ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሕዳር ገጽ 8-9
  • ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ ገምግም
  • ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ወስን
  • ሓደጋታት ማኪና ንህይወትካ ካብ ሓደጋ ትጥንቀቐላ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሕዳር ገጽ 8-9
ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ኣብ ጥቓ መስኰት ኮፍ ኢሉ ናብ ማኪናኡ የማዕዱ። መፍትሕ ማኪናኡ ብኢዱ ሒዙ የስተንትን።

ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧

ንሓያሎ ዓመታት ማኪና ኽትዝውር ጸኒሕካ። ነቲ ባዕልኻ ማኪና ምዝዋር ዘለዎ ናጽነት ትፈትዎ ኢኻ። ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ግና ኪሻቐሉ ጀሚሮም። ድሕሪ ሕጂ ማኪና ኽትዝውር እውን ኣይደልዩኻን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ኸም እተሻቐሉ ኣይተረድኣካን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዲኻ ዘለኻ፧ እሞ ደኣ ምዝዋር ማኪና ኽትሓድጎ ወይ ከይትሓድጎ ንምውሳን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ካብ እተወሰነ ዕድመ ንላዕሊ ዘለዉ መራሕቲ ማኪና፡ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ቕድሚ ምሕዳሶም ብሓኪም ኪምርመሩ ኣለዎም። ኣብተን ሃገራት እቲአን ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ነዚ ሕግታት እዝን ነቲ ብሰበ ስልጣን ዚግበር ውሳነታትን ይእዘዙ እዮም። (ሮሜ 13:1) እንተዀነ ግና፡ እትነብረሉ ዓዲ ብዘየገድስ፡ ማኪና ንምዝዋር ብቑዕ እንተ ዄንካ ኽትግምግም ትኽእል ኢኻ።

ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ ገምግም

ወብሳይት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሃገራዊ ትካል እርጋን ከም ዚሕብሮ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ገዛእ ርእስኻ ብምሕታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ፦

  • ምስ መሰየ፡ ኣብ መገዲ ዚርከብ ምልክታት ምንባቡ ዀነ ምርኣዩ የጸግመኒ ድዩ፧

  • ቍሊሕ ኢለ ኣብ ናይ ጐድኒ መስትያታተይ ዘሎ ኽርኢ ወይ ኣብ ጐድነይ ዘሎ ተሽከርካሪ ምርኣይ የጸግመኒ ድዩ፧

  • ብቕልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ይኸብደኒ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ነቲ መሕነን ክረግጾ ድሕሪ ምጽናሕ ብቕልጡፍ ልጓም ክሕዝ እኽእል ድየ፧

  • ኣመና ቐስ ኢለ ስለ ዝዝውር፡ ንዋሕዚ ማካይን እዓግት ድየ፧

  • ብተደጋጋሚ ንስክላ ኻብ ሓደጋ አምልጥዶ ኣለኹ፧ ወይ ንማኪናይ ምስ ዘይንቀሳቐስ ነገራት ዓሰርተ ሳዕ እለሓጽጻዶ ኣለኹ፧

  • ብሰንኪ ኣዘዋውራይ ፖሊስ ደው ኣቢሉኒ ይፈልጥዶ፧

  • ማኪና እናዘወርኩ ትኽስ ኢለ እፈልጥዶ፧

  • ነቲ ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለተይ ኪጸሉ ዚኽእል መድሃኒት እወስድ ድየ፧

  • ቤተ ሰበይ ወይ ፈተውተይ ኣዘዋውራይ ከም ዜሻቕሎም ነጊሮምኒዶ ይፈልጡ፧

ካብዚ ሕቶታት እዚ ንሓደ ወይ ንኽልተ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ እተወሰነ ምትዕርራያት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ምናዳ ምስ መሰየ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትዝውር ደረት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ በብእዋኑ ገምግሞ። ብዛዕባ ኣዘዋውራኻ ንኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ንፈታዊኻ ሓሳብ ኪህበካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ትምህርቲ ድሕንነት ምዝዋር ማኪና እውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንልዕሊ ኽልተ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ ግና፡ ምናልባት ምዝዋር ማኪና እንተ ሓደግካዮ ይሓይሽ።a

ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ወስን

ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትና የንቈልቍል ከም ዘሎ ኣይፍለጠናን ይኸውን። ምዝዋር ማኪና ኽንሓድጎ ዚብል ሓሳብ ከኣ ተኣፋፊ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ዅነታትካ ብንጹር ምእንቲ ኺርኣየካን ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብርን እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ክልተ እስከ ንርአ።

