ብውሕሉል መገዲ ንምምሃር፡ ምድላው ኣድላዪ እዩ
የሱስ፡ ብውሕዱ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሕደ ሕቶ ቐሪቡሉ ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ነቲ ሓታቲ ኺርድኦ ብዚኽእል መገዲ እዩ መሊሱ። (ሉቃ. 10:25-28፣ 18:18-20) ስለዚ፡ ዋላ እኳ ንሕና ነቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ እንተ ዀንና፡ ኣቐዲምና ኽንዳሎ ኸለና ብዛዕባ እቲ ተምሃራይ ክንሓስብ ኣሎና። እቲ ተምሃራይ ንኺርድኦ ወይ ንኪቕበሎ ዜጸገሞ ነጥብታት ኣየናይ እዩ፧ ምስኡ ዄንና እነንብቦ ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧ ክንደይ ዚኸውን ሕጡብ ጽሑፍ ኢና ኽንሽፍን፧ እቲ ተምሃራይ ነቲ ትምህርቲ ጽቡቕ ገይሩ ኺርድኦ ንምሕጋዝ፡ ምሳሌ፡ መግለጺ ወይ ተኸታታሊ ሕቶታት ምድላው የድልየና ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልቢ ኸም ዚበቍል ዚገብሮ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ እንዳለወሉ እዋንን ንተምሃራይናን ተምሃራይና ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺዓቢ ኣብ እንገብሮ ጻዕርን በረኸት የሆዋ ኽንልምን ኣሎና።—1 ቈረ. 3:6፣ ያእ. 1:5።