25-31 ግንቦት 2026
መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’
ልቦና ኣርኢ እሞ ኣሳልጦ ኽትረክብ ኢኻ
“እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ ይረክብ።”—ምሳ. 16:20።
ኣትኵሮ
ልቦና እንተ ኣርኢና፡ ንኣጸጋሚ ዅነታት ንምስጋር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና።
1-2. ልቦና እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
ዚግብኣካ ኣኽብሮት ከም ዘይተዋህበካ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሰብ ብዛዕባኻ ግጉይ ግምት ኣሕዲሩ ወይ በዲሉካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ዜፍርህ ኵነታት ኣቲኻዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ብኣወንታዊ መገዲ ምላሽ ምሃብ ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብዝን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ኵነታትን ኪሕግዘና ዚኽእል ነገር ይሕብረና እዩ። እዚ ድማ ልቦና እዩ።
2 ልቦና ኺብሃል ከሎ፡ ንዅነታት ብዕምቈት ናይ ምርኣይ ክእለት ወይ ስግር እቲ ርኡይ ናይ ምስትውዓል ክእለት የመልክት። ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም ዚኸውን ወይ ሓደ ሰብ ስለምንታይ ሓደ ነገር ከም ዚገብር ክንርዳእ የኽእለና። ስለዚ ድማ፡ ልቦና እንተ ኣልዩና፡ ብጥበብ ኢና ስጕምቲ እንወስድ። ንኣብነት፡ ልቦና ምስ ዚህልወና፡ ‘ከናፍርና ኽንቈጻጸርን’ መዓስ ‘ስቕ ከም እንብል’ ክንፈልጥን ንኽእል ኢና። (ምሳ. 10:19፣ መዝ. 4:4) ቍጥዓና ኽንቈጻጸርን በደል ዕሽሽ ክንብልን እውን ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ተግሳጽን መአረምታን ክንቅበል ንኽእል ኢና። (ምሳ. 19:20) ስለዚ፡ ልቦና ኸነርኢ ኸለና፡ ንየሆዋ ባህ ኣብ ርእሲ ምባልና፡ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ሰባት ብቓላትናን ብተግባራትናን ንጠቅም ኢና። ምናዳ ኣብቲ ብታህዋኽ ወይ ብስምዒት ክንምልስ እንፍተነሉ ዅነታት፡ ልቦና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስተ ዛንታታት ንርአ። ኣብኡ ድማ ልቦና ምስ ዚህልወና፡ ብኸመይ ብትሕትና ኽንመላለስ፡ ኣብ ዜቘጥዕ ኵነታት ክንሃድእ፡ ኣብ የሆዋ እውን ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።
ብትዕቢት ዘይኰነስ፡ ብትሕትና ምላሽ ሃብ
3. ንእማን መን እዩ ነይሩ፧
3 ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንምርካብ፡ ካብ ትዕቢት ክንርሕቕ ኣሎና። (1 ጴጥ. 5:5) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ልቦና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ዛንታ ንእማን እስከ ንርአ። ንእማን ኣብታ ኻብ እስራኤል ብሰሜን እትርከብ ዝነበረት ሶርያ ይነብር ነበረ። ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ስለ ዝነበረ፡ ምርኡይ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ደዌ ብዚብሃል ዜስካሕክሕ ሕማም ቈርበት ተጠቒዑ ነበረ።—2 ነገ. 5:1።
4. ንእማን ምስትውዓል ከም ዝነበሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
4 ሰበይቲ ንእማን፡ ገረድ ኰይና እተገልግል ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ነበረታ። ንሳ ኸኣ ኣብ እስራኤል ዚርከብ ነብዪ ንሰብኣያ ኻብ ሕማሙ ኼሕውዮ ኸም ዚኽእል ነገረታ። (2 ነገ. 5:2, 3) ንእማን ብዛዕባ እዚ ምስ ተነግሮ፡ ‘ሓንቲ ኻብ ጸላኢ እተማረኸት ዘይትረብሕ ገረድ እንታይ ዚዓብስ ነገር ክትፈልጥ ትኽእል፧’ ኢሉ ኺሓስብ ምኸኣለ። ኰይኑ ግና፡ ምስትውዓል ነበሮ። ንዅሉ እቲ ዝበለቶ ብትዕቢት ዕሽሽ ኣብ ክንዲ ዚብሎ፡ ንዘረባኣ ብቝም ነገር ረኣዮ። ካብ ሕማሙ ምእንቲ ኺሓዊ ድማ፡ ናብ እስራኤል ንምኻድ ዜኽእሎ ፍቓድ ካብ ንጉስ ሶርያ ረኸበ።—2 ነገ. 5:4, 5።
