ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44
መዝሙር 138 ጽባቐ ሽበት
ብግዜ እርጋን ሓጐስካ ዓቅብ
“ብግዜ እርጋን እኳ ይለምዑ።”—መዝ. 92:14።
ኣትኵሮ
ብዕድመ ዝደፍኡ ስለምንታይ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ኸም ዚግባእን ነዚ ብኸመይ ከም ዚገብርዎን።
1-2. የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ (መዝሙር 92:12-14፣ ስእሊ እውን ርአ።)
ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት እርጋን ምስ መጸ በበይኑ ዓይነት ስጕምትታት እዮም ዚወስዱ። ንኣብነት፡ ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ኣብ ጸጕርኻ ንመጀመርታኻ ሽበት ዝረኣኻሉ ግዜ ትዝክሮዶ፧ ነታ ጸጕሪ እቲኣ ኻልእ ሰብ ምእንቲ ኸይርእያ ኽትነጽያ ሓሲብካ ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ሓንቲ ጸጕሪ ምስ ነጸኻ፡ ካልእ ሽበት ምብቋሉ ኣይተርፎን እዩ። እዚ ኣብነት እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ እርጋን ንምህዳም ዘይገብርዎ ነገር ከም ዘየሎ ይሕብር።
2 እቲ ሰማያዊ ኣቦና ግና ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቱ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። (ምሳ. 16:31) ምስ ልሙዓት ኣእዋም እዩ ኣመሳሲልዎም ዘሎ። (መዝሙር 92:12-14 ኣንብብ።) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧ ኦም ነዊሕ ዓመታት ምስ ጸንሐ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሙር ኣቝጽልትን ምዑዝ ዝሽታኡ ዕምባባታትን ይህልዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን ዚርከብ ንነዊሕ ዓመታት ዚነብር ዓይነት ኦም ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣዝዩ ውቁብ ዝዀነ ዓይነት እዚ ኦም እዚ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ዝዕድሚኡ ኣሎ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ልክዕ ከምዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ኣእዋም፡ ምናዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ውቁባት እዮም። የሆዋ ነቲ ሽበቶም ጥራይ ኣይኰነን ዚርኢ። የግዳስ፡ ንኸም ጽንዓትን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያቶም፡ ከምኡ ድማ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ይርእዮ እዩ።
ከምቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ኣእዋም እናጸበቐን እናለምዐን ዚኸይድ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት እውን ውቁባትን ብሱላትን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)
3. የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ዕላማኡ ንምፍጻም ከም እተጠቕመሎም ዜርኢ ኣብነት ሃብ።
3 ሓደ ሰብ ብዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ዋጋ እናነከየ ኣይኰነን ዚኸይድ።a ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ብዙሕ ግዜ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ዕላማኡ ንምፍጻም ተጠቒሙሎም እዩ። ንኣብነት፡ ሳራ ኣደ ብርቱዕ ህዝብን እኖሓጎ መሲሕን ከም እትኸውን ብየሆዋ ኣብ እተነግረሉ እዋን፡ ብዕድመ ደፊኣ እያ ነይራ። (ዘፍ. 17:15-19) ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን መሪሑ ኻብ ግብጺ ኼውጽእ ብየሆዋ ኣብ እተላእከሉ እዋን፡ ብዕድመ ደፊኡ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 7:6, 7) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ሸምጊሉ እዩ ነይሩ።
4. ብመሰረት ምሳሌ 15:15፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንጸገማቶም ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
4 ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ እርጋን ዜምጽኦ ብዙሕ ጸገማት የጓንፎም እዩ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “እርጋን ንፈራሃት ኣይትዀኖምን እያ” ብምባል ነዚ ብሓውሲ ዋዛ ገሊጻቶ ኣላ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓጐስb እንተ ኣልይዎም ግና፡ ነቲ እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ኪጻወርዎ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 15:15 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ሓጐሶም ንምዕቃብ ኪገብርዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ግብራዊ ነገራት ክንመያየጥ ኢና። ካልኦት ሰባት ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ እርጋን እናኣርከበና ምስ ከደ፡ ሓጐስና ንምዕቃብ ስለምንታይ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን እስከ ንርአ።
