ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ግንቦት ገጽ 14-19
  • ነታ ነባሪት ከተማ ድለያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ነባሪት ከተማ ድለያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ኸቶ ዘይሓድገካ ኣምላኽ ተወከል
  • ነቶም ዚመርሑና ተኣዘዞም
  • ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣርኢ፡ ምቕባል ኣጋይሽ እውን ኣይትረስዕ
  • ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
  • ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ክንጻወር እትሕግዘና መልእኽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ግንቦት ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

መዝሙር 21 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ

ነታ ነባሪት ከተማ ድለያ

“ነታ እትመጽእ [ከተማ] ኣጸቢቕና ንደልያ ኣለና።”—እብ. 13:14።

ኣትኵሮ

እብራውያን ምዕራፍ 13፡ ሎምን ኣብ መጻእን ብኸመይ ከም እትጠቕመና።

1. የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሩሳሌም እንታይ ከም እትኸውን እዩ እተነበየ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረ ሒደት መዓልትታት፡ ዝርዝር ነጥብታት ዘለዎ ትንቢት ተነበየ። እቲ ትንቢት ድማ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እቲ ስርዓት ኣይሁድ እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ትንቢቱ፡ ከተማ የሩሳሌም ‘ብሰራዊት ከም እትኽበብ’ ኣጠንቀቐ። (ሉቃ. 21:20) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነታ ኸተማ ዚኸብባ ሰራዊት ምስ ረኣዩ፡ ካብቲ ኸባቢ እቲ ብኡብኡ ኺለቅቁ ኸም ዘለዎም ሓበሮም፣ ከምቲ ዝበሎ ድማ፡ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ከበብዋ።—ሉቃ. 21:21, 22።

2. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝነበሩ እብራውያን እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ሂብዎም፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ዝኸበቡላ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ሕጂ መጽሓፍ እብራውያን ተባሂላ እትፍለጥ ሓያል ደብዳበ ጸሓፈ። ኣብታ ደብዳበ እቲኣ ድማ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ኺዳለዉሉ ዚሕግዞም ኣገዳሲ ምኽሪ ሃቦም። እሞ ደኣ ብልክዕ እንታይ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፧ ጥፍኣት የሩሳሌም እዩ ዚመጽእ ነይሩ። እቶም ክርስትያናት እቲኦም ካብቲ ጥፍኣት ንምድሓን፡ ኣባይቶምን ስራሖምን ሓዲጎም ንምኻድ ድሉዋት ኪዀኑ ነይርዎም። ስለዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ኸተማ የሩሳሌም፡ “ነታ እትመጽእ ኣጸቢቕና ንደልያ ኣለና እምበር፡ ኣብዚ ነባሪት ከተማ የብልናን” ኢሉ ጸሓፈ።—እብ. 13:14።

3. እታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” እንታይ እያ፧ ስለምንታይከ ኢና እንደልያ፧

3 ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ለቒቖም ኪኸዱ ዝወሰኑ ክርስትያናት ኣደዳ ወቐሳን ላግጽን ኰይኖም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ውሳነኦም እቲ ግና ንህይወቶም ኣድሒኑሎም እዩ። ሎሚ እውን ንሕና ትውክልትና ኣብ ሰባት ስለ ዘይንገብር፡ ወይ ከኣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ውሑስን ጣዕሚ ዘለዎን ናብራ ኽንነብር ስለ ዘይንጽዕር፡ ኣደዳ ላግጺ ንኸውን ኢና። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ዓይነት ውሳነ እንውስን፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ስርዓት እዚ ግዜያዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ፡” ማለት ነታ “እትመጽእ” እተባህለት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንደሊ ዘለና።a (እብ. 11:10፣ ማቴ. 6:33) እምበኣር፡ ኣብ ንኡስ ኣርእስታት እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክንምርምር ኢና፦ (1) እቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ፡ ነታ ‘እትመጽእ ከተማ’ ኺደልዩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም፡ (2) ጳውሎስ ንዓታቶም ንመጻኢ ብኸመይ ከም ዘዳለዎም፡ (3) ምኽሩ ሎሚ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና።

ኣብቲ ኸቶ ዘይሓድገካ ኣምላኽ ተወከል

4. ክርስትያናት ንየሩሳሌም ኣገዳሲት ከተማ ገይሮም ዚርእይዋ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

4 ክርስትያናት ንየሩሳሌም ኣገዳሲት ከተማ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብ33 ድ.ክ. ኣብታ ኸተማ እቲኣ እያ ተመስሪታ። ናይታ ጉባኤ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዚነብሩ ብዙሓት ክርስትያናት፡ ኣባይትን ብዙሕ ጥሪትን ነይርዎም እዩ። የሱስ ግና ንሰዓብቱ፡ ካብ የሩሳሌም ኪወጹ፡ ዋላ እውን ካብ ይሁዳ ኺወጹ መጠንቀቕታ ሂብዎም እዩ።—ማቴ. 24:16።

5. ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት፡ ነቲ ዚመጽእ ዝነበረ ነገር ብኸመይ እዩ ኣዳልይዎም፧

5 ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዝነበረ ነገር ኬዳልዎም ኢሉ የሆዋ ንኸተማ የሩሳሌም ብኸመይ ከም ዚርእያ ኣረድኦም። ብኣረኣእያ የሆዋ፡ እታ ቤተ መቕደስን እቲ ኽህነትን እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚቐርብ መስዋእትታትን ድሕሪ ደጊም ቅዱስ ዘይምዃኑ ኣዘኻኸሮም። (እብ. 8:13) መብዛሕትኦም ነበርቲ እታ ኸተማ ንመሲሕ ኣይተቐበልዎን። እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ድማ ድሕሪ ደጊም ማእከል ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኸም ዘይኰነት፡ ኣብ መጻኢ እውን ከም እትጠፍእ ገለጸሎም።—ሉቃ. 13:34, 35።

6. እቲ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን 13:5, 6 ንክርስትያናት ዝሃቦም መዘኻኸሪ እዋናዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

6 ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፍሉ እዋን፡ የሩሳሌም ዕምርቲ ኸተማ እያ ነይራ። ኣብቲ እዋን እቲ ዚነብር ዝነበረ ሮማዊ ደራሲ ንየሩሳሌም፡ “ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣዝያ ስምይቲ ኸተማ” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ዓድታት ዚነብሩ ኣይሁድ፡ በዓላት ንምብዓል ዓመት ዓመት ናብታ ኸተማ እቲኣ ይኸዱ ነበሩ፣ እዚ ድማ ንቝጠባኣ ኣበርክቶ ይገብር ነበረ። ገሊኦም ክርስትያናት እውን ካብዚ ጽቡቕ ቍጠባዊ ዅነታት ተጠቒሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ” ዝበሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ብምባል የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ዝሃቦም ውሕስነት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቐሰሎም። (እብራውያን 13:5, 6 ኣንብብ፣ ዘዳ. 31:6፣ መዝ. 118:6) ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እዚ መረጋገጺ እዚ የድልዮም ነበረ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እታ ደብዳበ እቲኣ ኻብ እትበጽሖም ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣባይቶምን ስራሖምን መብዛሕትኡ ጥሪቶምን ሓዲጎም ኪኸዱ ተገደዱ። ድሕሪኡ እውን ንዜጋጥሞም ዝዀነ ይኹን ነገር ኪዋጽኡሉ ነበሮም።

7. ሕጂ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦ ንዓናኸ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧ እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኼብቅዕ እዩ። (ማቴ. 24:21) ስለዚ፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ክንነቅሕን ክንዳሎን ኣሎና። (ሉቃ. 21:34-36) ኣብቲ ብርቱዕ ጸባባ፡ ገሊኡ ንብረትና ወይ ኵሉ ንብረትና ኽንሓድግ የድልየና ይኸውን። ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎ ምሉእ ትውክልቲ ኺህልወና ኣለዎ። ሕጂ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ገና ኸይጀመረ እኳ፡ ኣብ መን ከም እንውከል እነርእየሉ ኣጋጣሚ ኣሎና። እምበኣር፡ ‘ተግባራተይን ሸቶታተይን ኣብ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኸም ዚከናኸነኒ ቓል ዝኣተወለይ ኣምላኽ ከም ዝውከል የርኢዶ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (1 ጢሞ. 6:17) ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘጋጠመ ነገር፡ ትምህርቲ ኽንወስድ እንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም “ብርቱዕ ጸበባ” ግና ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ እቲ ጸበባ እቲ ምስ ጀመረ፡ ከመይ ጌርና ኢና እንታይ ከም እንገብር ብልክዕ ክንፈልጥ እንኽእል፧

ነቶም ዚመርሑና ተኣዘዞም

8. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መምርሒ እዩ ሂብዎም፧

8 ካብቲ ጳውሎስ ናብ እብራውያን መልእኽቲ ዝጸሓፈሉ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ የሩሳሌም ብሰራዊት ሮሜ ኽትክበብ ከላ ክርስትያናት ረኣዩ። እዚ ድማ ካብታ ኸተማ ኺሃድሙ ምልክት ኰኖም። ስለምንታይሲ፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ። (ማቴ. 24:3፣ ሉቃ. 21:20, 24) እንተዀነ ግና፡ ናበይ እዮም ሃዲሞም፧ የሱስ፡ “እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” ጥራይ እዩ ኢልዎም። (ሉቃ. 21:21) ኣብቲ ዞባ እቲ ብዙሕ ኣኽራን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ናበይ ኣንፈት እዮም ሃዲሞም፧

9. ክርስትያናት ናበየናይ ኣኽራን ኪሃድሙ ኸም ዘለዎም ሓሲቦም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ካርታ እውን ርአ።)

9 ገለ ኻብቲ ክርስትያናት ኪሃድሙሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ኣኽራን እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ ንኣብነት፡ ኣኽራን ሰማርያ፡ ኣኽራን ገሊላ፡ ከረን ሄርሞን፡ ኣኽራን ሊባኖስ፡ ስግር ዮርዳኖስ ዚርከብ ኣኽራን ኪጥቀስ ይከኣል። (ካርታ ርአ።) ገለ ኻብተን ኣብቲ ኣኽራን ዚርከባ ኸተማታት፡ ውሑሳት እየን ዚመስላ ነይረን። ንኣብነት፡ እታ ኣብ በሪኽ ከረን እተደኰነት ከተማ ጋምላ ብቐሊሉ እትድፈር ኣይነበረትን። ገሊኦም ኣይሁድ ነታ ኸተማ እቲኣ ኸም ውሕስቲ መዕቈቢት ገይሮም ርእዮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ሮማውያንን ብርቱዕ ውግእ ተኻየደ፣ ብዙሓት ነበርታ እውን ሃለቑ።b

ገለ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣኽራንን ከተማታትን ዜርኢ ካርታ። ብሰሜን የሩሳሌም፡ ኣኽራን ሊባኖስን ኣኽራን ገሊላን ኣኽራን ሰማርያን ኣኽራን ጊልዓድን ከረን ሄርሞንን ከረን ታቦርን ኣሎ። ብሰሜን የሩሳሌም፡ ጋምላን ቂሳርያን ጴላን ዚብሃላ ኸተማታት ኣለዋ። ብደቡብ የሩሳሌም፡ ኣኽራን ይሁዳን ኣኽራን ዓባሪምን ኣሎ፣ ከምኡ እውን ከተማ ማሳዳ ኣላ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ካርታ እቲ ወፍርታት ሮሜን ካብ 67 ድ.ክ. ክሳዕ 73 ድ.ክ. ካብ ኢድ ኣይሁድ ዝወጸ ቦታታትን ተሓቢሩ ኣሎ።

ቀዳሞት ክርስትያናት ኪሃድሙሉ ዚኽእሉ ሓያሎ ኣኽራን እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ግና ኣይኰነን ውሑስ ዝነበረ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)


10-11. (ሀ) ብኸመይ እዩ የሆዋ መምርሒ ሂቡ ኪኸውን ዚኽእል፧ (እብራውያን 13:7, 17) (ለ) ክርስትያናት ንዚመርሕዎም ኣሕዋት ስለ እተኣዘዙ ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሆዋ ነቶም ክርስትያናት በቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሕዎም ዝነበሩ ኣሕዋት ኣቢሉ መምርሒ ዝሃቦም እዩ ዚመስል። ጸኒሑ ዩሲቤስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት፡ ንብቑዓት ሰባት ብዝመጾም ራእይ ኣቢሎም መለኮታዊ መሪሕነት ተዋህቦም፣ ቅድሚ እቲ ውግእ ካብታ ኸተማ ወጺኦም ኣብ ጴርያ ኣብ እትርከብ ጴላ እትብሃል ከተማ ኺሰፍሩ እውን ትእዛዝ ተዋህቦም።” ጴላ ጽብቕቲ ምርጫ እያ ነይራ። ካብ የሩሳሌም ርሕቕቲ ስለ ዘይነበረት፡ ብቐሊሉ ናብኣ ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። መብዛሕትኦም ነበርታ ኻብ ኣህዛብ ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ በቶም ንናጽነት ዚቃለሱ ዝነበሩ ኣኽረርቲ ኣይሁድ ኰነ በቲ ንሳቶም ምስ ሮማውያን ዝገበርዎ ውግእ ኣይተጸልወትን።—ካርታ ርአ።

11 እቶም ናብ ኣኽራን ዝሃደሙ ክርስትያናት፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “ንዚመርሑኹም ተኣዘዝዎም” ብምባል ኣብ ጉባኤ ንዚመርሕዎም ኣሕዋት ኪእዘዙ ዝሃቦም ምኽሪ ተግበርዎ። (እብራውያን 13:7, 17 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጥፍኣት ደሓኑ። ኣምላኽ ነቶም ‘ናይ ሓቂ መሰረት ንዘለዋ ኸተማ ዚጽበዩ፡’ ማለት ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዩ ኸም ዘይሓድጎም ኣብ ታሪኽ ተረጋገጸ።—እብ. 11:10።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንብረቶም ሒዞም ብኣኽራን ይጕዓዙ።

ጴላ ውሕስትን ቀረባን እያ ነይራ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)


12-13. የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ጽንኩር እዋን ዝመርሖም ብኸመይ እዩ፧

12 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦ የሆዋ ንህዝቡ በቶም ዚመርሕዎም ኣቢሉ መምርሒታት ብዝርዝር ይህቦም እዩ። ኣብ ጽንኩር እዋናት፡ ንህዝቡ ዚመርሑ ጓሶት ከም ዘተንስአ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብብዝሒ ይርከብ እዩ። (ዘዳ. 31:23፣ መዝ. 77:20) ሎሚ እውን የሆዋ ነቶም ዚመርሑና ዘለዉ ኸም ዚጥቀመሎም ዚሕብር እኹል መርትዖ ኣሎ።

13 ንኣብነት፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ፡ እቶም ‘ዚመርሑና’ ኣሕዋት ዜድልየና ዘበለ መምርሒ ሂቦምና እዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን ዜድልዮም ዘበለ መንፈሳዊ ነገራት ብኸመይ ከም ዚረኽቡ ዚሕብር መምርሒታት ንሽማግለታት ተዋሂቡ እዩ። እቲ ለበዳ ድሕሪ ምጅማሩ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብኢንተርነትን ብቲቪን ብረድዮን ኣቢሉ ብእተፈነወ ልዕሊ 500 ቛንቋ ታሪኻዊ ኣኼባ ዞባ ጌርና ኢና። ዋሕዚ መንፈሳዊ ምግቢ ኣይተቛረጸን። ሳላ እዚ ድማ ሓድነትና ኽንዕቅብ ክኢልና። ኣብ መጻኢ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ የሆዋ ነቶም ዚመርሑና ጥበባዊ ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስዱ ኺሕግዞም እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምድላው፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከልን እዙዛት ክንከውንን ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ንምድሪ ዜናውጽ ብርቱዕ ጸበባ ንምድላው እንታይ ካልእ ባህርያት ኪሕግዘና ይኽእል፧

ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣርኢ፡ ምቕባል ኣጋይሽ እውን ኣይትረስዕ

14. ብመሰረት እብራውያን 13:1-3፡ ክርስትያናት ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እቲ ስርዓት ኣይሁድ እንታይ ባህርያት እዮም ኬርእዩ ዝነበሮም፧

14 እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ጀመረ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብነት እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ክንስዕብ ኣሎና። ካብ ቀደሞም ኣትሒዞም ንሓድሕዶም ይፋቐሩ ነይሮም እዮም። (እብ. 10:32-34) ኣብቲ ናብ መወዳእታ ስርዓት ኣይሁድ ዝመርሐ ዓመታት ግና፡ ብዝያዳ “ሕውነታዊት ፍቕሪ” ኼርእዩ፡ ‘ተቐበልቲ ጋሻ’ እውን ኪዀኑ ነይርዎም።c (እብራውያን 13:1-3 ኣንብብ።) ንሕና እውን እዚ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታ ገጹ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ከምኡ ኽንገብር ኬድልየና እዩ።

15. እብራውያን ክርስትያናት ካብ ዓዶም ድሕሪ ምህዳሞም ሕውነታዊት ፍቕሪ ኼርእዩን ኣጋይሽ ኪቕበሉን ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

