ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48
መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና
ኣብ እዋን መከራ፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ
“ብርግጽ፡ ኣምላኽ እከይ ኣይገብርን . . . እዩ።”—እዮ. 34:12።
ኣትኵሮ
ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደን መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ክንጻወር ከም እንኽእልን ካብ መጽሓፍ እዮብ እንረኽቦ ትምህርቲ።
1-2. ገለ ኻብቲ መጽሓፍ እዮብ ጽብቕቲ መጽሓፍ እያ ኽንብል ዜኽእለና እንታይ እዩ፧
ኣብ ቀረባ ግዜ ንመጽሓፍ እዮብ ኣንቢብካያዶ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኻብ እትጽሓፍ ኣስታት 3,500 ዓመት ዝገበረት እኳ እንተ ዀነት፡ ብዙሓት ሰባት ግና ሓንቲ ኻብተን ብሉጻት መጻሕፍቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ቐሊል መዋቕርን ጽቡቕ ኣጸሓሕፋን ገላጺ ቛንቋን ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ ንጸሓፊኣ፡ “ናይ ስነ ጽሑፍ ሊቅ” ኢሉ ወዲስዎ ኣሎ። ነዛ እተደንቕ መጽሓፍ እዚኣ ሙሴ እዩ ጽሒፉዋ፣ ናይ ሓቂ ደራሲኣ ግና የሆዋ ኣምላኽ እዩ።—2 ጢሞ. 3:16።
2 መጽሓፍ እዮብ ኣገዳሲት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ብዛዕባ እቲ ንዅሎም ኣስተውዓልቲ ፍጡራት ኣጋጢምዎም ዘሎ ዓብዪ ጕዳይ፡ ማለት ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ብንጹር ትገልጽ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕሩን ጥበቡን ፍትሑን ሓይሉን ትምህረና እያ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ እዮብ ንየሆዋ 31 ሳዕ፡ “ኵሉ ዚኽእል” ኢላ ጸዊዓቶ ኣላ። ኣብ ኵሉ እቲ ዝተረፈ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተደሚሩ እኳ ኻብዚ ይውሕድ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ እዮብ ኣብ ህይወት ንዚልዓል ሓያሎ ሕቶታት መልሲ ትህብ እያ። ንብዙሓት ክሳዕ ሕጂ እትርብሾም ሓንቲ ኻብዘን ሕቶታት እዚአን ድማ፡ ‘ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧’ እትብል እያ።
3. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንገብሮ መጽናዕቲ እንታይ ጥቕምታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
3 ከምቲ ኣብ ከረን እንተ ደዪብና፡ ኣብ ዙርያና ዘሎ ብምሉኡ ብንጹር ክንርኢ እንኽእል፡ መጽሓፍ እዮብ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም መከራ ኻብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኽንርኢ፡ ማለት ብዓይኒ የሆዋ ኽንርኢ ተኽእለና። እምበኣር፡ ኣብ እዋን መከራ፡ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ክትሕግዘና ከም እትኽእል እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ካብ ዛንታ እዮብ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ምንባሮም፡ ሎሚ እውን ንሕና ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። በዚ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ጌርና ድማ ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና።
ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዮብ መከራ ኺወርድ ፈቒዱ
4. ኣብ መንጎ እዮብን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያንን እንታይ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዝነበረ፧
4 እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እዮብ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ ምድሪ ዑጽ ይነብር ነበረ። ዑጽ ካብ ምድሪ ተስፋ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምድሪ ዓረብ ዚርከብ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ገሊኦም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንጣኦታት ኬምልኹ እኳ እንተ ጀመሩ፡ እዮብ ግና ብተኣማንነት ንየሆዋ የምልኾ ነበረ። (እያ. 24:14፣ ህዝ. 20:8) ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እዮብ፡ “ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን” በለ።a (እዮ. 1:8) እዮብ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ እውን ዝዓበየ ኽብሪ ይውሃቦ ነበረ። (እዮ. 1:3) ሰይጣን መሸም እዚ ምርኡይን ሕፉርን ሰብ ንኣምላኽ ብንጽህና ዜገልግሎ ምዃኑ፡ ኣመና ኣቘጢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ።
5. የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዮብ መከራ ኺወርድ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ (እዮብ 1:20-22፣ 2:9, 10)
5 ሰይጣን ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እዮብ መከራ እንተ ኣጓኒፍዎ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚሓድጎ ተዛረበ። (እዮ. 1:7-11፣ 2:2-5) የሆዋ ንእዮብ ኣጸቢቑ ይፈትዎ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ሰይጣን ብድፍረት እተዛረቦ ነገር ግና፡ ሓያሎ ኣገዳሲ ሕቶታት ስለ ዘበገሰ፡ ንጕዳዩ መርትዖ ኬቕርብ ዕድል ሃቦ። (እዮ. 1:12-19፣ 2:6-8) ድሕርዚ፡ ሰይጣን ንእዮብ ብዘይ መጓሰኡን ማሉን ከም ዚተርፍ ገበሮ፡ ንዓሰርተ ደቂ እዮብ ቀተሎም፡ ንእዮብ እውን ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ብዜሳቒ ምጕልንጭዋ ወቕዖ። እቲ ንንጽህና እዮብ ንምብልሻው እተገብረ ዜስካሕክሕ ፈተነ ግና ፈሸለ። (እዮብ 1:20-22፣ 2:9, 10 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንእዮብ ጥዕናኡን ሃብቱን መለሰሉ፡ ዓሰርተ ተወሰኽቲ ውሉዳት እውን ሃቦ፣ እዮብ እውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ከም ብሓድሽ ጽቡቕ ስም ረኸበ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕድመኡ ብተኣምራዊ መገዲ 140 ዓመት ወሰኸሉ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ዘርኡ ኽሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ኺርኢ ኸኣለ። (እዮ. 42:10-13, 16) እሞ ደኣ ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብዚ ዛንታ እዚ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
6. እስራኤላውያን ካብቲ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ዚትርኽ ዛንታ፡ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 እስራኤላውያን ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም፧ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ሕማቕ ህይወት እዮም ዜሕልፉ ነይሮም። ንኣብነት፡ እያሱን ካሌብን ባሮት ኰይኖም እዮም ንእስነቶም ኣሕሊፎምዎ። ድሕሪኡ ኸኣ ብዘይወዓልዎ በደል 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኢሎም። ስለዚ፡ እቶም እስራኤላውያን እቲኦም ብዛዕባ መከራ እዮብን ብዛዕባ መወዳእታ ህይወቱን እንተ ፈሊጦም፡ እዚ ንዓታቶም ኰነ ነቶም ናይ መጻኢ ወለዶ እስራኤላውያን፡ ጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ መን ምዃኑ ኺርድኡ ስለ ዜኽእሎም፡ ጠቒምዎም ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ፡ ንንጽህናን ንተኣማንነትን ደቂ ሰብ ከኣ ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ብዝሓሸ ኺርድኡ እውን የኽእሎም ነይሩ እዩ።
እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ባርነት ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብቲ ብዛዕባ መከራ እዮብ ዝፈለጥዎ ነገር ተጠቒሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)
7-8. መጽሓፍ እዮብ፡ መከራ ንዝረኸቦም ሰባት ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ተመክሮ ኣዘንቱ።
7 ንሕና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ቕኑዓት ሰባት ክፉእ ነገር ከም ዚወርድ ስለ ዘይርድኦም፡ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት የጥፍኡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሩዋንዳ ንእትነብር ሄዘልb ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንእሽቶ ኸላ ብኣምላኽ ትኣምን ነበረት። ድሕሪኡ ግና፡ ኵነታት ተቐያየረ። ወለዳ ስለ እተፋትሑ፡ ሰብኣይ ኣዲኣ ኣዕበያ፣ ንሱ ኸኣ ጽቡቕ ገይሩ ኣይሓዛን። ገና ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጻ ኰነት። ምጽንናዕ ደልያ ናብ ቦታ ኣምልኾ እኳ እንተ ኸደት፡ ዜጸናንዓ ኽትረክብ ኣይከኣለትን። ድሕርዚ፡ ሄዘል ናብ ኣምላኽ ደብዳበ ጸሓፈት። ኣብታ ደብዳበኣ ድማ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ናባኻ ጸልየ፡ ሰናይ ክገብር ጽዒረ፡ ንሰናይ ግብረይ ግና እከይ ፈዲኻኒ። ድሕሪ ሕጂ ኽሓድገካ እየ፣ ዜሐጕሰኒ ዘበለ ኽገብር እየ ወሲነ” ኢላ ጸሓፈት። ከም ሄዘል ዝኣመሰሉ፡ ኣምላኽ ብመከራኦም ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት፡ ናይ ብሓቂ የደንግጹና እዮም!
8 ንሕና ግና፡ ብመከራ ደቂ ሰብ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ሰይጣን ደኣ እምበር፡ ኣምላኽ ዘይምዃኑ ኻብ መጽሓፍ እዮብ ተማሂርና ኢና። መከራ ዚረኽቡ ዘለዉ ሰባት ዚዘርእዎ ይዓጽዱ ኸም ዘለዉ ጌርና ኸይንሓስብ እውን ተማሂርና ኢና። “ግዜን ኣጋጣምን” ንማንም ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪጸሉ ኸም ዚኽእል ቅዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። (መክ. 9:11፣ እዮ. 4:1, 8) ንዜጋጥመና ፈተናታት ብተኣማንነት ምስ እንጻወር ከኣ፡ ንየሆዋ ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝመጾ ባጫ ምላሽ ኪህብ ከም እነኽእሎ ተማሂርና ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ንስሙ ኻብ ወቐሳ ናጻ ንምግባር ዚግበር ጻዕሪ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። (እዮ. 2:3፣ ምሳ. 27:11) እምበኣር፡ ነዚ እተምሃርናዮ ነገራት ኣፍኲስና ኣይንርእዮን ኢና። እዚ ዓሚቝ ፍልጠት እዚ ኣብ ልዕሌና ዀነ ኣብ ልዕሊ ሰብና ስለምንታይ መከራ ኸም ዚወርድ ክንፈልጥ ኣኽኢሉና እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ሄዘል ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተጽንዕ ጀመረት፡ ጠንቂ መከራኣ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ እውን ተረድአት። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገበረት ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ካብ መዓሙቝ ልበይ ናብ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ጸልየ። ንየሆዋ ‘ኽሓድገካ እየ’ ኽብሎ ኸለኹ፡ ናይ ብሓቂ ኽሓድጎ ዘይምዃነይ ነጊረዮ። ስለምንታይሲ፡ ኣይፈልጦን እየ ነይረ። ሕጂ ግና የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ተረዲኡኒ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሓጐስን ዕግበትን ረኺበ እየ።” ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደ ብምፍላጥና፡ ኣዚና ኢና እነመስግን! ሕጂ እምበኣር፡ ኣብ እዋን ፈተና ዛንታ እዮብ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ንርአ።
ዛንታ እዮብ ክንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
9. ነቲ እዮብ ኣብ ሓምዅሽቲ ተቐሚጡሉ ዝነበረ እዋን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ያእቆብ 5:11)
9 ነቲ እዮብ በይኑ ኣብ ሓምዅሽቲ ተቐሚጡሉ ዝነበረ እዋን እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሰብነቱ ብምጕልንጭዋ ተወሪሱ፡ ብቓንዛ እውን ተዀርምዩ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ሕማም ቈርበቱ ጸሊሙ፡ ካብቲ ዝማሰነ ሰብነቱ እውን ይቕለጥ እዩ ነይሩ። ብድኻም ተወዲኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ብገልዒ ገይሩ ይሓክኽን ብዓቕሊ ጽበት እህህ ይብልን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ዝወረዶ ተሰኪሙ ብህይወት ይቕጽል ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፡ የግዳስ፡ ብተኣማንነት ይጻወር እውን እዩ ነይሩ። (ያእቆብ 5:11 ኣንብብ።) እሞ ደኣ እንታይ እዩ ኺጻወር ሓጊዝዎ፧
10. እዮብ ምስ የሆዋ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ነይርዎ፧ ግለጽ።
10 እዮብ ንየሆዋ ስምዒቱ ገሊጹሉ እዩ። (እዮ. 10:1, 2፣ 16:20) ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራፍ 3፡ እዮብ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ መከራ ኣመና ኸም ዘማረረ፡ እቲ መከራ ኻብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ገይሩ እውን ብጌጋ ኸም ዝሓሰበ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ምስቶም ሰለስተ ብጾቱ ዝገበሮ ኽርክር ብዛዕባ ንጽህናኡ ብጽኑዕ ተማጒቱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኻብቲ ዘረባኡ እውን ናብ የሆዋ ዝቐንዐ ምላሽ ሂቡ እዩ። ኣብቲ ቓላቱ ድማ ንእተወሰነ እዋን ገዛእ ርእሱ ኻብ ኣምላኽ ከም ዘጽደቐ ዚሕብር ነገር ኣሎ። (እዮ. 10:1-3፣ 32:1, 2፣ 35:1, 2) ከም ሓቂ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ ንጽህናኡ ንምምጓት ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ይዛረብ ምንባሩ ተኣሚኑ እዩ። (እዮ. 6:3, 26) ኣብ ምዕራፍ 31 ከኣ፡ ካብቲ ዝቐረበሉ ኽሲ ናጻ ኸም ዝዀነ ብኣምላኽ ኪምስከረሉ ኸም ዚደሊ ተጻሒፉ ንረክብ ኢና። (እዮ. 31:35) ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መከራ ኻብ ኣምላኽ ብቐጥታ መልሲ ኺውሃቦ ኸም ዚግባእ ገይሩ ምሕሳቡ ትኽክል ኣይነበረን።