ሓጐስ ነቲ እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ክትጻወር የኽእለካ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)
እርጋን ንሓጐስካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧
5. ብዕድመ ንዝደፍኡ ገሊኦም ሰባት እንታይ እዩ ዜጕህዮም፧
5 ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ እዩ ኼጕህየካ ዚኽእል፧ ምናልባት ቅድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ነገር ክትገብሮ ብዘይ ምኽኣልካ ትጕሂ ትኸውን። ነቲ ብንእስነትካ ዝሓሸ ጥዕና ዝነበረካ እዋን ትዝክር ትኸውን። (መክ. 7:10) ንኣብነት፡ ሩቢ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ቃንዛን ስቓይን ስለ ዘሎኒ፡ ብቐሊሉ እውን ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል፡ ክዳነይ ክኽደን እኳ የጸግመኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነዛ እግረይ ኣልዒለ ካልሲ ኽገብር እኳ ዓቐብ እዩ ዚዀነኒ። ኣእዳወይ ደንዚዙ፡ ብሕማም ሪሕ እውን ተጠቒዑ ስለ ዘሎ፡ ቀሊል ነገር ምግባር እኳ የጸግመኒ እዩ።” ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግል ዝነበረ ሃሮልድ እውን ከምዚ ይብል፦ “ዋላ እውን ንገዛእ ርእሰይ ከለሊ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እየ በጺሐ፣ ሓድሓደ ግዜ እበሳጮ እየ። ቀደም ድልዱል ሰብኣይ እየ ነይረ። በይስቦል ምጽዋት እውን እፈቱ ነይረ። ‘ንሃሮልድ ኣቐብሎ፡ ንሱ ኣይስሕትን እዩ’ እየ ዚብሃል ነይረ። ሕጂ ግና ኵዕሶ ኽድርቢ ዝኽእል እኳ ኣይመስለንን።”
6. (ሀ) ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ኬጕህዮም ዚኽእል እንታይ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎ፧ (ለ) ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ምዝዋር ማኪና ኺሓድግዎ ወይ ከይሓድግዎ ንምውሳን እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ “ምዝዋር ማኪና ኽሓድጎዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።)
6 ብዘይካዚ፡ ናጽነትካ ስለ ዚድረት፡ በዚ ትጕሂ ትኸውን። ምናዳ ዚኣልየካ ሰብ እንተ ኣድልዩካ፡ ወይ ምስ ሓደ ኻብ ደቅኻ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ከምኡ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ጥዕናኻ እናኣንቈልቈለ፡ ዓይንኻ እውን እናደኸመ ብምኻዱ፡ ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ባዕልኻ ኽትኸይድ ወይ ማኪና ኽትዝውር ብዘይ ምኽኣልካ ኣመና ትጕሂ ትኸውን። እዚ ብሓቂ ዜሕዝን እዩ! እንተዀነ ግና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ኻልኦትን ዘሎና ዋጋ፡ ገዛእ ርእስና ኽንኣሊ ኣብ ምኽኣል፡ በይንና ኽንነብር ኣብ ምኽኣል፡ ወይ ማኪና ኽንዝውር ኣብ ምኽኣል እተመርኰሰ ዘይምዃኑ ዘክር። የሆዋ ንስምዒትና ኺርድኦ ኸም ዚኽእል እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሱ ውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዜገድሶ። ልብና ንዕኡን ንክርስትያናት ብጾትናን ብዘሎና ፍቕርን ሞሳን ዝመልአ ምዃኑ እዩ ዜገድሶ።—1 ሳሙ. 16:7።
7. መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዕድመኦም ከይመጽእ ከም ዚኽእል ሓሲቦም ንዝጐሃዩ ሰባት እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
7 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ ዕድመኻ ኸይመጽእ ከም ዚኽእል ክትሓስብ ከለኻ ትጕሂ ትኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ የሆዋ ንመወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም ብትዕግስቲ ይጽበ ኸም ዘሎ ዘክር። (ኢሳ. 30:18) ትዕግስቱ ግና ብዘይ ዕላማ ኣይኰነን። ሳላ ትዕግስቱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንዕኡ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ግዜን ኣጋጣምን ይረኽቡ ኣለዉ። (2 ጴጥ. 3:9) ስለዚ፡ ጓሂ ኺስምዓካ ኸሎ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኻብ ትዕግስቲ የሆዋ ኽንደይ ሰባት ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ሕሰብ። መን ይፈልጥ፧ ገለ ኻባታቶም ኣባላት ስድራ ቤትካ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
8. እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ብኸመይ እዩ ጽልዋ ኼሕድር ዚኽእል፧
8 ዕድመና ብዘየገድስ ሕማቕ ኪስምዓና ኸሎ፡ ደሓር ዜጣዕሰና ነገር ክንዛረብ ወይ ክንገብር ንኽእል ኢና። (መክ. 7:7፣ ያእ. 3:2) ንኣብነት፡ እቲ ብተኣማንነት ዚመላለስ ዝነበረ እዮብ ምስ ተሳቐየ፡ “ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ” ተዛሪቡ እዩ። (እዮ. 6:1-3) ብተወሳኺ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጥዕና ስለ ዝሰኣኑ፡ ከም ንቡር ዘይብልዎ ነገር ኪዛረቡ፡ ወይ ከም ንቡር ዘይገብርዎ ነገር ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓዴና ብእርጋን ወይ ብስእነት ጥዕና ኣመኽኒና ሕማቕ ነገር ክንገብር ወይ ይገበረልና ኢልና ኸነሸግር የብልናን። ንሰብ ዚጐድእ ነገር እንተ ጌርና ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ይቕረታ ኽንሓትት ኣሎና።—ማቴ. 5:23, 24።
ብኸመይ ሓጐስካ ትዕቅብ፧
እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት እናሃለወካ ኽነሱ፡ ብኸመይ ኢኻ ሓጐስካ ኽትዕቅብ እትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-13 ርአ)
9. ሓገዝ ክትቅበል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
9 ሓገዝ ተቐበል። (ገላ. 6:2) ኣብ መጀመርታ፡ እዚ ኼጸግመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ግረትል ዝስማ ሓብቲ፡ “ጾር ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኒ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓገዝ ምቕባል የጸግመኒ እዩ። ኣተሓሳስባይ ንምቕያር፡ ሓገዝ ከም ዜድልየኒ ኸኣ ብትሕትና ንምእማን ግዜ ወሲዱለይ እዩ” ትብል። ካብ ካልኦት ሓገዝ ትቕበል እንተ ኣሊኻ፡ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ኪረኽቡ ኢኻ እትፈቕደሎም ዘለኻ። (ግብ. 20:35) ዚፈትዉኻን ዚሓልዩልካን ሰባት ከም ዘለዉ ምርኣይ ድማ፡ ብርግጽ ባህ ኬብለካ እዩ።
(ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)
10. ምስጋናኻ ኽትገልጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
10 ምስጋናኻ ግለጽ። (ቈሎ. 3:15፣ 1 ተሰ. 5:18) ሰናይ ነገር ኪግበረልና ኸሎ፡ ኣብ ልብና ምስጋና እኳ እንተሎ፡ ነዚ ግና ኣይንገልጾን ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ፍሽኽ ኢልና እንተ ኣመስጊንና፡ ንፈተውትና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮምን ከም እነማስዎምን ኢና እነርእዮም። ሊያ ዝስማ ኣብ ቤት-ኤል ንዚርከቡ ኣረጋውያን እትኣሊ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓንቲ ኻብተን ኣነ ዝኣልየን ኣሓት፡ ምስጋናኣ ብጽሑፍ ትገልጸለይ እያ። እቲ ጽሑፋ ሓጺር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ ጥዑም እዩ። ኣዝየ እየ ዝፈትዎ፣ ነቲ ዝህባ ሓገዝ ከም እተማስወሉ ምፍላጥ እውን የሐጕሰኒ እዩ።”
(ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሰብ ክትሕግዝ እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
11 ንሰብ ክትሕግዝ ጽዓር። ግዜኻን ጕልበትካን ኣብ ካልኦት ከም ዜተኵር እንተ ጌርካ፡ ኣብ ጸገማትካ ኣይከተተኵርን ኢኻ። ሓደ ናይ ኣፍሪቃውያን ብሂል፡ ንኣረጋውያን ብጥበብ ምስ እተመልአ ቤተ መጻሕፍቲ የመሳስሎም እዩ። ኣብ ከብሒ ተደርዲሩ ዚነብር መጻሕፍቲ ግና፡ ባዕሉ ኣይምህርን ወይ ዛንታ ኣይነግርን እዩ። ስለዚ፡ ንስኻ “ህያው ቤተ መጻሕፍቲ” ኸም ምዃንካ መጠን፡ ብተበግሶኻ ፍልጠትካን ተመክሮኻን ንንኣሽቱ ኣካፍሎም። ሕቶታት ሕተቶም፡ ኪምልሱልካ ኸለዉ እውን ስምዓዮም። ብመለክዒታት የሆዋ ምምልላስ ወትሩ ዝሓሸ ኸም ዝዀነን ሓጐስ ከም ዜምጽእን ምሃሮም። ነቶም ብዕድመ ኻባኻ ዝነኣሱ ፈተውትኻ ኸተጸናንዖምን ከተበርትዖምን ከለኻ፡ ብርግጽ ክትሕጐስ ኢኻ።—መዝ. 71:18።
(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)
12. ብመሰረት ኢሳይያስ 46:4፡ የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናቱ እንታይ ከም ዚገብረሎም እዩ ቓል ኣትዩ ዘሎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