ዓቕምኻ ፍለጥ። (ምሳ. 11:2) ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ዓይንናን እዝንናን ጭዋዳታትናን ኣእምሮናን ይደክም እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ፡ምእንቲ ኸይጕድኡ ኢሎም ኣብ ገሊኡ ዓይነት ስፖርት ምስታፍ ይሓድግዎ እዮም። ኣብ ምዝዋር ማኪና እውን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ዚዓዪ። ሓደ ሰብ ምእንቲ ድሕንነቱ ኢሉ ብትሕትና ተደሪኹ ዓቕሙ ስለ ዚፈልጥ፡ ምዝዋር ማኪና ኺሓድጎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 22:3) ካልኦት ሰባት ሻቕሎቶም ኪገልጹ ከለዉ ኸኣ፡ ትሑት ዘበለ ሰብ ዚብልዎ ይሰምዕን ይቕበሎምን እዩ።—ምስ 2 ሳሙኤል 21:15-17 ኣረኣኢ።

ካብ ዕዳ ደም ተሓሎ። (ዘዳ. 22:8) ማኪና ብስርዓት እንተ ዘይተታሒዛ፡ ሓደገኛ ኽትከውን ትኽእል እያ። ክእለቱ እናደኸመ ኽነሱ ማኪና ዚዝውር ሰብ፡ ህይወቱን ህይወት ካልኦት ሰባትን እዩ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ። ህይወት ሰብ ኣብ ዘጥፍአ ሓደጋ ኢድ እንተ ነይርዎ ኸኣ፡ ብዕዳ ደም ተሓታቲ እዩ ዚኸውን።

ምዝዋር ማኪና ንምሕዳግ ክትውስን ከለኻ፡ ክብረትካ ኸም ዝነከየ ወይ ከም እተዋረድካ ዀይኑ ኺስመዓካ የብሉን። የሆዋ በቲ ጽቡቕ ባህርያትካ፡ እንተላይ ብትሕትናኻን ንሰባት ብዘሎካ ሓልዮትን እዩ ዚፈትወካ። ከም ዚድግፈካን ከም ዜጸናንዓካን እውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳ. 46:4) ከቶ ኣይኪሓድገካን እዩ። ስለዚ፡ ምዝዋር ማኪና ንምሕዳግ ወይ ንዘይምሕዳግ ክትውስን ከለኻ፡ ግብራዊ ጥበብን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ኪህበካ ለምኖ።

ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

መብዛሕትኡ ግዜ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት፡ ቤተ ሰቦም እዮም ብዛዕባ ኣዘዋውራኦም ኬዛርብዎም ዚኽእሉ። ምናልባት እውን ንሓደ ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብ ፈታዊኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ካልኦት ድማ ብዛዕባ ኣዘዋውራኡ ኸም ዘተሓሳሰቦም ኪዛረቡ ትሰምዕ ትኸውን። ነቲ ዘረባኦም ኣርዚንካ ርኣዮ። ምናልባት እውን ብማኪናኡ ሒዙካ ኪኸይድ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዩ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ኣዘዋውራኡ ተዛረቦ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ናቱ ቦታ ኣእቲኻ ሕሰብ። ብለውሃት ግናኸ ከይሓባእባእካ ተዛረቦ። ኣብቲ ዕድመኡ እምብዛ ኣይተተኵር። ብዛዕባ ኣዘዋውራኡ ኢኻ ኸተዛርቦ ዘሎካ። “ማኪና ኽትዝውር ከለኻ፡ ድሕንነትካ የተሓሳስበኒ ኣሎ” ዝዓይነቱ ዘረባ ደኣ እምበር፡ “ኣዘዋውራኻ ተባላሽዩ እዩ” ዝዓይነቱ ናይ ነቐፌታ ዘረባ ኣይትጠቐም። ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘኻኽሮ።

ሓደ ሰብ ብሰንኪ እርጋን ምዝዋር ማኪና ኺሓድጎ ኸሎ፡ ኵላትና ኽንድንግጸሉ ኣሎና። ናጽነቱ ኸም ዝሰኣነ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ኣብቲ ውሳነኡ ደግፎ፡ ግብራዊ ሓገዝ እውን ሃቦ። (ምሳ. 17:17) ብማኪናኻ ኽትማልኦ ኽሳዕ ዚሓትተካ ኣይትጸበ። ምናልባት ጾር ከም ዝዀነ ዀይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ከምኡ ኢሉ ኸይሓትተካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናብ ኣኼባታት፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ናብ ዕዳጋ፡ ናብ ሕክምናዊ ቘጸራታት፡ ኰታስ ናብ እተፈላለየ ኣገዳሲ ንጥፈታት ክትወስዶ ፍቓደኛ ኸም ዝዀንካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምግባርን ምስኡ ግዜ ምሕላፍን ከም ዜሐጕሰካ ኣረጋግጸሉ።—ሮሜ 1:11, 12።

a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2002 ሕታም ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ሓደጋታት ማኪና—ንህይወትካ ካብ ሓደጋ ትጥንቀቐላ ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