11. የሆዋ ነቲ እዮብ ብዛዕባ ንጽህናኡ እተዛረቦ ነገር እንታይ ምላሽ እዩ ሂብዎ፧
11 እቲ እዮብ ብዓቕሊ ጽበት ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ሓያል ተወፋይነትን ካብቲ ኣምላኽ ንንጽህናኡ ኸም ዚርእየሉ ዝነበሮ ጽኑዕ ተስፋን ዝነቐለ ምንባሩ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ኪምልሰሉ ኸሎ፡ ስለምንታይ መከራ ይወርዶ ኸም ዘሎ ኣይኰነን ብዝርዝር ገሊጹሉ። ስለቲ መረረኡ ወይ ስለቲ ምእንቲ ንጽህናኡ ዘቕረቦ መጐተ እውን ኣይኰነኖን። የግዳስ፡ ከምቲ ኣቦ ንወዱ ዚምህሮ ገይሩ እዩ ምሂርዎ። እዚ ድማ ቅኑዕ ኣቀራርባ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እዮብ ብዙሕ ከም ዘይፈልጥ ብትሕትና ተኣመነ። ስለቲ ብታህዋኽ እተዛረቦ ቓላት እውን ተነስሐ። (እዮ. 31:6፣ 40:4, 5፣ 42:1-6) እዚ ዛንታ እዚ፡ ጥንቲ ንዝነበሩ ሰባት ብኸመይ እዩ ኺጠቕሞም ዚኽእል ዝነበረ፧ ንዓናኸ ብኸመይ እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧
12. እስራኤላውያን ካብ ዛንታ እዮብ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧
12 እስራኤላውያን ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም፧ እስራኤላውያን ካብ ዛንታ እዮብ ኪምሃሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሙሴ እስከ ንሕሰብ። መራሒ ህዝቢ እስራኤል ኰይኑ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሕ ጸገማትን ጓህን ተስፋ ዜቝርጽ ነገራትን ኣሕሊፉ እዩ። ዘይከምቶም ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዜጕረምርሙ ዝነበሩ ዓለወኛታት እስራኤላውያን፡ ዜተሓሳስቦ ነገር ሒዙ ናብ የሆዋ ይቐርብ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 16:6-8፣ ዘሁ. 11:10-14፣ 14:1-4, 11፣ 16:41, 49፣ 17:5) ብዘይካዚ፡ ነቲ ብብሕቱ እተዋህቦ መአረምታ ንምቕባል፡ ተጻዋርነት ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምናልባት ኣብ መበል 40 ዓመት እቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ዚብሉሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብ ቃዴስ ሰፊሮም ከለዉ ሙሴ “ብኸናፍሩ . . . ብታህዋኽ ተዛረበ፡” ንስም የሆዋ ድማ ኣየኽበረን። (መዝ. 106:32, 33) ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንሙሴ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይፈቐደሉን። (ዘዳ. 32:50-52) እዚ ተግሳጽ እዚ ንሙሴ ኣሕሚምዎ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ተግሳጽ ብትሕትና ተቐበሎ። ብዘይካዚ፡ ዛንታ እዮብ ነቶም ድሕሪ ሙሴ ዚነብሩ ዝነበሩ ወለዶታት እስራኤላውያን ንፈተናታቶም ንምጽዋር ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሙናት እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ዛንታ ምስ ዜስተንትኑ፡ ብኸመይ ስምዒቶም ንየሆዋ ኸም ዚገልጹሉ፡ ንርእሶም ካብ የሆዋ ኸየጽድቑ እውን ብኸመይ ኪጥንቀቑ ኸም ዚኽእሉ ኺምሃሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ተግሳጽ የሆዋ ኸመይ ገይሮም ብትሕትና ኪቕበሉ ኸም ዚኽእሉ እውን ኪምሃሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
13. ዛንታ እዮብ ክንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (እብራውያን 10:36)