12 ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ብኣካላዊ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ እኳ እንተ ደኸምካ፡ የሆዋ ግና “ከቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን እዩ።” (ኢሳ. 40:28) እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሉ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ ሓደ መገዲ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናቱ ብርታዐ ብምሃብ እዩ። (ኢሳ. 40:29-31) ከም ሓቂ፡ ንዓታቶም ከም ዜበርትዖም ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:4 ኣንብብ።) ወትሩ ድማ ቃሉ ይሕሉ እዩ። (እያ. 23:14፣ ኢሳ. 55:10, 11) ናብ የሆዋ ምስ ጸለኻ እሞ ፍቕሩን ደገፉን ኣብ ህይወትካ ምስ ረኣኻ፡ ብርግጽ ክትሕጐስ ኢኻ።
(ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)
13. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 4:16-18፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
13 እርጋን ግዜያዊ ምዃኑ ዘክር። ሓደ ኣጸጋሚ ዅነታት ሓላፊ ምዃኑ እንተ ዘኪርካ፡ ብቐሊሉ ኽትጻወሮ ትኽእል ኢኻ። እርጋንን ጸገማት ጥዕናን ግዝያዊ ምዃኑ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። (እዮ. 33:25፣ ኢሳ. 33:24) ስለዚ፡ እቲ ብሉጽ ዓመታት ህይወትካ ገና ብሕጂ ኸም ዚመጽእ እምበር ከም ዘይሓለፍካዮ ምፍላጥካ ኼሐጕሰካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16-18 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ካልኦትከ ንዓኻ ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
(ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)
ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧
14. ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ክትበጽሖም ወይ ክትድውለሎም ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
14 ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጽሓዮም ወይ ደውለሎም። (እብ. 13:16) ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እተጠልዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ካሚል ዝስሙ ዓዲ ውዒል ዝዀነ ሓው፡ “ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ካብ ገዛ ኣይወጽእን እየ። ስለዚ፡ ኣመና እዩ ዚስልክየኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጋብያ ኸም እተዓጽወ ኣረጊት ኣንበሳ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እጭነቕን እበሳጮን እየ” ይብል። ብዕድመ ንዝደፍኡ ኽንበጽሖም ከለና፡ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮምን ከም እንፈትዎምን ኢና እነረጋግጸሎም። ኵላትና መሸም ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክንድውለሎም ወይ ክንበጽሖም ንሓስብ ኢና፣ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ግና ኣይኰነልናን እዩ። ኣብ ህይወትና ብዙሕ ክንገብሮ ዚግባእ ነገራት ኣሎና። እሞ ደኣ ‘እቲ ዚሓይሽ መርሚርና’ ቐዳምነት ምእንቲ ኽንህቦ፡ ንኣብነት ንኣረጋውያን ምእንቲ ኽንበጽሖም፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ፊል. 1:10) ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ተክስት ንምስዳድ ወይ ንምድዋል መዘኻኸሪ ኽትምዝግብ ትኽእል ኢኻ። ብኣካል ንምብጻሕ እውን ግዜ ኽትምድብ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ነገር እዚ ንወዝቢ ኣይትሕደጎ።
15. ንኣሽቱን ዓበይትን ብሓባር እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
