ክርስትያናዊ ህይወት
መወዳእታ ኪቐርብ ከሎ፡ ጸኒዕኩም ቁሙ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ትብዓትናን ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶን ዚፍትን ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዜፍርህ ፍጻመታት ኬጋጥም እዩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪጅምር እዩ። (ማቴ 24:21፣ ራእ 17:16, 17) ኣብቲ ሕንፍሽፍሽ ዚመልኦ እዋን፡ ከቢድ መልእኽቲ ፍርዲ ንእውጅ ንኸውን ኢና። (ራእ 16:21) ካብ ጎግ ብዓል ማጎግ፡ መጥቓዕቲ ኺወርደና እዩ። (ህዝ 38:10-12, 14-16) የሆዋ ድማ፡ ነቲ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ከም ዚጅምር ኪገብር እዩ። (ራእ 16:14, 16) ኣብቲ ፍጻመታት እቲ ትብዓት ምእንቲ ኸነርኢ፡ ኣብዚ ሎሚ ዜጋጥመና ናይ እምነት ፈተናታት ጸኒዕና ኽንቀውም ኣገዳሲ እዩ።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ንልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ብትብዓት ደግፍ።—ኢሳ 5:20
ወትሩ ምስ ክርስትያን ብጾትካ ሓቢርካ ኣምልኽ።—እብ 10:24, 25
ካብ ውድብ የሆዋ ንዚውሃብ መምርሒ ብፍታው ተኣዘዝ።—እብ 13:17
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ንህዝቡ ዘድሓነሉ መገዲ ኣስተንትን።—2ጴጥ 2:9
ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ብእኡ ድማ ተኣመን።—መዝ 112:7, 8
ነታ ትብዓት ዚሓትት ናይ መጻኢ ፍጻመታት—ቍንጽል ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣስፋሕቲ፡ ጉባኤኦም ምስ ካልእ ጉባኤ ምስ ተሓወሰት፡ እንታይ ንተኣዛዝነቶም ዚፍትን ነገር እዩ ኣጋጢምዎም፧
ትብዓትን ተኣዛዝነትን እተተሓሓዛ ብኸመይ እየን፧
ኣርማጌዶን ኣብ እትመጸሉ እዋን፡ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
ነቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ትብዓት ዚሓትት ነገር፡ ሕጂ ተዳለወሉ
ኣየናይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፡ ኣብቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ምድሓን ሓይሊ ንዘሎና እምነትና ኼደልድለልና ዚኽእል፧—2ዜና 20:1-24