መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
13 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 3 (32)
10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኻብ 20 ጥቅምቲ ጀሚሩ በታ ጉባኤ ትራክት ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ ግለጽ፡ ክሳዕ ሽዑ ትራክትታት እንተ ዘይወሲዶም፡ ኵላቶም ትራክትታት ኪወስዱ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ንናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ መስከረም ንቕሑ! ተባሂሉ እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ነዘን መጽሔታት እዚኣተን ኬበርክትወን ስለ ዝቐነዩ፡ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም።
35 ደቒቕ፦ “ሓድሽ መደብ ኣኼባ ጉባኤ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ይነበብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ሓሳብ ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 23 (200)
20 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12 (113)
5 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
20 ደቒቕ፦ ካብ ኣገልግሎት እትረኽቦ ሓጐስ ዓቅቦ። ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 24-25፡ ሕጡብ ጽሑፍ 11-17 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዜተባብዕ መደረ። ንነዊሕ እዋን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ንዘገልገሉ ሓደ ወይ ክልተ ክርስትያናት ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ሰባት ንመልእኽቶም ኣብ ዘይቅበሉሉ እዋን ሓጐሶም ኪዕቅቡ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧
20 ደቒቕ፦ ናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መስከረም ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ሰማዕቲ ኣብ ገለ ኻብዘን ዓንቀጻት ተመርኲሶም ዝርርብ ንምጅማር ኪጥቀሙሉ ዝመደቡ ሕቶ ኺጠቕሱ፡ ድሕሪኡ ነተን መጽሔታት ቅድሚ ምብርካቶም ካብታ ዓንቀጽ ኪጥቀሙላ ዝሓሰቡ ጥቕሲ ኺሕብሩ ዓድሞም። እቲ ተዛራባይ በቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ኣቀራርባ ገይሩ ወይ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ብዚምስጦም ካልእ ኣቀራርባ ገይሩ እታ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ብምቕራብ ይዛዝም።
መዝሙር 16 (143)
27 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18 (162)
5 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
30 ደቒቕ፦ “ብብሕትን ብስድራ ቤትን ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ እዩ!” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ይነበብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ሓሳብ ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 2 (15)
3 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ካብ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ጉባኤን ሃገርን፡ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ኣቕርብ።
20 ደቒቕ፦ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2009። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ ኣብታ “መምርሒ” ዘርእስታ ኣብ መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እትብል እታው ዚርከብ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ምስ ሰማዕቲ ይመያየጠሉ። ኣብቲ እተገብረ ምትዕርራያት ኣተኵር። ኵላቶም ክፍልታት ብምቕራብ፡ ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ብምሃብ፡ ከምኡውን እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ተመርኲሱ ዚህቦ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ ‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣመሓይሾ። ሓላው ኣገልግሎት ወይ ካልእ ብቑዕ ሽማግለ ንውጽኢታዊ ኣመሃህራ ኣበርክቶ ዚገብር ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2008 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 9-12፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 5-18 ተገሊጹ ዘሎ ሓሙሽተ ቐንዲ ረቛሒታት ኣሕጽር ኣቢሉ የቕርብ። እዚ ሓበሬታ እዚ ንኽእለት ኣመሃህራኦም ኬመሓይሹ ኸም ዝጠቐሞም ሓሳብ ኪህቡ ንዚኽእሉ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ቓለ-መጠይቕ ግበር።
መዝሙር 5 (46)