ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
ድግማ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 30 ጥቅምቲ 2006 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዚውሰድ ድግማ እዩ። ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 4 መስከረም ክሳዕ 30 ጥቅምቲ 2006 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህሪ ዘረባ
1. መደረ ኸተቕርብ ከሎኻ: ኣብ ብምሉኡ መደረኻ ሓደ ዓይነት ውዕዉዕ ስምዒት ጥራይ ከተንጸባርቕ ዘይብልካ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 68 ቍ. 6]
2. ድምጺ ምልውዋጥ እንታይ ማለት እዩ፧ [ht ገጽ 64 ቍ. 11]
3. ኣወዓዕላ ሓደ መብርሂ ብንጹር ኪግለጽ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 73 ቍ. 10]
4. ኣብ መደረ እትጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን መብርሂ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ [ht ገጽ 75 ቍ. 20]
5. ሓደ ተዛራባይ ኣብ ሰማዕቱ ምዉቕ ስምዒት እንተደኣ ኣለዎ ዀይኑ: ኣብ ገጹ ኺርአ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 70 ቍ. 13]
ክፍሊ ቍ. 1
6. መጽሓፍ መዝሙር እንታይ ህያው መልእኽቲ እያ ሒዛ ዘላ፧ [bsi06 ገጽ 17 ቍ. 23]
7. መጽሓፍ ምሳሌ መዓስ እያ ተጻሒፋን ተኣኪባን፧ [bsi06 ገጽ 20 ቍ. 5]
8. ምስላ እንታይ እዩ፧ እቲ ናይ እብራይስጢ መጸውዒ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብቑዕ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ [bsi06 ገጽ 20 ቍ. 6]
መ9. መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ውዕዉዕ ስምዒት ከተርኢ ዘሎካ ብኸመይ ኢኻ፧ [ht ገጽ 67 ቍ. 2]
10. መጽሓፍ ምሳሌ እተጻሕፈትሉ ጠቓሚ ዕላማ: ባዕላ እትገልጽ ብኸመይ እያ፧ [bsi06 ገጽ 21 ቍ. 19]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ዳዊት ‘ከም ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ: ንነፍሱ ዘህደኣን ስቕ ዘበላን’ ብኸመይ እዩ፧ ብኸመይከ ኽንመስሎ ንኽእል፧ (መዝ. 131:1-3)
12. ካብቲ ኣብ መዝሙር 139:7-12 ዚርከብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት: እንታይ ምጽንናዕ ኪርከብ ይከኣል፧
13. ኣብ ጸሎትና ይኹን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትና ኽንውድሶ እንኽእል: ገለ ኻብቲ ኣብ መዝሙር መበል 145 ተገሊጹ ዚርከብ ኣብነታት ዘይተመርማሪ ዕቤት የሆዋ እንታይ እዩ፧ (መዝ. 145:3)
14. ፍርሃት የሆዋ: “ንጥበብ [“ንፍልጠት:” NW] መጀመርያኣ” ከምኡውን “መጀመርታ ጥበብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 1:7 ትርጕም 1990፣ 9:10)
15. እቲ ኣብ ምሳሌ 7:1, 2 ‘ቃላተይ’ ከምኡውን ‘ትእዛዛተይ’ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ የጠቓልል፧