ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ታሕሳስ ገጽ 8-13
  • ምኽሪ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምኽሪ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዝሃብዎ ምኽሪ
  • ኤሊሁ ንእዮብ ዝሃቦ ምኽሪ
  • ብሕጂ እውን ካብ መጽሓፍ እዮብ ተጠቐም
  • የሆዋ ኻብ ስቓዩ ኣሕወዮ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ዓስቢ እዮብ —ምንጪ ናይ ተስፋ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ እዋን መከራ፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ታሕሳስ ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

ምኽሪ ኣብ እትህበሉ እዋን፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ

“ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ።”—እዮ. 33:1።

ኣትኵሮ

ጽቡቕ ምኽሪ ንምሃብ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ከም እትሕግዘና።

1-2. እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብን ኤሊሁን እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧

እቲ ወረ ኣብቶም ሰብ ምብራቕ፡ ከም ባርዕ ተላብዐ። እቲ ብሃብቱ ኽሳብ ርሑቕ ስሙይ ዝነበረ እዮብ፡ ዘለዎ ዅሉ ሰኣነ። እቶም ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዚብሃሉ ሰለስተ ብጾት እዮብ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ ምስ ሰምዑ፡ ኬጸናንዕዎ ኢሎም ናብ ዑጽ ከዱ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ግና፡ ዘይተጸበይዎ ነገር እዩ ጸኒሕዎም።

2 ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። እዮብ ኵሉ ጥሪቱ እዩ ስኢኑ። ካብ ኣባጊዑን ማሉን ኣግማሉን ኣእዱጉን ዋላ ሓንቲ ኣይተረፎን። ደቁ ሞይቶም፡ መብዛሕትኦም ገላዉኡ እውን ተቐቲሎም እዮም ነይሮም። እታ ደቂ እዮብ ዝሞቱላ ቤት እውን ዓንያ እያ ነይራ። ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ እዮብ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ እዩ ነይሩ። ሰብነቱ ብዜቐንዙ ምጕልንጭዋ ተወሪሱ እዩ ነይሩ። እቶም ሰለስተ ሰብኡት፡ እዮብ ሓዚኑን ኣብ ሓምዅሽቲ ተቐሚጡን ከሎ ኻብ ማዕዶ ረኣይዎ። እሞ ደኣ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝነበረ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብዎን። (እዮ. 2:12, 13) ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ኤሊሁ ዚብሃል ካባታቶም ዝነኣሰ ሰብኣይ መጺኡ ኣብ ጥቓኦም ተቐመጠ። ኣብ መወዳእታ፡ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ፡ ሞቱ እውን ተመነየ። (እዮ. 3:1-3, 11) ስለዚ፡ ንእዮብ ሓገዝ የድልዮ ነይሩ እዩ! እዞም ሰብኡት እዚኦም ዚዛረብዎ ዘረባን ኣዘራርባኦምን ብሓቂ ፈተውቲ እዮብ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ከምኡ እውን ብሓቂ ዚግደሱሉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ዜርኢ እዩ ነይሩ።

3. ሕጂ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር፧

3 የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብን ኤሊሁን ዝበልዎ ዀነ ዝገበርዎ ነገር መዝጊቡልና ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኤሊፋዝ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብእኩይ መንፈስ ተደሪኹ ኪኸውን ከም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን። ኤሊሁ ግና ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ እዩ ተዛሪቡ። (እዮ. 4:12-16፣ 33:24, 25) ስለዚ ድማ ኢና ኣብ መጽሓፍ እዮብ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸን ካብ ኵሉ ዝኸፍአን ምኽሪ ተመዝጊቡ እንረክብ። ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንረኽቦ ኣገዳሲ ጥቕሚ፡ ምኽሪ ንምሃብ እንረኽቦ ሓገዝ እዩ። ፈለማ፡ ካብቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ መለበሚ ዝዀነና ነገር ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ ድማ፡ ነቲ ኤሊሁ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ክንምርምር ኢና። ኣብ ክልቲኡ መዳያት ከኣ፡ እስራኤላውያን ካብ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ፡ ንሕና እውን ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዝሃብዎ ምኽሪ

4. እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዕላማኦም ዘይወቕዑ ስለምንታይ እዮም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መዓት ምስ ሰምዑ፡ “ምስ እዮብ ኪሓዝኑን ኬጸናንዕዎን” ከም ዝኸዱ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (እዮ. 2:11) እንተዀነ ግና፡ ዕላማኦም ኣይወቕዑን። ስለምንታይ፧ እንተ ወሓደ ሰለስተ ምኽንያታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ተቐላጢፎም እዮም ናብ ግጉይ መደምደምታ በጺሖም። ንኣብነት፡ እዮብ ብሰንኪ ዝገበሮ ሓጢኣት ይቕጻዕ ከም ዘሎ ገይሮም ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣሕዲሮም።a (እዮ. 4:7፣ 11:14) ካልኣይ፡ መብዛሕትኡ ኻብቲ ንእዮብ ዝሃብዎ ምኽሪ ዘይጠቅምን ተሪርን ሃሳይን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሰለስቲኦም ሰባት ጽቡቕ ዚመስል፡ ግናኸ ዋላ ሓንቲ ቝም ነገር ዘይብሉ ዘረባ ተዛሪቦም እዮም። (እዮ. 13:12) ቢልዳድ ንእዮብ ዘረባ ኸም ዘብዝሐ ገይሩ ኽልተ ሳዕ ተሪር ዘረባ ተዛሪብዎ እዩ። (እዮ. 8:2፣ 18:2) ሶፋር ከኣ እዮብ “ባዶ ዝርእሱ” ኸም ዝዀነ ዜምስል ኣሻዅ ዘረባ ተዛሪቡ እዩ። (እዮ. 11:12) ሳልሳይ፡ ንእዮብ ኪዛረብዎ ኸለዉ ድምጾም እኳ እንተ ዘየልዓሉሉ፡ ኣብ ቃና ድምጾም ግና ምስትንዓቕን ሽምጠጣን ክስን ይንበብ ነይሩ እዩ። (እዮ. 15:7-11) ስለዚ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንልቢ እዮብ ኣብ ምሕዋይ ወይ እምነቱ ኣብ ምህናጽ ዘይኰነስ፡ ንሱ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣብ ምርግጋጽ እዮም ኣተኲሮም።

ካብቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ እቲ ሓደ ንእዮብ ተሪር ዘረባ ይዛረቦ፣ እቶም ዝተረፉ ኽልተ ድማ ይዕዘብዎም። እዮብ ብምጕልንጭዋ ተወሪሱ እናተሳቐየ ኣብ ባይታ ኾፍ ኢሉ ነቲ ምኽሪ ይሰምዖ።

ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ፡ ከይተስተናዕቕ ተጠንቀቕ። ሸቶኻ ንምሕጋዝ ኪኸውን ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. እቲ ብጾት እዮብ ዝሃብዎ ምኽሪ እንታይ እዩ ኣፍርዩ፧

5 እቲ ብጾት እዮብ ዘቕረብዎ ምኽሪ፡ ጽቡቕ ፍረ ኣየፍረየን። እዮብ ብቓላቶም ከም እተሰባበረ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎ። (እዮ. 19:2) ዘይስሙ ስለ ዝሃብዎ እውን፡ ምእንቲ ስሙ ኺጣበቕ ስለምንታይ ከም እተገደደ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ሚዛኑ ስሒቱ፡ ጌጋ ዘረባ እውን ተዛሪቡ እዩ። (እዮ. 6:3, 26) ብጾት እዮብ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዚሳነ ነገር ኣይኰነን ተዛሪቦም። ንእዮብ እውን ብርሕራሐ ኣይኰነን ሒዞምዎ። ስለዚ፡ ከይተፈለጦም መጋበርያ ሰይጣን እዮም ኰይኖም። (እዮ. 2:4, 6) እሞ ደኣ እዚ ዛንታ እዚ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብኸመይ እዩ ኺጠቕሞም ዚኽእል ዝነበረ፧ ንዓናኸ ብኸመይ እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧

6. ዓበይቲ እስራኤል ካብቲ እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዝሓደግዎ መለበሚ እንታይ እዮም ተማሂሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