5. ንእማን ናብ እስራኤል ምስ ከደ፡ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧
5 ንእማን ካብ ደዌኡ ኺሓዊ ኢሉ ናብ ቤተ መንግስቲ ዮራም ንጉስ እስራኤል ከደ። ዮራም ግና፡ ንጉስ ሶርያ ኺብኣሶ ይደሊ ኸም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ነብዪ ኤልሳእ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዮራም ልኢኹ፡ ንንእማን ናብኡ ኺልእከሉ ሓተቶ። (2 ነገ. 5:6-9) ንእማን ናብ ኤልሳእ ምስ ከደ ግና፡ ከምቲ እተጸበዮ ገይሩ ኣይኰነን ተቐቢልዎ። ኤልሳእ ካብ ቤቱ ወጺኡ ኣይተቐበሎን ወይ ባዕሉ ኣይተዛረቦን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ሕማሙ ንምሕዋይ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ልኡኽ ልኢኹ ነገሮ።—2 ነገ. 5:10።
6. (ሀ) ንእማን ነቲ ብልኡኽ ዝመጸሉ መምርሒ ብትዕቢት ምላሽ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ (ለ) ገላዉ ንእማን ብኸመይ እዮም ልቦና ኣርእዮም፧ እዚኸ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ (2 ነገስት 5:13, 14)
6 ኣብ ፈለማ፡ ንእማን ነቲ ልኡኽ ወይ ነቲ ሒዙሉ ዝመጸ መልእኽቲ ጽቡቕ ምላሽ ኣይሃበን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ተቘጢዑ ኪኸይድ ጀመረ፡” “ነዲሩ ድማ ገጹ መሊሱ ኸደ” ይብል። (2 ነገ. 5:11, 12) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ልዑል መዓርግ ዝነበሮ ሓለቓ ሰራዊት ብምንባሩ፡ ዚግብኦ ኣኽብሮት ከም ዘይረኸበ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ኤልሳእ ዝመጸ መምርሒ ንሶርያ ንዕቀት ዜርኢ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ኺሓዊ ኢሉ ዝመጸሉ ጕዳይ ሓዲጉ ናብ ዓዱ ኺምለስ ሓሰበ። ገላዉኡ ግና ልቦና ኣርኣዩ፡ ንውሳነኡ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ እውን ለመንዎ። ሽዑ፡ ንእማን ንትዕቢቱ ውሒጡ፡ ብትሕትና ኸምቲ ኤልሳእ ዝበሎ ገበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ሕማሙ ሓወየ!—2 ነገስት 5:13, 14 ኣንብብ።
7. ካብ ዛንታ ንእማን እንታይ ንምሃር፧ (ምሳሌ 22:4) (ስእልታት እውን ርአ።)
7 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ስግር እቲ ርኡይ ብምጥማት፡ ማለት ስግር ደጋዊ ትርኢት ብምርኣይ፡ ልቦና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ስምዒትና ኺቈጻጸረና ብዘይምፍቃድ እውን፡ ልቦና ነርኢ ኢና። ልቦና እንተ ኣልዩና፡ ብትሕትና ኢና እንመላለስ። ኵሉ ነገር ከም ዘይንፈልጥ ነስተውዕል ኢና። ካብ ካልኦት፡ ምናዳ ኸኣ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኬድልየና ይኽእል እዩ። ንእማን ኣምላኺ የሆዋ ኣይነበረን፣ ኰይኑ ግና፡ ብትሕትና ነታ እስራኤላዊት ጓልን ንገላዉኡን ነቲ ተወካሊ የሆዋ ዝዀነ ኤልሳእን ብምስማዕ፡ ልቦና ኣርእዩ እዩ። ስግር እቲ ተጐዲኡ ዝነበረ ስምዒቱ ኺርኢ ኽኢሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣሳልጦ ዝመርሖ ጥበባዊ ውሳነ ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንሕና እውን ንሓደ ጕዳይ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና፡ ንኣብነት ዘይንሰማምዓሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኺውሃበና ኸሎ ወይ ዘይተረድኣና ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ ምላሽ ቅድሚ ምሃብና፡ እቲ እንብሎ ወይ እንገብሮ ንትዕቢት ወይ ንትሕትና ዜንጸባርቕ ምዃኑ ሓንሳእ ደው ኢልና ኽንሓስብዶ ኣይግባእን፧—ምሳሌ 22:4 ኣንብብ።
ከምቲ ንእማን ብትሕትና ዘረባ ሰብ ዝሰምዐ፡ ንሕና እውን ምኽሪ ኺውሃበና፡ ብዛዕባ ሓደ ጸገም ኪንገረና፡ ወይ ካብ ውድብ ኣምላኽ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ ክንሰምዕ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)
ብቝጥዓ ዘይኰነስ፡ ብህድኣት ምላሽ ሃብ
8. እንታይ ኵነታት እዩ ንህድኣትና ኺፍትኖ ዚኽእል፧
8 ልቦና እንተ ኣልዩና፡ ዜበሳጩ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ክንዲ እንቝጣዕ፡ ክንሃድእ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ ሕማቕ ወይ ዘይፍትሓዊ ቓላትን ተግባራትን ኬጋጥመና ኸሎ፡ ዜቘጥዕ ምኽንያት ስለ ዚህልወና፡ እዚ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 4:26) ዳዊትን ኣቢጋይልን ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት ብኸመይ ልቦና ኸም ዘርኣዩ እስከ ንርአ።
9. ናባል ንዳዊት እንታይ ምላሽ እዩ ዝሃቦ፧
9 ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ዳዊትን ሰቡን ካብ ሳኦል ሃዲሞም ኣብ በረኻ ጳራን ይነብሩ ነበሩ። (1 ሳሙ. 25:1) ኣብኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ፡ ንጓሶትን ንመጓሰን እቲ ናባል ዚብሃል ሃብታም ሰብኣይ የዕቍብዎም ነበሩ። (1 ሳሙ. 25:15, 16) ኣባጊዕ ዚቕምቀማሉ ወቕቲ ምስ ኣኸለ፡ ዳዊት ናብ ናባል ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም ከኣ ሰናይ ትምኒቶም ድሕሪ ምግላጾም፡ ብዓቕሙ ኺሕግዞም ብትሕትና ለመንዎ። (1 ሳሙ. 25:6-8) ናባል ግና ነቲ ዳዊትን ሰቡን ዝገበሩሉ ነገር ዋላ ሓንቲ ምስጋና ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ዳዊት ዝቐረበሉ ልማኖ ሕማቕ ምላሽ ሃበ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንዳዊትን ንሰቡን ዘለፎም።—1 ሳሙ. 25:10, 11።
10. ዳዊትን ኣቢጋይልን ልቦና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (1 ሳሙኤል 25:32, 33) (ስእሊ እውን ርአ።)
10 ኣብ ቦታ ዳዊት እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ዳዊት ስለምንታይ ኣዝዩ ኸም እተቘጥዐ ምግማቱ ኸቢድ ኣይኰነን። ስምዒት ዘይብሉ ሰብ ኣይነበረን፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ፡ ኣመና ስለ እተቘጥዐ፡ ንናባል ኪቐትሎ ደለየ። (1 ሳሙ. 25:13, 21, 22) ከምኡ ንምግባር ምስ ተላዕለ ኸኣ፡ ኣቢጋይል እትብሃል ለባም ሰበይቲ ናባል ሓሳቡ ኣቐየረቶ። እሞ ደኣ ብኸመይ እያ ኣቢጋይል ልቦና ኣርእያ፧ ዳዊት ነዲሩ እኳ እንተ ተላዕለ፡ ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ኣስተውዓለት፣ ስለዚ፡ ንቝጥዓኡ ንምቍጽጻር ክትሕግዞ ኢላ ዚከኣላ ገበረት። ብዙሕ ህያብ ሃበቶ፡ ብትሕትና እውን ጥበባዊ ምኽሪ ሃበቶ። (1 ሳሙ. 25:18, 23-31) ዳዊት ድማ ናብቲ ኣቢጋይል እተዛረበቶ ዘረባ ብምቕላብ፡ ኣብ ቃላታ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኸም ዘሎ እውን ብምስትውዓል፡ ልቦና ኣርኣየ። በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ሃድአ፡ ካብ ከቢድ ጌጋ እውን ተሰትረ።—1 ሳሙኤል 25:32, 33 ኣንብብ።
ዳዊትን ኣቢጋይልን ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት ልቦና ስለ ዘርኣዩ፡ ህይወት ሰባት ደሓነ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
11. ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ልቦና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ምሳሌ 19:11)
