ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
እተፈተኹም ብጾትና ኣገልገልቲ ቤት፦
ኣብ መጀመርታ እዛ ኣገዳሲት ዓመት እዚኣ፡ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኽንጽሕፈልኩም ከለና ብሓቂ የሐጕሰና እዩ! እቲ ፍቑር ንጉስና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኺገዝእ ኻብ ዚጅምር፡ ኣብ መወዳእታ 2014 ሚእቲ ዓመት ኪመልእ እዩ።—መዝ. 110:1, 2።
ኣብ መጀመርታ እዛ ዓመት ኣገልግሎት እዚኣ፡ ኮሚተ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ተመሓይሹ እተዳለወ ሓድሽ ብሉጽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ እዩ። የሆዋ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቁ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንኼዳልዉ ተጠቒሙሎም እዩ። (ሮሜ 8:15, 16) እዚ ንባዕሉ፡ ነዚ ትርጕም እዚ ፍሉይ ዚገብሮ ምዃኑስ ኣይተሰማምዓሉንዶ፧
ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት ቀዳምነት ኪህቦ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ121 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ነቲ ዘሎኩም መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ከም እተማስዉሉ ንየሆዋ ኽትገልጹሉ ንምሕጸነኩም። መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብዎን ኣስተንትኑሉን። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክትቀርብዎ ኢኹም።—ያእ. 4:8።
እቶም ክቡራት ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ ዜሕልፍዎ ዘለዉ ፈተናታት ክንሰምዕ ከለና፡ ኣዝዩ የተሓሳስበና እዩ። እዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ኣሕዋቶም ኰይኖም ኪሕጐሱ ኸም ዜጸግሞም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሓንቲ ኣደ ኣብ እስያ ብሃንደበት ምስ ለመሰት፡ ስድራ ቤታ ኣብ ከቢድ ሽግር ወደቐት። ክኢላታት ሓካይም፡ ኬሕውዩዋ ኣይከኣሉን። እዝስ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ሕጂ ብዓል ቤታ፡ 24 ሰዓት ካብኣ ኸይተፈልየ ይኣልያ ኣሎ። ወዶምን እተን ክልተ ኣዋልዶምን፡ ከም ክርስትያናት መጠን ንወለዶም ፍቕራዊ ደገፍ ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ ኣለዉ። እዛ ሰናይ ኣብነት እትኸውን ስድራ ቤት እዚኣን እቶም እተፈላለየ ፈተናታት እተሕልፉ ዘለኹም ብጾትናን፡ እቲ እተርእይዎ ተጻዋርነት ሓጐስ ኬምጽኣልኩም ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:2-4) የሆዋ ነቶም ፈተናታት ዚጻወሩ ዘለዉ ቕቡኣቱን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ስለ ዝባርኾም፡ ከም እንሕጐስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:12።
ዓሚ ቝጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ 19,241,252 ነይሩ። ክንድዚ ዚኣኽሉ ሰባት፡ ኣብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዚገብርዎ ኣኼባታት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣኼባ ብምእካብ፡ ንየሆዋን ንየሱስ ክርስቶስን ኬኽብርዎ ምርኣይሲ ኽንደይ ዜተባባዕ ኰን እዩ! ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣስፋሕቲ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ብምግልጋሎም፡ ብርቱዕ ድምጺ ውዳሰ ኣዕሪጎም እዮም። እዝስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ብዘይካዚ፡ ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን፡ ካብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ወጻኢ እውን እንተ ዀነ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሓላው ወረዳ ዚመርሖ ኣኼባ ፈለምቲ ኺካፈሉ ዚኽእሉ ምዃኖም ብምፍላጥካስ ኣይተሓጐስካንዶ፧ መንፈሳዊ ምስትውዓል ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ዕዮ ስብከትን ኣብ ንጥፈታት ጉባኤን ዕዙዝ ምዃን ረብሓ ኸም ዘለዎ ይርድኦም እዩ። ብዕዮ ትሑዛት ምዃንና፡ ጽኑዓትን ዘይንነቓነቕን ንኽንከውን፡ ነቲ ሰይጣን ንእምነትና ብምድኻም ንኣቓልቦና ንምስራቕ ዚገብሮ ፈተናታት ከኣ ንኸነፍሽሎ ይሕግዘና እዩ።—1 ቈረ. 15:58።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት፡ 277,344 ዚዀኑ ሰባት ወፈያኦም ብማይ ጥምቀት ብምግላጽ፡ ሕጂ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋቶም ኣብ መገዲ ህይወት ምስላፎምሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! (ማቴ. 7:13, 14) እዞም ሓደስቲ ተጠመቕቲ፡ ‘ብእምነት ምእንቲ ኺጸንዑ፡’ ክንድግፎም ኣሎና። (ቈሎ. 2:7) ኵላትና ኽሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኽንጻወር፡ ወትሩ ንሓድሕድና ንተባባዕ። (ማቴ. 24:13) “ንእተጨነቑ ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም።” (1 ተሰ. 5:14) ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” እናበልና፡ ‘ከየቋረጽና ንጸሊ።’—1 ተሰ. 5:17፣ ማቴ. 6:10።
ንነፍሲ ወከፍኩም ኣፍቀርቲ የሆዋ ኸም እንፈትወኩም ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።
ኣሕዋትኩም፡
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር