ስማዕን ተምሃርን
1. ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽንሰምዕን ንኽንምሃርን ዝያዳ ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
1 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣኼባታት ኣውራጃ 2013 ኪጅምር እዩ። ነዚ ብደረጃ ዓለምለኸ ንዅሎም ሰባት ዚድህስስ መደብ ንምድላው ብዙሕ እዩ ተጻዒሩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት እቲ ኣኼባ ንኽትርከብ ምድላዋት ጌርካዶ፧ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣውራጃ ብዙሕ ኣቓልቦ ኺሰርቕ ዚኽእል ነገራት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ መደብ ጽን ኢልካ ንምስማዕ ተወሳኺ ጻዕሪ ምግባር የድሊ። እቲ ኣኼባ፡ ካብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚነውሐ ግዜ ስለ ዚወስድ፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ምግባር እውን ዚሓትት እዩ። ብዘይካዚ፡ ጕዕዞን ካልእ ረቛሒታትን እተወሰነ ድኻም ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ነቒሕና ምእንቲ ኽንሰምዕን ክንምሃርን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ዘዳ. 31:12።
2. ንኣኼባ ኣውራጃ ልብና ኸነዳሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምጅማሩ፦ ኣብቲ www.jw.org ዚብሃል ወግዓዊ ወብ ሳይትና፡ ኣርእስትታት ኵሉ እቲ መደረታት፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ መደረ ኸኣ ሓደ ወይ ክልተ ቐንዲ ጥቕስታት ዝሓዘ መደብ ኣኼባ ኣውራጃ ይወጽእ እዩ። ኢንተርነት ንጥቀም እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ሓበሬታ ኣቐዲምና ምርኣይና፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚቐርብ ትምህርቲ ልብና ንኸነዳሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (እዝ. 7:10) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ብህንጥዮት ምእንቲ ኺጽበዮ፡ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ብዛዕባ እዚ ኽትመያየጡ ምኸኣልኩምዶ፧
3. ተጠንቂቕና ንኽንሰምዕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
3 እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን፦ ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ሽቓቕ እንተ ተጠቐምካ ዝሓሸ እዩ። ሞባይል ተሌፎንካ ኣጥፍእ፣ ከመይሲ፡ በቲ ዚድወለልካ ወይ ዚለኣኸልካ መልእኽቲ ኣይክትርበሽን ኢኻ፣ ንስኻ እውን ንኽትድውል ወይ ድማ ንኻልኦት መልእኽቲ ንኽትልእኽ ኣይክትፍተንን ኢኻ። ተሌፎንካ ንኸይተጥፍእ ዜገድድ ኵነታት እንተ ደኣ ኣጋጢሙካ፡ ኪድወለልካ ኸሎ ንኻልኦት ብዘይርብሽ ኣገባብ ተጠቐመሉ። ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ኤለክትሮኒካዊ ታብሌት ትጥቀም እንተ ደኣ ዄንካ፡ ናይ ካልኦት ኣቓልቦ ብዘይሰርቕ መገዲ ተጠቐመሉ። እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ ኣይትብላዕ ወይ ኣይትስተ። (መክ. 3:1) ናብቲ ተዛራባይ ጠምት። ጥቕሲ ኺንበብ ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተል። ሓጺር መዘኻኸሪ ድማ ሓዝ።
4. ወለዲ፡ ደቆም ንኺሰምዑን ንኺምሃሩን ኪሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
4 ደቅና እውን ኪሰምዑን ኪምሃሩን ንደሊ ኢና። ምሳሌ 29:15፡ “ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ” ትብል። ስለዚ፡ ወለዲ፡ ደቆም ምእንቲ ኸየዕልሉን ብሞባይል መልእኽቲ ምእንቲ ኸይለኣኣኹን ናብዝን ናብትን ምእንቲ ኸይብሉን፡ የግዳስ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ምሳታቶም ብሓባር ኮፍ ኪብሉ ጽቡቕ እዩ። ገሊኣቶም ቈልዑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ብምዃኖም ንዅሉ እቲ ዚውሃብ ትምህርቲ ንኺርድእዎ ኺጽገሙ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብንቕሓት ንኺከታተሉን ህድእ ኢሎም ኮፍ ንኺብሉን ግና ስልጠና ኺውሃቦም ይከኣል እዩ።
5. ኣብ ኣኼባ ንዝቐረበ ትምህርትታት ምድጋሙ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧
5 እቲ ኣኼባ ኣብ ዚዛዘመሉ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፦ ኣይተምሲ። እኹል ዕረፍቲ ምእንቲ ኽትረክብ ብእዋንካ ደቅስ። ነቲ ዝሰማዕካዮ ምድጋሙ፡ ጽቡቕ ጌርካ ንኽትዝክሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት፡ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ፡ ምስ ስድራ ቤትካ ብዛዕባ እቲ መደብ እንተ ተመያየጥካ ጠቓሚ እዩ። ምስ ፈተውትኻ ዄንካ ናብ ቤት ምግቢ እንተ ኼድካ፡ ነቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸሪ ሒዝካ ብምኻድ፡ ልብኻ ዝተንከፈካ ሓደ ወይ ክልተ ነጥቢ ስለምንታይ ዘይተካፍሎም፧ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ቤትካ ምስ ተመለስካ፡ ነቲ እተመሃርካዮ ነጥብታት ብደረጃ ስድራ ቤት ብኸመይ ክትትግብርዎ ኸም እትኽእሉ፡ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ንእተወሰነ ግዜ ኽትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ዝወጸ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ጽሑፋት፡ እተወሰነ ኽፋል ምእንቲ ኽትመያየጡ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ግዜ ኽትምድቡ ትኽእሉ ኢኹም።
6. ኣብቲ ኣኼባ ምእካብ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ድዩ፧ ግለጽ።
6 ኣብ ድግስ እተዳለወ ምግቢ እንተ ዘይተበሊዑን ዘይሓቒቑን፡ እቲ ድግስ እተገብረሉ ዕላማ ሸቶኡ ኣይወቕዐን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚቐርብ መንፈሳዊ ድግስ እውን ከምኡ ኽንብል ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ብምክፋል፡ ተጠንቒቕና ብምስማዕ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ድማ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንጠቐም።