ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 መስከረም ገጽ 7
  • “ብቐጻሊ ሕሰቡ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብቐጻሊ ሕሰቡ”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽህናናን ሓሳባትናን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ምስትንታን ልበይ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ምስትንታን
    ንቕሑ!—2014
  • መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 መስከረም ገጽ 7
ሓደ ሓው ኣብ እዋን ምሸት ኣብ ኮምፒተሩን ንሰይጣን ዜመልክት ዚጓዝም ኣንበሳ ኣብ ጥቓኡ ተደሪቡን

ክርስትያናዊ ህይወት

“ብቐጻሊ ሕሰቡ”

ብዛዕባ እንታይ፧ ፊልጲ 4:8 ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት ዘበለ ኽንሓስብ ከም ዘሎና ትዛረብ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክርስትያናት ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ጥራይ ኪሓስቡ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ምስትንታን ልብና ንየሆዋ ዜሐጕስ ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ነቲ ንየሆዋ እሙናት ንምዃን ዝገበርናዮ ቘራጽነት ዜዳኽም ኪኸውን የብሉን።—መዝ 19:14።

ዘይጥዑይ ሓሳባት ንምውጋድ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘይፍጹም ስጋና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ “ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ” ዝዀነ ሰይጣን እውን ክንቃለስ ኣሎና። (2ቈረ 4:4) ከመይሲ፡ ሰይጣን ንመራኸቢ ብዙሓን ዓለም፡ ማለት ንመብዛሕትኡ ኣብ ተሌቪዥንን ኣብ ረድዮን ኣብ ኢንተርነትን፡ ኣብ ሕትመትን ዚወጽእ ነገራት ስለ ዚቈጻጸሮ፡ ኣዝዩ ተበላሽዩ እዩ ዘሎ። ንኣእምሮና እንመልኦ ነገራት መረጽቲ እንተ ዘይኴንና፡ ኣተሓሳስባና ይበላሾ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣካይዳና ይቕየር።—ያእ 1:14, 15።

ነታ ተኣማንነትካ ዜዳኽም ዘበለ ኣወግድ—ዘይግቡእ መዘናግዒ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓደ ሓው ኣብ እዋን ለይቲ ዜተሓታትት ነገራት ኣብ ሞባይሉ ይርኢ

    እቲ ሓው ኣብ ሞባይሉ እንታይ እዩ ዚርኢ ነይሩ፧ እዚኸ ብኸመይ ጸልይዎ፧

  • ሓደ ሓው ኣባል ኰይንዎ ንዝነበረ ንሓደ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ይስርዞ

    ካብ ገላትያ 6:7, 8 ከምኡ እውን መዝሙር 119:37 ብኸመይ ሓገዝ ረኺቡ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