6 እስራኤላውያን ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ምስ ኣቘሞም፡ ብመሰረት እቲ ቕኑዕ መለክዒታቱ ንምፍራድ ዚበቕዑ ዓበይቲ ሸመሎም። (ዘዳ. 1:15-18፣ 27:1) እቶም ፈራዶ እቲኦም፡ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ወይ ፍርዲ ቕድሚ ምፍራዶም፡ ተጠንቂቖም ኪሰምዑ ነይርዎም። (2 ዜና 19:6) ኵሉ ነገር ከም ዚፈልጡ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዚሓስቡ ድማ፡ ሕቶታት ብምሕታት ኣጸቢቖም ኪምርምሩ ነይርዎም። (ዘዳ. 19:18) ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ኣማኸርቲ ነቶም ሓገዞም ዚደልዩ ሰባት ተሪር ዘረባ ኻብ ምዝራብ ኪቝጠቡ ነይርዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብስጭቶም እንተ ገሊጾም፡ እቲ ናባታቶም ዚመጽእ ሰብ ኣብ ልቡ ዘሎ ኸይገልጽ ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 22:22-24) እወ፡ ዓበይቲ እስራኤል ካብ ዛንታ እዮብ ትምህርትታት ረኺቦም ኪዀኑ ኣለዎም።

7. ብዘይካ ዓበይቲ እስራኤል መን እውን እዮም ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ ካብ ዛንታ እዮብከ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ (ምሳሌ 27:9)

7 ልክዕ እዩ፡ ብሱላት ሰብኡት ጥራይ ኣይኰኑን ኣብ እስራኤል ምኽሪ ዚህቡ ዝነበሩ። ዝዀነ እስራኤላዊ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ፡ ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣምልኾኡ ኼመሓይሽ ወይ ኣካይዳኡ ኺእርም ንዚደሊ ዘበለ ብጻዩ ምኽሪ ኺህቦ ይኽእል ነይሩ እዩ። (መዝ. 141:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቀኛ ምኽሪ፡ ካብ ናይ ሓቂ ዓርኪ እዩ ዚርከብ። (ምሳሌ 27:9 ኣንብብ።) እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ንእስራኤላውያን ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ እንታይ ኪብሉ ኸም ዘይብሎምን እንታይ ኺገብሩ ኸም ዘይብሎምን እዮም መለበሚ ዀይኖምዎም።

8. ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ካብ ምንታይ መፈንጠራ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

8 ንሕና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ንሕና ክርስትያናት፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፈተናታት ኺሓልፉ ኸለዉ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ከምቲ እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዝገበርዎ ኽንገብር የብልናን። ቀዳማይ፡ ተቐላጢፍና ናብ መደምደምታ ኻብ ምብጻሕ ክንቍጠብ፡ እቲ እንዛረቦ ነገር ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት እተመስረተ ምዃኑ ኸኣ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። ካልኣይ፡ ከምቲ ኤሊፋዝ ዝገበሮ፡ ምኽርና ብቐንዱ ኣብቲ ዘየተኣማምን ብሕታዊ ተመክሮና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኸም ከውሒ ድልዱል ዝዀነ ቓል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። (እዮ. 4:8፣ 5:3, 27) ሳልሳይ፡ ተሪር ዘረባ ወይ ናይ ነቐፌታ ዘረባ ኽንዛረብ የብልናን። ኤሊፋዝን ብጾቱን ሓቂ ዝዀነ ነገር ተዛሪቦም እዮም። ብድራኸ መንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፈ ጸሓፊ እኳ ንሓደ ኻብቲ ዘረባኦም ጠቒስዎ ኣሎ። (እዮብ 5:13 ምስ 1 ቈረንቶስ 3:19 ኣረኣኢ።) እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ እቲ ዘረባኦም ንኣምላኽ ብልክዕ ዘይውክሎ፡ ንእዮብ እውን ዚጐድኦ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ፡ ሓቂ ኸም ዘይተዛረቡ እዩ ገሊጹ። (እዮ. 42:7, 8) ስለዚ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ንየሆዋ ዘይሚዛናዊ ኸም ዝዀነ ወይ ንኣገልገልቱ ፍቕሪ ኸም ዘይግብኦም ገይሩ ኣይስእልን እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ ካብ ኤሊሁ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንርአ።

