረ እየ። ብዝወረደኒ ግፍዒ ክቝጣዕ ከለኹ፡ ኣብ ሽቓቕ ተዓጽየ እጽሊ ነይረ እየ።” ብዘይካዚ፡ እዚ ሓውና እዚ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ንጽህናኦም ዝሓለዉ ኣብነታት የስተንትን ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መስጐጕቲ ኺጻወር፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ቓል ዝኣተወሎም ሰላም እውን ኪረክብ ኣኽኢልዎ እዩ።—ዮሃ. 14:27፣ 16:33።
13. ንጽልኢ ንምስዓር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
13 ካብ ጽልኢ እትሕይል ፍቕሪ ኣላትና። የሱስ ንኣቦኡ ኽሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ ብምሉእ ልቡ ኣፍቂርዎ እዩ። ንፈተውቱ እውን ኣፍቂርዎም እዩ። (ዮሃ. 13:1፣ 15:13) ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢልና፡ ንጽልኢ ኽንስዕራ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ።
14. ጳውሎስ ኣብ ኣፍ ሞት ጸኒዑ ኪቐውም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
14 ጳውሎስ ቀቅድሚ እቲ እተቐትለሉ እዋን፡ ነቲ ዚፈትዎ ዓርኩ ጢሞቴዎስ፡ “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን . . . እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን” ኢሉ ጽሒፉሉ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 1:7) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ሓደ ክርስትያን ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣማዕቢሉ፡ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኺጻወር ይኽእል ማለቱ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 1:8) እቲ ጳውሎስ ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ ኸኣ፡ ብትብዓትን ብተኣማንነትን ምስ ሞት ፊት ንፊት ኪጋጠም ኣኽኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 20:22-24።
15. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓድሕዶም ሓያል ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ነቶም ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ዚጸንዑ ክርስትያናት ብጾትና ብርግጽ ነፍቅሮም ኢና። ከምቲ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ክንዲ ጳውሎስ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ምእንቲ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኢሎም ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ እዮም። (ሮሜ 16:3, 4) ንኣብነት፡ ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ብዙሓት ክርስትያናት ንእተኣስሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምትብባዕ ናብ ቤት ፍርዲ ይኸዱ እዮም። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ረኣየት፡ ሕንቕንቕ ስለ ዝበለት ንእተወሰነ ግዜ ኽትዛረብ ኣይከኣለትን። እቲ ክርስትያናት ብጾታ ዘርኣይዋ ሓያል ፍቕሪ፡ ኣብቲ ዜድልያ ግዜ እዩ ኣበርቲዕዋ። እወ፡ ካብ ጽልኢ እትሕይል ፍቕሪ ስለ ዘላትናስ፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ!
ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ወይ ኣብ እተቐየደሉ ዓድታት እኳ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንክርስትያናት ብጾቶም ሓያል ፍቕሪ ኣርእዮም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)c
16. ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እቶም ንኣምላኽ ብምግልጋሎም ዚግፍዑ ዘበሉ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ጴጥሮስ 4:14)
16 ኣብ ትሕቲ ጽልኢ እነርእዮ ተጻዋርነት፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:14 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ እቶም ንኣምላኽ ብምግልጋሎም ዚግፍዑ ዘበሉ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ እዩ ተዛሪቡ። ስለምንታይ እዮም ዚሕጐሱ፧ ምኽንያቱ፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባታቶም ‘ይዓርፍ ከም ዘሎ’ መርትዖ ይኸውን እዩ። ስምረት ኣምላኽ ምርካብን መስጐጕቲ ምጽዋርን እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥር ጴጥሮስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ደድሕሪ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ኪሰብኩ ስለ እተረኽቡ፡ ሓለቓ ቤተ መቕደስን ገላዉኡን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተውዎም። ኰይኑ ግና፡ ሽዑ ጴጥሮስ ብትብዓት ብዛዕባ እምነቱ ተዛረበ። (ግብ. 5:24-29) ንሱን ካልኦት ሃዋርያትን ምስ ተገርፉ እኳ፡ ስብከቶም ደው ኣየበሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ምእንቲ [ስም የሱስ] ኪሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡” እናተሓጐሱ ኸዱ።—ግብ. 5:40-42።
17. የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዩ ዝበሎም፧
17 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ዜፍቅረኒ፡ . . . ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ . . . እየ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:21) ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋልና ኻብ ሰባት ጽልኢ ዘይኰነስ ፍቕሪ እንረኽበሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። (2 ተሰ. 1:6-8) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ካብቲ ኽንጽላእ ከለና እንሕጐሰሉ ሓያሎ ምኽንያታት ምጽንናዕን ብርታዐን ንርከብ።
መዝሙር 149 መዝሙር ዓወት
a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ኢግናስዮ ንመምህሩ ኺምስክረሉ ኸሎ ዜርኢ ተዋስኦ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓንቲ ብምኽንያት እምነታ ናብ ቤት ማእሰርቲ እትውሰድ ዘላ ክርስትያን ብጸይቶም ኬተባብዕዋ ኸለዉ ዜርኢ ተዋስኦ።