11 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ዋላ እኳ ዜቘጥዕ ግቡእ ምኽንያት እናሃለወና፡ ልቦና እንተ ኣልዩና፡ ነቲ ነገር ብሰላም ኢና እንሕዞ። ልቦና ብዛዕባ እቲ ቓላትናን ተግባራትናን ዜስዕቦ ሳዕቤናት ክንሓስብ የኽእለና እዩ። (ምሳሌ 19:11 ኣንብብ።) ዳዊት ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ምስ ተዘኻኸረ፡ ቍጥዓኡ ኺቈጻጸር ክኢሉ እዩ። ንስኻ እውን ብሓደ ነገር እንተ ተቘጢዕካ ወይ እንተ ተበሳጪኻ፡ ከይሓሰብካ ምላሽ ኣይትሃብ። (ያእ. 1:19) ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ፣ ግዜ ወሲድካ እውን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንሱ እንታይ ከም ዚሓስብ ፍለጥ። እዚ ኸኣ ኬህድኣካ እዩ።
12. ምእንቲ ኽንሃድእን ልቦና ምእንቲ ኽንገብርን፡ ካብ ካልኦት ብኸመይ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል፧
12 ከምቲ የሆዋ ብኣቢጋይል ኣቢሉ ንዳዊት ኬስተውዕል ዝሓገዞ፡ ንዓና እውን ልቦና ኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንሓደ ዜበሳጩ ዅነታት ምላሽ ቅድሚ ምሃብካ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንዘለዎ ብሱል ክርስትያን ከተማኽር ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 12:15፣ 20:18) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንፈታዊኻ ዜበሳጩ ዅነታት እንተ ኣጓኒፍዎ፡ ከምቲ ኣቢጋይል ዝገበረቶ ኽትሕግዞ ትኽእልዶ፧ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ንፈታዊኻ ኸተርእዮ ትኽእልዶ፧ ነቲ ሰባት ልቦና ምእንቲ ኺገብሩን ምእንቲ ኺሃድኡን ንምሕጋዝ እትገብሮ ጻዕርታት፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኾ እዩ።
ብፍርሂ ዘይኰነስ፡ ብምትእምማን ምላሽ ሃብ
13. ልቦና ስግር እቲ ፍርህና ኽንርኢ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
13 ሓድሓደ ግዜ፡ ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ልቦና እንተ ኣልዩና ግና፡ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዝዀነ ይኹን ዜፍርህ ነገር ምስቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኸም ዘይኰነ ስለ እንዝክር፡ ስግር እቲ ፍርህና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (መዝ. 27:1) የሆዋ ዋላ እውን ነቲ ተስፋ ዘይብሉ ዚመስል ኵነታት ክንሰግር የኽእለና እዩ። ኣብ ህይወት ነብዪ ዮናስ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ጐሊሑ ይርአ እዩ። ዮናስ መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ሓደ ኣጸጋሚ ዕዮ ምስ ተዋህቦ ግና፡ ዝያዳ ልቦና ኣድልይዎ ነይሩ እዩ።
14. ዮናስ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኪቕበል ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧
14 የሆዋ ንዮናስ ከቢድ ዕዮ ሃቦ፣ ናብ ነነዌ ኸይዱ ንነበርታ መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጀሎም ኣዘዞ። (ዮና. 1:1, 2) እዚ ዕዮ እዚ እንተ ዚውሃበካ ነይሩ፡ ከመይ ምተሰምዓካ፧ እቲ ኻብ እስራኤል ናብታ ነነዌ እትብሃል ከተማ ኣሶራውያን ብእግሪ ዚግበር ጕዕዞ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዚወስድ እዩ ነይሩ። ኣሶራውያን ከኣ ሕሱማትን ጨካናትን እዮም ነይሮም። ነነዌ ድማ “ከተማ ምፍሳስ ደም” ተባሂላ እያ ተጸዊዓ ነይራ። (ናሆ. 3:1, 7) ስለዚ፡ ዮናስ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኣብ ክንዲ ዚቕበል፡ ኪሃድም ወሰነ።—ዮና. 1:3።
15. ዮናስ ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ኺተኣማመን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ዮናስ 2:6-9)
