ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ሰነ ገጽ 3
  • ቃል የሆዋ ብዅሉ ዝርዝር ይፍጸም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃል የሆዋ ብዅሉ ዝርዝር ይፍጸም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ትንቢት መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ሰነ ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 51-52

ቃል የሆዋ ብዅሉ ዝርዝር ይፍጸም

የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ተነበየ

ቀስቲ ዘብዐኛ ቤተ መንግስቲ ፋርስ

ቀስቲ ዝሓዘ ዘብዐኛ ቤተ መንግስቲ ፋርስ

“ፍላጻታት ስሓሉ”

51:11, 28

  • ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ክኢላ ቐስተኛታት እዮም ነይሮም፣ ንቐስቲ ድማ ከም ቀንዲ ኣጽዋሮም ገይሮም ይጥቀምሉ ነበሩ። ናብ ውሽጢ ዚኣቱ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ ንፍላጻታቶም ይስሕልዎ ነበሩ

“ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም ኣለዉ”

51:30

  • ጸብጻብ ፍጻመታት ናቦኒደስ ከምዚ ይብል፦ “ሰራዊት ቂሮስ ብዘይ ውግእ ናብ ባቢሎን ኣተዉ።” እዚ ምናልባት ብዘይ ምንም ግጭት እዩ ኪኸውን ዚኽእል፣ ምስቲ ኤርምያስ እተነበዮ ድማ ይሰማማዕ

ጸብጻብ ፍጻመታት ናቦኒደስ

ጸብጻብ ፍጻመታት ናቦኒደስ

‘ባቢሎን ኵምራ ኣእማንን ንዘለኣለም ባድምን ክትከውን እያ’

51:37, 62

  • ካብ መጀመርታ 539 ቅ.ክ. ኣትሒዙ፡ ክብሪ ባቢሎናውያን ኺሃስስ ጀመረ። እስክንድር እቲ ዓብዪ ድማ ንባቢሎን ርእሲ ኸተማኡ ኺገብራ ሃቂኑ ነበረ፣ ግናኸ ብሃንደበት ሞተ። ኣብ ምጅማር ዘመነ ክርስትና፡ ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ይቕመጡ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ንባቢሎን ኪበጽሕ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. እታ ኸተማ ዓነወት፡ ሰብ ዘይነብረላ ባድም ድማ ኰነት

    ስዕረት ባቢሎን፡ ሞት እስክንድር እቲ ዓብዪ፡ ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን፡ ከምኡ ድማ ባቢሎን ምስ ዓነወት ዜርኢ ሰሌዳ

ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸልወኒ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ንኻልኦት እንታይ ክምህሮም እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