ምድላው—ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዚሕግዝ ረቛሒ
1. እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት በየናይ መገዲ እዩ ኺሰፍሕ ነይርዎ፧
1 የሱስ: ንደቀ መዛሙርቱ ሰበኽቲ “ወንጌል መንግስቲ” ኪዀኑ ምሉእ ብምሉእ ኣሰልጢንዎም እዩ። (ማቴ. 4:23፣ 9:35) እቲ ስልጠና ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ጥራይ እተሓጽረ ነበረ። ይኹን እምበር: ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ: ‘ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኺገብሩ’ እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኪሰፍሕ ምዃኑ ተዛረበ።—ማቴ. 28:19, 20
2. ነቲ የሱስ ‘ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር’ ዝሃበና ትእዛዝ ምሕላው እንታይ የጠቓልል፧
2 እዚ ዕዮ እዚ ነቶም ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕን እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ዅሉ ኺሕልዉ ምምሃርን የጠቓልል። ውጽኢታዊ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር: ብዚግባእ ክንዳሎ የድልየና።
3. ኣብ ናይ ፈለማ ርክብካ እውን ከይተረፈ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ብኸመይ መገዲ ኽትከፍት ትኽእል፧
3 ኣቐዲምካ መድብ:- ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ፈለማ ርክቦም ሕቶ የልዕሉ: ብዛዕባ መልሱ ንምምይያጥ ድማ ተመሊሶም ኪመጽዎም ምዃኖም ይነግርዎም። ተመሊሶም ኪበጽሕዎ ከለዉ እቲ መልሲ ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምርኣይ: ብኡንብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምርዎም ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።
4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር: ሓድሽ ሕታም መጽሔታት ክሳዕ እንቕበል ክንደናጐ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧
4 መጽሔታትና ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ጥራይ ስለ ዚወጽእ: ነቶም ሰባት ተመሊስና ንምብጻሕ: ናይ ዚቕጽል ወርሒ ኽሳዕ እንቕበል ክንጽበ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ ኣብታ ነቲ ሰብ ድሮ ዝሃብናዮ መጽሔት ዝወጸ ሓበሬታ ብምምይያጥ ተገዳስነቱ ኸነለዓዕል ንኽእል ኢና።
5. ኣብ ኣእምሮኻ ሸቶ ምሓዝ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
5 ሸቶ ይሃልኻ:- ተመሊስካ ቕድሚ ምኻድካ: ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ነቲ መዘኻኸሪ ወረቐትካ ርኣዮ: ኬድካ እንታይ ከም እትዓምም ድማ ወስን። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝሃብካዮ ጽሕፍቲ እትርከብ ነጥቢ ተመያየጥ። ወይ ምስቲ ኣቐዲምካ እተዘራረብካሉ ነጥቢ ዚተኣሳሰር ተወሳኺ ጽሑፍ ግደፈሉ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሕቶ ኣልዒልካ እንተ ኔርካ: ሓደ ኻብቲ ሸቶኻ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነቲ እተዛረብኩምሉ ነጥቢ ዚድግፍ ጥቕሲ ኸተጕልሕ ከለኻ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብበሉ ጽዓር።
6. ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከለና: ዕላማና እንታይ እዩ፧
6 ዕላማና:- ርግጽ እዩ: ዕላማና ነቲ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምሮ እዩ። ሓደ ሓው ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብር ከሎ: ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ዕድመ ኣቕረበሉ: እቲ ሰብ ግን ኣይተቐበሎን። እቲ ሓው እዋናዊት መጽሔት ሒዙ ብምኻድ: “ንሰባት ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶ ንምልሰሎም ኣሎና” በሎ። እቲ ሰብኣይ ዝሃቦ መልሲ ድሕሪ ምስማዕ: እቲ ሓው ሓንቲ ጥቕስን ምስኣ እትሰማማዕ ኣብታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመላ ጽሕፍቲ እትርከብ ሕጡብ ጽሑፍን ኣንበበሉ። እዚ ድማ ናብ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሐ።
7. ብግቡእ ምድላው: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ብኸመይ ሓጊዙካ፧
7 ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ግዜ ወሲድካ ምድላው ዓስቢ ኣለዎ። ሓጐስና ይውስኽ፣ ኣብ ርእሲኡ: ነቶም ‘ቅኑዕ ዝልቦም’ ሰባት ናብ መገዲ ህይወት ኪመጹ ናይ ምሕጋዝ መሰል ይህልወና።—ግብ. 13:48