15 ዮናስ ኪሃድም ከሎ፡ የሆዋ ንዕኡ ብተኣምራዊ መገዲ ህይወቱ ብምድሓን ብዛዕባ ሓይሉ ኣዘኻኸሮ። (ዮና. 1:15, 17) ሽዑ ዮናስ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማህረ። ስግር እቲ ናብ ነነዌ ኪኸይድ እተዋህቦ ዜፍርህ ዕዮ ኺርኢ ኸኣለ፣ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ኼዕቍቦ ኸም ዚኽእል ተገንዘበ። (ዮናስ 2:6-9 ኣንብብ።) ድሕርዚ፡ የሆዋ ንዮናስ፡ ነቲ ዕዮ ኪቕበል ካልኣይ ዕድል ምስ ሃቦ፡ ዓይኑ ኣይሓሰየን። ናብ ነነዌ ኸደ፣ ካብቲ ኣብኡ ዝገበሮ ኣገልግሎት እውን ጽቡቕ ፍረ ረኸበ።—ዮና. 3:5።
16. ልቦና ኣብ ዜፍርህ ኵነታት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ምሳሌ 29:25) (ስእልታት እውን ርአ።)
16 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ምናዳ ኸኣ ፍርሂ ሰብ፡ ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዕንቅፋት ኪዀነና ኣይንደልን ኢና። (ምሳሌ 29:25 ኣንብብ።) ዮናስ ልቦና ስለ ዘርኣየ፡ ስግር እቲ ዕዮኡ ኺርኢ፡ ኣብ ደገፍ የሆዋ እውን ኬተኵር ክኢሉ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ስግር ፍርህና ኽንጥምት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንዓና ንምሕጋዝን ንምዕቋብን ዝገበሮ ነገራት ድማ ከነስተንትን ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቶም ብየሆዋ ተኣሚኖም ዜፍርህ ኵነታት ዝሰገሩ ወይ ከቢድ ዕዮታት ዝፈጸሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ከነስተንትን ንኽእል ኢና።a (እብ. 13:6) እምበኣር፡ እምንቶና ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምግባር፡ ንኻልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ብምሕጋዝ፡ ልቦና ነርኢ።
ልቦና እንተ ኣልዩና፡ ካብ ኣምላኽ ንዚመጽእ መምርሒ ኽንቅበል፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ኣሳልጦ ኽንረክብ ከም እንኽእል፡ ካብ ኣብነት ዮናስ ንምሃር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)
ልቦና ንግበር፡ ልቦናና እውን ንሓሉ
17. ከመይ ጌርና ኢና ብዝያዳ ልቦና ኽንገብር እንኽእል፧
17 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ልቦና እንተ ኣርኢና፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ብዝያዳ ልቦና ኽንገብር እንኽእል፧ የሆዋ ቐንዲ ምንጪ ልቦና እዩ፣ ንኣምለኽቱ ድማ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ኣቢሉ ልቦና ይህቦም እዩ። (ነህ. 9:20፣ መዝ. 32:8) ስጕምትታትና ኸነቕንዕን ስምዒታትና ኽንቈጻጸርን ዜኽእለና ምኽሪ ይህበና እዩ። (መዝ. 119:97-101) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ኣጸቢቕና እንተ ሓሲብናሉ፡ ካብቲ ሓያል መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና እውን ብጸሎት ንየሆዋ እንተ ለሚንናዮ፡ ልቦና ኽንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዝነጸረ ርድኢት ከነጥሪ፡ ነቲ ጕዳይ እውን ጽቡቕ ጌርና ኽንሕዞ ስለ ዜኽእለና፡ ዘረባና ዀነ ተግባርና ንኣተሓሳስባ የሆዋ ዜንጸባርቕ ይኸውን።—ምሳ. 21:11፡ እ.ጽ.።
18. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
18 እምበኣር፡ ካብ የሆዋ ዚርከብ ልቦና ንድለ፡ ነዚ እውን ኣኽቢርና ንርኣዮ። (መዝ. 14:2) ከምኡ እንተ ጌርና፡ “ካብ መገዲ ልቦና” ኣይከነልግስን ኢና። (ምሳ. 21:16) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኵሉ ሳዕ ብልቦና ንምምልላስ ቈራጽነት ክንገብር ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ‘ኣሳልጦ ኽንረክብ’ ኢና።
መዝሙር 42 ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ
a ንኣብነት፡ ኣብ JW Library® ወይ ኣብ jw.org፡ “ታሪኽ ህይወት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ዝወጸ ተመክሮ ጎርጊ ፖርቺልያን ርአ።