ኣኼባ ኣገልግሎት እትዳለወሉ መገዲ
1. ዕላማ ኣኼባ ኣገልግሎት እንታይ እዩ፧ ካብኡ ኣጸቢቕና ኽንጥቀም እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
1 ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ንኸነገልግል ምእንቲ ኺሕግዘና እዩ ዚዳሎ። ገለ ኻብቲ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚውሰድ ትምህርትታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ፡ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፡ ከምኡውን መለኮታዊ ፍርዲ ምቕራቡ ምእዋጅ ዜጠቓልል እዩ። (ማቴ. 28:20፣ ማር. 13:10፣ 2 ጴጥ. 3:7) ብዝግባእ ምስ እንዳሎን እንሳተፍን ካብዚ ኣኼባ እዚ ኣጸቢቕና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።
2. ነቲ ዚቐርብ መደረ ጽቡቕ ጌርና ንኽንሰምዕ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧
2 መደረ፦ መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ መደረ ኻበየናይ ጽሑፍ ከም ዚቐርብ፡ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ይወጽእ እዩ። ነቲ ጽሑፍ፡ እንተላይ ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ክትምርምሮ፡ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትካ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ድማ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ።
3. ብሕቶን መልስን ንዚቐርብ ምይይጥ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧
3 ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ፦ እዚ ኽፍሊ እዚ ልክዕ ከም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ዚውሰድ፣ ሕጽር ዝበለ መእተውን መደምደምታን ከኣ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ቀንዲ ነጥብታት ኣስምረሉ፣ ሓጺርን ትርጕም ዘለዎን ሓሳብ ንምሃብ ከኣ ተዳሎ።
4. ነቲ ምስ ሰማዕቲ ብዚግበር ምይይጥ ዚቐርብ ክፍሊ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧
4 ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ፦ እዚ ኽፍሊ እዚ ብመደረ ዚቐርብ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተዛራባይ ግን ነቶም ሰማዕቲ ኺሳተፉ ይዕድሞም እዩ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣስሚርካሉን ነቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ኣንቢብካዮን እንተ መጺእካ፡ ሕቶ ኺሕተት ከሎ ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ነዚ ኽፍሊ እዚ ዜቕርብ ሓው፡ ቀንዲ ነጥብታት ንምሽፋን ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ፡ እቶም ሰማዕቲ ኸም ዚሳተፉ ይገብር እዩ።
5. ካብቲ ዚቐርብ መርኣያታት ንኽንጥቀም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
5 መርኣያታት፦ ገሊኡ ኽፍልታት፡ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ኣገልግሎት ኪውዕል ከም ዚኽእል ዜርኢ መርኣያታት ዜጠቓልል እዩ። ሽማግለታት ወይ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ወይ ከኣ ፈለምቲ ነዚ መርኣያታት እዚ የቕርብዎ። ክትዳሎ ኸለኻ፡ እዚ ኽፍሊ እዚ ብኸመይ ከም ዚቐርብ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ መርኣያ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን፡ ንእተፈላለዩ ሰባት ክትምስክረሎም ከለኻ፡ ብኸመይ ብናትካ ኣበሃህላ ኸተቕርቦ ኸም እትኽእል ሕሰብ። ናብ ጉባኤ ኽትመጽእ ከለኻ ኣብቲ መርኣያ ንዚቐርብ ጽሑፋት ከም ዝሓዝካ ኣረጋግጽ። ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ኣብ እትገብሩሉ እዋን ንገለ ኻብዚ መርኣያታት እዚ ምልምማዱ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
6. ንኣኼባ ኣገልግሎት ክንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
6 ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ተዳሊናን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ክፍልታት ሓሲብናን እንተ መጺእና እቲ ኣኼባ ባህ ዜብል ኪዀነልና እዩ። ከምዚ ምግባርና ኸኣ፡ ንሓድሕድና ኽንጸናናዕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (ሮሜ 1:11, 12) ግዜ መዲብካ ንኣኼባ ኣገልግሎት እንተ ተዳሊኻ፡ ነቲ እተዋህበና መዝነት ንምፍጻም ዝያዳ ዕጡቕ ክትከውን ኢኻ።—2 ጢሞ. 3:17።