ገጸ ባህርይ መጽሓፍ ቅዱስ
ከም በናያ ተባዕን እሙንን ኩን
በናያ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ዳዊትን ንጉስ ሰሎሞንን ዜገልግል ዝነበረ ተባዕ ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ወዲ ኻህን እኳ እንተ ነበረ፡ ካህናት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጽዋር ዘየልዕሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ኣብ ውግእ የሆዋ ይሳተፍ ነበረ። ኣዝዩ እውን ተባዕ ነበረ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ናብ ጕድጓድ ማይ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ዕጥቂ ንዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ቀተሎ። ዳዊት ንበናያ ኣጸቢቑ ይኣምኖ ስለ ዝነበረ፡ ሓለቓ ዘብዐኛታቱ ገበሮ።—2 ሳሙ. 23:20-23።
ብግዜ ዕልወት ኣቤሴሎምን ብግዜ ዕልወት ኣዶንያን፡ በናያ ብተኣማንነት ናብ ዳዊት ለገበ። (2 ሳሙ. 8:18፣ 15:18፣ 1 ነገ. 1:8) ዳዊት ምስ ኣረገ እውን፡ በናያ ብተኣማንነት ነቲ ንሰሎሞን ንምንጋስ እተወስደ ስጕምቲ ደገፈ። (1 ነገ. 1:32-40) እወ፡ በናያ ኣብቲ ኻልኦት ዝጠለሙሉ እዋን እኳ ንየሆዋን ንቕቡኣቱን እሙን ነበረ።
ንሕና እውን ምስቲ ሓያል ጸላኢና ሰይጣንን ምስ ደገፍቱን ንምቅላስ ትብዓት የድልየና እዩ። ብመለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ እውን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። (ኤፌ. 6:11፣ 1 ጴጥ. 5:8, 9) ገሊኦም ንየሆዋ ኺሓድግዎ እኳ እንተ ወሰኑ፡ ንሱ ዓስብና ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ስለ ዝዀንና፡ ብተኣማንነት ናብኡ ንለግብ ኢና።—2 ሳሙ. 22:26።