ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧
ንሓያሎ ዓመታት ማኪና ኽትዝውር ጸኒሕካ። ነቲ ባዕልኻ ማኪና ምዝዋር ዘለዎ ናጽነት ትፈትዎ ኢኻ። ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ግና ኪሻቐሉ ጀሚሮም። ድሕሪ ሕጂ ማኪና ኽትዝውር እውን ኣይደልዩኻን እዮም። እንተዀነ ግና፡ ስለምንታይ ክሳዕ ክንድዚ ኸም እተሻቐሉ ኣይተረድኣካን።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዲኻ ዘለኻ፧ እሞ ደኣ ምዝዋር ማኪና ኽትሓድጎ ወይ ከይትሓድጎ ንምውሳን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ካብ እተወሰነ ዕድመ ንላዕሊ ዘለዉ መራሕቲ ማኪና፡ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ቕድሚ ምሕዳሶም ብሓኪም ኪምርመሩ ኣለዎም። ኣብተን ሃገራት እቲአን ዚነብሩ ክርስትያናት፡ ነዚ ሕግታት እዝን ነቲ ብሰበ ስልጣን ዚግበር ውሳነታትን ይእዘዙ እዮም። (ሮሜ 13:1) እንተዀነ ግና፡ እትነብረሉ ዓዲ ብዘየገድስ፡ ማኪና ንምዝዋር ብቑዕ እንተ ዄንካ ኽትግምግም ትኽእል ኢኻ።
ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ ገምግም
ወብሳይት እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ሃገራዊ ትካል እርጋን ከም ዚሕብሮ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ገዛእ ርእስኻ ብምሕታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ፦
ምስ መሰየ፡ ኣብ መገዲ ዚርከብ ምልክታት ምንባቡ ዀነ ምርኣዩ የጸግመኒ ድዩ፧
ቍሊሕ ኢለ ኣብ ናይ ጐድኒ መስትያታተይ ዘሎ ኽርኢ ወይ ኣብ ጐድነይ ዘሎ ተሽከርካሪ ምርኣይ የጸግመኒ ድዩ፧
ብቕልጡፍ ስጕምቲ ምውሳድ ይኸብደኒ ድዩ፧ ንኣብነት፡ ነቲ መሕነን ክረግጾ ድሕሪ ምጽናሕ ብቕልጡፍ ልጓም ክሕዝ እኽእል ድየ፧
ኣመና ቐስ ኢለ ስለ ዝዝውር፡ ንዋሕዚ ማካይን እዓግት ድየ፧
ብተደጋጋሚ ንስክላ ኻብ ሓደጋ አምልጥዶ ኣለኹ፧ ወይ ንማኪናይ ምስ ዘይንቀሳቐስ ነገራት ዓሰርተ ሳዕ እለሓጽጻዶ ኣለኹ፧
ብሰንኪ ኣዘዋውራይ ፖሊስ ደው ኣቢሉኒ ይፈልጥዶ፧
ማኪና እናዘወርኩ ትኽስ ኢለ እፈልጥዶ፧
ነቲ ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለተይ ኪጸሉ ዚኽእል መድሃኒት እወስድ ድየ፧
ቤተ ሰበይ ወይ ፈተውተይ ኣዘዋውራይ ከም ዜሻቕሎም ነጊሮምኒዶ ይፈልጡ፧
ካብዚ ሕቶታት እዚ ንሓደ ወይ ንኽልተ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ እተወሰነ ምትዕርራያት ክትገብር የድልየካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ምናዳ ምስ መሰየ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትዝውር ደረት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትካ በብእዋኑ ገምግሞ። ብዛዕባ ኣዘዋውራኻ ንኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ንፈታዊኻ ሓሳብ ኪህበካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ትምህርቲ ድሕንነት ምዝዋር ማኪና እውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንልዕሊ ኽልተ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ ግና፡ ምናልባት ምዝዋር ማኪና እንተ ሓደግካዮ ይሓይሽ።a
ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ወስን
ማኪና ናይ ምምራሕ ክእለትና የንቈልቍል ከም ዘሎ ኣይፍለጠናን ይኸውን። ምዝዋር ማኪና ኽንሓድጎ ዚብል ሓሳብ ከኣ ተኣፋፊ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ዅነታትካ ብንጹር ምእንቲ ኺርኣየካን ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብርን እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ክልተ እስከ ንርአ።
ዓቕምኻ ፍለጥ። (ምሳ. 11:2) ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ዓይንናን እዝንናን ጭዋዳታትናን ኣእምሮናን ይደክም እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ፡ምእንቲ ኸይጕድኡ ኢሎም ኣብ ገሊኡ ዓይነት ስፖርት ምስታፍ ይሓድግዎ እዮም። ኣብ ምዝዋር ማኪና እውን ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ዚዓዪ። ሓደ ሰብ ምእንቲ ድሕንነቱ ኢሉ ብትሕትና ተደሪኹ ዓቕሙ ስለ ዚፈልጥ፡ ምዝዋር ማኪና ኺሓድጎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 22:3) ካልኦት ሰባት ሻቕሎቶም ኪገልጹ ከለዉ ኸኣ፡ ትሑት ዘበለ ሰብ ዚብልዎ ይሰምዕን ይቕበሎምን እዩ።—ምስ 2 ሳሙኤል 21:15-17 ኣረኣኢ።
ካብ ዕዳ ደም ተሓሎ። (ዘዳ. 22:8) ማኪና ብስርዓት እንተ ዘይተታሒዛ፡ ሓደገኛ ኽትከውን ትኽእል እያ። ክእለቱ እናደኸመ ኽነሱ ማኪና ዚዝውር ሰብ፡ ህይወቱን ህይወት ካልኦት ሰባትን እዩ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ። ህይወት ሰብ ኣብ ዘጥፍአ ሓደጋ ኢድ እንተ ነይርዎ ኸኣ፡ ብዕዳ ደም ተሓታቲ እዩ ዚኸውን።
ምዝዋር ማኪና ንምሕዳግ ክትውስን ከለኻ፡ ክብረትካ ኸም ዝነከየ ወይ ከም እተዋረድካ ዀይኑ ኺስመዓካ የብሉን። የሆዋ በቲ ጽቡቕ ባህርያትካ፡ እንተላይ ብትሕትናኻን ንሰባት ብዘሎካ ሓልዮትን እዩ ዚፈትወካ። ከም ዚድግፈካን ከም ዜጸናንዓካን እውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳ. 46:4) ከቶ ኣይኪሓድገካን እዩ። ስለዚ፡ ምዝዋር ማኪና ንምሕዳግ ወይ ንዘይምሕዳግ ክትውስን ከለኻ፡ ግብራዊ ጥበብን መንፈሳዊ ምስትውዓልን ኪህበካ ለምኖ።
a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2002 ሕታም ንቕሑ! ዝወጸት፡ “ሓደጋታት ማኪና—ንህይወትካ ካብ ሓደጋ ትጥንቀቐላ ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።