ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 23-24
ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ
መጠንቀቕታ የሆዋ ንመሰኻኽርን ንፈራዶን ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ብብዙሓት ተጸልዮም፡ ብሓሶት ከይምስክሩን ፍትሒ ኸየቕንኑን ዜተሓሳስብ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ይውዕል እዩ። ዓለም ንክርስትያናት ምስቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኪሰማምዑ ብቐጻሊ ጸቕጢ ተውርደሎም እያ።—ሮሜ 12:2።
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ ደድሕሪ ብዙሓት ምስዓብ ዘይጥበባዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
ዘይተረጋገጸ ወረን ሕሜትን ክንሰምዕ ከለና
ኣከዳድና፡ ኣመሻሽጣ ጸጕሪ ወይ መዘናግዒ ኽንሓሪ ኸለና
ካባና እተፈልየ ዓሌትን ባህልን ቍጠባዊ ዅነታትን ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ክንሓስብን ምሳታቶም ክንራኸብን ከለና