15 ንእሽቶ እንተ ዄንካ፡ ምስ ዓበይቲ ብዛዕባ እንታይ ከም እትዛረብ ወይ እንታይ ከም እትገብር የተሓሳስበካ ይኸውን። ብዛዕባ እዚ ግና እምብዛ ኣይትጨነቕ። ናይ ሓቂ ፈታዊ ጥራይ ኵነሎም። (ምሳ. 17:17) ቅድሚ ኣኼባ ወይ ድሕሪ ኣኼባ ንዓበይቲ ኣዛርቦም። ምናልባት ዚፈትውዋ ጥቕሲ ኺነግሩኻ ወይ ዜስሕቕ ናይ ቍልዕነቶም ተዘክሮ ኼካፍሉኻ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ፈነወ JW ብሓባር ክትርእዩ እውን ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ብግብራዊ መገድታት ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኤለክትሮኒካዊ ናውቶም ከተዘምነሎም ወይ ሓደስቲ ጽሑፋት ከተራግፈሎም ትኽእል ኢኻ። ካሮል ዝስማ ሓብቲ፡ “ብዕድመ ምስ ዝደፍኡ ሰባት ብሓባር ኴንካ እትፈትዎ ነገር ክትገብር ሓሳብ ኣቕርበሎም። ኣነ ብዕድመ ዝደፋእኩ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንህይወት ግና ከስተማቕራ እደሊ እየ። ናብ ዕዳጋ ኼድካ ምትዕድዳግ፡ ኣብ ደገ ምብላዕ፡ ተፈጥሮ ምድናቕ እፈቱ እየ” ትብል። ማይራ ዝስማ ሓብቲ ድማ፡ “ሓንቲ መሓዛይ ጓል 90 ዓመት እያ። ኣብ መንጎና ናይ 57 ዓመት ፍልልይ ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ ብሓባር ስለ እንስሕቕን ብሓባር ፊልም ስለ እንርእን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ እርስዖ እየ። ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኸኣ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ ኢና” ትብል።
16. ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ናብ ሕክምናዊ ቘጸራታት ምስናይ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
16 ናብ ሕክምናዊ ቘጸራታት ኣሰንዮም። ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ናብ እንዳ ሓኪም ንምኻድ ብመጓዓዝያ ኽትተሓባበሮም ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ብጽቡቕ ምእንቲ ኺሕዝዎምን ግቡእ ቈላሕታ ምእንቲ ኺገብሩሎምን፡ ኣሰኒኻዮም ናብ ሓኪም እንተ ኣቶኻ ይሓይሽ። (ኢሳ. 1:17) ካብ ሓኪም ንዚንገሮም ነገራት ኣብ መዘኻኸሪ ብምምዝጋብ እውን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ሩት ዝስማ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ናብ ሕክምናዊ ቘጸራታት በይነይ እንተ ኸይደ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ሓካይም ኣርዚኖም ኣይርእዩንን እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ‘እቲ ጸገም ኣብ ርእስኺ ዝፈጠርክዮ ነገር እዩ’ ይብሉኒ እዮም። ምስ ሰብ እንተ ኸይደ ግና፡ ኣተሓሕዛኦም ይቕየር እዩ። ነቶም ኣሰንዮምኒ ዝኸዱ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።”
17. ምስ ዓበይቲ ኣብ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ኢኻ ኽትሳተፍ እትኽእል፧
17 ብሓባር ኣገልግሉ። ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ በቤት እናኸዱ ንምስባኽ ጕልበት ኣይህልዎምን ይኸውን። እሞ ደኣ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኣብ ናይ ዓረብያ ምስክርነት ምሳኻ ሓቢራ ኸተገልግል ክትዕድማ ትኽእልዶ፧ ምናልባት እውን ኣብ ጥቓ እቲ ዓረብያ ኾፍ ምእንቲ ኽትብል መንበር ክትማልኣላ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕድሞ፡ ምናልባት እውን እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቤቱ ዄንካ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ቤቶም እንተ ተገይሩሎም፡ ኣብኡ ብቐሊሉ ኺሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ሽማግለታት ነዚ ኺሓስቡሉ ይኽእሉ እዮም። እወ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ንምኽባር ኢልና እንገብሮ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ መወዳእታኡ ዓስቢ ኣለዎ።—ምሳ. 3:27፣ ሮሜ 12:10።
18. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
18 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ከም ዚፈትዎምን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮምን መዘኻኸሪ ተዋሂቡና እዩ። ኣብ ጉባኤ ዘለና ዅላትና ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓና! እርጋን ጥዑም ኣይኰነን፣ ብሓገዝ የሆዋ ግና ሓጐስካ ኽትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 37:25) ብሉጽ ዓመታት ህይወትካ ገና ብሕጂ ኸም ዚመጽእ ምፍላጥካስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዕድመ ንዝደፍአ ቤተ ሰቦም፡ ንዝሓመመ ውላዶም፡ ወይ ንዝሓመመ ፈታዊኦም ይኣልዩ እዮም። ንሳቶምከ ብኸመይ እዮም ሓጐሶም ኪዕቅቡ ዚኽእሉ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ኽንመያየጠሉ ኢና።
መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ
a ኣብ jw.org ወይ ኣብ JW Library®፡ ኣቱም ኣረጋውያን፡ ኣገዳሲ ግደ ኣሎኩም ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።