13 ንሕና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ንሕና ክርስትያናት እውን ተጻዋርነት የድልየና እዩ። (እብራውያን 10:36 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ገሌና ምስ ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት፡ ምስ ኣጸጋሚ ዅነታት ስድራ ቤት፡ ሞት ሰብና ምስ ዜስዕበልና ሓዘን፡ ወይ ምስ ካልእ ከቢድ ጸገማት ንቃለስ ኣለና። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ካልኦት ዚዛረብዎ ዘረባ ወይ ዚገብርዎ ተግባር ንጸገማትና የጋድዶ እዩ። (ምሳ. 12:18) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዓና ተኣማሚንና ውሽጣዊ ስምዒትና ኽንገልጸሉ ኸም እንኽእል ካብ መጽሓፍ እዮብ ክንምሃር ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 5:14) እቲ ኻብ ልብና እነቕርቦ ምህለላ ሓሓሊፉ ኸምቲ እዮብ እተዛረቦ ዓይነት “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ኣይኵንነናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንጻወር ዜኽእለና ብርታዐን ጥበብን እዩ ዚህበና። (2 ዜና 16:9፣ ያእ. 1:5) ከምቲ ንእዮብ ዝኣረሞ፡ ንዓና እውን ብመጠኑ ኺእርመና ይኽእል እዩ። ካብ ቃል የሆዋ፡ ካብ ውድቡ፡ ወይ ካብ ብሱላት ክርስትያናት ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ኣብ ዚውሃበና እዋን፡ ነዚ ብኸመይ ክንጻወሮ ከም እንኽእል ካብ መጽሓፍ እዮብ ክንምሃር ንኽእል ኢና። (እብ. 12:5-7) ከምቲ እዮብ ንእተዋህቦ መአረምታ ብትሕትና ብምቕባሉ እተጠቕመ፡ ንሕና እውን እንተ ተኣሪምና ወይ መገድና እንተ ኣቕኒዕና፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 13:11፡ እ.ጽ.) እምበኣር፡ ካብ እዮብ ጠቓሚ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ቀጺልና፡ ብዛንታ እዮብ ጌርና ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ንርአ።
ብመጽሓፍ እዮብ ጌርካ ንኻልኦት ሓግዝ
14. መከራ ስለምንታይ ከም ዘሎ እንተ ተሓቲትና፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ እንኽእል፧
14 ኣብ ኣገልግሎት፡ መከራ ስለምንታይ ከም ዘሎ ተሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሕቶ እቲ ምስ ቀረበልካ፡ እንታይ ምላሽ ሂብካ፧ ኣብ ምላሽካ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠመ ታሪኽ ጠቒስካ ትኸውን። እቲ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ኣምላኽ ከም ዚዓልዉ ዝገበሮም ሓሶት ከም ዝነገሮም ገሊጽካ ትኸውን። (ዘፍ. 3:1-6) ኣስዒብካ ድማ ድሕሪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ዓለም ብመከራን ብሞትን ከም ዝመልአት ኣብሪህካ ትኸውን። (ሮሜ 5:12) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኽሳዕ ዚረጋገጽ፡ ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኸም ዚበጽሑ ዚሕብር ብስራት እውን ክሳዕ ዚንገር፡ ኣምላኽ ግዜ ኸም ዝፈቐደ ገሊጽካ ትኸውን። (ራእ. 21:3, 4) እዚ ጽቡቕ ምላሽ እዩ፣ ጽቡቕ ፍረ እውን ረኺብካሉ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
15. መከራ ስለምንታይ ከም ዘሎ ንዚሓትት ሰብ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብመጽሓፍ እዮብ ከተረድኦ እትኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
15 ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ብመጽሓፍ እዮብ ጌርካ ስለምንታይ መከራ ኸም ዘሎ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ሰብ ጽቡቕ ሕቶ ስለ ዘበገሰ ኽትንእዶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እኳ ብርቱዕ መከራ ምስ ወረዶ ተመሳሳሊ ሕቶ ኸም ዘበገሰ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። እዮብ ጠንቂ እቲ ዅሉ ስቓዩ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽሳዕ ምእማን በጺሑ ነይሩ እዩ። (እዮ. 7:17-21) ነቲ ብዛዕባ መከራ ሕቶ ዘበገሰ ሰብ፡ እዚ ነገር እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ሕቶኡ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ይልዓል ምንባሩ የገርሞ ይኸውን። ኣስዕብ ኣቢልካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ ዝወረደ መከራ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ካብ ድያብሎስ ምንባሩ ብሜላ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ደቂ ሰብ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ጥራይ ንኣምላኽ ከም ዜገልግልዎ መርትዖ ኬቕርብ ኢሉ እዩ ድያብሎስ ከምኡ ገይሩ። ኣምላኽ ጠንቂ እቲ ኣብ እዮብ ዝወረደ መከራ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መከራ ኺህሉ ምፍቃዱ ግና ንደቂ ሰብ ከም ዚኣምኖም እዩ ዜርኢ። እወ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ኼመስክሩ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኖም እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሕቶ ዘበገሰ ሰብ፡ ኣምላኽ ንእዮብ ስለቲ ተኣማንነቱ ኸም ዝባረኾ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዚወርደና መከራ ኻብ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ብምርግጋጽ ንሰባት ከነጸናንዖም ንኽእል ኢና።
‘ኣምላኽ እከይ ከም ዘይገብር’ ንሰባት ንምርግጋጽ ከመይ ጌርና ኢና ንመጽሓፍ እዮብ ክንጥቀመላ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)
16. መከራ ንዜሕልፍ ዘሎ ሰብ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ክትሕግዞ ኸም እትኽእል ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።
16 መጽሓፍ እዮብ፡ ማርዮ ንዚብሃል ሰብ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ እስከ ንርአ። ብ2021፡ ሓንቲ ሓብቲ ብተሌፎን ትምስክር ነበረት። ንሓደ ንፈለማ ግዜ ንዝደወለትሉ ማርዮ ዚብሃል ሰብ ድማ፡ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበትሉ። ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዕ፡ ጽቡቕ መጻእን ዜደንቕ ተስፋን እውን ከም ዚህበና ሓበረቶ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እዚ ሓሳባቱ ምስ ሓተተቶ፡ ማርዮ ንሳ ኣብ ዝደወለትሉ እዋን፡ ገዛእ ርእሱ ንምቕታል ሓሲቡ ደብዳበ ይጽሕፍ ከም ዝነበረ ገለጸላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ብኣምላኽ እኣምን እየ፡ ሎሚ ንግሆ ግና፡ ‘ሓዲጉኒ ኪኸውን ይኽእል እዩ’ ኢለ እሓስብ ነይረ” በላ። ድሕርዚ፡ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ደወለትሉ፡ ብዛዕባ መከራ እዮብ ተመያየጡ። ማርዮ ኸኣ ንብምልእቲ መጽሓፍ እዮብ ኬንብባ ወሰነ። ስለዚ ድማ እታ ሓብቲ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚመርሕ ሊንክ ለኣኸትሉ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ማርዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ዀነ፡ ብዛዕባ እቲ ዚሓልየሉ ፈቃር ኣምላኽ ብዝያዳ ኺፈልጥ እውን ደለየ።
17. የሆዋ ንመጽሓፍ እዮብ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ ስለ ዘጠቓለላ ስለምንታይ ኢኻ እተመስግን፧ (እዮብ 34:12)
17 እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽ ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ትሕቲ መከራ ዘለዉ ሰባት ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12፡ እ.ጽ.) የሆዋ ንዛንታ እዮብ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ ስለ ዘጠቓለሎ ኣዚና ኢና እነመስግን! (እዮ. 19:23, 24) መጽሓፍ እዮብ፡ “ብርግጽ፡ ኣምላኽ እከይ ኣይገብርን . . . እዩ” ኢላ ተረጋግጸልና። (እዮብ 34:12 ኣንብብ።) ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደን ነዚ ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም እንኽእልን እውን ትምህረና። መከራ ንዜሕልፉ ዘለዉ ሰባት ከነጸናንዕ እውን ትሕግዘና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ጽቡቕ ምኽሪ ንምሃብ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ክትሕግዘና ኸም እትኽእል ክንመያየጥ ኢና።
መዝሙር 156 ብእምነተይ
a እዮብ ካብቲ እቲ እሙን ዮሴፍ ዝሞተሉ (1657 ቅ.ክ.) ክሳዕ እቲ ሙሴ መራሒ እስራኤል ኰይኑ እተሸመሉ (ከባቢ 1514 ቅ.ክ.) ኣብ ዝነበረ እዋን ዚነብር ዝነበረ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ሰይጣንን እተገብረ ዝርርብ ኰነ እቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ ዝወረደ ፈተናታት፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣጋጢሙ ኪኸውን ኣለዎ።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።