ስእልታት፦ ሓደ ሓው ንሓደ እተበሳጨወ ሓው ምኽሪ ይህቦ። 1. ሓደ ሓው ንሓደ እተበሳጨወ ሓው ብትዕግስቲ ይሰምዖ፣ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ካብ ቤት ወጻኢ ተቐሚጦም ኣለዉ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዚርከብ ጠረጴዛ እውን ዚስተ ነገር ኣሎ። 2. እቲ ዚሰምዕ ዘሎ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ ይግንጽል። 3. እቲ ሓው ነቲ እተበሳጨወ ሓው ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ይነግሮ፣ እቲ ተበሳጭዩ ዝነበረ ኸኣ ሃዲኡ ይሰምዖ።

ምኽሪ ኽትህብ ከለኻ፡ (1) ንዘረባኻ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ሰርቶ፡ (2) ካብ ቃል ኣምላኽ ተጠቐም፡ (3) ብፍቕራዊ መገዲ ተዛረብ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


ኤሊሁ ንእዮብ ዝሃቦ ምኽሪ

9. እዮብን ብጾቱን ክርክሮም ምስ ወድኡ፡ ንእዮብ ስለምንታይ ሓገዝ የድልዮ ኸም ዝነበረ፡ የሆዋ ኸኣ ብኸመይ ሓገዝ ከም ዝሃቦ ግለጽ።

9 እዮብን ብጾቱን ክርክሮም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን፡ ውጥረት ሰፊኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ 28 ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመልእ ቃላት እዮም ተዛሪቦም። መብዛሕትኡ እቲ ዘረባኦም ከኣ፡ ብቝጥዓ ወይ ብብስጭት እተዛረብዎ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ እዮብ ገና ሓዚኑ እዩ ነይሩ። ምጽንናዕን መአረምታን የድልዮ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧ ብኤሊሁ ኣቢሉ ምኽሪ ሂብዎ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኤሊሁ ኣቐዲሙ ዘይተዛረበ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ብዕድመ ንእሽቶ እየ፣ ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም። ስለዚ፡ ብኣኽብሮት ተቘጢበ” ኢሉ ኣሎ። (እዮ. 32:6, 7) እቲ ብዕድመ ንእሽቶ ዝነበረ ኤሊሁ፡ ሎሚ ብዙሓት እተገንዘብዎ ነገር እዩ ተገንዚቡ። ዓበይቲ ሰባት ንዝነውሐ ዓመታት ብህይወት ስለ ዝነበሩን ዝያዳ ነገራት ስለ ዚፈልጡን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ንኣሽቱ ዝሓሸ ጥበብን ተመክሮን ኣለዎም። ኤሊሁ፡ ንእዮብን ንብጾቱን ብትዕግስቲ ድሕሪ ምስማዑ ግና፡ ስቕ ኪብል ኣይከኣለን። የግዳስ፡ “ዕድመ ጥራይ ጥበበኛ ኣይገብርን እዩ፣ ቅኑዕ ዘበለ ዚርድኡ እውን ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን” በለ። (እዮ. 32:9) ቀጺሉ ግና ኤሊሁ እንታይ ኢሉ እዩ ተዛሪቡ፧ ኣዘራርባኡኸ ኸመይ እዩ ነይሩ፧

10. ኤሊሁ ንእዮብ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (እዮብ 33:6, 7)

10 ኤሊሁ ንእዮብ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ጽቡቕ ሃዋህው ፈጠረ። ብኸመይ፧ ፈለማ፡ ስምዒቱ ተቘጻጸረ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኤሊሁ፡ ኣብ መጀመርታ ተቘጢዑ ኸም ዝነበረ ይገልጸልና እዩ። (እዮ. 32:2-5) ኰይኑ ግና፡ ብቝጥዓ ንእዮብ ኣይወቐሶን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ዜጸናንዕ ነገር ተዛረቦ። ንኣብነት፡ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከማኻ እየ” በሎ። (እዮብ 33:6, 7 ኣንብብ።) ድሕርዚ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ኣጸቢቑ ኸም ዝሰምዖ ንጹር ገበረ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ነቲ እዮብ ኣብቲ ሽዱሽተ ዘረባኡ እተዛረቦ ቐንዲ ነጥብታት ጽምቝ ኣቢሉ ጠቐሶ። (እዮ. 32:11፣ 33:8-11) ንእዮብ ተወሳኺ ምኽሪ ኺህቦ ኸሎ እውን፡ ተመሳሳሊ ነገር ገበረ።—እዮ. 34:5, 6, 9፣ 35:1-4።

11. ኤሊሁ ንእዮብ ብኸመይ እዩ መኺርዎ፧ (እዮብ 33:1)

11 ኤሊሁ ንእዮብ ምኽሪ ኺህቦ ኸሎ፡ ክብረቱ ዚሕልወሉ ኣዘራርባ እዩ ተጠቒሙ። ንኣብነት፡ ኤሊሁ ንእዮብ ብስሙ ጸዊዕዎ ኣሎ። እቶም ሰለስተ ሰብኡት ግና ከምኡ ኣይገበሩን። (እዮብ 33:1 ኣንብብ።) ብተወሳኺ፡ እዮብ ምስቶም ብጾቱ ኣብ እተኸራኸረሉ እዋን፡ ሓሳቡ ንምዝራብ ሓያል ድሌት ከም ዝነበሮ ኤሊሁ ዘኪሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ንእዮብ ምላሽ ንምሃብ ዕድል ሃቦ። (እዮ. 32:4፣ 33:32) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ገሊኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓደጋ ብንጹር ኣጠንቀቖ፣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘለዎ ጥበብን ሓይልን ፍትሕን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ድማ ኣዘኻኸሮ። (እዮ. 36:18, 21-26፣ 37:23, 24) እቲ ኤሊሁ ዘቕረቦ ጽቡቕ ምኽሪ፡ ንእዮብ ተወሳኺ ምኽሪ ኪቕበል ኣዳልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕርዚ ድማ፡ ካብ ፈጣሪኡ እዩ ምኽሪ ተዋሂብዎ። (እዮ. 38:1-3) እሞ ደኣ ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ ኤሊሁ ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

12. የሆዋ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ብኸመይ እዩ ንነብያት እተጠቕመ፧ እስራኤላውያንከ ኻብቲ ኤሊሁ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧

12 እስራኤላውያን ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም፧ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እስራኤል፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዕላማኡ ንምግላጽ፡ ነብያት ይሸመሎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብዘመነ መሳፍንቲ፡ ዴቦራ ነቲ ህዝቢ ኸም ኣደ ብምዃን መንፈሳዊ መሪሕነት ትህብ ነበረት። ሳሙኤል ድማ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣፈኛ የሆዋ ብምዃን ብትግሃት የገልግል ነበረ። (መሳ. 4:4-7፣ 5:7፣ 1 ሳሙ. 3:19, 20) ድሕሪኡ፡ ብዘመነ ነገስታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምድልዳልን ነቶም ካብ ንጹህ ኣምልኾ ዘላገሱ ንምምዓድን ብቐጻሊ ነብያት ይልእከሎም ነበረ። (2 ሳሙ. 12:1-4፣ ግብ. 3:24) እቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተመዝጊቡ ዘሎ ኤሊሁ ዝሓደጎ ኣብነት ንእሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ምኽሪ ኣብ ዚህቡሉ እዋን እንታይ ዘረባ ኸም ዚዛረቡን እንታይ ኣዘራርባ ኸም ዚጥቀሙን ኪሕግዞም ይኽእል ነይሩ እዩ።

13. ሎሚ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ኬተባብዕዎም ዚኽእሉ፧

13 ንሕና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ንሕና ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ነገር፡ ንሰባት ብምንጋር ፈቓድ ኣምላኽ ነፍልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ዚሃንጽን ዜተባብዕን ነገር ንዛረብ ኢና። (1 ቈረ. 14:3) ምናዳ ኸኣ ሽማግለታት፡ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ‘ኬጸናንዕዎም’ ኣለዎም። ዋላ እውን ነቶም ዜንጸርጽሩ ወይ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ዚዛረቡ ክርስትያናት ኬተባብዕዎም ኣለዎም።—1 ተሰ. 5:14፣ እዮ. 6:3።