15 ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ከበብዋ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ምስ ኣንሰሓቡ፡ ክርስትያናት ሒደት ንብረቶም ሒዞም እዮም ሃዲሞም። (ማቴ. 24:17, 18) ናብ ኣኽራን ኪጕዓዙን ኣብኡ ኺነብሩን ከለዉ፡ ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ነይርዎም። “ብህጹጽ ዜድልዮም” ብዙሕ ነገራት ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። እዚ ድማ ንክርስትያናት፡ ናይ ሓቂ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኼርእዩ፡ ንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ዘለዎም ብምምቓልን ከኣ ተቐበልቲ ጋሻ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ።—ቲቶ. 3:14።

16. ሓገዝ ንዜድልዮም ክርስትያናት ብጾትና ኸመይ ጌርና ኢና ፍቕርና ኸነርእዮም እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ፦ ክርስትያናት ብጾትና ሓገዝ ኬድልዮም ከሎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ንሕግዞም ኢና። ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰንኪ ውግእን ባህርያዊ ሓደጋን ኪስደዱ ኸለዉ፡ ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ውግእ ካብ ዓዳ እተመዛበለት ሓንቲ ዩክረይናዊት ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኢድ የሆዋ ብኣሕዋትና ኣቢላ ኽትመርሓናን ክትሕግዘናን ከላ ርኢና ኢና። ኣብ ዩክረይን፡ ኣብ ሃንጋሪ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኣሕዋትና ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምናን ሓጊዞምናን እዮም።” እቶም ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዚቕበሉን ዜድልዮም ዜማልኡሎምን ክርስትያናት፡ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዉ ናውቲ እዮም።—ምሳ. 19:17፣ 2 ቈረ. 1:3, 4።

ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ካብ ዓዶም ንእተሰድዱ ስድራ ቤት ናብ ቤቶም ይቕበልዎም። እቶም ስድራ ቤት ባልጃን ሳንጣታትን ሒዞም ኣለዉ።

ሎሚ ዚስደዱ ክርስትያናት ደገፍና የድልዮም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


17. ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነማዕብል፡ ተቐበልቲ ጋሻ እውን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ኣብ መጻኢ፡ ካብ ሕጂ ብዝያዳ ሓገዝ ከም ዜድሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ኣን. 3:16-18) የሆዋ ኻብ ሕጂ ኣትሒዙ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነማዕብል፡ ተቐበልቲ ጋሻ እውን ክንከውን የሰልጥነና ኣሎ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ወሳኒ ኪኸውን እዩ።

ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ኪኸውን፧

18. ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ብኸመይ ኢና ኽንመስሎም እንኽእል፧

18 ታሪኽ ከም ዚምስክሮ፡ እቶም ናብ ኣኽራን ዝሃደሙ ክርስትያናት ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣምሊጦም እዮም። ንሳቶም ነታ ኸተማ ሓዲጎምዋ ኸይዶም እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኸቶ ኣይሓደጎምን። ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና ግና፡ የሱስ ኣጠንቂቑና እዩ። (ሉቃ. 12:40) ጳውሎስ እውን ኣብታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና እውን ክንትግብሮ እንኽእል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድገናን ከም ዘይጥንጥነናን ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ። (እብ. 13:5, 6) እምበኣር፡ ነታ ነባሪት ከተማ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንድለያ! ሽዑ፡ ነቲ ንሳ እተምጽኦ በረኸት ክንረክብ ኢና።—ማቴ. 25:34።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ሕጂ ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እዙዛት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ሕውነታዊት ፍቕሪ ኸነማዕብልን ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውንን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝሙር 157 ኪሰፍን’ዩ ሰላም!

a ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸተማታት ብንጉስ ይመሓደራ ነበራ። ስለዚ፡ ንጉስ ዝገዛኢኣ ኸተማ ኸም መንግስቲ እያ እትርአ ነይራ።—ዘፍ. 14:2።

b እዚ ብ67 ድ.ክ.፡ ካብቲ ክርስትያናት ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝሃደሙሉ ግዜ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ዀይኑ።

c እታ “ሕውነታዊት ፍቕሪ” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል ንናይ ቀረባ ቤተ ሰብ እተርእዮ ፍቕሪ ኸተመልክት ትኽእል እያ። ጳውሎስ ግና ኣብ መንጎ ጉባኤ ኺህሉ ንዚግባእ ሓያል ፍቕሪ ንምምልካት ተጠቒሙላ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