14-15. ሓደ ሽማግለ ምኽሪ ኺህብ ከሎ፡ ብኸመይ ንኤሊሁ ኺመስሎ ኸም ዚኽእል ብምሳሌ ኣረድእ።

14 ነዚ ዅነታት እዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ሽማግለ፡ ኣብ ጉባኤኡ እትርከብ ሓብቲ ጭንቀት ከም ዘሕደረት ይፈልጥ። ንሱን ሓደ ኻልእ ሓውን ድማ ኬተባብዕዋ ኢሎም ኪበጽሕዋ ይውስኑ። ኣብቲ ምብጻሕ ከኣ፡ እታ ሓብቲ ጽቡቕ ከም ዘይስምዓ ትገልጽ። ኣብ ኣኼባታት ትእከብን ናብ ኣገልግሎት ትወጽእን እኳ እንተላ፡ ብዙሕ ሓጐስ ከም ዘይብላ ትሕብሮም። እሞ ደኣ እቲ ሽማግለ እንታይ እዩ ዚገብር፧

15 ቀዳማይ፡ ጠንቂ እቲ ስቓያ እዩ ኺርዳእ ዚጽዕር። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ጽን ኢሉ ኺሰምዓ ኣለዎ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይግብኣ ድያ ትሓስብ ዘላ፧ “ጭንቀት ናብራ” ንመንፈሳ ይሰብሮ ደዀን ይህሉ ይኸውን፧ (ሉቃ. 21:34) ካልኣይ፡ እቲ ሽማግለ ነታ ሓብቲ ዚንእደሉ መገድታት የናዲ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ዋላ እኳ ጭንቀት እንተ ኣሕደረት፡ ኣብ ኣኼባታት ትእከብን ኣብ ኣገልግሎት ትሳተፍን ኣላ። ሳልሳይ፡ እቲ ሽማግለ ነቲ ዅነታት ምስ ተረድኦ፡ ነታ ሓብቲ ዜጨንቓ ዘሎ እውን ምስ ተገንዘበ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዋ እምንቶ ንምህናጽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀም ይኽእል እዩ።—ገላ. 2:20።

ብሕጂ እውን ካብ መጽሓፍ እዮብ ተጠቐም

16. ብሕጂ እውን ካብ መጽሓፍ እዮብ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 እምበኣር፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እዛ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደን ንመከራ ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም እንኽእልን ትምህረና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ ድማ፡ በቲ ኻብቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ዝረኸብናዮ መለበምን በቲ ኤሊሁ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነትን ጌርና፡ ኵላትና ጽቡቕ ምኽሪ ኽንህብ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኣብ መጻኢ ንሰብ ምኽሪ ቕድሚ ምሃብካ፡ ንምንታይ ነቲ ኻብ መጽሓፍ እዮብ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ዘይትኽልሶ፧ ንመጽሓፍ እዮብ ካብ እተንብባ ንውሕ ዝበለ ግዜ እንተ ሓሊፉ ድማ፡ ነዛ ጽብቕቲ መጽሓፍ እዚኣ መሊስካ ንምንባብ ሸቶ ግበር። ሎሚ እውን ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ክትረክብ ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ምኽሪ ኽንህብ ከለና ኽንገብሮ ብዛዕባ ዘይግባእ ነገራት፡ ካብቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧

  • ኤሊሁ ንእዮብ ምኽሪ ኺህቦ ኸሎ፡ ብኸመይ እዩ ጥበብ ኣርእዩ፧

  • ብሕጂ እውን ካብ መጽሓፍ እዮብ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መዝሙር 125 ‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’

a ኤሊፋዝ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይጸድቕ፡ ዋላ ሓደ ሰብ እውን ንኣምላኽ ባህ ኬብሎ ኸም ዘይክእል ኪገልጽ ከሎ፡ ብእኩይ መንፈስ ተጸልዩ ዝነበረ እዩ ዚመስል። እዚ ቔናን ሓሳባት እዚ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ኤሊፋዝ ብጕሉሕ ተንጸባሪቑ እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ ዘረባኡ ነዚ ሓሳብ እዚ ደጋጊምዎ ኣሎ።—እዮ. 4:17፣ 15:15, 16፣ 22:2።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